እቲ ፍታሕ ንስርዓት ህግዲፍ ምእላይ ኢዩ

2016-04-07 15:12:27 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3635 times

ጋዜጣዊ መግለጺ ሰዲህኤ

 

ብሰንበት 3 ሚያዝያ 2016 ብመኻይን ተጻዒኖም ናብ ዓሰብ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ከባቢ ባር ትብለጽ ምስ በጽሑ፡ ገለ ካብኣቶም ዘዘሊሎም ክሃድሙ ስለዝጀመሩ፡ ንሓለዋ ናይ’ተን ኮሎኛ ተመዚዞም ዝነበሩ ወተሃደራት ብዝፈነውዎ ተዅሲ ብዙሓት ከምዝሞቱን ዝቘሰሉን ተፈሊጡ ኣሎ።

 

ሃለዋት ናይ ገለ ካብ’ቶም ኣብ ሆስፒታል ዝበጽሑ ቍሱላት ሕማቕ ከምዘሎ እሙናት ምንጪታት ንማርቲን ፕላዉት እተባህለ ጋዜጠኛ ሓቢሮም ኣለዉ። ገለ ካብ’ቶም ቍሱላትን እቶም ምውታትን እውን ኣስማቶም ተፈሊጡ ከምዘሎ እቲ ጋዜጠኛ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ጠቒሱ ኣሎ። ኣስማት ናይ ክልተ ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ በጋጣሚ ኣብኡ ዝጸንሑ እሞ ብወተሃደራት ህግዲፍ ዝተቐትሉ  ሓለፍቲ መገዲ እውን ተሓቢሩ ኣሎ።

 

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ነዚ ኣረሜናዊ ተግባር’ዚ ኣትሪሩ ይኹንን። ንስድራ ቤት ናይ ምውታት ድማ ጽንዓት ይሃብኩም፤ ንቝሱላት ድማ ምሕረት የውርደልኩምን ካብ ማእሰርቲ ይሰውረኩምን ይብል።

 

ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ኣብ እንግድዕኡ ተጻዒኑ ዘሳቅዮ ዘሎ ኣረሜናዊ ስርዓት’ዚ፡ ከይኣለየ ክርህዎ ፈጺሙ ዘይሕሰብ ስለዝዀነ፤ ሆ ኢሉ ተላዒሉ ሓንሳብን ንሓዋሩን ናብ ናይ ታሪኽ ጕሓፍ ክድርብዮ ጻውዒትና ነቕርብ።

 

ሕብረት ኣውሮጳ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ንስርዓት ኢሳያስ ዝህብዎ ዘለዎ ደገፍ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምጭፍጫፍ ይውዕል ከምዘሎ ተገንዚቦም፡ ኣእዳዎም ክእርንቡ፤ ብኣንጻሩ እቲ ደገፍ ንህዝቢ ኤርትራን ደለይቲ ፍትሒ ዝዀኑ ፖለቲካውን ሲቪላውን ሓይልታቱን ክውዕል ኣጥቢቕና ንምሕጸን።

 

ዓወት ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝብና

 

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

7 ሚያዝያ 2016

Last modified on Thursday, 07 April 2016 17:18