መስርሕ ምስግጋርን ብድሆታቱን

2015-12-27 12:54:20 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2472 times

ገለገለ ክኢልታት ዲሞክራሲ ክሰፍን ቅድም-ቀዳድም ቍጣባዊ ልምዓት ክረጋገጽ ኣለዎ ዝብሉ ኣለዎ። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ቍጠባዊ ልምዓት ኣደ ዲሞክራሲ ኢያ ዝብል እምነት ኣለዎም። ብዙሓት ዲሞክራስያውያን ሃገራት ክብ ዝበለ ቍጠባዊ ልምዓት ዘለወን ሃገራት ስለዝዀና፡ እቲ ኣበሃህላ ገለ ሓቅታት ዘለዎ ይመስል ኢዩ። ከም ቻይናን ስዑዲ ዓረብን ዝኣመሰላ ብቝጠባ ዝበልጸጋ ግን ጨና ናይ ዲሞክራሲ ዝብሃል ዘይብለን ሃገራት ክትርኢ ከለኻ ከኣ፡ ዘይተመለሰ ሕቶታት ናይ ዲሞክራሲ ምህላዉ ይእምተልና።

 

ብኣንጻሩ፡ ቍጠባዊ ልምዓት ዘይኰነስ፡ ቍጠባዊ ቅልውላዋት ኢዮም ናይ ለውጢ ሞተር ዝብል እምነት ዘለዎም ካልኦት ክኢላታት እውን ኣለዉ። ነዚ ዘረጋግጽ ወይ ዝምስክር ብዙሕ ኣብነታት ምጥቃስ ይከኣል ኢዩ።

 

 

ዘውዳዊ ስርዓት ሃይለስላሰ ንኣብነት፡ ብሰንኪ ውግእ ብዝተፈጥረ ቍጠባዊ ቅልውላዋት፥ ጥሜትን ድኽነትን ዘበገሶ ህዝባዊ ናዕቢታት ኢዩ ወዲቑ። እቲ ዝተወደበ ሓይሊ ኣብ’ቲ እዋን’ት ሰራዊት ስለዝነበረ ከኣ፡ ደርጊ ስልጣን ክጭብጥ ክኢሉ።

 

 

ኣብ 1997 ኣብ ኣስያ ካብ ዘጋጠመ ቅልውላዋት፡ ንኣብነት ኣብ ኢንዶነዥያ ፖለቲካውን ቍጠባውን ጽገናታት ክኽሰት ገይሩ ኢዩ። ብራዚል ውን ኣብ ሰምንያታት ብዘጋጠመ ቍጠባዊ ቅልውላው ኢያ ካብ ወተሃደራዊ ስርዓት ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክትሰጋገር ዝኸኣለት። መክሲኮ፡ ከም ሳዕቤን ናይ ብ1982 ዘጋጠመ ግዙፍ ዕዳ ዘስዓቦ ቅልውላው ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ገጻ ንኸተምርሕ ደፊእዋ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ድማ፡ ብሰንኪ ናህሪ ዋጋ መነባብሮ ዝተፈጥረ ህዝባዊ ሰውራታት መለኽቲ ስርዓታት ሓደ ድሕሪ ሓደ ክወድቁ ተራእዮም ኢዮም። እዚ ተረኽቦታት’ዚ ናበይ ገጹ ከብል ኢዩ ምክትታል ከድልዮ ኢዩ።

 

ኣብ ደሳውያን ሃገራት ኣብ መወዳእታ ሰማንያታት ዘጋጠመ ቍጠባዊ ቅልውላዋት፡ ህዝባዊ ምልዕዓላት ኣስዒቡ፡ ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ንዝነበሩ መለኽቲ ስርዓታት ሓደ ድሕር’ቲ ካልእ ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓታት ክሰጋገሩ ደሪኹ ኢዩ። ድሕሪ ምፍራስ መንደቕ በርሊን፡ ብዙሓት ሃገራት ምብራቕ ኣውሮጳ፡ ላቲን ኣመሪካን ኣፍሪቃን ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ተሰጋጊረን ኢየን። ሕጂ ከኣ፡ እቲ መስርሕ ምስግጋር ክዝሕል ይርአ ኣሎ።

 

ኣብ ኣፍሪቃ ፖለቲካዊ ምስግጋር ኣጸጋሚ ኰይኑ ጸኒሑ ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ከኣ፡ እቶም መራሕቲ ክሳብ ዝሞቱ ከመርሑ ስለዝደልዩ ኢዮም። ካብ ስልጣነይ ምስ ወረድኩ እንታይ ክኸውን’የ ዝብል ሻቕሎት ከምዘለዎም ዝተገንዘበ፡ ሞ ኢብራሂም ዝተሃህለ በዓል ጸጋ ሱዳናዊ፡ ነቶም ብቅዋም መሰረት ንዝተፈቕደሎም ናይ ስልጣን ዓመታት ወዲኦም ስልጣኖም ዘረክቡ መራሕቲ ክሳብ ዕለተ ሞቶም ዘናብሮም ገንዘብ ብምሃብ ነቲ ኣተሓሳስባ ክቕይሮ ይጽዕር ኣሎ። 

 

 

ክሳብ’ዛ ህሞት እዚኣ፡ ብዙሓት መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ክሳብ ዕለት ሞቶም ክመርሑ ዝደልዩ ኣለዉ። ንኣብነት፡ መራሕቲ ብሩንዲ፡ ርዋንዳ፡ ኡጋንዳ ንህልዊ ቅዋም ብምቕያር ዕድመ ስልጣኖም ከናውሑ ክፍትኑ እንከለዉ፡ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ከኣ ብዘይ ቅዋም ክሳብ ዕለተ-ሞቱ ክመርሕ ይሕልን ኣሎ።

 

ብዙሓት መራሕቲ ተዛረብቲ ፈረንሳይኛ ዝዀና ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳብ ዕለተ-ሞቶም ኣብ ስልጣን ኢዮም ጸኒሖም። ንኣብነት ዑመር ባንጎ፡ ናይ ጋቦን፣ ፈሊክስ ሁፈት ቧኘ፡ ናይ ኣይቮሪ ኮስት፣ ግናሲንግበ ኢያደማ፡ ናይ ቶጎ፣ ላንሳነ ኮንተ፡ ናይ ጊኒ፣ ክሳብ ዝሞቱ ናይ ሃገሮም ፕረሲደንትታት ኢዮም ነይሮም። ብዘይካ ኣብ ቶጎ ድማ ድሕሪ ሞቶም ሃገራቶም ኣብ ፖለቲካዊ ናዕብታት ኢየን ተሸሚመምን።

 

ናይ ደገ ደገፍ ኣብ መስርሕ ምስግጋር ኣገዳሲ ግደ ኢዩ ዝጻወት። ስለዝዀነ ድማ ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ዝካየድ ቃልሲ ካብ ኣህጕራዊ ማሕበረሰብ ክንጸል የብሉን።

ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታንን ዒራቕን ብውግእ ኣቢላ ከተአታትዎ ዝፈተነት ዲሞክራሲ ግን ኣይተዓወተን። እዚ ከኣ፡ ካብ ግዳም ዝመጽእ ዓመጻዊ ምትእትታው ንመስርሕ ዲሞክራሲ ሓጋዚ ከምዘይኰነ ኢዩ ዝሕብር። ኣብ ኤርትራ ብናይ ግዳም ሓይልታት ክግበር ዝፍተን ለውጢ ድማ ውጽኢቱ ካብ ናይ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ዝተፈልየ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ።

 

ከም ኣመሪካ፡ ሃገራት ኣውሮጳ፡ ቻይናን ስዑዲ ዓረብን ዝኣመሰሉ ሃብታማት ዝዀኑ ዲሞክራስያውያንን ዲክታቶርያውያንን ስርዓታት ምህላዎም፡ ሃብቲ ወይ ጸጋ፡ ምስ ዲሞክራሲ ጥራሕ ዝተዛመደ ኣምር ከምዘይኰነ ኢዩ ዝሕብር። ናጽነት ግን፥ ኣብ ዲሞክራስያዊ ስርዓታት እንተዘይኰይኑ ኣብ ምልካውያን ስርዓታት ኣይትርከብን ኢያ። ስለ'ዚ ካብ ዲሞክራሲ ዝሓይሽ ኣገባብ ምሕደራ የለን ማለት ክበሃል ይከኣል ኢዩ።

 

መስርሕ ምስግጋር ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ጽጹይ ጐደና ዘይኰነስ፡ ብዙሕ ክብን ለጠቕን ዘለዎ ሓያል ጕዕዞ ኢዩ። መስርሕ ምስግጋር ናብ ዲሞክራሲ፡ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ዝተፈልየ ኢዩ። ሓደ መለክዒ ወይ መስፈሪ ዘለዎ’ውን ኣይኰነን።

 

 

1. ቍጠባዊ ቅልውላው፡ ንመስርሕ ዲሞክራሲ ዝድርኽ ወይ ድማ ንሕሱም ምልካዊ ስርዓት ዝወልድ ሰበብ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። መስርሕ ምስግጋር ናብ ዲሞክራሲ ዕዉት መታን ክኸውን እምበኣር፥ ሓያልን ሰፊሕን ማእከላይ ደርቢ የድልዮ።

 

2. ናይ ምርጫ መስርሕ ዋላ እውን ዋላ ድሩት መሰላት ዘለዎ ምርጫታት ከይተረፈ፡ ንመስርሕ ዲሞክራሲ ኣፍደገ ዝኸፍት ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። መንግስቲ ተቓወምቲ ውድባት ክወዳደሩ ምፍቃዱ ንገዛእ ርእሱ ብህላወ ናይ ተቓወምቲ ምእማን ስለዝዀነ፡ ንመስርሕ ዲሞክራሲ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ መክሲኮ ንኣብነት ንተቓወምቲ ናብ ፓርላማ ንምእታው ተባሂሉ በቲ ናይ'ቲ እዋን'ቲ ገዛኢ ዝነበረ ሰውራዊ ሰልፊ እተገብረ ናይ ቅዋም ምምሕያሽ፡ ብ1982 ኣብ ዘጋጠመ ቍጠባዊ ቅልውላው እቲ ተቓዋሚ ዝነበረ ሰልፊ ክስዕር ተራእዩ ኢዩ።

 

3. ብረት ዝተሓወሶ ናዕብታት፡ ዋላ'ኳ ነቲ ዝጸንሐ ዲክታቶር ዘውድቕ እንተዀነ፡ ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ግን ኣየሰጋግርን ኢዩ። ታሪኽ ድማ፡ ብዙሓት ዘይተዓወቱ ብረታዊ ናዕብታትን ዕልዋ መንግስታትን ከምዝተጋህዱ ይምስክር ኢዩ። ሊብያን የመንን ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል ኢዩ።

 

 

ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ግን በንጻሩ፡ ንስሉጥን ህዱእን ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ዘኽእል ኢዩ። ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ንተኻፋልነት ናይ ህዝቢ ዘዕቢ፡ ሲቪላዊ ማሕበራት ክጕልብታ ዘኽእል ዕድላት ስለዝኸስት ስለዝዀነ፡ በዚ ኣገባብ'ዚ ዝመጽእ ለውጢ ዘላቒ ኢዩ። ንኣብነት፦

ሀ. ላኽ ቫለንሳ ዝመርሖ ናይ ፖላንድ ናይ ሶሊዳሪቲ ምንቅስቓስ፤

ለ. ማንደላ ዝመርሖ ናይ ANC ምንቅስቓስ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፤

ሐ. ኣብ ኢንዶነዥያ ብ1997ን ብ1998ን ዝተገብረ ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ኣብ 1999 ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፡ እቲ ተቓዋሚ ሰልፊ ክስዕር ኣኽኢሉ፤

መ. ናይ ቱኒዝያ ሰውራ ያስሚን ኣብ 2015

 

4. ንኣሳታፊ ዕብየት ምትብባዕ፡-ምእንቲ ፖለቲካዊ ናጽነት ዝግበር ቃልሲ ወይ ጻውዒት፡ ዓቢ ቍጠባውን ማሕበራውን ትጽቢታት ኣብ ህዝቢ የሐድር ኢዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ህዝቢ ካብ ፖለቲካዊ ናጽነት ኣብ መነባብሮኡ ክርእዮ ዝደሊ ለውጥታት ኣሎ። መስርሕ ምስግጋር ምሉእ ብምሉእ ንኽዕወት እምበኣር፡ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ለውጥታት ዘምጽእ ክኸውን ይግባእ። ህዝቢ ነቲ ስርዓት ክከላኸለሉን ክሕብሕቦን እንተደኣ ተደልዩ፡ ኣብ ሂወቱ ኣወንታዊ ለውጢ ክርኢ ክኽእል ኣለዎ። ከም'ቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ ማእከላይ ደርቢ እናሰፍሐን እናዓበየን እንተኸይዱ፡ እቲ ስርዓት ናይ ህዝቢ ደገፍ እናረኸበ ኢዩ ዝኸይድ። ህዝቢ መነባብሮኡ እናኸፍአ፡ ስእነተ-ስራሕ እናበዝሐ እንተኸይዱ ግን፡ እቲ መስርሕ ምስግጋር ብዲክታቶርያውያን ተጨውዩ ናብ ምልኪ ገጹ ከምርሕ ይኽእል ኢዩ።

 

5. ግዝኣተ-ሕጊ ምስፋን፦ ሓድሽ መንግስቲ ምስ መጸ፡ ኣብ ኣእምሮ ነፍስወከፍና ዝለዓል ሕቶ ነዚ መንግስቲ'ዚ ክድግፎ'ዶ ወይስ ክጻረሮ ዝብል ኢዩ። እቲ መንግስቲ ናይ ህዝቢ ደገፍ ክረክብ እንተደኣኰይኑ፡ መሰላት ናይ ህዝቢ ዘኽብር፡ ህዝቢ ዝዓግበሉ ፍትሓዊ ቍጠባውን ፖለቲካውን ሕግታት ምድኳን የድሊ። ህዝቢ፡ ንኣገልግሎት ህዝቢ ዝውዕሉ ሕጋውያንን ህዝባውያንን ትካላት ምዃኖም እንተደኣ ኣረጋጊጹ ጥራሕ ኢዩ ልባዊ ደገፋቱ ነቲ ሓድሽ ናይ ምስግጋር መንግስቲ ዝህብ። ኣድማዕን ግሉጽን ሕጋዊ ስርዓት እንተደኣሃልዩ ዘይሕጋዊ ምኽዕባት ሃብትን ብልሽውናን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ክኣቱ ይኽእል ኢዩ። ከምኡ’ውን፡ ዘመናዊ ሶሽያል ሚድያ፡ ንብልሽውና ንምውጋእ ሓጋዚ ተራ ከምዘለዎ ክዝንጋዕ የብሉን።

 

ሲቪላውያንን ዘይመንግስታውያን ትካላት ዝግዝኣሉ ሕግታት ምግባር እውን ኣገዳስነት ኣለዎ። ኣብያተ-ፍርዲ፡ ፓርላማን ሲቪላውያን ማሕበራትን ብምሕያል ግዝኣተ-ሕጊ ከምዝሰፍን ምግባር ኣድላዪ ቅድመ-ኵነት ንዲሞክራስያዊ ምስግጋር ኢዩ።

 

6. ስልጣን ምክፍፋል፦ ስልጣን ናብ ኣውራጃታት ምክፍፋል ብዙሕ ረብሓታት ኣለዎ። ስልጣን ብማእከላይ መንግስቲ ወይ ብርእሰ-ከተማ ጥራሕ ከይግበት ይኽልክል። ናብ ህዝቢ ዝቐረበ ምምሕዳር ድማ ዝሓሸ ናይ ተሓታትነት ዕድል ኣለዎ። ኣብ ኢንዶነሽያ ዝነበረ ናይ ምግንጻል ሕቶ ብዘይምእኩል ኣገባብ ምምሕዳር ኢዩ ተፈቲሑ። ዘይምእኩል ምምሕዳር ብግቡእ እንተደኣ ዘይተታሒዙ ግን፡ ምፍንጫልን ምግንጻልን ከምዘስዕብ ክንዝንግዕ ኣይግብኣናን።

 

7. ጐረባብቲ ሃገራት፡ ንመስርሕ ዲሞክራሲ ክሕግዙን ክዕንቅፉን ይኽእሉ ኢዮም። ጥዑያት ጐረባብቲ፡ ቍጠባውን ተክኒካውን ደገፋት ብምሃብ ንመስርሕ ምስግጋር ብኣወንታ ክጸልውዎ ይኽእሉ ኢዮም። ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ሕማቕ ጐረቤት፡ ንረብሓኡ ጥራሕ ብምሕሳብ ንመስርሕ ዲሞክራሲ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክዕንቅፎ ይኽእል ኢዩ።

 

ጐረባብቲ ሃገራት ጥራሕ ዘይኰናስ፡ ዓለም-ለኻዊ ትካላት ከም ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኣውሮጳን ናቶን (NATO) ካልኦት ምትእኽኽካባትን እውን ክጻወትዎ ዝኽእሉ ግዴታት ከምዘለወን ክዝንጋዕ ኣይግብኣን።

 

ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ መስርሕ ምስግጋር ክዝረብ እንከሎ፡ ብወገን ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ንዲሞክራሲ ምስ ብልጽግና ኣተኣሳሲሩ ኢዩ ክጥቀምሉ ዝፍትን። ኤርትራ፡ ድኻ ሃገር ስለዝዀነት፡ ህዝባ ብዛዕባ ባኒ እምበር ብዛዕባ ዲሞክራሲ ኣይሓስብን ኢዩ ዝብል መናፍሓት ይዝርግሕ፤ ምርጫታት ኰነ ስርዓት ብዙሓን ሰልፍታት መግለጺ ናይ ዲሞክራሲ ኣይኰኑን እናበለ ከቋናጽብ ይፍትን። ናይ’ዚ ኣተሓሳስባ’ዚ መበገሲ፡ ኢሳያስ ክሳብ ሞቱ ፕረሲደንት ናይ ኤርትራ ኰይኑ ክነብር ስለዝደሊ ኢዩ።

 

ጸገማት መስርሕ ምስግጋር ብሓደ ሸነኽ እቶም መራሕቲ ክሳብ ዝሞቱ ኣብ ስልጣን ምጽናሕ ምድላይ ክኸውን እንከሎ፤ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ተቓወምቲ ነቲ ናይ ምስግጋር መድረኽ ዘድሊ ቅድመ-ምድላዋት ወይ ባይታታት ከየመቻችኡ ምጽናሕ ኢዩ። ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ዝፍጠር ህጓፍ፡ ነታ ሃገር ናብ ዘይትወጾ ዓዘቕቲ ክሸማ ከምዝኽእል ናይ ብዙሓት ሃገራት ተመኵሮታት ዘረጋግጾ ሓቂ ኢዩ።

 

ድሕነት ሃገር ቅድሚ ኵሉ፡ ለውጢ ካብ ታሓቲ ናብ ላዕሊ፡ መሰረታዊ ለውጢ፡ ህዝቢ ኢዩ ወሳኒ. . .ወዘተ ዝብሉ ጥዑማት ጭርሖታት ኣብ ቀጽሪ ደምበ ተቓውሞ ምድግጋም ልሙድ ባህሊ ኰይኑ ኣሎ። ኣብ ግብሪ ግን፡ ቀዳምነት ተዋሂብዎም ክስርሓሎም ድማ ኣይርኣዩን። እዚ፡ ኣብ መስርሕ ምስግጋር ዘሎ ተረድኦ ሓደ ከምዘይኰነ፡ ወይ ድማ ንሃልኪ ጥራሕ ተባሂሉ ዝደጋገም ጭርሖታት ምዃኑ ኢዩ ዝእምት።

 

ብመድረኽ ዝተሰናድአ ምምኽኻራዊ ዋዕላ ናይሮቢ፡ ንመስርሕ ምስግጋር ከም ማእከላይ ዛዕባ ገይሩ ምሓዙ ካብ’ዚ ዕንክሊል’ዚ ከውጽኣና ተስፋ ተነቢርሉ ኣሎ።

Last modified on Sunday, 27 December 2015 14:01