ኣኼባ ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኣን
2016-03-22 20:15:07 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3528 timesብዕለት 20.03.2016 ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ምዱብ ወርሓዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ። እቲ ኣኼባ ሓው ታደሰ ኣስመላሽ ኣቦመንበር ጨንፈር ብዘቕረቦ መኽፈቲ ቃል'ዩ ሰዓት 02፡00 ድ.ቀ. ተጀሚሩ። ድሕር'ዚ ኣጀንዳታት ኣኼባ ተገሊጹ። ዛዕባታት ኣኼባ፡-
- ውሽጣዊ ኣሰራርሓናን ዲሲፕሊንን፤
- እዋናዊ ሰልፋዊ ንጥፈታትን ወጻኢ ካብ ሰልፊ ዘለዉ ኩነታትን፤
- ጉዳይ መንእሰያት፤
- ኣስተምህሮ ብዛዕባ ወራስን ኣውራስን፤ ዝብሉ እዮም ኔሮም።
ኣብዚ ወርሒ‘ዚ ኣህጉራዊ በዓል ደቀንስትዮን ዓመታዊ በዓል ተጎሩባን ከምዝነበሩን፡ ዕላማታቶም እንታይ ምዃኑን ብዘይ ብእኦም ዝኾነ ማሕበራዊ ለውጢ ክካየድ ከምዘይክእልን ተገሊጹ። ሰልፍና፡ ጉዳይ ደቀ-ንስትዮን መንእሰያትን ፍሉይ ኣቓልቦን ጽዑቕ ቃልስን ክግበረሉ ከምዘሎዎ ስለዝኣምን ድማ፡ ንእኦም ዝምልከት ኣብያተ-ጽሕፈት ኣቚሙ ብግቡእ ውዱብን ንጥፈታቶም ከካይዱ ከምዘሎዎም ኣብ ሰልፋዊ ጉባአኡ ከምዘጽደቐ ተገሊጹ። ብተወሳኺ ውግእ ተጎርባ ብ15.03.1964 ዓ.ም. ሰራዊት ተ.ሓ.ኤ.፡ ኣንጻር ጦር-ሰራዊት መግዛእቲ ንመጀመርያ ግዜ ፊት ንፊት ዝገጠሙላን፡ ዕዉትን ኣደናቕን ዓወት ዝተጐናጸፉላን ከምዝነበረት መብርሂ ተዋሂቡ። ቅድሚ እቲ ዕለት እቲ፡ ገዛኢ ሓይሊ ኢትዮጵያ ነቲ ተባሪዑ ዝነበረ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምጥፋእ ብፊልድ-ፎርስ ዝጽዋዕ ዝነበረ ሓይሊ ፖሊስ እዩ ንሰራዊት ተ.ሓ.ኤ. ዝሃድኖም ኔሩ። ኣብ ተጎርባ ዝተባህለ ቦታ ታሕታይ ባርካ ግን ንመጀመር ግዜ ጦር ሰራዊት ኣሰሊፉ ዝገጠመላን ዝሓፈረላን ስለዝኾነት፡ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ዓባይ ናይ መቐይሮ ዕለት ከምዝኮነት ብዝርዝር መግለጺ ተዋሂቡ።
ኣኼበኛ ዝተዘራረበሎም ቀንዲ ጉዳያት ድማ እቶም ሳልሳይን ራብዓይን ዛዕባታት ኮይኖም፡ ኣብዚ መግለጺ እዚ፡ መንእሰያትና ታሪኽን ባህልታትን ሃገሮም ብግቡእ ክፈልጡን፡ ክወርሱዎም ዝግብኦም እወንታዊ ጉዳያትን፡ ክእርምዎም ዘሎዎም ኣሉታታትን ከለልዩን ውዱብ ቃልሲ ከምዘድልዮም ተገሊጹ። መንእሰያት ኣብ‘ዚ ጉዳይ‘ዚ ከድምዑ እንተደኣ ኮይኖም ድማ ወጻኢ ካብ ውደባ ኮይኖም ነቲ ቃልሲ ኣማዕድዮም እናረኣዩዎ ዘይኮነስ፡ ተወዲቦም ተካእቲ ናይ ምዃን ዓቕሚ ኣጥርዮምን ንቕሓት ደሊቦምን ጥራሕ ከምዝኾነ ዝምድና ወራስን ኣውራስን ከመይ ክኸውን ከምዘሎዎ ሰፊሕ መግለጺ ተዋሂቡ።
መንእሰይ ክብሮም ዓንዶም፡ ነቲ ብመንእሰያት ህግደፍ ኣብ ሆላንድ ዝተገብረ ጉዳይ ጠቒሱ፤ እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ኣብ ሃገሮም ዘሎ ጸረ ሕጊ ዝኾነ ስርዓት ዘይተቓወሙስ፡ ኣብ ዓዲ ሕጊ መጺኦም ንክኸሱ ዝተዋህቦም ዕድል ተጠቒሞም ክጽይቑ ፈቲኖም።፡ ግን ከኣ ሕጊ ብኣገባብ ኣንተዘይተጠቂምካሉ ተመሊሱ ስለዝሃስየካ፡ ስዒርዎም። ኣብ ካልእ ቦታታት ከኣ መሳርሒ ህግደፍ ኮይኖም ብዙሕ ጸይቅታት ዝገብሩዎ ንዘሎዉ ንምቅዋም፡ ንሕና መንእሰያት ውዱብ ዝኾነ ቃልሲ ከነካይድ ኣሎና ብምባል ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ። ብተወሳኺ ድማ፡ ንሕና መንእሰያት ኣብ ዓዲ ዲሞክራሲን ሕግን መጺእና፡ ካብኦም እንመሃሮ ብዙሕ ነገራት ስለ ዘሎ፥ ንመሃር፡ መሰልና ነለሊ፡ ዘርም ዘርሞ ከይንተርፍ። ንመሰልና‘ውን ንጣበቕ፡ ኣነ ብቀዳምነት መሰለይ ከይትንከፍ እየ ዝቃለስ፡ ንመሰሉ ዘይቃለስ ሰብ ንመሰል ካልኦት ደው ክብል ኣይኽእልን እዩ፡ ዝብል ማዕዳ‘ውን ኣቕሪቡ። ኣብ ጉዳይ እገዳ ክዛረብ ከሎ ድማ፥ መላኺ ኢሳያስ ዓለም ስለ ዝኣገደቶ ናይ ዓቕሊ ጽበት ብዙሕ ክዛረብ ጸኒሑ። እቲ ሓቂ ግን ንሱ ካብ ሜዳ እትው ምስ በለ ኣትሒዙ እዩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ እገዳ ኣካይዱ፥ ስለዚ ንሕና መንእሰያት ግቡእና ንግበር ውደባናን ቃልስናን ነበርትዕ ክብል ኣስፊሑገ ሊጹ።
ብተወሳኺ ሓው ንጉሰ ጸጋይ ኣብ ጉዳይ እገዳ መግለጺ ሂቡ። ኣብ መግለጺኡ፡ ህግደፋውያን ንእገዳ ኣንጻር ህዝብን ሃገርን ዝተወስደ ስጉምቲ ጌሮም ዘይትርጉሙ እናሃቡ ንህዝቢ የደናግሩ ከም ዝነበሩ ዝዝከር እዩ። ክዕወትሉ ግን ኣይካኣሉን። ሕጂ ድማ ትንፋስ ዝረኸቦ መሲልዎም ንጉዳይ ስደተኛታት ኣመልኪቱ ዝግበር ዘሎ ፈተነታት ኣብ ኣገልግሎቶ, ዝውዕል መሲልዎም፡ ዓለም ገጽ ከምዝመለሰትን ቆላሕታ ከምዝገበረትሎምን ኣምሲሎም ብምግላጽ ኣብዘይወጽእ ሓሶት ተሸሚሞም ከምዘሎዉን ጠቒሱ። እቲ እገዳ ግን ወዮ ዳኣ ኣይተተግበረን እምበር፡ ኣንጻር መራሕቲ ህግዲፍን ትካላቱን እዩ ነይሩ። ብዛዕባ ንኤርትራ ዝምልከት ሓገዝ ድማ፡ ምትህርራፎም እንተዘይኰይኑ ገና ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን፤ ብወገና ግን፡ እቲ ሓገዝ ነቶም ኣብ ሱዳን ኢትዮጵያን ዘሎዉ ስደታኛታት ኤርትራውያን ክወሃብ ከምዘሎዎ ደጋጊምና ኣተሓሳሲብና ኢና ብምባል መግለጺ ሂቡ። ብተወሳኺ‘ውን ምውራስ ካብ ታሪኽ ስለ ዝብገስ፡ ኣቐዲምካ ታሪኽ ህዝብኻን ሃገርካን ባህልኻን ምፍላጥ የድሊ፤ ነቲ ኩሉ ዝተፈጸመ ሃገራዊ ጀግንነትን ተበጃውነትን፡ በቲ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ጥልመትን ሕሰምን ንታሪኽና ዘደብዝዝን ተግባር ህግደፋውያን ጥራሕ መዚንና፡ ንዝሓለፈ ታሪኽ መስዋእትን ቃልስን ህዝብና ኣይነጥፍእ፡ ነዚ እንተዳኣ ክሒድና ኤርትራ እትብገሰሉ ታሪኽን ባህልን እውን ኣይክህልዋን እዩ፡ ዝብል ማዕዳ ንመንእሰያት ለጊሱ።
በዚ ድማ፡ ኣኼባ ኣብ ምዱብ ሰዓቱ ብዝኽረ ሰማእታት ተዛዚሙ።