ብኸመይ ዲና መቃለሲ ቦታና እነስፍሕ?

2015-12-18 23:51:13 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 2505 times

ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ፡ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ዝያዳ ይደጋገማ ካብ ዘለዋ ብሂላት ወይ ሓረጋት “መቃለሲ ቦታ” እትብል ሓንቲ እያ። መቃለሲ ቦታ ክበሃል እንከሎ ኣብ ኣተረጓጉማ ምምንጣል ከም ዝህሉ ርዱእ ኮይኑ፡ “ፖለቲካዊ ዕማምካ ንምዕዋት እትመርጾ መዋፈሪ ወይ መንጠሪ ከባቢ” ምባሉ ሓፈሻዊ ግንዛበ ዝህብ ይመስለና። እዚ ባይታዚ ኣብ ምምራጽ ወይ ኣብ ምውሳን ብዙሓት ረቛሒታት ኣብ ግምት ምእታው ከም ዘድሊ ርዱእ እዩ። ደረጃ ስፍሓትካ፡ ቃልሲ ተካይደሉ ዘለኻ መድረኽን፥ እትምርሓሉ መትከላትን፥ ዘቐመጥካዮ ናይ ዓወት ሸቶን መዋፈሪ ባይታኻ ክትመርጽ እንከለኻ ነናይ ገዛእ ርእሶም ተጽዕኖ ኣለዎም። ንኣብነት ከም ናይ ግዜ ብረታዊ ቃልስና፡ ኣብ ገዛእ መሬትካ ኮይንካ ክትቃለስ እንከለኻን ከምዚ ሎሚ ደምበ ተቓውሞ ዘለናዮ ሃለዋት፡ ካብ ሃገርካ ወጻኢ ኮይንካ ክትቃለስ እንከለኻን ነዚ ኣመራርጻኻ ካብ ዝጸልውዎ ረቛሒታት ሓደ እዩ። ኣብቲ ትቃለሰሉ ዘለኻ እዋን ዘሎ ባህሪ ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት እውን ከምኡ ናቱ ጽልዋ ኣለዎ። ደሓር ከኣ መቃለሲ ባይታ ንስኻ ጥራይ በይንኻ ትመርጾ ዘይኮነ ንሱ እቲ መቃለሲ ባይታ ዝፈቕደልካ ኣካል እውን ከመርጸካ ይግበኦ።

ኣብ ተመኩሮ ብረታዊ ቃልስና፡ ቀንዲ መዋፈርታትና ኣብ ገዛእ ሃገርና፡ ሓራ ኣብ ዘውጻእናዮም እስትራተጅያዊ ቦታታት ከም ዝነበረ ኣይንርሰዖን ኢና። እዚ ሓፈሻዊ ኣገላልጻ ኮይኑ፡ ሳዋ፡ ፎርቶ፡ ዓሌት፡ መጎራይብ፡ መኪት፡ ገረገር፡ ሃዋሻይት፡ ለይቶ፡ ናቕፋ፡ ኣፍዓበት፡ ዓራርብ፡ ሂምቦል፡ ዓምበርበር፡ ዓላ፡ ሰለሙና፡ … ወዘተ ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል። ኣብቲ እዋንቲ እቲ ጐሊሑ ዝረአ ዝነበረ መምዘኒ ናይቲ ትመርጾ ከባቢ ኣቀማምጣን መጻንዕን ኮይኑ ወተሃደራዊ መምዘኒ ዝዓብለሎ እዩ ነይሩ። ናይቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ህዝቢ ጽንዓት፡ ቅሩብነትን ተወፋይነትን’ውን ካልእ ኣብ ግምት ዝኣቱ’ዩ ነይሩ። ምኽንያቱ እዚ ከም መንጠሪ እትመርጾ ናይ ቃልሲ ቦታ መዕቆቢ ጥራይ ዘይኮነ እምነ-መሰረት ህዝባዊ ውደባ እተንብረሉ’ውን ስለ ዝኾነ። እዚ መቃለሲ ቦታ ኣብ ውሽጢ ሃገር ጥራይ ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነስ ምስ ናይ ወጻኢ መቃለሲ ባይታ’ውን ምምግጋብ ዝነበሮ እዩ። ማለት ናይ ዲፕሎማሲያዊ ባይታ መባእታዊ ኣንፈት ዝንበረሉ ስለ ዝነበረ። ሽዑ ኣብ መንጎ ናይ ሜዳ መንጠሪ ቦታታትን ሃገረ-ሱዳንን ዝነበረ ምትእስሳር ናይዚ ኣብነት እዩ።

መቃለሲ ቦታ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልስና፡ ባዕልኻ ነጻ ኣውጺእካ ኣብ ዝተቖጻጸርካዮ ከባቢ፡ እቲ እትደልዮ መምዘንታት ምስ ኣመላኣልካ ናይ ካልእ ኣካል ጽቡቕ ድሌትን ፈቓድን ከይተጸበኻ ባዕልኻ እትውስኖ እዩ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ሎሚ ተቓወምቲ ሓይልታት ካብ ሃገርና ወጻኢ ዘለናሉ ሃለዋት ግና መቃለሲ ቦታ ክትመርጽ እንከለኻ፡ ናትካ ድሌትን ምርጫን ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቲ ከም መቃለሲ ቦታ ዝመረጽካዮ ሉኣላዊ ሃገር መንግስትን ህዝብን ጽቡቕ ድሌት ተዘይተወሲኽዎ ከም ድላይካ እትገብሮ ከምዘይኮነ ኣብ ግምት ኣእቲና ኣለና። እቲ ዝመረጽካዮ ሃገር ወይ ከባቢ መቃለሲ ባይታ ከፍቅደልካ እንከሎ ካብ ግብረሰናይነት ወይ ሰብኣውነት ጥራይ ዝነቅል ዘይኮነ፡ ካብ ናቱ ፖለቲካዊ ረብሓን ሕሳብን’ውን ከም ዝነቅል ብብዙሕ ተመኩሮ ዝተመስከረ እዩ። ንኣብነት ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ ሓደ ሃገር ንናይ ኤርትራ ደንበ ተቓውሞ ከም መቃለሲ ባይታ ክፈቅድን ክተሓጋገዝን እንከሎ፡ ምስ ስርዓት ህግደፍ ዘለዎ ዝምድና ዓብይ ጽልዋ እዩ ዝህልዎ።

ሓደ እዋን ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን የመንን ኣብ ደሴት ሓኒሽ ውግእ ተኻይዱ። ኣብቲ እዋንቲ ዝተወሰና ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣብ ከተማ ሰንዓ ቤት ጽሕፈት ክሳብ ዘኽፍት ምድግጋፋት ረኺበን ነይረን። ከምኡ እውን ከምቲ ኩልና ዘይንዝንገዖ፡ መነኦም ነይሩ እቲ ጠንቂ ካልእ ጉዳይ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ መንግስታት ሱዳንን ኤርትራን ዝጸንሐን ዘሎን ዝምድና ርጉእ ኣይነብረን ሎሚ’ውን ኣይኮነን። እዚ ናይ ዝምድናኦም ዘይርጉእነት ኣብ ኣተሃላልዋ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣብ ሱዳን እውን ክንጸባረቕ ጸኒሑን ኣሎን። ኣብ መንጎ እዘን መንግስታት ደሓን ዝምድና ክህልው እንከሎ፡ ቦታ ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ሱዳን ይጸብብ። ይጸብብ ጥራይ ዘይኮነ ብዙሓት ተቓለስትና ግዳይ ዝኾንሉ ኣጋጣምታት’ውን ነይሩ እዩ። ኣብ መንጎ ክልቲኡ መንግስታት እቲ ዝምድና ክሕርፍፍ እንከሎ ከኣ ሜዳ ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ሱዳን ይሰፍሕ። ዝምድና ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ምስቲ ኣብ መንጎ ክልቲኡ መንግስታት ዝጸነሐ ዝምድናታት ዝጸላሎን ብሓፍዞቛት ሓሊፉ ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ደረጃ ከም ዝበጸሐን ዝከሓድ ኣይኮነን።

መንግስታት ምስ ተቓወምቲ ሓይልታት ዝዛመዱን ዝተሓጋገዙን ምስቲ ኣንጻሩ ተቓውሞ ዝለዓል መንግስቲ ክበኣሱ እንከለዉ ብናይ “ጸላኢ ጸላእየይ ፈታውየይ” ፖሊሲ ተሻቢቦም ጥራይ እዮም ማለት ኣይኮነን። ካብ ናይ ገዛእ ርእሶም እምነትን ፖሊሲን ነቒሎም፡ ንፍትሓውነት ናይቲ ሓይሊ ተቓውሞ ሒዝዎ ዘሎ መትከላት መዚኖም ዝገብርዎ ምትሕግጋዝን ምትብባዕን እውን ኣሎ። ካብዚ ነቒሎም ድማ ነቲ ዝምድናኦም ምስ ተቓወምቲ ውድባት ጥራይ ከይሓጸሩ፡ ህዝባዊ መልክዕ የትሕዝዎ። እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ይኹን መንግስቲ ሱዳን፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መደበራት ጥራይ ከይተደረቱ ካብኡ ወጻኢ’ውን ክነብሩን ክሰርሑን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ስደተኛታት መንእሰያት ኣብ ሃገሮም ዝተነፍጎም ኣብ ኩሉ ደረጃታት ኣብያተ-ትምህርቲ ክሳብ ዩኒቨርሲቲ ናይ ምምሃር ዕድል ንክረኽቡ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ብኣውንታውን ኣርሒቑ ዝጥምትን ኣብነት ዝጥቀስ እዩ። እዚ ተቓወምቲ ውድባት ምስ ሃገራት ዝህልዎም ዝምድና ሓደ ዓይነት ዘይኮነስ ብደረጃታት ዝፈላለ ነናቱ ስፍሓት ዘለዎ ምዃኑ እዩ ዘርእየና። ንኣብነት ሓደ እዋን መንግስቲ የመን ዝገብሮ ዝነበረን ሎሚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎን ምድግጋፍ ዝተፈላለየ እዩ።

ብዙሕ መቃለሲ ወይ መዋፈሪ ባይታ ክትረክብ ምኽኣል ዓብይ ረብሓ ኣለዎ። ዓቕምን ብቖዓትን’ውን ካብዚ ብዝሒ ስለ ዝቕዳሕ። “ብዙሓት ይሃቡኻ፡ ብዙሓት ግና ኣይውቅዑኻ” ዝበሃል ምስላ’ውን ነዚ እዩ ዘንጸባርቕ። መዛምድትኻን ተደጋግፍትኻን ብዙሓት ክኾኑ እውን ዝድገፍ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ግድን እዩ። ዋላ’ኳ ከምቲ ዝተገልጸ ናይ ነፍሲ ወከፍ መዛምድትኻ ግደን ጽልዋን ብደረጃ ዝፈላለ እንተኾነ፡ ሓደ ኣካል ዋላ ብኣዝዩ ውሱን ደረጃ ክደጋገፈካ እንከሎ ናብቲ ኣንጻሩ ትቃለሶ ዘለኻ ከም ጉጅለ ህግደፍ ዝኣመሰለ ጸላኢኻ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ቀሊል ኣይኮነን። ኣብ ምንጻሉን ምስዓሩን ድማ ኣበርክቶ ኣለዎ። ኣብ ሓደ ሃገር መቃለሲ ባይታ ክትረክብ እንከለኻ፡ ካብኡ ካብ እትጽበዮ ብዙሕ ኣበርክቶታት ሓደ ንሱ እቲ መቃለሲ ባይታ ዝፈቐደልካ ሃገር፡ ምስ ካልእ ሃገርን ዞባዊ ትካላትን ከላልየካ እሞ ካልእ መቃለሲ ባይታ ክትረክብ ከተባበዓካ እዩ። ብመንጽር እዚ ደንበ ተቓውሞና ከም መቃለሲ ባይታ ኣብ ኢትዮጵያ ወይ ኣብ ካልእ ሃገር ጥራይ ክውሰን ዘይኮነስ ባይታኡ ከስፍሕ ክቃለስ ሓደ ካብ ዕማማቱ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። 2ይ፡ 3ይ፡ 4ይ፡ 5ይ … ወዘተ መቃለሲ ባይታታት ክትረክብ እንከለኻ ምስቲ ቀዳማይ ባይታኻ ትጻላእ ወይ ትባተኽ ማለት ከም ዘይኮነ ብሩህ እዩ ዝብል እምነት ኣለና። እንተ ጉጅለ ህግደፍ ግና ኣይኮነንዶ ብዙሕ መቃለሲ ባይታታት ክንረክብ ክፈቅድ፡ ኣብ ዝኾነ ቦታ መርገጺ ክንረክብ ከም ዘይደልን፡ ካብ ኩሉ ነጺሉ ከሕቅቀናን ዕላምኡ ምዃኑ ውሁብ እዩ። ኣብ ሓደ ከባቢ መቃለሲ ባይታ ክንውስኽ እንከለና ከኣ ኣብ ስዕረቱ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ።

ንተረኽቦ ፍራንክፈርትን ናይሮብን ተኸቲሉ “እንኮ መቃለሲት ባይታና ኢትዮጵያ ጥራይ እያ።” ክበሃል ሰሚዕና ኣሎና። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ናይ ንጉዳያት ኣስፊካ ምርኣይ መምዘኒ ድዩ ወይስ ናይ ውሱንነት ከነስተብህለሉ ዝግበኣና እዩ። ኣብ ክንዲ ኣኼባ ኣብዚ ይካየድ ኣብቲ፡ ናብቲ ኣብኡ ዝተባህለን ዝተዘተየን ነድህብ፥ ናብ ቦታ ኣኼባ ጥራይ ብምትኳር፡ ናብ ካልእ ግዜና ዝበልዕ ኣቕጣጫ ከይወስደና ክንሓስበሉ’ውን ዝግበኣና እዩ። “ኣኼባ ናይ ናይሮቢ ናይ ጸገንቲ ምትእኽኻብ ነይሩ።” ክብሉ ዝደናድኑ ወገናት’ውን ሰሚዕና ኣለና። ብዝኾነ እዚ ኣበሃህላኦም ቅኑዕ ድዩ ግጉይ ካልእ ኮይኑ፡ ኣብ ትሕዝቶ ምድሃቦም ሓደ ጉዳይ እዩ። እዚ ዘረደኣና ካልእ ነገር “ጽገና እንታይ እዩ? መሰረታዊ ለውጢኸ” ኣብ ዝብል ብዙሕ ምጽጻይ ዘድልዮ ጉዳያት ምህላዉ እዩ። ተቓሊስካ እንታይ ዓይነት ለውጢ ተምጽእ ሱቕ ኢልካ ዝትረኽ ዘይኮነ፡ ብዙሓት ኣብ ኣፈታትሓ ሓደ ፖለቲካዊ ጎንጺ ዘድሃቡ ረቛሒታትን ተዛመድቲ ኣምራትን ብምጽናዕ ዝብጻሕ እዩ። “ግደ ዓዳላይ ደልዳላይ” ከም ዝበሃል ንናይ ካልኦት ኣበርክቶ ብምንእኣስ ገገኒዕካ “ኣነ ናይ ከምዚ ዓይነት ለውጢ ተሓላቓይ እየ” ምባል ግና ጃህራ ካብ ምዃን ሓሊፉ ናብቲ ቅኑዕ ፍታሕ ዘምጽእን ዘቀራርብን ኣይኮነን።

ናይ ዝምድናን ምምራጽ መቃለሲ ባይታን ቀዳምነታት ክትሰርዕ እንከለኻ፡ ጉዳይ ጐረቤትን ብዙሓት ዜጋታትካ ዝርከብሉ ከባብን ቀዳምነት ከም ዝሕዝ ንኹላትና ንጹር እዩ። እንተኾነ እዚ ኣሰራርዓ ቀዳምነታት’ዚ ቀዋምን ሓንሳብ ምስ ተሰርሐ ዘይክፈት ዕጹውን ኣይኮነን። ብመሰረቱ ዝምድና ወይ ምምራጽ መቃለሲ ቦታ ሓንሳብ ምስ ተደኮነ ዘይቅየር ዘለኣለማዊ ዘይኮነስ፡ ብዝፍጠር ቀጻሊ ምዕባለታት ዝግዛእ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ድማ “ቀዋሚ ጐረቤት እምበር ቀዋሚ ፈታዊ የለን” ዝበሃል። ብጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ካብ ዝቐርበካ ኣብ ርሑቕ ምስ ዝነብር ብፖሊሲያዊ ኣተሓሳስባን ናይ ምዝማድ ቅሩብነትን ዝመሳሰለካ ኣካል ምዝማድ እትመርጸሉ ኩነታት ክፍጠር እውን ተኽእሎ ኣሎ። ብመንጽር እዚ እሞ ድማ ምስዚ ንነብረሉ ዘለና ናይ ዓለምና ናይ መራኸቢ ምዕባለ ፍራንክፈርት ኮነ ናይሮቢ ካብ ኤርትራ ርሑቕ ኣይኮነን። እዚ ሓድሽ መእከቢ ቦታን መቃለሲ ባይታን ምርካብ ኣብ ናይሮቢ ከይተወሰነ ወሸለ ናብ ጅቡቲ፡ ካምፓላ፡ ካርቱም፡ ካይሮ፡ ጆሃንስበር፡ እንተዝላባዕ’ሞ ሜዳ ጉጅለ ህግደፍ እንተዝሽምረር፡ መጠቐመና እምበር ኣይመጐደኣናን’ሞ ሓደራ ደኣ ነስተብህለሉ።

Last modified on Saturday, 19 December 2015 00:54