ሪፖርታጅ፡ ዝኽሪ ናይ ትማሊ ሃገራዊ ሓርበኛ

2015-12-23 13:25:46 Written by  ጋዜጠኛ ቤ/ጽ ዜና ሰደህኤ ካብቲ ቦታ Published in EPDP News Read 2941 times

ወዲ ሰብ በቲ ዝገብሮ እንተስ ሕማቕ ይኹን እንተስ ጽቡቕ ወትሩ ስሙ እናተላዕለ እዩ ዝነብር። መብዛሕትኦም እቶም ብጽቡቕ ዝለዓሉ ብህይወቶም ከለዉ ህዝቢ ከይተረድእዎም እዮም ዝሓልፉ። ለካ ‘’ነብይ እይከብር ብሃገሩ’’ እኳ ይበሃል። ኩሉ ግዜ ከኣ ጽቡቕ ዝሰርሐ ሰብ ምስ ሞተ ደኣ እምበር ከሎ ኣይምስገንን እዩ። ይኹን እምበር ነቲ ዝመጽእ ወለዶ መምሃሪ ይኸውን። ስውእ ስዩም ዑቕባሚካኤል ምስ ብጻዩ ወልደዳዊት ተመስገን፡ ከምቶም ካልኦት ኤርትራውያን ኣብ ሸዊት ዝዕድምኦም እዮም ንህይወቶም ምእንቲ ህዝቦምን ሃገሮምን ዝተበጀዉ። ንመጻኢ ዕድሎም ይኹን ተማሂሮም እውን ክምዕብሉ ዝኽእሉ ዝነበሩ ክንሶም፥ ነቲ ኩሉ ናይ ውልቆም ድሌት ንድሕሪት ገዲፎም እዛ ክብራን ልዑላውነታን ተደፊራ ዘላ ሃገር ምስቶም ኣሕዋትና ኰይንና ክንቃለሰላ ብዝብል እዮም ንኣምሮኦም ኣእሚኖም ንበረኻታት ኤርትራ ጠሓሒሶም ክሳብ ኣብ ደረጃ ቤት ማእሰርቲ ዝበጽሑ። ካብ ቤት ማእሰርቲ ምእንቲ ንኽወጹ ብዝተገብረሎም መተዓሻሸዊ እውን ፈጺሞም ንዕላማኦምን ንመቓልስቶምን ኣይጠለሙን።

SOM 10th anniversary14

ስውእ ስዩም ካብታ እተን ከይደን ዘይደኽማ ኣእጋሩ፥ ካብታ ብቃላት ትግርኛ ከም ማይ ናይ ምንጪ ዝፍልፍለላ ልሳኑ ደው ዝበሉ ዕለት 17-12-2015 ንዘልኣለም ተረጊማ ትንበር ካብዛ ዓለም ንዝፈትዎም መቓልስቱን ደቁን ስድራ ቤቱን ደጊም ኣብ ዘይርከበሉ ዓለም ተፋንዩና ከይዱ። እነሆ ድማ መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ ከምዝተባህለ ስዩም ካብ ዝስዋእ ዓሰርተ ዓመት ትማሊ ዕለት 17-12-2015 ኣቚጺሩ። ነቲ ዝተለሞ ማለት ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ትሕቲ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ እትመሓደር ክትክወን ዝነበረ ጻዕሩን ቃልሱን ካብታ ዝሓደጋ ዕለት ንዓአሰርተ ዓመት ዝኣክል ዓድና ክንኣቱ ዝግበኣና ዝነበረ ክንሱ ግን ብሰንኪ እቲ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ነንሓድሕዱ ስምምዕን ምትእምማንን ብምስኣኑ ብዙሕ ወርቃዊ ግዜ ሓሊፉና። ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ምትካልሲ ይትረፍ ነታ ህላዌና እውን ኣብ ምልክተ ሕቶ ይኣቱ ኣሎ።

ትማሊ ንስውእ ስዩም ኣሎና ንሕና፡ ቅሰን ኢልና ዘፋኖናዮ ጥራሕ ክንደይ ወለቕ ዘለቕ ኢልና ኮን ንኸውን መዐቀኒ ናይቲ ንዓሰርተ ዓመት ዝኸድናዮ ጉዕዞ ክኸውን ይኽእል እዩ። ከምቲ ደራፋይ ዝበሎ ‘’ተጣለምናዶ ተጣለምናዶ ከለና ኣብ ዓለም’’ ዝተባህለ ለበዋ ስዉኣት እንዳጠሓስካ ምጭጭሕ ውድባት ተራእዩ።

ስለዚ ዝኽሪ ዓስራይ ዓመት ስውእ ስዩም ዕለት 19-12-2015 መሊሱ ንሓዘንና ዘዛኻኸረ እዩ ነይሩ። ኩሎም እቶም ገዳይም መቓልስቱን ኣባላትን መሪሕነትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን፥  ኣባላትን መሪሕነትን ግምባር ሃገራዊ ድሕነት፥ ኣባላት ምንቅስቓስ መንእሰያት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ፥ ኣባላት ህዝባዊ ማሕበር ሆላንድ፥ ኣባላት ሕዝብ ኣልመቓዋማ ኣል ሻዕብያ’’ ሰልፊ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ኣባል እስላማዊ ሰልፊ እስላሕ፥ ውልቀሰባትን ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮን ዝተረኽቡሉ ኣብቲ ስዩም ዝተቐብረሉ መቓብር ካብ ሰዓት 10:50 ጀሚሩ ነይሩ።

እዞም ካብ ዓዲ እንግሊዝ፥ ካብ ሃገረ ጀርመን፥ ካብ ሃገረ ፈረንሳ ከምኡ እውን እቲ ዘይሕለል ተቓላሳይ ሓው ተስፋይ ተኽለዝጊ ኣቦ መንበር ማሕበር ኣካለጽጉማን ምስቲ ኩሉ ሕማሙን ስንክልኡን ነቲ ኩሉ ጸገም ጥሒሱ ንብጻዩ ስዩም ክዝክር ኣብቲ ኣጋጣሚ ተሳቲፉ። ካልኦት ውልቀሰባት ከም በዓል ዶክ ጸጋዘኣብ ዝኣመሰሉ ወሲኽካ ኩልና ተኣኻኺብና ነቲ ናይ ቀደም ዝነበረ እናዘክርና ናፍቖት ሓድሕድ ከመይ ኣሎኻ ከመይ ኣሎኺ ነዊሕ ኮይኑ ካብ ንራኸብ እናተበሃሃልና ከም ብሓዲሽ ሌላ ዝመስል ጣዕምን ላዛን ዝነበሮ ዕላላት ነቲ ዘሎና ፍልልያት ዝድምስስ እዩ ዝመስል ዝነበረ።

ብድሕሪዚ ተበገስ ኮይኑ ልክዕ ሰዓት 11:35 ምስ ኮነ ብመስርዕ ተሰሪዕና ነፍሲ ወከፍና ‘ስለቲ ጽንዓትካ ነመስግነካ’’ ኣብ ዝብል ሓሳብ ከምዝጠሓልና እቲ ዝነበረ ሃዋህው ይሕብር። ኣብቲ ናይ ዘልኣለም ቤት ስውእ ስዩም ምስ በጻሕና ድማ እቲ ንሱ ደቂሱሉ ዝነበረ ስፍራ ብሓቂ በታ ደኺመ ዘይትብል በዓልቲ ቤት ወይዘሮ ኣዝመራ ሃይለ ብጽቡቕ ተታሒዙ ልክዕ ከምዛ ሽዑ ሓመድ ኣዳም ዝለብስ ዘሎ ይመስል። ኣብታ ስዩም ንዝኽሪ ተተኺላ ዝነበረት ሓወልቲ እታ ከይተረዳእና ከሎ ናይ ኢዱ ሰላምታ ዝሃበላ ስእሊ ተጠቂዓ ለካ እቲ ግዜ እቲ ይፋነወኩም ኣሎኹ ይብለና ከምዝነበረ እያ ተዘኻኽር።

ብድሕሪ እዚ ኩሉ ዕመበባታት ሒዙ ዝመጸ ዕምበባኡ ኣቐሚጡ ኣብ መጠረስታ ከኣ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮ ኣቦመንበር ስለፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሓላፍን ገዲም መማህርትን መቓልስትን ስዩም ሓው ወልደሱስ ዓማር    ነናቶም ዕምበባ ኣቐሚጦም። ድሕሪ ገለ ደቓይቕ ከኣ ናይ ጸሎተ ሕልና ምስ ገበርና ሓው ኣሰፋው በርሀ ነታ ኣብ ሰማያዊ ዝሕብራ ፕላስቲክ ዝዓይነታ ‘’ ስለቲ ጽንዓትካ ነመስግነካ’’ ኢልና ዘፋኖናዮ እንዝክረላ ዕለት እያ ብማለት ኣብ ልዕሊ እቲ ስእሊ ስውእ ስዩም ተለጠፈት። ቁሩብ ጸኒሕና ከኣ ሰዓት 12:07 ንስውእ ስዩም ዳግማይ ብምስንባት ናብቲ እቲ ንዝኽሪ ሓውና፡ ኣቦናን መቓልስትናን ዝኾነ ሃገራዊ ሓርበኛ ዝተዳለወ እኽለማይ ተጎዓዝና። ኣብዚ ኣብቲ ቦታ ምስ በጻሕና ቅድሚ ምምጋብና ሰዓት 1:00 ድሕሪ ቀትሪ ኣቢሉ ይኸውን ስነስርዕት ጸሎት ንዝኽሪ ስውእ ስዩም ብክለተ ኣቕሽሽትን ክልተ ዲያቆናትን ዝተሰነየ ጸሎት ተኻይዱ።

እቲ ጸሎት ብዝኽሪ ሙታን እዩ ተጀሚሩ። እቶም ካህን ኣብ ስብከቶም ኣብ ዘስምዕዎ “ወዲ ሰብ ከም ኦም መሮር እዩ። ይፈርን ይዕምብብን ይቕምስልን’ ኣብዛ ዓለም ከኣ ሞት ዘይተርፍ እዩ እሞ ካብ መሬት ተማሊእናዮ ንኸይድ ስለዘየለ ግን እቲ ገዲፍናዮ እንኸይድ ሓድነት፥ ሕውነት፥ ፍቕሪ፥ ለውሃት፥ ክህልወና የድሊ። ስለዚ ንስዩም ንሕና ኣይነጽድቖን ኢና፥ ተጽድቖ እታ ግብሩ እያ ንሳ ድማ ንምእንቲ ደቂ ሰባት ክብል ህይወቱ ብጽንዓት ምውፋዩን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክሳብ ክንደይ ፍቕሪ ከምዝነበሮ እዩ ዝሕብር። ኩሉኹም ድማ ስለቲ ሰናይ ግብሩ ዘኪርኩም እነሆ ኣብዚ ተኣኪብና ንቤተሰቡን ደቁን ካብ ርሑቕን ቀረባን መጺእና ክነጸናንዕ እንከሎና ከኣ ኣምላኽ ዝፈትዎ ስራሕ ኢና ሰሪሕና።

SOM 10th anniversary15

ንሕና ኩልና ሓለፍቲ ኢና ነበርቲ ኣይኮናን፡ ነበርቲ ዘይምዃናን ካብ ፈለጥና እቲ ኣብ ዓለም ከሎና ክንገብሮ ዝግበኣና ጽልኢን ቅርሕንትን ወጊድና ሰላም ኣብ ነንሓድሕድና ክህልወና ምጽዓር ሓደ ካብቲ ቃልሲ እዩ። ሰብ ስሙ ብጽቡቕ ክለዓል ዝበለጸ እዩ ። እነሆ ውን ስዩም ስሙ ብጽቡቕ እዩ ዝለዓል ዘሎ። ስለዚ ኩልና ትዕግስቲ ከም ዘድልየና ነዚ እዛ ዓለምና ኣብ ህውከትን ተርባጽን፥ ውግእን ወረ ውግእን ከም እተሸመመት እንሰምዖ ዘሎና ክፍወስ እንተኾይኑ ፍቕሪ፥ ለውሃት፥ ምድንጋጽ፥ ኣብ ነንሓድሕድና ኣላዝቦን ብሓድነት ኣቢልና ኢና እንበጽሖ” ብምባል ምኽሮም ለጊሶም።

ድሕሪ እዚ ሰዓት 1:45 ምስ ኮነ ኣብ ምምጋብ ኣቶና። ድሕሪ መግቢ ከኣ ብሓው ኣሰፋው በርሄ ስፊሕ ታሪኽ ስውእ ስዩም ተነቢቡ። ብድሕሪ እዚ ሓደ ብሓደ ማለት ሓው ወልደሱስ ዓማር ናይ ቀደም ተዘክሮታቱ ምስ ስውእ ስዩምን ስውእ ወልደዳዊትን ካብታ ሰዓትን ዕለትን ኣብ ቤት ትምህርቲ ልኡል መኮነን ዝተራኸቡሉ ኣትሒዙ ዝተኻየደ ሓባራዊ ቃልሲ ተንቲኑ ገሊጹ። ብምቕጻል ሓው ዶክተር ዩሱፍ ብርሃኑ ብዛዕባ ምስ ስዩም ዝነበሮ ብጻያዊ ተመኲሮን ናይ ተወፋይነቱ ኣድናቖት ገሊጹ። ቀጺላ እታ ዘይትሕለል ኣደ ተጋደልትን ጽንዕትን ወይዘሮ ሓረጉ ስውእ ስዩም ንምዝካር ተደፋኒቓ ክሳብ የዒንታ ንብዓት ዝቛጸራሉ ነቲ ክትብሎ ዝደለየት ኣሕጽር ኣቢላ “ስዩም ኣይተፈልየናን’ሞ ኣብ መትከልና ንጽናዕ” ብምባል ደምዲማ፡ ቀጺሉ ሓው ኣፈወርቂ ኣባይ ውግኡ ሓርነት ብግጥሚ ገይሩ ንስውእ ስዩም ዝዝከርን ንህልዋት እውን ኣብ ቃልሶም ገጥ ክብሉ ዝዕድምን ኣቕሪቡ ንሱ ዘዳለዎ ከኣ ንዝኽሪ ስውኡ ስዩም ከም ገጸ በረኸት ንሓብትና ኣዝመራ ሃይለ ኣወኪፉ።

SOM 10th anniversary16

ብምቕጻል ዶክ ጸጋዘኣብ ንስውእ ስዩም ካብ ዝፈልጦ ኣጥሒዙ ተባዕን በሊሕን ምንባሩ ገልጹ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ስዩም ዝድለየሉ መድረኽ ምዃኑ ዘብርህ ገለጻ ኣቕሪቡ። ብድሕሪ እዚ ከኣ ንማሕበር ሆላን ወኪሉ ዝቐረበ ሓው ስዒድ ዓብደላ ብዛዕባ ምስ ስዩም ዝነብሮ ናይ ሓባር ቃልስን ብዛዕባ ናይቲ ማሕበር ከኣ ጠቒሱ። ቀጺሉ ሓው ድራር መንታይ ነቲ ስውእ ስዩምን ስውእ ወልደዳዊትን ዝገበርዎ ታሪኻዊ ቅያ ምስ ስውእ ከቢረን ምስ ስውእ ሓምድ እሪስ ዓዋተን ብማዓረ ዘጽውዖም ብጭብጢ ካብ ዝረኸቦ ታሪኽ ኣቕሪቡ። ከም ቃል ሓው ድራር ኣብ 1987 ኣቢሉ ምስ ኣቦይ ዑባሚካኤል ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ኮፍ ኢሎም ከዕልሉ ከለዉ በጋጣሚ ብጉዳይ ማእሰርቲ ናይዞም ክልተ ብጾት ይለዓል። እቲ ታሪኽ ብሓጺሩ እዞም ክልተ ብጾት ምስ ተኣስሩ ኩሉ ቤተ ሰብ ዘመድ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝወጽሉ ጻዕርታት ይካየድ ነይሩ ይብሉ ኣቦይ ዑቕባሚካኤል። ብድሕሪ እዚ ነቲ ፈራዳይ ብምርካብ እቲ ፈራዳይ ድማ ነቲ ኩነታት ብምዕዛብ እዚ ጉዳይ እዚ ክፍታሕ እንተኾይኑ እዞም ክልተ እሱራት ‘’ ነቲ ቃልሲ ወይ ነቲ ውድባ ናይ እስላም እዩ። ክርስትያን ኣብቲ ቃልሲ የለዉን ኢሎም ምስክርነት እንተ ሂቦም ክወጹ ይኽእሉ ኢዮም” ዝብል ሓሳብ ይህብ። ካብዚ ቀጺሉነዞም

ናይ ምዕጋብ ጉዳይ ኮነ፡ እዞም ክልተ ከኣ እቲ ጉዳይ ምስ ተነግሮም ክልቲኦም ተማኺሮም። እታ ምኽሮም ኣብታ ቤት ፍርዲ ምስ በጽሑ ዝብልዋ እምበር ነቶም ሕራይ በሉ ንዝበልዎምሲ ካልእ መልሲ ኢዮም ሂቦሞም። ንሱ ከኣ ሕራይ ከምኡ ክንብል ኢና ኢሎም ምስ ሓበሩ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐርብሉ ቆጸራ ተታሕዘ። እቶም ዘዘራረብዎም “ሕራይ ኢሎሙና ኢዮም ሕጅስ ክወጹ ኢዮም” እናበሉ ኣብታ ቤት ፍርዲ ብተስፋ ኢዮም ዝጽበዩ ዝነበሩ። ክልቲኦም እሱራት ኣብ ቅድሚ ፈራዲ ቀሪቦም ፈራዲ ከኣ እዚ ዝነበርኩምሉ ውድብ ናይ እስላም ምዃኑ እንተመስኪርኩም ብናጻ ክትልቀቑ ኢኹም ዝብል ውሳኔኡ ኣስመዐ። ንሳቶም ዝሃብዎ መልሲ ከኣ ‘’ ንሕና እቲ ዝተሰለፍናሉ ውድብ ናይ እስላም ኣይኮነ ናይ ክርስትያን ኣይኮነ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ እዩ እሞ፡ ሎሚ ናጻ እንተለቒቕኩሙና’ውን ጽባሕ ናብታ ሰልፍና ኢና እንጽንበር’’ ኢሎም ቃሎም የስምዑ። ብድሕርዚ ኩላ እታ ተስፋ ዝነበራ ቅዝዝ ድንዝዝ ኢልና ተሪፍና ይብሉ ኣቦይ ዑቕባሚካኤል።

SOM 10th anniversary17

ቀጺሉ ሓው ድራር ነዛ ጉዳይ እዚኣ ኣብ ኣእምሮኡ ሒዝዋ ስለዝነበረ ምስ ስውእ ስዩም ኣብ 2004 ኣቢሉ ኣብ  ተራኺቡሉ ሰዓት እቲ ኩነታት ከመይ ከምዝነረ ይሓቶ እሞ፡ ስዩም ከኣ ሓንቲ ከየጉደለ ልክዕ ከምታ ኣቦይ ዑቕባሚካኤል ንድራር ዝበልዎ ከማኣ ገይሩ ከም ንዝገለጸሉ እዩ ኣብቲ ናይ ዝኽሪ ዓስራይ ዓመት ስውእ ስዩም ዝገለጸ። ኣብ መደምደምታ ክብርቲ ሓብትናን ብጸይትናን ሓብቲ ስውእ ስዩምን ከኣ ብወገና ነቲ ዓቢ ሓዋ ብኣካል ንዘይትፈልጦ ታሪኹ ካብ ዓባይ ሓብታ ወይዘሮ ለምለም ዝሕበራ ዝነበረ ገሊጻ እሱ ድማ እቲ ሓብታ ለምለም ብሰንኪ ሓዋ ካብ ትምህርቲ ከም ዘቋርጸት ወግሐ ጸብሐ ምሳሕን ድራርን ሸሃን ተሰኪማ ንቤት ማእሰርቲ ትመላለስ ከምዝነበረት ገሊጻ። ነቲ ኹሉ ተጻዊራ ንታሪኽ ሓወይ ስዩም ዝሃበትኒ ድማ ሎሚ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ዕለት ዝኽሪ ሓውና ከመስግነኪ ይፈቱ ድሕሪ ምባል፡ ሎሚ ብዝኽሪ ሓወይ ስዩም ከምዚ ኢልኩም ተኣኪብኩም ክርእየኩም ከሎኹ ብሓቂ ስዩም ሓወይ ኣይሞተን ብሓቂ እውን ኣይሞተን ብዝብል ሕብንትን ሕጉስትን ምዃና ገሊጻ።

ስዓተ 9:00 ኣቢሉ ምስ ኮነ ናይቲ መደብ ፍጻመ ስለ ዝኾነ ኩሉ ሰብ ተደሪሩ ነናብ ሰፈሩ ተጓዕዘ።

Last modified on Wednesday, 23 December 2015 14:34