ዓውደ-መጽናዕቲ ኤርትራዊ ውድባት ፍራንክፈርት

2015-11-15 22:58:20 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 3899 times

ንሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ) ወሲኽካ፡ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባትን በርገሳዊ ማሕበራትን፡ ኣብቲ ኣብ ናይ ከተማ ፍራንክፈርት ጥንታዊ ኣዳራሽ፡ (ቤት ጽሕፈት ከንቲባ እታ ከተማ) ኣብ 13-14 ሕዳር 2015 ዝተኻየደ ኣገዳሲ ዓውደ-መጽናዕቲ ተሳቲፈን። እዘን ተሳተፍቲ ፖለቲካዊ ውድባትን በርገሳዊ ማሕበራትን ኣብዚ ዓውደ-መጽናዕቲ፡ ብዛዕባ ኣገደስቲ ዛዕባታት ተመያይጠን ኣብ 10 ኣብ ምውጋድ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታቶርን ኣብ ናይ ምስግጋር መድረኽ ናብ ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ኣገዳሲ ጽልዋ ኣብ ዘለዎ ዛዕባታት ኣብ ምሉእ ሓባራዊ ስምምዕ በጺሐን።

 

እዚ ንኣፈታትሕ ጐንጺታት ወሲኽካ ብዛዕባ ብዙሓት ጉዳያት ምርምር ብዘካይድ ጀርመናዊ ትካል ፈልስበርግ ዝተወደበ ዓወደ-መጽናዕቲ፡ ኤርትራውያን ብዛዕባ ብዙሓት ምስ ቃልሲ ኣንጻር’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ወጻዒ ስርዓት ዝምድና ዘለዎ ጉዳያት ንክዛረቡ፡ ዕድል ዝኸፈተ እዩ። ብዘይካዚ እቲ ኣጋጣሚ ብዛዕባ ምስግጋር ካብ ዲክታተርነት ናብ ደሞክራሲያዊ ስርዓት እውን ተመያይጡ እዩ። ኣብዚ ዓውደ መጽናዕቲ ዓሰርቲን ተሳተፍቲ ኣካላት ብዛዕባቲ ንምይይጥ ዝቐረበ ጉዳያት ነናተን ፖለቲካዊ ርኢቶን ኣብ መጻኢ ከጋጥም ብዛዕባ ዝኽእል ተኽእሎታት ምቕያር ስርዓትን ዝምልከት ጽሑፋት ኣቕሪበን።

.

ኣብዚ ዓውደ-መጽናዕቲ፡ ካብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባትን በርገሳዊ ማሕበራትን፡ ሰልፍታት ጀርመን፡ ጀርመናውያን ጋዜጠኛታት፡ ኣባላትን ተሓባበርትን ትካል ፈትስበርግ፡ ካብ ነጻ ተዓዘብቲ፡ ድማ ዶ/ር መሓመድ ከይር፡ ዶ/ር ዳኒአል ረዘነን ክልተ ተዓዘብቲ ካብ ኤርትራዊ ምሕዝነት ምንቅስቓስ ንሃገራዊ ድሕነት ዝርከብዎም ከባቢ 30 ተሳተፍቲ ተጋቢኦም። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ዓውደ-መጽናዕቲ ብኣቶ ወልደየሱስ ዓማርን ኣቶ ንጉሰ ጸጋይን እዩ ተወኪሉ።

 

እቲ ኣኼባ ብናይቲ ዝወደበ ትካል ዳይረክቶር ዶ/ር ሃርሙት ኩሀል፡ ብምትሕግጋዝ ኣብቲ ትካል ናይ ኤርትራ ጉዳይ ዝከታተሉ ዶ/ር ጉንተር ስክሮቸርን ዶ/ር ያኮብ ኣብራሃም መሪሐምዎ።

 

ተሳተፍቲ እቲ ዓውደ-መጽናዕቲ እቲ ጀርመናዊ ናይ መጽናዕቲ ትካል ኣብ መጻኢ’ውን ዝያዳ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባትን በርገሳዊ ማሕበራትን ዘሳትፍ ተመሳሳሊ መድረኻት ንኸዳሉ ሓቲቶም።

 

ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዓውደ-መጽናዕቲ፡ ተሳተፍቲ ኣብ 10 መረዳድኢ ነጥብታት ምሉእ ብምሉእ ተሰማሚዕም ብክታማቶም ኣረጋጊጾም፡ እቲ መሰማምዒ ነጥብታት ንህዝቢ ክግለጽ ተረጋዳዲኦም። እቶም ዝተሰማምዕሎም መረዳድኢ ነጥብታት እዞም ዝስዕብ እዮም።

1፡ ኣብ ኤርትራ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ብዝምልከት ብሓባር ምስራሕ።

2፡ ሰላምዊ መፍትሕ ንምርካብ ምቅላስ

3፡ ሕጋዊ መሰጋገሪ መስርሕን ግዝኣተ ሕግን ንምርግጋጽን ዝምልከት ዳህሳስ ምክያድ

4፡ መንግስትን ሃይማኖት ምፍልላን፡ መንግስቲ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ከም ዘረጋግጽ ምግባር

5፡ ምውጋድ ጨቓኒ ውትህድርና

6፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ምርግጋጽ ልኡላውነትን መሬታዊ ሓድነትን ዘትከለ ዝምድና ምምዕባል።

7፡ ዓረብን ትግርኛን ከም ወግዓዊ ናይ ስራሕ ቋንቋታት ምቕባልን፡ ናይ ኩሉ ቋንቋታት ኤርትራ ማዕርነት ምሕላውን

8፡ ብዝተሓተ ደረጃ ኣብ ዘይምእኩል ፖለቲካዊ ስርዓት ምስምማዕ።

9፡ ምርግጋጽ ዝያዳ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን

10፡ ኣብ ህግደፍን ኣብ ሰርዊት ኤርትራን ንዘለዉ ኣብ ለውጢ ዝኣምኑ ኣካላት ኣካል ናይቲ ሰላማዊ ምስግጋር ንክኾኑ ምጽዋዕ

Last modified on Monday, 16 November 2015 00:01