ዝኽሪ 10ይ ዓመት ጅግና ስዉእ ስዩም ዑቕባሚካኤል

2015-12-20 00:31:23 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 5521 times

ሮተርዳም ፍላርዲንገን 19/12/2015

ሓው ኣሰፋው በርሀ፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብምኽንያት ናይ’ቲ ብ19 ታሕሳስ 2015 ኣብ ፍላርዲንገን እተዳለወ ዝኽሪ መበል ዓሰርተ ዓመት ዘስምዖ ሓጺር ታሪኽ ህይወት ሓርበኛ ተጋዳላይ ስዩም ዑቝባሚካኤል ነቕርበልኩም ኣሎና።

*******

ሎሚ መዓልቲ ኣብዚ ንርከብ ዘሎና፡ ነቲ ናይ ሎሚ 10 ዓመት ናብ ናይ ዘልኣለም መዕረፊ ዘፋነናዮ ግና ሓውናን ብጻይናን ስዉእ ስዩም ዑቕባሚካኤል ንምዝካር ኢዩ። 10 ዓመታት፡ ብሰዓታት ብመዓልታት ብሰሙናት ብኣዋርሕ ክንቆጽሮ ከሎና ነዊሕ ኢዩ ዝመስል፣ እንተኾነ ግን ስራሓቱን ኣሰራት ቃልሱን ኣማዕዲዩ ዝጥምት ኣተሓሳስባኡንኣብ ናይ ሎሚ ሃለዋትና ዓቢ ቦታ ሒዙ ስለዘሎ ትማሊ ኮይኑ ኢዩ ዝስመዓና። ኣብ ስዩም ዘሎና ዝኽሪታት ዘይሃስስ፡ ወትሩ ሓዲሽ ኢዩ። ንክቡራት ስድራ ቤት ስዉእ ስዩም፡ ነዚ መዓልቲ ዝኽሪ 10 ዓመት ኣዳሊዮም፡ ንሃገራዊ ኣበርክቶ ስዩም ከነኽብርን ሂያው ክንገብርን ዘኽኣሉና ምስጋና ይብጻሓዮም።

ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት፡ ካብዚ ቦታ ዚ ንሓርበኛ ስዉእ ስዩም፡ ንዑኡ ዝግባእ ክብሪ ሂብና ኢና ኣፋኒናዮ። ኣብቲ መዓልቲቲ ሆላንዳውያን ባዕላቶም ከምዝገልጽዎ ንሓያለይ ዓመታት ከምኡ ዝኣመሰለ በረድ ክወርድ ርእዮም ከምዘይፈልጡ ኢዩ። መሬት ኩሉ ብበረድ ሻሽ መሲሉ ኣስከሬን ሓርበኛ ስዩም ብሞተር ዝዝውሩ ፖሊስ ተዓጂቡ ኔሩ ኣብ መካነ-መቓብር ዝበጽሐ። ካብ ሙሉእ ሃገራት ኤውሮጳን ካብ ሰሜን ኣመሪካን ኢትዮጵያን ዝመጹ ፈተውቱን ቤተሰቡን ናይ መጨረስታ ሰላምታ ሂበሞ። ብወሓይዝ ንብዓት ጠልቅየን ዝነበራ ኣዒንታትና ንምቕባሉ ዘይከኣላ ሬሳ ጅግና እናረእያ፡ ብከቢድ ጓህን ሓዘንን ዝተመልአ ልብና፡ ነመስግነካ ስለ እቲ ጽንዓትካእናበልና ኢና ኣፋኒናዮ። ምፍናው ጥራይ ውን ኣይነበረን፡ ኣገዳሲ መልእኽቲ ተመሓላሊፉ ኢዩ - ንሕና ኤርትራውያን፡ ክርስትያንና ኣስላምና፡ ኣበየናይ ፖለቲካዊ ውድብ፡ ማሕበር ኔርና ብዘየገድስ ንኣበርክቶ ሓርበኛ ስዩም ኣብ ሃገራዉን ዲሞክራስያውን ቃልሲ ብልቢ ከምዝኣመንናሉን፡ ዓቢ ኣኽብሮት ኣብ ልዕሊ ስዉእና ከም ዝነበረናን ዘመስከርናሉ መዓልቲ ኢዩ ውን ኔሩ።

Seyoum Ogbamichael 1

ስውእ ሓርበኛ ተጋዳላይ ስዩም ዑቝባሚካኤል

ሓርበኛ ስዉእ ስዩም ዕቕባሚካኤል ሓሚመ፡ ደኺመ ዘይፈልጥ ዘይስልኪ ተስፋ ዘይቆርጽ ንህዝቢ ነፍሱ ዘወፈየ ተጋዳላይ ኢዩ ኔሩ። ብጻይ ስዩም ቅድም ምእንቲ ናጽነት፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ምእንቲ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራስን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ብተወፋይነትን ጽንዓትን ተቓሊሱ።፡ ሓርበኛ ተጋዳላይ ስዩም ኣብቲ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ክሳብ ዕለተ-መስዋእቱ፡ ዘየቋረጸ ናይ ቃልሲ ዋሕዚ፡ ኣብ እምነቱ ብዝነበሮ ጽንዓት፡ ኣርሒቑ ኣብ ምጥማት፡ ንዝኣምነሉ ተሪሩ ኣብ ምምካት፡ ሰሪሑ ዘይደክም ጻዕረኛ ብሩህ መጻኢ ተስፋ ምምዕዳው፡ ተወፋይነት፡ ገለ ኣብነታት ካብ መለለይ ጠባዩ ምዃነን ኣረጋጊጹ ኢዩ። ስዉእ ስዩም ኣብ መትከላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበሮ እምነት ተሪር ኢዩኔሩ። እዚ መትከላትዚ ኣብ ዝተጋህሰሉ እዋናትን ምፍንጫላት ኣብ ዝተኸስተሉ መድረኻትን ግምባር ቀደም ኮይኑ ተቓሊሱ ኢዩ። ጽኑዕን ውፉይን ሓላዋይ መትከላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኔሩ ክበሃል ዝከኣል ኢዩ። ስዩም ሓያል መካቲ- እቲ ዝበልሐ ጫፍ ኣብ ምምካት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኔሩ። ስዩም ናይ ሓደ ሰብ ስራሕ ጥራይ ዓሚሙ ዝኸይድ ኣይነበረን። ኣብ ዝኾነ ውድባዊ ስራሕ ኣትዩ ከድምዕ ዘኽእሎ ብቕዓታት ኔርዎ። ስዩም ብዙሕ መሊኹ ዝዛረበሉ ቋንቋታት ስለዝነበሮ ሙሉእ ዕጥቂ ዝወነነ ፖለቲካዊ መራሕን ዲፕሎማትን ኢዩ ኔሩ። ሓያል መዳራይ ሓያል ጸሓፋይ ሓያል ገጣማይ ሓያል ጎስጓሳይን ወዳባይን ክኸውን ተዓዲሉ ኔሩ። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ስዩም ተዋዛያይ፡ መስሓቕ ብዕላል ኣውዒሉ ዘሕድር ኢዩ ኒሩ። መደረታቱ፡ ጸብጻባቱ ክንዲ ኣየናይ ይንውሑ ብዘየገድስ፡ ፍሉይ ኣቀራርባን ዝሕውሰሎም ጣዕምታትን ስለ ዘለዎም ክሳብ ዝውድኡ መሰጥትን ኣዘናጋዕትን ኮይኖም ኢዮም ዝቕጽሉ ኔሮም።

ሓርበኛ ስዩም፡ ንነዊሕ ዓመታት ዝተቓለሰሉ ዲሞክራስያዊ ራእይ ከውን ከይገበረ ኢዩ ኣብ ዘይእዋኑ ተቖጽዩ። ኣብ ነዊሕ ዓመታት ቃልሱ ዘኻዕበቶ ተመክሮን፡ ሓያል ጻዕሪ እናገበረ ብርእሰ-ኩስኮሳ ዘማዕበሎ ፍልጠትን ብቑዕ መራሒ ናይዚ እዋንዚ ክኸውን ኣብቂዕዎ ኔሩ ኢዩ። እዚ ብቕዓትዚ ኣብ ዝወነነሉ እዋን ምስውኡ ድማ ኢዩ፡ ንመስዋእቱ ዝያዳ ኣሕዛኒ ዝገብሮ።

ስዩም መን ኔሩ

ስዩም ጥሪ 1946 ካብ ኣብኡ ሰርጊንቲ ዑቕባሚካኤል ራእሱ ካብ ኣዲኡ ወ/ ሂወት ባህታ ኣብ ወረዳ ሸውዓተ ደቂ-ድግና ተወሊዱ ኣብ ኣስመራ ድማ ዓቢዩ።

ናይ መባእታውን ማእከላይን ደረጃታት ትምህርቱ ኣብ ስታውያንን ኣብ ፕሪንቺፐን ተማሂሩ፡ ናይ ማእከላይ ደረጃ ትምህርቱ ድማ ኣብ ልኡል መኮነን ካብ 1961-1965 ተኸታቲሉ።

ስዩም ጌና ብንእሽትኡ ከሎ ርሱን ፍቕሪ ሃገር ስለዝሓደሮ፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ተመሃራይ እንከሎ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳይ ሃገር ክሳተፍ ጀሚሩ። በዚ መሰረት ሓደን ቀንድን ካብቶም ብሕቡእ ማሕበር ምንቅስቓስ ተመሃሮ ዝጀመሩን ዝመርሑ ዝነበሩን መንእሰያት ነይሩ። ኣብዚ ታሪኻዊ እዋን ምስ ስዩም ኣብቲ ምንቅስቓስ ካብ ዝሳተፉ ዝነበሩ ናይ ሓደ ቤት-ምህርቲ ተመሃሮ፡ ወልደዳዊት ተመስገን፡ ሃይለ ወልደትንስኤ (ድሩዕ) ሚካኤል ጋብር፡ ወልደሱስ ዓማር፡ ሙሴ ተስፋሚካኤል፡ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ዓብደልራሕማን ሓሰን ምህሪ፡ ገረዝጊሀር ተወልደን ዓብደላ ሓሰንን ከምኡ ውን ካልኦት ይርክብዎም።

ስዉእ ስዩም፡ ብ1965 ናብ ሚዳ ቃልሲ ወጺኡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ። ንስተወሰነ ግዜ ኣብ ሜዳ ድሕሪ ምጽንሑ ድማ፡ ኣብ ናይ ከተማታት ውሽጣዊ ስርርዕ ምእንቲ ክሰርሕ ምስ ስዉእ ወልደዳዊት ተመስገን መምሪሒታት ሒዙ ብሕቡእ ናብ ከተማ ኣስመራ ብነሓሰ 1965 ኣተወ። ኣብ ናይ ከተማ ውሽጣዊ ስርርዕ ዝነኣድ ስራሓት ከምዝፈጸመ ካብ ሽዑ ጀሚሮም ብቐረባ ዝፈልጥዎ ብጾት ይምስክሩሉ። ስዉእ ስዩም ኣብ ውሽጢ ከተማ ገድላዊ ስራሑ እናካየደ ከሎ፡ ምስጢራዊ ምንቅስቓሱ ብጸላኢ ስለ ዝተፈልጠ፡ ብሓይልታት ጸጥታ ባዕዳዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ናይ ቃልሲ ብጻዩ፡ ስዉእ ወልደዳዊት ተመስገንን ካልኦት ናይ ውሽጢ ከተማ ተሓባበርትን ተኣስረ። ስዩምን ወልደዳዊትን ንዝሰርዕወን ሚስጢራዊ ጉጅለታት ንከቃልዑ ብመርመርቲ ት ማእሰርቲ ከቢድ መርመራ ተኻይድሎም። እንተኾነ ግን፡ንኹሉ ስቓይ ተጻዊሮም ንዝሰርዕወን ሚስጢራዊ ጉጅለታትን ምስኦም ተኣሲሮም ንዝነበሩን ንምድሓን በይኖም ሓላፍነት ወሰዱ። በዚ ምኽኒያት ከኣ ድሕሪ ማእሰርቶም ዝነበረ ስርርዓት ከይተናወጸ ገድላዊ ስራሑ ክቕጽል ከኣለ።

ስዉእ ስዩም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዝካየደሉ ዝነበረ ኣሰቃቒ መርመራታት ኣይረዓደን ኣይተጻዕደን። ብኣንጻሩ ግን፡ እቲ ኩሉ ኣብ ልዕሊኡ ዝካየድ ዝነበረ ኣሰቃቒ ተግባራት ንሃገራዊ ስምዒቱ ኣንሃሮ። ኣብ ዕላምኡ ንዝነበሮ እምነት ኣደልደሎን ኣበርትዖን። ኣብ ቤትማእሰርቲ ኮይኑ ነቲ ቃልሲ ምስ ብጾቱ ቀጸሎ። ብዝተፈላለየ ምኽኒያት ተሓቢሶም ንዝመጹ ዝነበሩ መንእሰያት ኣብ ቃልሲ ሃገር ክሳተፉ ከምዝኽእሉ እገብር ነበረ። ኣብ ውሽጢዚ ናይ ዓሰርተ ዓመታት ናይ ማእሰርቲ ግዜ ንኣስታት 25,000 ዝኾኑ ተኣሲሮም ዝመጹ ዜጋታት ሃገራዊ ምንቕቓሕ ምስ ብጾቱ ኮይኑ ከካይድ ከኣለ። ቤት ማእሰርቲ ንስዩም ሓዲሽ ናይ ቃልሲ ቦታ ኮነሉ። ስዩም ሓደ መዓልቲ ካብቲ ቀይድዎ ዝነበረ ናይ ጸላኢ መቑሕ ስዒሩ ከምዝወጽእ ይፈልጥ ብምንባሩ፡ ነዚ ክዉን ንምግባር ምስ ኣብ ግዳም ዝነበሩ ናይ ቃልሲ ብጾቱን፡ ኣብ ሓለዋ ቤት ማእሰርቲ ተዋፊሮም ዝነበሩ ሃገራውያን ጥንቁቕ ዝምድና እናገበረ ጻዕርታት የካይድ ነበረ። በዚ መሰረት ድማ ጻዕርታቱን ሕልሙን ጋህዲ ኮይኑ፡ ሓይልታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ በቲ ንሱ ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ፡ ዓቢ ግደ ዝተጻወተሉ ስርሒት፡ ብ12 የካቲት 1975 ኣብ ሓደ ሰዓት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣስመራን ዓዲዃላን ስዩምን ወልደዳዊትን ሃይለ ድሩዕን ዝርከብዎም ከባቢ 1000 ዝኾኑ እሱራት ብሙሉኦም ሓራ ኮኑ።

ስዉእ ስዩም፡ ካብ ማሰርቲ ተሳሒሉን በሊሑን ኢዩ ወጺኡ። ብዘይካቲ ዘማዕበሎን ዘስፍሖን ፖለቲካዊ ፍልጠቱ፡ ብዙሕ ቋንቋታት ውን መሊኹ ክዛረብ ይኽእል ኔሩ። ኣብ ልዕሊቶም ኣብ ትምህርቲ ዓለም ከሎ ዝተማህሮም ጣልያን፡ እንግሊዝ ኣምሓርኛ ኣብ ውጢቲ ቤት ማሰርቲ ኮይኑ ብሓርኮትኮቱ ዝተማህሮም ቋንቋታት ድማ ፈረንሳይ፡ ስፓንያ ዓረብኛ ኔሮም።

ስውእ ስዩም፡ ንዓሰርተ ዓመታት ኣብ ሕማቕ ናይ ማእሰርቲ ኩነታት ጸኒሑ ምስ ወጸ፡ ከም ሰብ ዕረፍቲ መድለዮ ኔሩ፡ ቤተ-ሰቡ ክርኢ መድለዮ ኔሩ። ኣብ ቅድሚ ስዉእ ስዩም ግን፡ እቲ ኣብ ቀዳማይ ቦታ ዝስራዕ ቃልሲ ንሃገርን ህዝብን ኢዩ ኔሩ። (ኣብ ሙሉእ ቃልሲ ሂወቱ ነዚ ኣስራርዓዚ ከይቀየሮ ብመስዋእቲ ተፈልዩ።) ከምኡ ስለዝነበረ ድማ፡ ብቀጥታ ኣብ ሃገራዊ ስራሑ ተጸሚዱ። ኣብቲ ብ1975 ዝተኻየደ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ናይ ተሓኤ ድሕሪ ምስታፉ፡ ኣብ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ከም ፖለቲካዊ ወኪል ተመዲቡ ክሰርሕ ሓዲሽ ምዕራፍ ናይ ቃልሲ ጀሚሩ። ድሕሪዚ ድማ ከም ኣቦ መንበረ ሃገራዊ ማሕበር ሓረስቶት ኤርትራ ኮይኑ ሰሪሑ። ስዉእ ስዩም ኣብዚ ከም ኣቦ መበር ሓረስቶት ኮይኑ ዝሰርሓሉ እዋን፡ ኣብ ሓረስቶት ኤርትራ ዘለዎ ተገዳስነትን ሓልዮትን ምስ ተራእየ ኢዩ “ሓረስታይ” ዝብል ቅጽል ስም ክጠብቆ ዝኸኣለ። እወ ስዩም ብሓቂ ተጣባቓይ ውጹዓት ሓረስቶት ኤርትራ ኢዩ ኔሩ።

ስዉእ ስዩም ኣብ ዝተፈላለየ ቤት-ጽሕፈታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርታራ-ሰውራዊ ባይቶ ላዕለዋይ ሓላፍነት ሒዙ ሰሪሑ ኢዩ። ከም ሓላፊ ኣህጉራዊ ጉዳያት ቤት-ጽሕፈት ኮይኑ ኣብ ዝሰርሓሉ ግዚያት፡ መትከላትን ዓላማታትን ውድቡ ምስ ዓለም ምልላይ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ብዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝፍጸም ዝነበር ግህሰታት ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ኣብ ምቅላዕ ዓቢ ግደ ዝተጻወተ ሓርበኛ ኢዩ ኔሩ።

ሓርበኛ ስዩም፡ ካብ 2002 ክሳብ ዕለተ-መስዋእቱ፡ ከም ኣቦ-መንበር ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ኮይኑ መሪሕ ግደኡ ተጻዊቱ። ኣብ ዝነበራ መጨረስታ ኣዋርሕ ናይ ቃልሲ ሂወቱ፡ ነቲ ናይ ዓወት ስትራቲጅና ኢሉ ዝጽውዖ ዝነበረ ናይ ውድቡ (ሰውራዊ ባይቶ) መደባት ሒዙ ብጻዕቂ ተንቀሳቒሱ። እቲ ናይ ዓወት ስትራተጂ ኣብ ኣርባዕተ መዳያት ዘትኮረ ኔሩ፡

  1. ኣብ ውሽጣዊ ውድባዊ መዳይ 2. ኣብ ጉዳይ ደምበ ተቓዉሞ 3. ኣብ ውሽጢ ኤርትራ 4. ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ
  • ኣብ ውሽጣዊ ውድባዊ መዳይ፡ ኩነታት እቲ ውድብ ክሕደስን፡ ኣወዳድብኡ ድማ ነቲ መድረኽ ቃልሲ ብዝሰማማዕ ኣገባብ ናብ ፓርቲ ክሰጋገርን፡ ስዉእ ስዩም ብዕቱብ ሰሪሕሉ።
  • ኣብ ደምበ ተቓዉሞ፡ ንክህልወካ ዝኽእል ፍልልያት ኣወንዚፍካ ብእትሰማማዓሉ ጉዳያት ሓቢርካ ምስራሕን፡ ንእትወስዶም ውሳኔታት ድማ እኹል መጽናዕቲ ጌርካ ክትበጽሖም ከሎኻ ኣተኣማማኒ ክኸውን ከምዝኽእል ይርኢ ኔሩ። ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝፍጠር ዝነበረ ዘይምርድዳእ ኣብ ደምበ ተቓውሞ፡ ብህዱእ መንፈስን ዕቱብ ኣቀራርባን ክፍታሕ ኣለዎ ካብ ዝብል ጽኑዕ እምነት ነቒሉ ተበግሶታት ይወስድ ኔሩ ኢዩ።
  • ብዘይ ተሳትፎ ህዝቢ ካብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ክወደቕ ከም ዘይክእል ብምእማን፡ ስራሕ ውድብ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ዘትኮረ ክኸውን መደባት ሓንጺጹ ንምዕዋቱ ይሰርሓሉ ኔሩ።
  • ብጻይ ስዩም ቃልሲ እቲ ዝመርሖ ውድብ ኮነ ህልውና ደምበ ተቓዉሞ ኣብ ሓደ ውሱን ኩርናዕ ተደሪቱ ንከይተርፍ ድኻሙን ጻዕሩን ከይጸብጸበ፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ኣዉስትራሊያን ዝያዳ ድማ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ተደጋጋሚ ዑደታት ብምክያድ ዕዉት ዲፕሎማስያዊ ስራሓት ፈጺሙ ኢዩ። ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ሕድሕድ ምክብባር ዝተሰረተ ጽቡቕ ዝምድና ዋሕስ ናይ ሰላምን ሓባራዊ ዕብየትን ምዃኑ ኣጸቢቑ ስለዝኣመነ፡ ነዚ ጽቡቕ ዝምድናዚ ንምህናጽ ካብ ቀንዲ ተታሒዝዎም ዝነበሩ ጉዳያት ኢዮም ኒሮም። ኣብዚ ዝተመርኮሰ ዝርርባት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነብስሄር ኣቶ መለስ ዜናዊ ንምክያድ ተደጋጋሚ ርክባት ተገይሩ ኢዩ።

ስዉእ ስዩም ዑቕባሚካኤል ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ሕዳር 2005 ናይ ሰውራዊ ባይቶ ላዕለዋይ ልኡኽ መሪሑ ንውድባዊ ስራሓት ናብ ኢትዮጵያ ከይድሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ኢዩ ብዕለት 17 ታሕሳስ ንውሑዳት ሰዓታት ድሕሪ ምሕማም ካብዛ ዓለም ተፈልዩ። ቁልጡፍ ዝግባእ ሕክምና እንተዝረክብ ክጸንሕ ምኽኣለ ኔሩ። ብዕለት 16 ታሕሳስ 2005 ድሕሪ ቀትሪ ስዩም ኣብ ቤት ጽሕፈት ውድቡ ነይሩ። ኣብዚ ዕለትዚ ምስ ብጾቱ ኣብ ቤት ጽሕፈት ብሓባር ተመሲሑኣጋ ሰዓት 3፡30 ድሕሪ ቀትሪ ናብ ሆቴሉ ከዕርፍ ከይዱ። ክኸይድ እንከሎ፡ ጸኒሐእንተመጺአ ክንራኸብ ኢና ተዘይመጺአ ድማ ጽባሕ ንግሆ የራኽበና ኢሉ ተፋንዩ ከይዱ። እንተኾነ ኣቐዲሙ’ውን ሰውነተይ ይኸብደኒ ኣሎ ይብል ስለ ዝነበረ ምሸት ኣይተመልሰን። እቶም ብጾት እውን ኣቀዲሙ ሓቢሩዎም ስለ ዝነበረ ብዘይምምጻኡ ብዙሕ ኣይተሻቐሉን።

ንጽባሒቱ ቀዳም ዕለት 17 ታሕሳስ ከባቢ ስዓት ሸውዓተ ናይ ንግሆ የሕምሞ ከም ዝነበረ፡ ቁሪቁሪ የብሎን ኣብ ኣፍልቡ ድማ ሸቕሸቕታ ይስምዖ ከምዝነበረ ንብጾቱ ገሊጽሎም።እዚ ድሕሪ ምስማዕ ብጾቱግዜ ከይወሰዱ ናብ ሕክምና ክወስድዎ ይውስኑሓደ ካብኦም ድማ ሒዝዎ ይኸይድ። ኣብ ቀረባኦም ዝነበረ ሕክምና ምስ በጽሑ፡ ቅድሚ ሰዓት ሸሞንተ ናይ ንግሆ ስለዝነበረ ምዱባት ሓካይም ክረኽቡ ኣይከኣሉን።ክሳብ ሰዓት ኣኺሉ ሓካይም ዝመጹ ሓደ ኣብቲ ክሊኒክ ዝሓደረ ክኢላ ንግዜኡ ቃንዛ ዘዕግስ መርፍእ ንስዩም ወጊእዎ። እቲ ቃንዛ ውን ሃዲእሉ ኔሩ።

ሰዓት 8፡15 ናይ ንግሆ ኣቢሉ ይኸውን ሓኪም መጺኡ። ስዩም እናመርመሮ ከሎ፡ እቲ ሓኪም ብኹነታት ስዩም ከም ዝሰንበደ ካብ ገጹ ይንበብ ነይሩ።እቲ ሓኪም መሳርሒታት እንዳቐያየረ ምስ ረኣዮ ክብደት ናይቲ ሕማም ተገንዚቡ ናብ ሆስፒታል ቤተ ዛታ ብኣምቡላንስ ከም ዝኸይድ ገበረ።

ኣብቲ ሆስፒታል ከይዱ ውን ሓካይም ንስዩም ከድሕንሉ ዝኽእሉ ክእለትን መሳርሕን ኣይነበሮምን። ኣብ ከባቢ ሰዓት 10 ናይ ንግሆ ልቢ ስዩም ስራሓ ከምዘቋረጸት ንብጾቱ ተነግሮም። ብከምዚ ድማ፡ እቲ ዕረፍቲ ዝበሃል ኣብ ሂወቱ ዘይፈልጥ ዝነበረ ስዩም ንዘልኣለም ዕረፍቲ ወሰደ።

ዜና መስዋእቲ ስዩም ምስ ተሰምዐ ዝኣመነ መቃልስቱ ኣይነበረን። ሽዑ እቲ ድሮኡ ዝነበረ መዓልቲ ክጎይ ዝረኣዮ ሰብ ከመይ ኢሉ ክኣምን? እቲ ንምዕዋት ሰላምን ፍትሕን ዲሞክራስን ዝገብሮ ዝነበረ ጉያ ብሕማም ዲዩ ብድኻም ፈጺሙ ክንኪ ኣይተራእየን። ንብጾቱ ወይ ንስድራ-ቤቱ ይጽላእኒ ኣሎ ወይ ይደኽመኒ ኣሎ ኣይበለን። እቲ ሓቂ ግን፡ ስዩም ከም ሰብ፡ ስጋ ኣዳም ዝለበሰ፡ ኣይሓምምን ኣይደክምን ኔሩ ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ እቲ ሓሚመ ደኺመ ኢሉ ምዕራፍን ናብ ሓኪም ምኻድን ግዜ ናይ ቃልሲ ምብኻን ገይሩ ይርድኦ ስለዝነበረ ኢዩ። ኣብታ መወዳእታ መዓልቲ ናብ ሆስፒታል ተሰኒፉ ምስ ከደ ገለ ደቓይቕ ጥራይ ንክስዋእ ተሪፈንኦ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ እቲ ኣትይዎ ዝነበረ ሆስፒታል ናይ ግሊ ምዃኑ ምስተረድአ “እዚ ድኣ ዋግኡ ክበዝሓና እንድዩ ናብ ዝሓሰረ ሕክምና ዘይትወስዱኒ” ኢሉ ምሕታቱ ቅድሚ ነብሱ ኣብቲ ቃልሲ ዘለዎ ሓልዮት ኢዩ ኣርእዩ። መስዋእት ስዩም ብምድግጋም ምስ ተነግርና ጥራይ ኢና ብሓዘን ስምባደን ተቐቢልናዮ። ኩሉ እቲ ንቓልሲ ብቐረባ ዝከታተል ዝነበረ ሰብ፡ እቲ ብኣመራርሓ ስዩም ጋህዲ ክኸውን ኢዩ ኢሉ ዝኣምነሉ ዝነበረ ለውጢታት ኣብቲ ውድብ ስንክልና ከየጋጥሞ ስግኣታቱ ገሊጹ ኢዩ ። እንተኾነ ግን ሕድሪ ዘይጠልሙ ብጾቱ፡ ነቲ ብጻዮምን መራሒኦምን ዝገደፎ ሃጓፍ ንምምላእ ንዝዓበየ ተወፋይነት ነብሶም ቀረቡ። ዓሰርተታት ኣሽሓት ዶላራት ዝረኽቡሉ ዝነበሩ ርቡሕን ልዑልን ስራሓት ገዲፎም ኣብቲ ቃልሲ ብሙሉእ ግዜኦም ተጸሚዶም ነቲ መስመር ቃልሲ ቀጸልዎ።

ኣስከሬን ሓርብኛ ስዩምጉዕዞናብ ሆላንድ ቅድሚምጅማሩ፡ ናይ መፋነዊ መደብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዕለት 20 ታሕሳስ 2005 ተሰሪዑ ። ኣብዚ ሓጺር ታሪኽ ህይወት ሓርበኛ ስዩም ዑቕባሚካኤል ዝተነበሉን ንሓርበኝነቱ ዝገልጽ ግጥምታት ዝቐረበሉን ናይ ፈነወ ስነ-ስርዓት፡ ሓያሎ፡ ቤተሰቡን ፈተውቱን፡ መራሕትን ኣባላትን ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ኣዲስ ኣበባን ኢትዮጵያውያንን ተሳቲፎም። ብወን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣቶ ስብሓት ነጋ ካብ ኢህወደግ፡ ኣንበሳድር ሱሌማን ካብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር፡ ኣንበሳደር ሃይለኪሮስ ገሰሰ ናይ ሽዑ ኣንበሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና፡ ኣቶ ሕቡር ገብረኪዳን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ፎረም ሰንዓን ካለኦትን ይርከብዎም። ኣስከሬን ስዩም ዕለት 20 ታሕሳስ ኣብ ሆላንድ ኣትዩ። ዕለት 30/12/2005 ድም ብክብሪ ኣብ ፍላርዲንገን ከባቢ ሮተርዳም ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።

እዚ ንልዕሊ ኣርብዓ ዓመታት፡ ኩሉ ውልቃዊ ረብሓታት ራሕሪሑ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ዝተቓለሰ ሓርበኛ፡ ሕልሚታቱ ብጋህዲ ክርኢን ብፍረ ቃልሱ ክሕጎስን ዝግብኦ ኢዩ ኔሩ። እንተወሓደ ውን ሓመድ ናይታ ንጽቡቓ ከርተት ዝበለላ ሃገር ክለብስ ኢዩ ዝግብኦ ዝነበረ። ነዚ ከይረኣዮ ይሕለፍ ምበር ከም ስዩም ዝኣመሰለ ተቓላሳይ ንህዝቡ ምበር ንነብሱ ዘይሓስብ ፍጥረት፡ እቲ ንዓመታት ዝተቓልሰሉ ሓቀኛ ዕላማ ንሱ ተዘይፈጸሞ ብድሕሪኡ ዝፍጽሙዎ ተቓለስቲ ከምዘለዉ እናኣመነ ኢዩ ተቓሊሱ። ከም እምነቱ ድማ እቶም ነቲ ንሱን ከምኡ ዝኣመሰሉ ተቓለስትን ዝተኸልዎ ፈልሲ፡ ኮስኲሶም ዘዐምብብዎን ኣብ ፍረ ዘብጽሕዎን ተቓለስቲ እናዓበዩን እናሰፍሑን ይኸዱ ኣለዉ። መንእሰያት ዝሳተፍዎ ቃልሲ ክኸውን ካብ ቀንዲ ድሌታትን ጻዕሪታትን ናይ ስዩም ዝነበረ እንሆ ሰሚሩ መንእሰያትና ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ይነጥፉ ኣለው።

ኣብ መደምደምታ ክበሃል ዝከኣል፡ ሓርበኛ ስዩም ንሙሉእ ሂወቱ ኣብ ቃልሲ ክውፈ ዝኸኣለ ንዕኡ ዘወፈይዎ ስድራቤት ስለ ዝነበሩ ኢዮም። ኣብ ክንዲ ናይ በይኖም ዝኸውን ንህዝቢን ሃገርን ክኸውን ስለዝፈቐዱ ኢዮም። ኩሎም ደቂ ስዩም ዓቢ ዋጋ ከፊሎም ኢዮም ብፍላይ ድማ፡ እቶም ዓበይቲ ደቁ ኣይዳ ስዩምን ጳውሎስ ስዩምን ምስ ኣዲኦም ወይ/ ኣዝመራ ሃይለ ኣብቲ ናይ ኣቡኦም ሓገዝ ክረኽብሉ ዝግባእ ዝነበረ እዋን በይኖም ኮይኖም ሂወቶም ምምርሖም ዓቢ መስዋእቲ ምኽፋል ኢዩ ኔሩ። እዚ ብስድራ ቤት ስዩም ዝተኸፍለ ዋጋ፡ ንቓልሲ ዝተኸፍለ ዋጋ ኢዩ። ከምቲ ቅድሚ 10 ዓመት ንስዉእ ስዩም ከነፋንዎ ከሎና ነመስግነካ ስለ ጽንዓትካ ዝበልናዮ፡ ንኩሎም ደቁ ውን ኩሉ ኪኢሎም ነቦኦም ጸኒዑ ክቃለስ ምግባሮም ዓቢ ምስጋና ይብጻሓዮም። ኣቦኦም ንህዝቢ ኤርትራ ብዝገበሮ ሙያ ዘይበርስ ውርሻ ገዲፍሎም ብምኻዱ ሕቡናትን ሕጉሳትን ኮይኖም ክነብሩ ዝተዓደሉ ኤርትራውያን ኢዮም።

ነዚ መዓልቲ፡ ብኣጋጣሚ መበል 10 ዓመት መስዋእት ጂግና ስዉእ ስዩም ዕቕባሚካኤል ክንዝክሮ ከሎና፡ ንኹሎም ኣብቲ ነዊሕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንዝተሰዉኡ ውን ብልቢ እናሓሰብና ኢና። ብፍላይ ውን ነቶም ምስ ስዩም ቀረባ ናይ ቃልሲ ዝምድና ዝነበሮም፡ ኣብቲ ቃልሲ ዓበይቲ ኣስተዋጽኦታት ዝገበሩ ድሒሮም ኣሰሩ ዝተኸተሉ ላዕለዎት ሓርበኛታት መራሕቲ፡ ስዉእ ኣሕመድ ናስር፡ ስዉእ ዓብደላ ኢድሪስ፡ ስዉእ ዶር/ በየነ ኪዳነ ንሃገሮምን ህዝቦምን ብዝገበርዎ ሙያ ካብ ዝኽሪታትና ዘይፍለዩ ኢዮም።  

ስዉኣትናንዘልኣለምተኸቢሮምይንበሩ!

19 ታሕሳስ 2015

ኣሰፋው በርሀ

Last modified on Sunday, 20 December 2015 01:45