ቃል ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ኣብ ዋዕላ ምህናጽ ሕድሕድ ምትእምማን 2016

2016-08-15 07:56:56 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 5178 times

ዝኸበርኩምንዝኸበርክንን ተኻፈልቲ ዋዕላ ምህናጽ ሕድሕድ ምትእምማን

 

ኣቐዲመ፡ ንዕድመና ኣኽቢርኩምን ኣኽቢርክንን ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጻእኩምን ዝመጻእኽንን ኣጋይሽና ብሓበራ፡ ነቶም ወረቓቕቲ ዘቕረብኩምን ንውድባትኩም ወኪልኩም ዝመጻእኩም ኣባላት መሪሕነትን ድማ ብፍላይ ብስመይን ብስም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) እንቋዕ ደሓን መጻእኩም እንቋዕ ድሓን መጻእክን ክብል እፈቱ። ቀጺለ ነዚ ዎርክሾፕ እዚ ኣብ ምድላዉ ክነጥፉ ንዝጸንሑ ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ክብ ዝበለ ምስጋናይ እናቕረብኩ፤ ካብ’ዚ ብምቕጻል መደረይ ንኽልቲኡ ጾታታት ዘመልክት ምዃኑ ጠቒሰ ናብ ዘዳለኽዎ ቃል ክኣቱ ኣፍቅዱለይ።

 

ክቡራንን ክቡራትን

 

ኣዳሊናዮ ዘለና ዋዕላ/ዎርክሾፕ ከመይ ይመስል?

 

ኣብ ናይሮቢ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ንኵሎም ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ኣብ ክሊ ሓባራዊ ራኢ ንምጥርናፍ ዝሕልን መስርሕ ወይ መድረኽ ኢዩ። ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ንተቓወምቲ ፖለቲካውን ሲቪላውን ማሕበራት ንምጥርናፍ ዝዓለመ፡ ብኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ክካየድ ጸኒሑን ኣሎን። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣዳልይዎ ዘሎ ዋዕላ ወይ ወርክሾፕ ግን፡ ካብ ክልቲኡ ፍልይ ዝበለ ኰይኑ፡ ተመሳሳሊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ኣለዎም ኢሉ ንዝኣመነሎም ውድባትን ሰልፍታትን ብምቅርራብን ብምጥርናፍን ሃገራዊ መደብ ዕዮ ናይ መሪሕ ግደ ክጻወት ንምግባር ዝሕልን ኢዩ።

Workshop 5

ሓቢርካ ምስራሕ ሓይሊ ምዃኑ ኵላትና እንሰማምዓሉ ጕዳይ ኢዩ። ነዚ ዘረጋግጽ ምስላታት ህዝብና እውን ማእለያ የብሉን። ገለ ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ኣሕዋት ምስ ዝፋቐሩ ጸላኢ የባርሩ፤ ሓቢረን ዝጸመዳ ኣጻብዕ፡ ኣርቃይ የጸምብዓ፤ ኣድቂቕካ ዝመተርካዮን ሓቢርካ ዝመኸርካዮን፡ እቲ ነይሓንቕ፡ እቲ ከኣ ነይሓምቕ ዝብሉ ኢዮም።

 

ብርእይቶና፡ ኵሉም ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ዝተሓተ ናይ ስምምዕ ነጥቢ ተመርኵሶም ብሓባር ክሰርሕሉ ዝኽእሉ መድረኽ ክፍጠር ኣለዎ ዝብል እምነት ኣሎና። ስለ’ዚ ኢና እውን ኣካል ናይ’ቲ ኣብ ናይሮቢ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ተቓወምቲ ውድባት ዝዀና።

 

ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ሰዲህኤ፡ ፖለቲካውን ሲቪላውን ውድባት/ማሕበራት ንተመሳሳሊ ዕላማ ዝቖሙ ኰይኖም ኣገባብ ኣቀላልሳኦም ግን ከምዝፈላለ ይኣምን። ፖለቲካዊ ውድባት ንስልጣን ዝቃለሱ ኣካላት ክዀኑ ከለው፡ ሲቪላውያን ማሕበራት ግን ንዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ደቂ ሰብ ዝጣበቑ፡ ብሰብ ሰርሖ ይኹን ባህርያዊ ምኽንያታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንዝወርዱ ጸገማት ዘቃልሉ፡ ዘይመንግስታውያን ናይ ጾታ፡ ሞያን ንቓባውያን ማሕበራት ምጥርናፋት ኢዮም ዝብል ርድኢት ኣሎና።

Workshop 4

ስለ’ዚ፡ ፖለቲካውን ሲቪላውያን ውድባትና፡ መሰላት ደቂ ሰባት ዝኽበረሉ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ምህናጽ ተማላላኢ ግደ ዝጻወቱ ደኣ’ምበር ተታኻኻእቲ ወይ ተጻረርቲ ከምዘይኰኑ ኢና እንግንዘብን ተዋሃሂዶም ክሰርሑ ድማ ነተባብዕን ንድግፍን።

 

ብኻልእ ሸነኽ፡ ደምበ ተቓውሞና ዝሳቐየሉ ከቢድ ዝዀነ ብኵራት ናይ ሕድሕድ ምትእምማን ከምዘሎ ኢና ንግንዘብ። እዚ ኵነታት’ዚ ሓንሳብ ሃይማኖታዊ፡ ሓንሳብ ብሄራዊ፡ ሓንሳብ ኣውራጃዊ መልክዓት እናለበሰ ኣብ ህዝብና ክልሑኽ ውን ንዕዘብ ኣሎና። ንረብሓኦም ክብሉ፡ ነዚ ናይ ዘይምትእምማን መንፈስ ዘሳውሩ ውሽጣውያንን ግዳማውያንን ሓይልታት እውን ምህላዎም እውን ክንዝንግዕ ኣይግባእን።

 

ብርእይቶና፡ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ኣውዲቕና፡ ብቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክንትክኦ እንተደኣኰይና፡ ንህዝብና ዝጥርንፍን ዝመርሕን ሃገራውን ዲሞክራስያውን መደብ ዕዮን ውደባን ክንውንን ይግብኣና። ነዚ መደብ ዕዮ’ዚ ድማ፡ ብልፍንቲ ይኹን ከም ውልቀ-ውድባት ንምዕዋቱ ከይተሓለልና ክንሰርሕ የድሊ። ናይ ብሄር፡ ናይ ሃይማኖት ወይ ናይ ከባቢ/ኣውራጃ መደብ ዕዮታትን ውደባን ንመልኣ ህዝቢ ዝጥርንፍ ስለዘይኰነ፡ ሃገር ዝምርሓሎም ፕሮግራማት ክዀኑ ኣይክእሉን ኢዮም። እቲ ዝመርሕ ፕሮግራም፡ ንዅሉ ዜጋ ብዘይ ኣፈላላይ ዝጽውዕን ዘካፍልን ክኸውን ኣለዎ ዝብል መርገጽ ብንጹር ቃላት ኣስሚረ ክገልጾ እፈቱ።

Workshop 3

ሎሚ ተኣኪብና ብዕምቈት ክንዛረበሉ ዝመረጽናዮ ቴማ ወይ ኣርእስቲ “ምትእምማን ምህናጽ” (Trust Building) ዝብል ክኸውን ኢዩ። ነዚ ቴማ’ዚ ንምሕጋዝ ተባሂሎም ድማ፡ ገለገለ ኣርእስታት መሪጽና ብምሁራትን ክኢላታትን ክቐርቡ ጌርና ኣሎና። እቶም ኣብ’ዚ ወርክሾፕ ዝቐርቡልና ኣርእስታት ድማ፡

  1. ዕርቂ
  2. ኣፈታትሓ ግርጭት
  3. ሃለዋት ክብርታትናን ባህልታትናን
  4. ተራ ሚድያ ኣብ ምህናጽ ምትእምማን
  5. ስደት፡ ጠንቁን መፍትሒታቱን
  6. ጠንቂ ዘይምትእምማና እንታይ ኢዮም? ዝብሉ’ዮም።

ስለምንታይ ኢና ናይ’ዚ ዎርክሾፕና ቀንዲ ቴማ “ናይ ምትእምማን መንፈስ ምህናጽ” ዝብል ክኸውን ዝመረጽና?

 

እወ፡ ፖለቲካውያን ውድባትና ይኹና ሲቪላውያን ውድባትን ብስእነት ምትእምማን ይሳቐዩ ምህላዎም ኵላትና እንከታተሎ ዘለና ጕዳይ ኢዩ። ዋላ እውን እዞም ኣብ’ዚ ዎርክሾፕ ተዓዲምና ዘለና ፖለቲካዊ ውድባት ብደረጀ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮና ክንርአ እንከሎ ብዙሕ ናይ ኣርኣእያ ፍልልይ ዘይብልና ክነስና፡ ኣብ መንጐና ዘሎ ዘይምትእምማን ግን፡ ካብ’ቲ ምስ ካልኦት ውድባት ዘሎ ዘይምትእምማን ዝኸፍአ እንተዘይኰይኑ ካብኡ ዝሓሸ ኣይኰነን ክንብል ዘድፍር ኢዩ።

 

ጠንቅታት ናይ ዘይምትእምማን መንፈስ ምስፋን እንታይ ምዃኖም፡ ድሕር ኢሉ በቶም ክኢላታት ዝቐርብ ወረቐት ብዕምቈት ክዛረብሉ’ኳ እንተዀነ፡ ነፍስወከፍና ግን፡ ኣብ ዘይምትእምማን መንፈስ ምፍጣር ይዕበ ይንኣስ ተራ ከምእተጻወትና ክንእመን ዘድልየና ኰይኑ ይስምዓኒ። ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ፡ ካብ’ቲ ናይ 60ታትን ሰብዓታትን ኣተሓሳስባታት ጌና ሓራ ኣይወጻእናን ዘሎና። ነፍስወከፍና ንውድቡ ወይ ሰልፉ ኣሐይሉ፡ ነቲ ካልእ ከዳኽም ኢዩ ክሰርሕ ጸኒሑን ዘሎን። ሕጂ ግን፡ ምስ’ዚ ዘለናዮ መዋእል ዘሳኒ፡ ንብዙሕነት ብዅሉ መልክዓቱ ዝቕበል ኣተሓሳስባ ክንውንንን፡ ሓቢርና እንሕይለሉን እንዓብየሉን ኵነታት ንምፍጣርን ዘኽእለና ኣተሓሳስባን ኣገባብን ክንምህዝ መድረኽ ይጠልበና ኣሎ።

Workshop 6

 

ክቡራትን ክቡራንን

 

ምትእምማን ብመስርሕ ዝረጋገጽ ኣምር እምበር፡ ብሓደ ወርክሾፕ ወይ ብሓደ ርክብ፡ ወይ ብሓደ ውሳኔ ዝረጋገጽ ኣይኰነን። እምነት ክትረክብ እምነት ክትህብ ኣሎካ። ከም’ቲ ካልኦት እምነት ከንብሩልካ እትደሊ፡ ንስኻ እውን ኣብ ልዕሊ ካልኦት እምነት ከተንብር ክትክእል ኣሎካ። እዚ ድማ፡ ነዊሕ ግዜ ዝወስድ፡ ብኣፍ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ብግብሪ ክስነ ዘለዎ መስርሕ ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ።

 

ናይ ሕድሕድ ምትእምማን ዘይብሉ ጋንታ/Team ወይ ውድብ፡ ናይ ብሓቂ ውድብ ወይ ጋንታ ኣይኰነን። ዝተኣከቡ ግን ዘየድምዑን ንቕድሚት ዘይስጕሙን ምትእኽኻብ ናይ ውልቀሰባት ኰይኖም ኢዮም ዝተርፉ። ሓበሬታታት ብግልጺ ኣይውሃሃቡን፡ ኣብ መሰላትን ግቡኣትን ይመናጨቱ፡ ኣይደጋገፉን፡ ንነብሶምን ንረብሓኦምን ጥራሕ ኣብ ምክልኻል ይኣትዉ። እንተደኣ ኣብ ውሽጢ ውድብ ምትእምማን ዘይሃልዩ ኣባላቱ ብዝለዓለ ብቕዓት ክዋስኡ ኣይክእሉን ኢዮም። ብዘይ ምትእምማን ናይ ምምሃዝ ዓቕምታት ክዓቢ፡ ናይ ምድግጋፍ መንፈስ ክሰፍን፡ ኣድማዒ ስራሕ ክፍጸም ኣይከኣልን ኢዩ።

ስለ’ዚ፡ ኣብ ዘራኽቡና ጕዳያት ምትኳር፡ ቃልናን ግብርናን ሓደ ምዃን፡ ቀጻልን ግሉጽን ዝርርብ ምክያድ፡ ሕድገታት ምግባር . . .ወዘተ ካብ’ቶም ክንውንኖም ዘሎና ክብርታት ምዃኖም ክንዝንግዕ ኣይግባእን።

 

 

ክቡራንን ክቡራትን

 

ኣብ መደምደምታ፡ ገለ ነጥብታት ኣስሚረ፡ ዘረባይ ክዛዝም ኣፍቅዱለይ። ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራን ደገፍቱን ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናደኸሙን ድምጾም እውን እናነከየን ክኸይድ እንከሎ፤ ብኣንጻሩ ፡ ደምበ ተቓውሞ ብዓቐን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ይመጽእ ምህላዉ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ። ድሕሪ ናጽነት ንግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ዝነበሮ ደገፍን ሎሚ ንስርዓት ህግደፍ ዘሎ ናይ ህዝቢ ደገፍን ዓብዪ ፍልልይ ከምዘለዎ ንምርኣይ ዘጸግም ኣይመስለንን። ሎሚ ስርዓት ህግደፍ ብህዝቡ ተኻዒቡ ብዓለም ዝዅነን ዘሎ ስርዓት ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ሓሓሊፎም ዝግሃዱ ተቓውሞታት፡ ኣብ ግዳም ብደለይቲ ፍትሒ ዝካየዱ ዘለዉ ድሙቓትን ኣድማዕትን ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ጸብጻባት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ መርገጽ መንግስቲ ሆላንድን ፈረንሳን ኣብ ልዕሊ ተግባራት ስርዓት ህግደፍ ገለ ካብ’ቶም ነዚ ሓቂ’ዚ ዝምስክሩ ጭብጥታት ኢዮም።

 

እንተዀነ ግን፡ ደምበ ተቓውሞ ብዓቐን እናወሰኸ ይኺድ’ምበር፡ ዝመርሖ ፖለቲካዊ ውዳበ፡ ክሳብ እዛ ሰዓት’ዚኣ ክረክብ ኣይከኣለን ዘሎ። ዘይተወደበ ህዝባዊ ተቓውሞታት ድማ፥ ዝዀነ ዝተወደበ ሓይሊ ክጨውዮ ከምዝኽእል ከኣ፡ ናይ ግብጺ፡ ሊብያን የመንን ተመኵሮታት እኹል ኣስተምህሮ ኰይኑና ኢዩ።

 

ስለ’ዚ ደምበ ተቓውሞና ካብ ኣትይዎ ዘሎ ዓዘቕትን ደውታን ወጺኡ መሪሕ ግዴኡ ክጻውት፡ ብሓባር እንሰርሓሉ ባይታ ጽባሕ ዘይኰነስ ሎሚ ክንረክብ ንጥለብ ኣሎና። ማዕረ’ዚ ሓላፍነት’ዚ ክንከውን እንተዘይበቒዕና ድማ፡ ኵላትና ብታሪኽ ተሓተቲ ካብ ምዃን ሓራ ክንወጽእ ኣይንኽእልን ኢና።

ዕዉት ዋዕላ ክዀነልና እናተመነኹ፡ ጽን ኢልኩም ብምስማዕኩም አመስግን።

 

ንምዕዋት ህዝባውን ዲሞክራስያውን ዕላማታት ብሓባር ንበገስ

 

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

ዕለት 10 ነሓሰ 2016

Last modified on Monday, 15 August 2016 10:40