ኣቦ መንበር ሰድህኤ ኣብ ፓልቶክ ክፉት ኣኼባ ኣካይዱ

2016-03-20 13:13:43 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3158 times

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ 19 መጋቢት 2016 ኣብስመርሩም ቁጽሪ 1 ክፉት ኣኼባ ኣካይዱ።ኣብዚ ንልዕሊ 7 ሰዓታት ዝቐጸለን ዝያዳ 600 ግዱሳት ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎን ኣኼባኡ፡ ንራእዪ ሰዲህኤ፡ ንሕቶ ሓድነት ወይ ሓባራዊ ስራሕን ንጥፈታት ሰደህኤ ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት መበገሲ ሓሳብ ኣቕሪቡ።

ኣብዚ መበግሲ ሓሳቡ ቀንድን ኣገደስትን ነጥብታት ካብ ፖሊሲ እቲ ሰልፊ ኣብሪሁ። ኣብቲ ንሕቶ ሓድነት ዝምልከት ድማ እቲ ንሱ ዘመርሖ ሰልፊ ኣብዚ ዛዕባዚ ክኽተሎ ዝጸሐን ዝኽተሎ ዘሎን ኣገባብን ዘካየዶ ጻዕርን ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሕቶ ሓድነት ሓይልታት ተቓውሞ፡ ሰዲህኤ መዋጽኦ ኢሉ ዝርእዮን ንምዕዋቱ ዝቃለሰሉ ነጥብታትን ንተሳተፍቲ ኣብሪሁ። ንንጥፈታት ሰልፉ ኣብ ዝምልከት ድማ ብሓፈሻን ከም ሰልፊ፡ ብፍላይ ድማ ናይ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ፈጻሚት ሽማግለ ንጥፈት ከመይ ከም ዝመስል ኣሕጺሩ ገሊጹ።

ድሕሪ እዚ ንኣስታት 45 ደቓይቕ ዝቐረበ መበገሲ ሓሳባት፡ መድረኽ ንሕቶን መልስን ተኸፊቱ። ኣብዚ መድረኽ ሕቶን መልስን “ዳርጋ ዘይተተንከፈ ጉዳይ ኣይነበረን” ብዘብል ኣገባብ ኣዝዮም ብዙሓት ጉዳያት ተላዒሎም። ብፍላይ ከኣ፡ መርገጽ ሰዲህኤ፡ ኣብ ኣገባብ ቃልሲ፡ ዘይምእኩል ምምሕዳር ክብል እንከሎ እንታይ ማለቱ ምዃኑ፡ መስርሕ ምርግጋጽ ሓድነት ሓይልታት ተቓውሞን ሕጂ’ውን ኣብዚ ጉዳይ ዘለዎ ኣረኣእያ፡ ኣብ ጉዕዞ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ዝጸነሖ ሚዛንን መጻኢ ሚዛኑ ኣብዚ ዛዕባን፡ ኣብዚ እዋንዚ ይበጋገሱ ብዛዕባ ዘለዉ ናይ ሓድነት ንቕሎታት፡ ግደን ተሳትፎን ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን፡ ኣድላይነት ግሉጽነትን ተሓታትነት ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ በደላት፡ ሓደገኛነት ተርእዮ ስደት፡ ሚዛኑ ኣብ ዝምድና በርገሳዊ ማሕበራትን ፖለቲካዊ ውድባትን፡ ዝምድናኡ ምስ ገረባብቲ ሃገራት፡ ልኡላውነት ኤርትራ ክብል እንከሎ እንታይ ማለቱ ምዃኑ፡.. ወዘተ ዘድሃቡ ነጥብታት ካብቶም ብስፍሓት ዝተላዕሉ ነይሮም። ኣቦመንበር ሰዲህኤ ነቲ ምስ ዝሓለፉ ተመኩሮታት እንዳተዘመደ እሞ ድማ ብዝተፈላለዩ ስምዒታትን ናህርን ተሰንዩ እንዳተደጋገመ ዝቐርብ ዝነበረ ሕቶታት ተሳተፍቲ “ይኣኽለና ክሳብ ዝብሉ ብህዱን ሓላፍነታውን ኣገባብ ኣዕጋቢ መልሲ ክህብ ሓዲሩ። ተሳተፍቲ ብወገኖም መምስቲ ዘቕርብዎ ዝነበሩ ሕቶታት ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብቲ ሩም ቀሪቡ ብዛዕባ ሰልፊ ድሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከብርህን፡ ብዘይገደብ ዝቐርቡ ዝነበሩ ሕቶታት ክምልስን ድልዊ ብምዃኑ መጎስን ናእዳን ኣቕሪበምሉ። ካብዚ ሓሊፉ በዚ ኣገባብ ቀሪብካ መብርሂ ምሃብን ሕቶታት ምምላስን፡ ሓው መንግስተኣብ ንክቕጽሎ፡ መራሕቲ ካልኦት ውድባት እውን ክኽተልዎ ከም ዝግባእ ዳርጋ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሓታታይ ጠለብ እዩ ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ ሓው መንግስተኣብ፡ እቲ ኣኼባ ዝመስለካ መብርሂ ምሃብ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንታይ ከም እትበሃል ምስማዕ እውን ከም ዝነበረ ጠቒሱ፡ ኣብ መጻኢ እውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ምርኻብ ከም ዝከኣል ቃል ኣትዩ። ኩሉ ደላይ ለውጢ ኣብ ክንዲ መሰረታዊ ኣብ ዘይኮኑን ግዜ ዝሓለፎምን ጉዳያት ግዜ ምጥፋእ ኣብ ምክኣልን ምጽውዋርን ተመርኲስና ንመጻኢ ከነማዕዱ ኣተሓሳሲቡ። ርኢቶኡ ንዝደገፉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኹሎም፡ ንዓኣቶም ቅኑዕ ኮይኑ ኣብ ብዝተራእዮም ነጥብታት ዝተሳተፉ ከኣ ኣመስጊኑ። ምምሕዳር እቲ ሩም ንዝወሰዶ ሃናጺ ተበግሶ ድማ ንኢዱን ኣመስጊኑን።

Last modified on Sunday, 20 March 2016 14:21