ትጽቢት ህዝቢ እናጨረሐ፡ ድሌቱ ዝገብር ጉጅለ

2021-09-09 06:55:19 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1257 times

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ናይ ህዝቢ ዘይኮነ ክነሱ ናይ ህዝቢ መሲሉ ምቕራብ  ካብ መለለይታት ጉጅለ ህግደፍ ሓደ እዩ። ከምዚ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ንዝምድና ህዝቢ ኤርትራን እቲ ጉጅለን “ዓይንን ሓመድን” ኢልና እንገልጾ። ነቲ ዝምድና ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምርሕሓቕ ዘምጸኦ ከኣ ናይቲ ጉጅለ ብዙሕን ተደጋጋምን ጥልመታት እዩ።

ነቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ጉጅለ ህግደፍን ዝጸንሐን ዘሎን ምርሕሓቕ ካብ ዝፈጥርዎ፡ ንኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብታ ብቃልሱ ናጻ ኣውጺኡ ብድምጹ ልኡላውነት ዘልበሳ ሃገሩ ብሕገ-መንግስቲ ክመሓደር ክደሊ እንከሎ፡ እቲ ጉጅለ ብኣንጻሩ ሕገመንግስታዊ መሰረት ብዘየብሎም ግዝያዊ ኣዋጃትን ምስጢራዊ መምርሕታትን ይመርሕ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሕጊ ብዝተመስረተ መሰላቱን ሓርነታቱን ክሕለወሉ ይደሊ፡ ህግደፍ ከኣ ብጉልበትን ዓመጽን፡ ፍትሒ ናይ ምርካብ፡ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ፡ ናይ ምውዳብን ናይ ምእማንን መሰላትን ናጽነትን ህዝቢ ይነፍግ። ህዝቢ ኣብ ሃገሩ ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ክወሓሰሉ ይብህግ፡ ብኣንጻርዚ፡ እቲ ጉጅለ ህውከት ይጽሕትር፡ ህዝቢ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ከይሓርስን ከይነግድን ኢደ-እግሩ ኣሲሩ ይሕዞ። ብኣድላይነት ዲሞክራስን ህዝባዊ ምርጫን ከኣ ይዋራዘ።

እቲ ዘገርም፡ ህግደፍ ነቲ ብተግባር ዝረአ ዘሎ ናይ ህዝቢ ባህጊ ዘየንጸባርቕ ተግባሩ፡ በቲ ህዝቢ ክኾነሉ ዝጽበዮ  ከመላኽዖ፡ ከምቲ “ትጽቢት ህዝቢ እናጨረሐ ድሌቱ ዝገብር ጉጅለ” ዝበልናዮ፡ ኣብ ባይታ ብዘየለ ምቁር ቃላት ዝተነድቀ መዳህለሊ መደረታትን መግለጽታትን ዘውጽእ ምዃኑ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብምኽንያት መበል 60 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺኳ ሓርነት ዘይብሉ ግዙእ ህዝቢ ሂወት ዘለዎ ህዝቢ ክብሃል ስለዘይክኣል፡ ከም ህዝቢ ህያው ንክኸውን ከኣ ንሓርነቱ ዝሕተት ዋጋ ክኸፍል ስለ ዘለዎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝኽፈል ከፊሉ ሓርነቱ ብምጭባጥ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ተሰጋገረ።” ዝብል ሓሳብ ንረክብ። ነቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ህልም ዝበለ ጭቆና ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ዓይኑ ደፊንካ፡ በዚ ኣበሃህላ ከተዕሽዎን ከይተሰጋገረ እንከሎ፡ ከተሰጋግሮ ምፍታንን እምበኣር፡ ክሳብ ክንደይ እቲ ጉጅለ  “ነቲ ርኡይ በደሉ የለን፡ ነቲ ዘይድህሰስ ተስፋኡ ድማ ኣሎ” ክብል ይህቅን ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ክንዲ ሕድሪ ሰማእታትን ህዝቢ ዘንበረሉ እምነትን ኣኽቢሩ፡ ነቲ ዝተረፈ ኤርትራዊ ልኡላውነትን ናጽነትን ምሉእ ትርጉም ዘትሕዞ፤ መስርሕ ንምምላእ  ንቕድሚት ምስጓም ዝሓለፈ ተመኩሮ ኣተዓባቢኻን ብሒትካን ብምዝንታው ጥራይ ኣብታ ዝነበራ እዩ ጠጠው ኢሉ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ነቲ ባዕሉ ዝሰርሖን ክቡር ህይወት ደቁ ዝኸፈለሉን ታሪኽ ንድሕሪት እናተመልሰ ዝጽብጽበሉ ጥራይ ዘይኮነ ንቕድሚት እናማዕደወ መጻኢኡ ዘጣጥሓሉ እዩ ዝጽበ ነይሩ። እቲ ጉጅለ ግና ማእከሉ ድሌት ህዝብን ዕቤት ሃገርን ኣብ ድልዱል ባይታ ምህናጽ ዘይኮነ፡ ዋላ ትድከን መንእሰያታ ተሰዲዶም ትባድምን ኣብታ ብደም ጀጋኑ ዝመጸት ሃገር ጸቢብ ዘይህዝባዊ ዓንኬል ፈጢርካ ንኹሉ ህዝቢ ዝጠልቦ ጸማም እ ሂብካ ስልጣንካ ምድልዳል ስለ ዝኾነ፡ ኣብ መድረኽ ግዜ ናጽነት ምኹዳድ እምበር  ንቕድሚት ኣይሰጐመን። ሎሚ’ሞ ኸዓ ንድሕሪት ናይ ምምላስ ምልክታት እውን የርኢ ኣሎ።

እስኪ ሓንቲ እናስሓቐት   እተተሓሳስብ ጉዳይ ክንጠቅስ “ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ መደብ ኤርትራውያን ህጽናት፡ ነሽነሽ ኣብ እትበሀል ተለቪዥን ብዩቲብ ዝተዘርሐት እያ። ሓደ ህጻን ናጽነት መን ኣምጺእዋ ምስ ተባህለ “ሓደ ሰብኣይ” ኢሉ መሊሱ። ካልእ ህጻን ከኣ መራሒ ኤርትራ መን ይበሃል ምስ ተባህለት “ኣብይ” ኢላ መሊሳ።” 

ጉጅለ ህግደፍ ተግባሩ ፊትንፊት ኣንጻር ድሌት ህዝቢ ኮይኑ ናይ ህዝቢ ዝመስል ጭረሖ ካብ ምስማዕ ግና ዓዲ ኣይወዓለን። ኣብዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ መግለጺኡኳ፡ ነቲ  ኤርትራ ከይትዓብን ከይትህነጽን ብሰንኩ ተፈጢሩ ዘሎ ድኽነት፡ ድሕረት፡ ስደት መንእሰያትን ምንዋጽ ሓድነት ህዝብን ደፊኑ፡ ኣሽኻዕላል ብዝመስል፡ “ድሕሪ ናጽነት፡ ነቲ ዘይከውን ዝተባህለ ምዕቃብ ናጻ ሃገር ክዉን ዝገበረ፡ ንመጻኢውን ነቲ ዘይክኣል ዝመስል ናይ ራህዋን ልምዓትን ፍትሕን ሃገር ምህናጽ ዝክኣል ክገብሮ ዘኽእሎ ብቕዓት ይውንንዩ።” ዝብል ዝርከቦ ሓሳብ ኣስፊሩ። እቲ ዓቕሚ ዝብሎ ዘሎ ናይ ህግደፍ ዘይኮነስ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ማለቱ እንተኮይኑ በዚ’ሞ ዝጠራጠር ኣካል የለን።

ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ኣብ ቅድሜኡ ዘሎ ንዓኡ እትመስልን ባህጉ እተረጋግጽን ሃገር ናይ ምህናጽ ዕላማ ከዕውት ካብ ዘድልይዎ ቀንዲ መሳርሕታት ሓድነቱ እዩ። ሓድነት ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ምዕዋቱ ቀንዲ መፍትሕ ምዃኑ ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሱ ኣረጋጊጽዎ እዩ። ጸላእቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዝፈርህዎ ብብዝሑ ወይ ብዕጥቁ ዘይኮነ ብሓድነቱ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንምስዓር እቲ ቀንዲ መሳርሒ ሓድነቱ ምድኻም ምዃኑ ኣሚኖም ንምብታኑ ዝጸዓሩ ግና ዘይተዓወቱ ከኣ ብዙሓት እዮም። ናይ ጸላእቱ ዘይምዕዋት፡ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ከኣ ህግደፍ እውን ኣጸቡቑ ዝፈልጦ እዩ። እንተኾነ ህግደፍ’ውን ካብቲ ህዝቢ ንምድሃኽ ዝጥቀመሉ ሜላታት ሓደ ሓድነት ህዝብና ምድኻም እዩ።  

እቲ ጉጅለ ብባህሪኡ “ሓድነት ህዝቢ ኣይንረብሓይን” ካብ ዝብል ዝነቅል  ምዃኑ ርዱእ እዩ። ናይ ክሳብ ሕጂ ተግባሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንመጻኢ እውን ከምቲ ኣብ ፈቐዶ ኣደባባያት ኢትዮጵያ ዝጭረሖን ሓዊ ዝኣጉዶን ናብቲ ህዝብና ክምለስ እትጽበዮ ኣይኮነን። “ንህዝቢ ዝደልዮ እናጨራሕካሉ ድሌትካ ምግባር” ካብ ዝብል ምትላል ነቒሉ ኣብቲ ናይ መበል 60 ዓመት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም መግለጺኡ  “ኣብ መጻኢውን ባህግታትናን ዕላማታትናን ንኽሰምር ናብኡ ዘብጽሓና ሓያል ሓድነትን ውዳቤን፡ ቅኑዕ መስመርን መሪሕነትን፡ ጽንዓት ኣብ ዕላማ ከም ዘድልየና ንጹርዩ።” ዝበሎ ኣምሰሉነት ምስትብሃል እኹል እዩ። ንኤርትራ ከም ሲንጋፖር ክንገብራ ኢና ኢሉ ኣብ ቃሉ ከም ዘይጸንዐኸ ህዝብና  ረሲዕዎ ማለቱ ድዩ።

ስለዚ ጉጅለ ህግደፍ ዝተለኽየ ሕብሪ እንተተለኽየ፡ ዝኾነ ምቁር መግለጺ እንተውጸአ፡ ከምቲ “ወዲ ድሙ ነይገድፍ ግብረ-እሙ” ዝበሃል፡ ካብ ኣነቓቕላኡ ባህጊ ህዝቢ ዘኽብር ሕልና የብሉን። ካብዚ ብምንቃል ህዝቢ ኤርትራ ብዘይካቲ ሒዝዎ ዘሎ ህግደፍ ኣወጊድካ ለውጢ ናይ ምምጻእ መኸተ ካልእ መተካእታ ከምዘየብሉ ተርዲኡ ቃልሱ ክቕጽል ጥራይ እዩ ዝግበኦ።

Last modified on Friday, 10 September 2021 08:58