ኣገባብ ኣበዓዕላን መደረታትን ኣብ 10ይ ዓመት ዝኽሪ መስዋእቲ ሓርበኛ ስዩም ዑቚባሚካኤል

2015-12-21 14:54:38 Written by  ብቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3505 times

ዝኽሪ 10ይ ዓመት መስዋእቲ ጅግና ተጋዳላይ ስዩም ዑቚባሚካኤል (ሓረስታይ) ብ19 ታሕሳስ 2015 ኣብ ቭላርዲንገን ሮተርዳም/ሆላንድ ነዚ ሃገራዊ ሓርበኛ ብዝግባእ ተዘክሮታትን ድምቀትን ተኸቢሩ ውዒሉ።

 

ስድራ ቤትን፡ መቅርብን፡ ናይ ቃልሲ ብጾትን ዕዱማትን፡ ኣብ መካነ መቓብሩ ዕንባባታት ድሕሪ ምቕማጥ ናብታ ቅድሚ 10 ዓመት ኣስከሬን ስዉእ ስዩም ፍትሓት እተገብረላ ቤተ መቕደስ ተኣኪቦም፡ ብካህናት ኦርቶዶክሳዊት ደዋህዶ ቤተ ክርስትያን እናተመርሑ ናይ ጽሎትን ፍትሓትን ቅዳሴ ተኻፊሎም።

SOM 10th anniversary7

ቀጺሎም፡ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጹ ዕዱማት ኣጋይሽ ኣብቲ ብስድራ ቤት ስዉእ ኣብ እተዳለው ናይ ምግብን መስተን ግብጃ ድሕሪ ምክፋሎም፡ ንዝኽሪ ስዉእ ስዩም እተዳለወ መደረታትን ተንቀሳቓሲ ፊልምን ተኸታቲሎም።

SOM 10th anniversary8

 

መድረኽ ተዘክሮታት ብመቓልስትን ብጸይቲ ስዉእ ስዩም ብዝነበረት ሓፍቲ ኣዝመራ ሃይሉን ሓው ኣሰፋው በርሀን ተኸፊቱ። እቲ ምዑት ናይ ቃልሲ ታሪኽ ህይወት ሓርበኛ ስዉእ ስዩም ብሓው ኣሰፋው በርሀ ብሰፊሑ ቀሪቡ።

 

ቀጺሉ፡ ብሓው ኣንቶንዮ ተስፋይ ብቃላትን ብመልክዕ ስእላዊ ዶኩመንታሪን እተዳለወ  መሳጢ መግለጺ፡ ምስእናይ ገለ ምሩጽን ላዛ ዝዓዘዞን መደረታትን ሓርበኛ ስዩም  ተሰሚዑ። ስዉእ ስዩም በቲ ተቐሪጹ ዝተረፈ መደረታቱ እውን እንተኾነ፡ ገና ንቓልሲ ለውጥን ዲሞክራስን ብቐጻሊ የበርክት ምህላዉ ጋህዲ ዝገበረ መልእኽትታት ነይሩ።

SOM 10th anniversary9  

ካብኡ ብምቕጻል ሓው ወልደሱስ ዓማር ኣብ መድረኽ ቀሪቡ ናይ ሓርበኛ ስዩም ታሪኻዊ ጊደን ቦታን ኣብ ኤርትራዊ ሃገርነት እናዘርዘረን፡ ሓባራዊ ተዘክሮታቶም እናጠቐሰን መግለጺ ኣቕሪቡ። ተመሳሳሊ ተዘክሮታትን፡ መግለጽታትን፡ ንስዉእ ስዩም ዝግባእ ናይ ምስጋና ቃላትን፡ ብዶክቶር ዩሱፍ ብርሃኑ፡ ብሓፍቲ ሓረጉ በርሀ፡ ብሓው ኣፈወርቂ ኣባይ (ብመልክዕ መሳጢ ግጥሚ)፡ ብሓው ጸጋዘኣብ ገ/ገርጊስ፡ ብወኪል ማሐረኮም ኤርትራ ኣብ ሮተርዳም ሓው ስዒድን፡ ብሓፍቲ ስውእ ስዩም ብዝኾነት ሓፍትና ኤልሳ ዑቚባሚካኤልን ብሓው ድራር ማንታይን ቀሪቡ። እቲ መደረታት ናብ ህዝቢ ዝዝርገሓሉ ኣገባብ ክህሉ ምዃኑ እውን ተሓቢሩ። ብሓው ገረዝጊሄር ተወልደን ብሓፍቲ ጽገ ኣስፋሃን ካብ ሰሜን ኣሜሪካ ብቓል ተቐሪጹ እተላእከ መልእኽትታት ብገለ ተክኒካዊ ምኽንያት ኣብቲ ናይ ዝኽሪ በዓል ከርክብ ኣይከኣለን። እዚ'ውን ናብ ህዝቢ ዝበጽሓሉ ኣገባብ ክግበር ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።

SOM 10th anniversary10

 

ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ መደረ ብሓው ወልደሱስ ዓማር ዝቐረበ ኢዩ። ሓው ወልደሱስ ኣብ መኽፈቲ መደረኡ፡ እቲ ብክቡራት ስድራ ቤት እተዳለወ ዝኽሪ 10ይ ዓመት መስዋእቲ ስዩም ከም ሃገራዊ በዓል ዝርኤን፣ እቲ ኹሉ ጽንዓትን ዘይሕለል ቃልስታትን ስዉእ ስዩም ዝዝከረሉ  መድረኽ እንበር፡ ናይ ሓዘንን ትካዜን ክርብ ከምዘይኮነ ድሕሪ ምግላጽ፡ ልዕሊ 40 ገጻት  ዝሓዘ ንሱ ብዛዕባ ስዉእ ብጻዩ ካብ የካቲት 1978 ጀሚሩ ካብ ዝጸሓፎ ዓንቀጻትን  ቃለ--መሕትታትን ኣኪቡ ንደቁን ስድራ ቤቱን ክበጽሕ ንብዓልቲ ቤት ስዉእ፡ ሓፍቲ ኣዝመራ ሃይሉ ኣመሓላሊፉ። (ብግዲኡ ሓው ኣፈወርቂ ኣባይ ብዛዕባ ስዉእ ስዩም ብ3 ቋንቋታን ብዛዕባ ስዉእ ስዩም ብእተፈላለዩ ሰባት ካብ ኣተጻሕፈ ጽሑፋት 800 ገጻት ኣኪቡ ንሓፍቲ ኣዝመራ ኣረቢቡ። ሓው ጸጋዘኣብ እውን ንሓርበኛ ስዩም ኤርትራዊ ማንዴላ ምዃኑ እናገለጸ፡ ንኣይዳ ስዩም ብዛዕባ ማንደላ እተጻሕፈ መጽሓፍ ኣበርኪቱዋ። ሓው ጽሃየ ክብሮም ብመልክዕ ካርድ ዘዳልዎ ጭርሖን ስእሊ ስዉእ ስዩምን፡ ከምኡ ከኣ እቲ ቅድሚ 10 ዓመት ብጊዜ መስዋእቲ ሓርበኛ ስዩም ብህዝቢ እተገልጸ ናይ ሓዘንን መጐስን ጽሑፋት ዝሓዘለ መጽሓፍ ንኹሎም ኣጋይሽ ተዓዲሉ። ከምኡ'ውን ብሓፍቲ ኣልጋነሽ ገብረ እተዳለወ ገላጺ ጭርሖ ዝሓዘ ሕብራዊ ሕዛም ኣቐዲሙ ኣብ መቓብር ስዉእ ከም እተለጠፈ ይዝከር።)

 

ካብዚ ቀጺሉ ዘሎ መደረ ሓው ወልደሱስ ዓማር ኢዩ።    

ዝኸበርኩም ስድራቤት ስዉእ ስዩም ብሓበራ፣

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩም ዕዱማት ብጾትን ኣዕሩኽን ስዉእ ስዩም፡ 

                      

ኣቐዲመ ንደቂ ስዉእ ስዩም፡ ማለት ንሊሊ፡ ንደስቲኒ፡ ንሰሎሞን፡ ንሳምሶን፡ ንጳውሎስ ንኣይዳን፡ ምስ ኣደን ብጸይትን ኣዝመራ ልባዊ ሰላምታ ኤቕርበሎም። ነዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ርክብ ብምስርዖም ከኣ ምስጋና ይብጻሓዮም። ኣስዒበ ከኣ ንሓፍትና ነብሰሄር ጽገ ጳውሎስ እናዘከርኩ ምስ ኲሎም ዝሓለፉ ኣሕዋትን ብጾትን ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ እምነየላ። ከም ኩሎም ስድራ ቤት፡ ከም ሓፍትን ከም መዘከሪት ስዉእ ስዩምን ጌርና ንእንጥምታ ኤልሳ ዑቚባሚካኤል እውን ፍሉይ ሰላምታይ ኤቕርበላ።

 

ደጊመ፡ ንበዂሪ ገዛ ዝኾንኪ ኣይዳ ስዩም ምስ ኣሕዋትኪ (ደቂ ስዉእ ስዩምን ደቅናን)፣ካብዚ ሃገራዊ መራሒን፡ ታሪኻዊ ሓርበኛን ብምውላድኩም ኲርዑ እብለኩም፣ ኣቦኹም ብንእስነቱ ከይተረፈ ዝገብሮ ንዝነበረ እና ሓተትኩምን እና ኣጽናዕኩምን ከኣ ብግደኹም "ንሕናኸ ነቲ ኣቦና ምእንትኡ ኢሉ ህይወቱ ዝሃበሉ ህዝቢ እንታይ ንግበረሉ?" ኣብ ዝብል መድራኽ - ደንጒኹም'ውን እንተኾነ፡ ክትበጽሑዎ እምነ። ከመይ ሕልምን ድልየትን ኣቦኹም ንሱ ጥራይ ስለዝነበረ።

SOM 10th anniversary11

ኣይዳ ስዩም ኣጋይሽ ናብ መቓብር ኣቦኣ ገጻ እናመርሐት።... ምስ ኣዲኣ ኣዝመራ ሃይሉ።

 

SOM 10th anniversary12

    ኣሓት ስውእ ስዩም ኤልሳን ህይወትን.... ደቁ ሳምሶንን ጳውሎስን ኣብ ቦታ መቓብር።

 

ሎሚ ድሮ 10 ዓመት ሓሊፉ፡ ንስዉእ ብጻይና ስዩም ብትዝታ እንዝክረላ መዓልቲ ኢያ። ንስዩም ከየቋረጽና ኣብ መዓልታዊ ዕላላትና ንዝክሮ ኢና። ነቲ ናይ ሎሚ ተዘክሮና ፍሉይ ዝገብሮ ግን ምስ ደቁን ምስቶም ሕጂ ክሰምዮም ዝጸናሕኩ ስድራ ቤቱን ተኣኪብና ብምህላውና ኢዩ። ዓቢ ዕድል ከኣ ኢዩ።

ኣብታ ንስውእ ስዩም ዘፋኖናላ መዓልቲ፡ ውሑድ ቃላት ተዛሪበ ምንባረይ እዝክር። ሎሚ ደጊመ ክሓስቦ  ከሎኹ፡ ናይ ስምዒት ጊዜ እንከሎ'ኳ እቲ ቃላት ክንደይ ትርጉም ከም ዝነበሮ እርኢ። ኣብቲ ሓጺር መደረ 2-3  መልእኽትታት ከመሓላልፍ ፈቲነ። እታ ቀዳመይቲን ቀንድን መልእኽተይ፡ ናይ ኲልና መልእኽቲ እውን ዝነበረት፡ "የቐንየልና ስዩም" እትብል ነይራ። ስለምንታይ ከ ከምኡ ተባሂሉ?

  • ኣብ ምሉእ ህይወቱ  ንሃገራዊ ጒዳይ ልዕሊ ውልቃዊ ጥቅሙ ብምስርዑ፣
  • ኣብ ኩሉ መዳያት ቃልሱ ንሓድነት ህዝብን ንሃገራዊ ናጽነትን ክብ ዝበለ ሓልዮት ብምሃቡ፣
  • ኣስዒቡ ከኣ (ድሕሪ 1991) ንሰላምን ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ብጽንዓትን ብትብዓትን ብዘይ ዕረፍቲ ብምቕላሱ የቐንየልና ስዩም ኢለ።
  • ከምኡ'ውን በብመድረኹ ወላ ብ1977 ከይተረፈ ንእተጋገዩ፣ ካብ ሓድነት ንዝሃደሙ፡ ዕርፊ ቃልሲ ምጽናዕ ዝሰኣኑ ንዝበሎም፡ ሓቂን ሕጋውነትን ተመርኲሱ ብተሪር ቃላት ብምግንሑን ብምምሃሩን ኩሉ ጊዜ ንዝክሮ። ነድንቖ። ነመስግኖ ከኣ።

ንስዉእ ስዩም ብጽንዓቱን፡ ተወፋይነቱን፡ ትብዓቱን፡ ዘይንሓፍነቱን፡ ናይ ዓቢ መራሒ ሕላገት ብዝኾነ ቅርሕንቲ ዘይምሓዙን፡ ብብልሓቱን፡ በቲ ድኻም ዘይፈልጥ ናይ ስራሕ ትግሃቱን ዘይዝክሮ ሰብ እንተልዩ፡ ንስዩም ዘይፈልጦ ዝነበረ ክኸውን ኣሎዎ።

 

 

ናይ ሓያለይ ሰራሕቲ ታሪኽ ክሳዕ ዝሓልፉ ዝነበሮም ጊደን ቦታን ኣይልለን። ናይ ስዩም ከኣ ከምኡ ኰይኑ ይረኣየኒ። እቲ ዝፈልጥ ይፈልጥ ነይሩ፣ እቲ ዘይፈልጦ ዝነበረ ግን ብዙሕ ጊዜ ወሲድሉ። ክሳዕ ስዩም ዝሓልፈ ተጸብዩ።

 

ኲላትና ከም ዘይንስሕቶ፡ ሃገራዊ ስምዒት ብቐሊሉ ኣይኮነን ዋንነት ናይ ሓደ ህዝቢ ዝኸውን። ኣብ ዝሓለፈ 24 ዓመታት ከም ዝርኤናዮን ጌና ንሻቐለሉ ከም ዘሎናን፡  ሓደ ህዝቢ ንቃልሲ ለውጥን ዲሞክራስን ክበራበር፡ ብዙሕ ጻዕሪ/ብዙሕ ጒስጓስ፡ ብዙሕ ምልዕዓል ኢዩ ዝሓትት። ብሓደ ለይቲ ነዲሩ ኣብ ቃልሲ ዝጸምድ ህዝቢ የልቦን። ኣብ ተመክሮ ብረታዊ ቃልስና እውን ከምኡ ነይሩ። ህዝቢ ምስ ፈለጠን ዘበራብሮ ምስ ረኸበን ኢዩ ነተን ምስ ድኹም ኣተሃላልዋ ተተይ ዝብላ ንዝነበራ ውድባት ኣዕብዩ ኣብ ዓወት ከም ዝብጻሕ ዝገበረ። ኣብቲ ኣዝዩ ከቢድ ናይ ህዝቢ ምልዕዓል ስራሕ፡ ስዩም ኣዝዩ ዓቢ ጊደ ነይሩዎ። ብርእይቶይ እኳ ካብቲ ኢሳያስ "ኣነየ ኣብ ናጽነት ዘብጻሕኩ" ኢሉ ወግሐ ጸብሔ ካብ ዝንቅዎ ዘይውሕድ (ዝበዝሕ እንተዘይኮይኑ)፡ ስዩም ንናጽነት ኤርትራ ዘበርከቶ ብቐሊሉ ዝምዘን ኣይኮነን።

  1. ተመሃራይ ከሎ እተቓለሶ፣
  2. ኣብ ናይ 10 ዓመት ማእሰርቲ ንሊዕሊ 25,000 እሱራት ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ (ምስ ወልደዳዊት ተመስገን ኰይኑ)፡ ብሃገራዊ ስምዒት ኰስኲሱ በቶም ቤት ማእሰርቲ ዝጠዓሙ ደቂ ሃገር ኣቢሉ ዝዘርግሖ ሰፊሕ ሃገራዊ ንቕሓት፣  
  3. ቅድሚ ናጽነት ን16 ዓመት ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ዘበርከቶ፡
  4. ድሒሩ ከኣ ካብ 1991 ክሳዕ ጊዜ መስዋእቱ ን15 ዓመታት ኣብ ናይ ለውጥን ዲሞክራስን ፍትሕን ጒዕዞ እተረባረቦ፡ ታሪኻውን ነባርን ኢዩ።   

ኣብዚ ዘሎና፡ ብዛዕባ ስዩም ክንዝክሮን ክንብሎን እንኽእል ብዙሕ ከም ዘሎ ኣይዝንግዕን። ንኻልኦት ዕድል ቅድሚ ምሃበይ ግን ገለ ካብተን ኣብዚ ናይ ሎሚ ኣጋጣሚ ከይጠቐስኩወን ክሓልፈን ካብ ዘይደልየን ተዘክሮታት እሕጽር ኣቢለ ከዕልል ኣፍቅዱለይ።

 

መጀመርያ ርክብና

  • ምስ ስዉእ ስዩምን ስዉእ ወልደዳዊትን ብመስከረም 1961 ኢና ኣብ ሓደ ክፍሊ  እተራኸብና።  ቅድሚ 54 ዓመት ምዃኑ'ዩ። ን4 ዓመት ከይተፈለና ብሓንሳብ ኔርና። በቲ ዓመት'ቲ ቤት ትምህርቲ ልዑል መኰነን ካብ 150 ዘይውሕዱ ተመሃሮ ተቐቢላ። ኣብ ኣገዳሲ ሃገራዊ ታሪኽ እተኻፈሉ 150 ክንብሎም ንኽእል። ......
  • ካብቲ ዘይርስዖ ስዩም ብቛንቋ እንግሊዝ ጥራይ ኣይኮነን ዝወዳደረኒ ዝነበረ። ኣብቲ ካብ ከረን ሒዘዮ ዝመጻእኩ ርሱን ፓለቲካ ሃገር እውን መወዳድርተይ ኰይኑ። ብፍላይ ንሰላማዊ ሰልፊ 1963 ኣብ ምግባር ጊደኡ ከመይ ከም ዝነበረ ኩሉ ጊዜ እዝክር - ሰላማዊ ሰልፊ ስዩም ኢለ እሰምያ ነይረ።
  • ካብቲ ኩሉ ጊዜ ዝዝክሮ እውን፡ ሐደ ዓመት ንሰማያዊት ባንዴራ ኤርትራ ስኢሉ፡ ኣብ ትሕቲኣ ግጥቢ ሰሪዑ ኣምጺኡልና። 6 ሰባት ምሉእ ለይቲ ኣብ ኣስመራ ክንዝርግሓ/ክንልጥፎ ሓዲርና። ስዩም ክሳዕ መወዳእታ ንሰማያዊት ባንዴራ ኤርትራ ፍሉይ ፍቕሪ ነይሩዎም። ንቐይራ እንተዝብሃል ነገር መምጸኤ ይመስለኒ!!

ሜዳ ምኻዱ/ማእሰርቱ

  • ብመጋቢት 1965 ሰላማዊ ሰልፊ ድሕሪ ምግባርና፡ ስዩምን ወልደዳዊትን "ሰለስተና ብብጸጥታ ንድለ ኣሎና ንሜዳ ንኺድ" ይብሉኒ ...ናመጹ ሓንቲ ዓባይ ኲትሻ ወርቂ ከኣ ብኣጋጣሚ ይረኽቡ። ንህደም ከኣ ይብሉኒ። ዘዕግብ ምኽንያት ምስ ሃብኩዎም ንበይኖም ይብገሱ።.. ብ17 መጋቢት 15 ንበይነይ ኰይነ ኢየ ካብ ስፍራ ኣውቶቡስ ኣስመራ ንጎንደር ኣቢሎም ብመተማ ንሱዳን ክኸዱ ዘፋኖኹዎም። ብኣጋጣሚ ኣዲስ ኣበባ በጺሖም፡ ብጅቡቲ ፈቲኖም ተታሒዞም። እንደገና ንጐንደር ተመሊሶም ብመተማ ንሱዳን ከይዶም። .....
  • እንደገና ብነሓሰ 1965 ህዝቢክሰርዑ ካብ ከሰላ ንኣስመራ ተሓቢኦም ኣትዮም።..  ድሩዕ እንዳ ኣውቶቡሳት ተጸብዩኒ። ምስኦም ሓዲረ...ድሕሪ ሳልስቲ፡ ምስ ሓደ ብጻየይ ኮይነ ነቲ ክብ ዝበለ ሃገራዊ ንቕሓት ዝነበሮ መምህር ስዩም ነጋሲ ሒዘሎም መጺኤ። ኣብ ገዛ ስራጅ ኣሕመድ ኣብ ኪዳነ ምህግረት ኣስመራ ሰለስቲኦም፡ ራብዓዮም ስራጅ ታሪኹ ነዊሕ ኢዩ..............።

ሳልሳይ ርክብና

  • ሳልሳይ ርክብና ብሰነ 1976 ኣብ ሱዳን ነይሩ....ነቲ ታሪኻዊ ግጥምታት እናጸሓፈን  ብራድዮ ኦምዱርማን እናኣንበበን....  

ክብደት መስዋእቲ ስዩም፡

  • መስዋእቲ ስዩም ንክብደትን ዕብየትን ስዩም ዝገለጸት መዓልቲ ነይራ። ....እተሰምዓኒ ስምዒት ብቐሊሉ ዝግለጽ ኣይኮነን.... ቃልሲ ደው ከም ዝበለ፡ ውድብ ኣብ ጥቓ ምፍራስ ዝበጽሔ ኰይኑ እተሰምዓና ውሑዳት ኣይነበርናን....  ንኲልና እተሰመዓና ንሱ ነይሩ ይመስለኒ። መላእ ውድብ መስዋእቲ ክኸፍል ተዓጢቑ። ውድብ ከይህሰ ብገንዘቡን ብጒልበቱን መስዋእቲ ንምኽፋል ዘይተዓጥቀ ኣይነበረናን። ካብ ሞት ስዩም ዝኸብድ ነገር ስለዘይነበረ... ኣብ ጒዕዞ ህይወትን ኲነታት ስድራ ቤታትን  ዝትንክፍ ውሳኔታት ተወሲዱና። ..........

10 ዓመት ድሕሪ ስዩም ኣብ ስደት ጸኒሕና ኣሎና። .... ብድሕሪ ሕጂ ነዊሕ ኣብ ደገ ከይንጸንሕ ኣትሪርና ክንቃለስ ዳግማይ ማሕላ እንኣትወላ መዓልቲ ትኹነና። ክንምለስ ከሎና ከኣ ሬሳ/ንኣዕጽምቲ ስዩምን ሬሳታት ብዙሓት መቓልስትን ሒዝና ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ እንምለስ ይግበረና።

ንስዩምን ነቲ ዝገደፈልና ጅግንነታዊ ታሪኹን እናዘከርና ከኣ፡ ኲላትና ሓፍ ኢልና ነጣቕዓሉ!! የቕንየልና ከኣ ንበሎ!!

 

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስዉኣትና!!

ዓወት ነቲ ዝወደቑሉ ህዝባዊ ዕላማ።

ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩምኒ ኤመስግን።

ወ.ዓማር፡  19.12.2015

Last modified on Monday, 21 December 2015 16:12