ጸገምና ኣብ ህላወ ውድባት ድዩ ኣብ ብቕዓተን?

2015-12-30 22:43:36 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰድሀኤ Published in EPDP News Read 2220 times

“ውድብ ወይ ምውዳብ” ዝብሉ ቃላት ንነዊሕ ግዜ ሓቢሮሙናን ሓቢርናዮምን ስለ ዝጸናሕና፡ ዘለናን ንመጻኢ’ውን ሓቢርና ስለ እንህሉን ናብ ትርጉሞም ኣድላይነቶም ምድሃብ ብዙሕ ዘድልየና ኣይመስለናን። ቀንዲ መንቀሊና ስለ ዝኾኑ ግና ቁሩብ ሃሰስ ኢልካዮም ምሕላፍ ጽቡቕ እዩ። ምውዳብ ድሌቱን ዕላማኡን ናይ ሓባር ክነሱ፡ በበይኑ ዝጸንሐ ዓቕምን ኣተሓሳስባን ምእንቲ ኣብቲ ናይ ሓባር ስራሕ ከድምዕ ብሓባር ምውዳዱ ወይ ምቅርራቡ ማለት እዩ። እዚ ምውዳድ ወይ ምቅርራብ ኣብ ፖለቲካዊ ዕላማ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ ካልእ ቁጠብዊ ይኹን ማሕበራዊ ዕማም ንምፍጻም እውን እንጥቀመሉ መተካእታ ዘየብሉ መሳርሒ እዩ። ኣብዚ ናይ ሕጂ ኣድህቦና ግና ናብ ፖለቲካዊ ውዳበ ዘቋምት እዩ።

እዚ ውድብ ወይ ውዳበ ናይ ሓባር ዕማምን ባህግን እንዳሃለዎ ዝተበተነ ዓቕሚ ኣብ ናይ ሓባር ዕላማ ንከድምዕ ምቅርራቡ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ናይ ምቅርራብ ቃል ኪዳን ኣድማዕን ቀጻልን ምእንቲ ክኸውን ዝምረሓሉ መትከላት፡ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዝዝርጋሕ ዝቕየደሉ ሕግታትን ዝመርሖ ኣካልን ዘድልዮ ፍቱን ናይ ለውጥን ቃልስን መሳርሒ እዩ። እዚኦም ዝተጠቕሱ ረቛሕታት ኣብ ዘይተማልእሉ ግና እቲ ምቅርራብ ቀጥዕን ቀጻልነትን ዘየብሉ ሓንሳብ ተራእዩ ዝቅህም ናይ ሰባት ምትእኽኻብ ጥራይ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። ርግጽ እዩ ውድብ ስለ ዝሰራሕካ ጥራይ ኣይትዕወትን ኢኻ። መሳርሒ ወኒንካ ብግቡእ ተዘይሰሪሕካሉ ኣብ ፍረ ከምዘይብጻሕ ርዱእ እዩ።

ኣድማዕነት ውደባ እቶም ኣብዚ ውደባ ዝስለፉ ኣካላት ብዘርእይዎ፡ ቅሩብነት፡ ተወፋይነት፡ ጹረት፡ ኣበርክቶን ሕራነን ዝውሰን እዩ። ኣብዞም ኣብቲ ውድብ ተሰሊፎም ዘለዉ ኣካላት ዝረአ ድኽመት ናይቲ ውደብ ድኽመት ኮይኑ ይምዝገብ። ኣብ ከምዚ ኩነት ነቲ በቶም ኣብቲ ውድብ ዝዋስኡ ኣካላት ዘመዝግብዎ ድኽመት ኣብ ምምዛን ለውጢ ንምምጻእ መተካእታ ንዘየብሉ ውደባ ምኹናን ቅኑዕ ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብዚ እዋንዚ ናይ ደንበ ተቓውሞና ጸገም ህላወ ውድባት ምዃኑ ኣምሲልካ ንምቕራብ ዝግበር ግጉይ ፈተነ ፈጺሙ ቅኑዕን ሓላፍነታውን ኣይኮነን። እገለ ዝበሃል ውድብ፡ ኣብቲ ዝኽተሎ ፖሊሲ ድዩ ኣብቲ ዝመርሖ ዘሎ ኣካል ዘይዕግበት ምምዝጋብን ከተዕርዮ መተካእታ ሒዝካ ምቅላስን ግና ንቡርን መሰልን እዩ። ብሰንኪ ኣብቲ ፖሊሲ ድዩ ኣብቲ መሪሕነት ዘለካ ዘይዕግበት “ውድባት ኣየድልያን እየን” ዝዓይነቱ ንፋስ ምዝራው ግና ዓብይ ጌጋ ጥራይ ዘይኮነ ብመሰረቱ ተወዲብካ ኣንጻር ምልኪ ምቅላስ ኣየድልን’ዩ ናብ ዝብል ግጉይ ኣንፈት ከየምርሕ”ሞ መፍቶ እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ካብ ምኽላእ መሰል ምውዳብ ዝዕንገል ጉጅለ ከይትኸውን እውን ዘሰክፍ እዩ።

“ህዝቢ መሰሉ ከውሕስ ይወደብን ይንቃሕን” ምባል ቅቡል እዩ። ናይ ኣብዘሓ ሰልፋዊ ስርዓት ተሓላቒ እየ እንዳበልካ፡ ህዝቢ ኣንጻር ህልዋት ውደባት ክለዓል ኣለዎ ዝብል ስብከትን ጸዋዒትን ግና ፈጺሙ ቅቡል ኣይኮነን። ንገለ ወገናት ናብ ከምዚ ግጉይ መንገዲ ዝወስዶም ዘሎ ምናልባት ናይዘን ህልዋት ውድባት ድኽመት ይኸውን። ነቲ ምኽንያት ከም ቅቡል ንውሰዶ እሞ፡ ነዚ ድኽመትዚ ንምፍዋስ ናብ ዘይቅቡል ኩነኔ ከይከድካ፡ ካልእ ኣመራጽታት እኮ ኣሎ። ንሱ ድማ ነቲ ኣብቲ ውድባት ትርእዮ ዘለኻ ድኽመት ኣብቲ ውድባት ኣቲኻ ብልዙብን ዘይተኳሳሕን ኣገባብ ቃልሲ ስዒርካ፡ በቲ ናትካ መተካእታ ከም ዝምራሕ ምግባር።

ብእምነትና ንሓደ ፍጻመ ግጉይ እዩ ኢልካ ክትቃወሞ እንከለኻ ከም ርዱእ ናትካ ዝሓሸ ኢልካ እትኣምነሉ መተካእታ ክህልወካ ናይ ግድን እዩ። ናትካ መተካእታ ዘይብልካ ክንስኻ ኣብ ጥራይ ኢድካ ምቅዋም ግና ሓጋዚ ኣይኮነን ዝብል እምነት እዩ ዘለና። እንተደኣ ኣብቲ ግጉይ ትብሎ ዘለኻ ውድባት ኣቲኻ ከተዕሪ ከምዘይትኽእል ደምዲምካ ከኣ እቲ ዝሓሸ እትብሎ ፖሊሲ ንምዕዋት ዘኽእለካ ናትካ ውዳበ ፈጢርካ፡ ምስቲ ክትነቕፎ ዝጸናሕካ ውድባት ተወዳዲርካ ክትስዕር ምኽኣል እዩ። እዚ ነብስኻ ናይ ምውዳብ መሰል ናይ ማንም ፈቓድ ከይሓተትካ እትጥቀመሉ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ነቲ ንስኻ ዘይትኣምነሉን እትነቕፎን ውድባት ካብ ሜዳ ቃልስን ውድድርን ኣውጺእካ በይንኻ እትዕንድረሉ ፖለቲካዊ ሜዳ ክትውንን ምፍታን ዘይከኣል ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ብሓቲ ስለ ዝኾነ ቅቡል ኣይኮነን። ኣንጻር በሓትነት ይቃለስ ኣለኹ እንዳበልካ ኣብ ከምዚ ዓይነት ዘይቅዱስ ምርጫ ዳምዳም ምባል ድማ ዘተዓዛዝብ እዩ።

ንውድባት ምኹናንን ንህዝቢ ንክውደብ ምጽዋዕንከ ብኽመይ እዩ ክተዓረቕ ዝኽእል። ብእምነትና ህዝቢ ተወዲቡ ነቲ ብውድባት ክሳብ ሎሚ ዘይሰለጠ ዕማም ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍን መተካእታ ኮይንካ ምቕራብን ንከተግብር መጸዋዕታ ምቕራብ ማለት’ኮ፡ ናይ ሓባር ዕላማ ክህልወካ እዩ፡ ንሕግታት ውዳበ ክትምእዘዝ ኢኻ፡ እትጥርነፈሉ መሪሕነት ክህልወካ እዩ …. ወዘተ ማለት ምዃኑ እዩ ዝርደኣና። ኩልና ከም እንርደኦ ውደባ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ብውሱናት ኣብ ሓደ ጉዳይ ናይ ሓባር እምነት ብዘጥረዩ ውሱናት ሰባት ጀሚሩ እዩ እንዳዓበየን እንዳሰሰነን ዝኸይድ። እቲ ክጅመር እንከሎ ካብ ታሕቲ ኮነ ካብ ላዕሊ ዝነቐለ ውደባ ብኸመይ ከም ዝዓቢ ንምጥጣሕ ብመጀመርያ ከማለኦ ካብ ዝግበኦ መሰረታዊ ጉዳይ ዘሳልዮ መሪሕነትን ዝምረሓሉ መትከላትን ምፍጣር እዩ። ድሕሪ እዚ ውድብ ኮይኑ ማለት እዩ። ስለዚ ኣብቲ “ውዳበ ሓይሊ እዩ” ዝብል መትከል ብሓባር እንተሊና፡ እቲ ንቕሎ ብታሕቲ ይኹን ብላዕሊ ውጽኢቱ ውድብ ምፍጣር እዩ። ኣብ ከባቢኻ ብዛዕባ ዝረአ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣብ መርተዖ ዝተመስረተ ርትዓዊ ነቐፈታ ምቕራብ መሰል እምበር ሓጥያት ኣይኮነን። እዚ ነቐፈታ ዝያዳ ኣድማዕን ሃናጽን ዝኸውን ግና፡ ብተግባር ካብቲ እትነቕፎ ኣካል በሪኽካን በሊጽካን ክትረአ እንከለኻ እዩ። ከምኡ ተዘይኮይኑ ግና “ክንዳኻ ዘይኣኽላስ ብኣኻ ይወዓላ” ኢኻ እትበሃል።

ንሓደ ኣካል ክትነቅፍ እንከለኻ፡ ካብ ጸቢብ ውልቃዊ ወይ ጉጅላዊ ዘይዕግበት ነቒልካ ብእትስሕሎ ሴፍ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ከይተድሚ ምጥንቃቕ ኣገዳሲ እዩ። ምእንቲ እዚ ኢና ድማ፡ ብዛዕባ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ክንሓስብ እንከለና፡ ነቲ መስረታዊ ዘይኮነ ፍልልያትን ዘይዕግበታትን ንቕድሚት ከየምጻእና ካለኣይ ደረጃ ኣትሒዝና ውሒጥናዮ ኣብ ዓበይቲ ናይ ሓባር ጉዳያት ከነድህብ ይግበኣና እንብል። እቲ ቅድሚት ክስራዕ ዘይበኦ እንብሎ ዘለና ፍልልያት፡ ካብ ውልቃዊ ቅርሕንትን ረብሓን ወይ ናይ ድሕረ-ባይታ፡ ናይ እምነትን ናይ ተመኩሮን ፍልልይ ዝነቅል ግጉይ ሚዛን ክኸውን ይኽእል።

ናይ ሓባር እምንቶ ኣሕዲርካ ንዓኡ ንምዕዋት ምውዳብ ሓደ እዩ። ድሕሪኡ ዝመጽእ ነዚ እምነትካ ዘዕውተልካ መሪሕነት ክህልወካ ምጽዓት ናይ ግድን እዩ። ኣብዚ ሓደ ውድብ መሪሕነት ክህልዎ ናይ ግድን ካብኮነ፡ መሪሕነቱ ካብ ውሽጡ እዩ ዝወጽእ። እቲ ክመርሕ ዝተመዘዘ ኣካል ከኣ በቲ ውድቡ ዝምረሓሉ ሕግታት ተቐይዱ ክመርሕ በቲ ሓደ ወገን መሰሉ እዩ በቲ ካልእ ወገን ድማ ግዴታኡ እዩ። ኣብ ፖለቲካ ክትዋሳእ እንከለኻ ክትመርሕ ወይ ክትምራሕ ቅሩብ ምዃን ውሁብ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ሓደ ውድብ ኣብቲ ዝወዳደረሉ ፖለቲካዊ ሜዳ ነቲ ቅኑዕ ኢሉ ዝኣመነሉ መትከላት ከዕውት መሪሕ ቦታ ክሕዝ እንተጸዓተ መሰሉ ኣኽበረ እምበር መሰል ህዝቢ ኣይገሃሰን። ንሓደ ፖለቲካዊ ውድብ፡ “ንምንታይ ናይ ህዝቢ ተቐባልነት እንተረኽIበ ክመርሕ እየ ” ኢልካ ብዝብል ምጉጣጥ “ካብ ስለምንታይ ትቃለስ” ኢልካ ከተዋስኖ ምፍታን ተፈልዩ ዘይርአ ግጉይ ኣቀራርባ እዩ። ከም ውድብ ኣብ ከምዚ ንርከበሉ ዘለና ሃዋህው መሪሕ ክትከውን ምሕላንን ምቅላስን ካብቲ ኣብ ፖለቲካ ዘለካ ተሳትፎ ፈሊኻ ዝረአ ኣይከውንን እዩ። ፖለቲካዊ ውድብ ኮይንካ “ንለውጢ ክቃለስ እየ ግና ድማ ኣይመርሕን እየ” ምባል፡ ነቲ ተሳትፎኻ ጐደሎ እዩ ዝገብሮ። ኣብቲ ውድድር ብቕዓት ጐዲሉካ ወይ ናይ ህዝቢ ተቐባልነት ስኢንካ ክትመርሕ ተዘይክኢልካ ከኣ ብጸጋ ክትቅበሎ ዝግበኣካ ፖለቲካዊ ተረኽቦ እዩ። “ኣብቲ ንለውጢ ዝግበር ቃልሲ ተሳተፍ ግና ክመርሕ እየ ኣይትበል” ምባል ግና ፈጺሙ ቅቡል ኣይኮነን። ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ በዚ ዝኽሰሳሉ ምኽንያት የብለንን። ብመንጽር እዚ ናብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ክንመጽእ እንከለና፡ ጸገምና ህላወን ብዝሕን ውድባት ዘይኮነ፡ ጻዕረን ጌና ባህግታት ህዝብና ከማልእ ዘይምኽኣሉ እዩ።

30 ታሕሳስ 2015

Last modified on Wednesday, 30 December 2015 23:47