ፓርላማ ኤውሮጳ ንኤርትራ ዝምልከት ታሪኻዊ ውሳነ ወሲኑ

2016-03-17 13:04:02 Written by  IDN Published in EPDP News Read 19295 times

ፓርላም ኤውሮጳ፡ ናብ ኮምሽን ኤውሮጳ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ኣባል ሃገራትን ናብ መንግስቲ ኤርትራን ብዛዕባ’ቲ መጽናዕቲ ዘድልዮ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ተሪር መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ውሳነ ወሲኑ።

እዚ ብ10 መጋቢት 2016 ዝተወሰነ ውሳነ፡ ኤርትራውያን ሃገሮም ገዲፎም ዝስደድሉ ዘለዉ ምኽንያት፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ብባርነት ዝግለጽ መወዳእታ ዘየብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምዃኑ ብንጹር ኣስፊሩ።. እቲ ውሳነ ኣተሓሒዙ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ናይ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ውሳነ ዝተጠቕሰ ማህሰይቲ ስደተኛታት ኣዘኻኺሩ።.

እዚ ኤውሮጳዊ ፓርላማ፡ ኮሚተ ሕብረት ኤውሮጳ ንኣሉታዊ ስኽፍታ ናይቲ ፓርላማ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ከይተወከሰ ናይ 200 ሚልዮን ዩሮ ፕሮጀክት ብምጽዳቑ ዝሓደሮ ስኽፍታ ገሊጹ።.

ኤርትራውያን፡ ናይ ኖበል ሕጹይ ካቶሊካዊ ቀሺ ሙሴ ዘርኣይን ናይ ቅድም ምክትል ገንዘብ ሚኒስተር ኤርትራ ክብሮም ዳፍላ ሆሰባይን ኣብቲ ውሳነ ዝተወሰነሉ ኣብቲ ኣኼባ ፓርላማ ነይሮም።

ኣብቲ ኣጋጣሚ እዞም ኤርትራውያን ተወከልቲ፡ ኣባላት ፓርላማ ኤውሮጳ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጠንቂ ስደት ከጋድዶ ተዘይኮይኑ መፍትሒ ዘየምጸኣሉ ፕሮጀክት ንክቃወምዎ ጸዊዖም።

እቶም ኣባላት ፓርላማ ኤውሮጳ ብወገኖም ቅድሚ ናይ ውሳነ ድምጺ ምሃቦም፡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ብዕምቆት ተመያይጦም። እዞም ኣባላት ፓርላማ ነዛ ከም “ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” እናተባህለት ትግለጽ ዘላ ኤርትራ ሓገዝ ምሃብ፡ ንህዝቢ ዘርብሕ ዘይኮነስ መሊሱ ንኩነታት ዘጋድድ ምዃኑ ሓቢሮም።

እዚ ናይ ኤውሮጳ ፓርላማ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ንኤርትራ ዝህቦ ሓገዝ ክቕጽል ከም ዝግባእ ጠቒሱ፡ እንተኾነ እቲ ዝወሃብ ሓገዝ ንረብሓ ህዝቢ ምእንቲ ክውዕል ነቲ መንግስቲ፡ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ግህሰት መሰላት ጠጠው ከብልን ኣብ ቁጠባዊ ምምሕዳሩ ከመሓይሽን ቅድመ ኩነት ክግበረሉ ይግባእ ክብል ጸዊዑ።

እዚ ፓርላማ፡ ነቲ ብደረጃ ባርነት ዝግለጽ መወዳእታ ዘየብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክቋረጽ እንዳጸወዐ፡ ደረት ዘየብሉ ኣገልሎት ምስቲ ግዱድ ጉልበታዊ ስራሕን፡ ኣብ ዶባት ተኲስካ ቅተል ዝብል ፖሊስን እሞ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ክግለጽ ዝኽእል፡ በቲ ብሕቡራት መንግስታት ዝቖመ ኮሚሽን ዝጽናዕ ዘሎ ጉዳይ ምዃኑ ጠቒሱ።

.

እቲ ውሳነ ነቲ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ነዊሕ ኢድ፡ ብፍላይ ድማ ነቲ ብኤምባስታትን ናይ መንግስቲ ኣካል ዝኾነ ናይ መንእሰያት ክንፍን ኣቢሉ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝገብሮ ጸይቅታት’ውን ኣስተብሂልሉ።

ሃገሮም ራሕሪሖም ዝወጹ ስደተኛታት 2% ግብሪ ክኸፍሉ ይግደዱ እዮም። ኣንጻር’ቲ መንግስቲ ዝቐርቡ ነቐፈታታት ንምዕጋት ናይ ዝግበር ፈተነ ምልክታት ኣሎ ምስ ኣበለ፡ እቲ ውሳነ ነቲ ኣብ ኔዘርላንድስ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘቃልዑ ሚድያታት ንምዕጋት ብቤት ፍርዲ ኣቢልካ ዝተፈተነ ከም ኣብነት ጠቒሱ።

እዚ ፓርላማ ኤውሮጳ፡ ኮሚተ ሕብረት ኤውሮጳን እቲ ኮሚሽንን ኣብ መጻኢ ቅድሚ ስጉምቲ ምውሳዶም ምስቲ ፓርላማ ንክመያየጡ ጸዊዑ። ትካላት ሕብረት ኤውሮጳ’ውን ብዛዕባ ኣብ በጀት ዘለወን ሓላፍነት እውን ኣዘኻኺሩ።

ብመሰረት እቲ ብማሪየ ክሪስቲንን ቀሺ ሙሴ ዘርኣይን ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ ኤርትራ ሕጋዊ ምሕደራ የለን ኢሎም። ብፍላይ እቶም ንሰብኣዊ መሰል ዝጣበቑ ቀሺ ሙሴ ዘርኣይ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ሓዳጋኦም እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ እዩ ንዲክታቶራት ገንዘብ ዝህቦም ዘሎ ኢሎም።

ምክትል ገንዘብ ሚኒስተር ናይ መንግስቲ ኤርትራ ዝነበረ፡ ክብሮም ዳፍላ ሆሰባይ ብወገኑ፡ እቲ ጸገም ጉዳይ ቁጠባ ኣይኮነን፡ ናይ ገንዘብ ጉዳይ’ውን ኣይኮነን። እቲ ጸገም ጉዳይ መሰል እዩ። መሰረታዊ መሰል ኤርትራዊ ኣበይ ድዩ ዘሎ? ኢሉ።

ዋላ’ኳ ሕብረት ኤሮጳ ክቋረጽ’ዩ ዝብል ተስፋ እንተሃለዎ፡ ፕሮፈሰርን ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰልን ሚርያም ቫን ረይዘን፡ ብወገነን ኣብ ዘስመዐኦ ቃል፡ “ኤርትራ ምስቲ ደረት ዘየብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክትቅጽል እያ’ ኢለን።

Last modified on Thursday, 17 March 2016 14:06