ቃል ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ኣብ ዋዕላ ምህናጽ ሕድሕድ ምትእምማን 2016
2016-08-16 20:38:13 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2626 timesክቡር አቦ መንበር አሰናዳኢት ሽማግለ
ክቡር አቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ኩቡራንን ኩቡራትን መራሕትን አባላትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ክቡራንን ኩቡራት ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት 2016
ስልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ወኪለ አብ ፈስቲቫልኩም ክሳተፍ ምኽአለይ ዝስመዓኒ ሓበን ገዚፍን ዓሚቕን ኢዩ። አዚ ኣብ ትሕቲ "ዓወት ውጸዕ ህዝብና ብሓባራዊ ቃልስና " ዝብል ቴማ ዝካየድ ዘሎ ፈስቲቫል ብ ዓወት ክዛዘም ይምነ።
ክቡር አቦ መንበር
ኣብ ድሮ አዚ ፈስቲቫል ዝተኻየደ ዋዕላ ምሁራትን ንጡፍትን"ምህናጽ ምትአምማንን" ኣብ ዝብል ቴማ ኣብ ኣገደስቲ አዋናዊ ጉዳያት ሃገርና ዘቲዩ አዋናዊ ለበዋታት ከመሓላልፍ ትጽቢትና ወሰን የቡሉን።
ኩቡር አቦ መንበር! ኩቡራንን ኩቡራትን ተሳተፍቲ ፈስቲቫል!
ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ኣዚዩ ፈታኒ ኩነታት ምህላዉ ቡዙሕ ተባሂሉን ተዘቲዩሉን ኢዩ። ምድግጋሙ ቡዙሕ ፋይዳ የቡሉን፡ አቲ ተሪፉና ዘሎ ነቲ ዓመታት ዝወሰደ ቃልሲ ብኸመይ ንዛዝሞ ኢዩ። ብርግጽ ኣብዚ ጉዳይ አዚ ቡዙሕ ዓበይቲ ጉዳያት ተሰሪሖም ኢዮም፡ ግና ዓድና ከአትዉና ኣይከኣሉን። ስለምንታይ ኢልና ክንሓትት ጉቡአ ይመስለና፡ ዝኸድናዮም መገዲን ዝሓንጸጽናዮም ሕንጻጻት ክንምርምሮምን ብደቂቕ ክንግምግሞምን ይግባአ።
ብእምነትና እቲ ሽግር እዚ አብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ ኢዩ። መጀመርታ ናይቲ ፍታሕ ድማ፡ ኩሉ ነዚ ስርዓት ዝቋወም ዘሎ አካላት፡ አብ ስርዓት አስመራ አብ ምእላይ ተሰማሚዑ ብሓንሳብ ክሰርሕ ከሎ ኢዩ። ኣማራጺታት ዝተሓንኮኹ ይመስለና፡ አታ ሓንቲን ናይ መወዳአታን ሓድነት ኢያ።ሓድነት ፖለቲካውያን፥ ሓይልታት፡ ሓድነት ሲቪካዊ ማሕበራትን ሓድነት ህዝቢን። ነዚ ምቹእ ሃዋሁ ናይ ምፍጣር ሓላፍነት አብ እንግድዓ እቶም ሃገራውያን ሓይልታት ክጸዓን ከሎ ኢዩ። እዚ ሓላፍነት እዚ ምውሳድ ድማ ወዓል ሕደር ክንብለሉ አይግባእን።
ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩምኒ የመስግን።
ዘልአለማዊ ዝኽሪ ንስውአትና!
ዓወት ንህዝቢ!