ናይ ኤውሮጳዊ ፓርላማ ናይ ምድማጽ መድረኽ፡ መንግስቲ ኤርትራ 200 ሚልዮን ኤውሮ ክረከብ ኣይግበኦን ኢሉ ደምዲሙ (ዝተኣረመ)

2015-11-10 21:51:52 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 13728 times

ኩሎም ኣቶም ብ9 ሕዳር 2015 ኣብ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ጸብጻብ ናይ ምድማጽ መድረኽ ዝተሳተፉ ኣካላት እቲ ንመንግስቲ ኤርትራ ንልምዓት ተባሂሉ ክወሃብ ዝተሓስበ 200 ሚልዮን ኤውሮ ክወሃቦ ኣይግባእን ዝብል ድምጾም ኣስሚዖም። ነዚ ዝሃብዎ ምኽንያት እቲ መንግስቲ ነዚ ገንዘብ ኣብቲ ዝተሓስበ ልምዓት ይኹን ኣብ ምውጋድ ሕሱም ሰብኣዊ መሰላት ከውዕሎ ኣይክእልን እዩ ዝብል እዩ።

 

ኣብቲ ንኤርትራ ዝምልከት ኣልቲየሮ ስፒነሊ ኣብ ዝበሃል ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ህንጻ ዝቀረበ ጸብጻብ፡ ናይ ምድማጽ ኣጋጣሚ፡ በቶም 9 ናይ መድርኽ ተሳተፍቲ ብዝቐረበ መግለጽን ተዛማዲ ናይ ቪድዮ ምርኢትን፡ ናይቲ መንግስቲ ኣዕናዊ ጸረ-ህዝቢ ተግባራት፡ ገንዘብ ብምሃብ ከም ዘይቋረጽ ተገሊጹ።

ማርቲን ፕላውት ዝተባህለ ጋዜጠኛን ፍሉይ ተኸታታሊ ኣብ ኣፍሪቃን፡ ነቲ ኩነታት ብዝምልከት ኣብ ዝበሎ ኤርትራ፡ ህላወ ዘለዋ ሃገር ኣይኮነትን። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምምሕዳር ድማ ፍሉይ ጸረ-ህዝብን ናይ ልምዓት መሓዛ ክኸውን ዘይክእልን እዩ ኢሉ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ንሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ወኪሉ ዝተሳተፈ ኣቶ ወልደየኡስ ዓማር ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ነቲ ዝወደቐ ህልዊ ምምሕዳር ኤርትራ ኣፍልጦ ነፊጉ፡ ኣብ ክንድኡ፡ ብዘለዎ ዓቕሚ ናብ ናይ ስደተኛታት ዓቕሚ ምምዕባል ከድህብ ጸዊዑ።

EU Parliamentary Hearing 3.

ኣብ ኤርትራ ምክትል ሚኒስተር፡ ገንዘብ ዝነበረ፡ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ ብወገኑ፡ ሕብረት ኢውሮጳ፡ እቲ ንህግደፍ ክወሃብ ዝተሓስበ ገንዘብ፡ ናብቲ ዝተሓስበሉ መደባት ክይበጽሕ ከም ዘይግበኦ ገሊጹ፡ ሕብረት ኤሮጳ ገንዘቡ ተኣከበ እዩ ዝሕሾ ኢሉ።

ኣብ ብሪታንያ ቪድዮ ብዘዳሉ ባሮነስ ግለኒስን ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዘካርያስ ግርማን ዝተዳለወ ቪድዮ፡ ነቲ ዝሓለፈ ሓርበኝነት ህዝቢ ኤርትራ ኣንጸባሪቑ። ምስዚ ብምትሕሓዝ እቲ ቪድዮ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንዝሓለፎ ኣስካሕካሒ ተመኩሮን ነዚ ንምቕያር ዘድሊ ምሕዝነትን ዝምልክት ኣብሪሁ። ብዘይካዚ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት እትነጥፍ ሰላም ኪዳነን ደራሲ ደሳለ ኣብረሃምን ልዋም እስጢፋኖስን ካብ “ባርነት ኣብ ኤርትራ ይቑምን ተወከልቲ ዓለም ትድሓንን” ዝርከብዎም መደርቲ ብወገኖም፡ ኣገደስቲ መልእኽትታት ኣመሓላሊፎም።

EU Parliamentary Hearing 2

እዚ ብናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ኣማኻሪ ዝተወደበን ናይቲ ሕብረት ናይ ፓርላማ ኣባል ፈረንሳዊማሪየ  ክርስቲያን ቫርጊያት ዝተመርሐ፡ ጸብጻብ ናይ ምድማጽ መድረኽ፡ ነቲ ንቕርኒ ኣፍሪቃ ዝጸልዎ ናይ ስደት ጉዳይ ብዝምልከት ኣብ ማልታ ዝኽፈት ዋዕላ ዝምልከት ሕሳባት ዘቕርቡ።

ኣብ መኽፈቲ እዚ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ፓርሊያመታዊ ናይ ምድማጽ መድረኽ፡ ማሪየ ክርስቲያን ቫርጊያት ብዘየወላውል ኣገባብ፡ “ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉጅለ ኣብዛ ዓለም ዝኸፈአ ዲክታቶር እዩ” ኢለንቀጺለን ድማ እዚ ጉጅለ ነዚ ሕማቕ ተግባራቱ ንክቕጽሎ ዝሕገዘሉ ምኽንያት የለን ኢለን

ኢጣልያዊ ኣባል ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ ባርባራ ስፒነሊ ድማ፡ ኤውሮጳዊ ፖሊሲ ኣብ ምድሓን ህሉዋት ከተኩርን ናይቲ ጸገም ቀንዲ መሰረት ኣብ ምጽናዕ ክጽመድን መጸዋዕታ ቀሪቡ።.

ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ኮሚሽን ምሕጋዝ ዕቤት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ላዕለዋይ ሓላፊ ሃንስ ስትራውስቦል፡ እንተደኣ ተሰማሚዑ፡ ንኤርትራ ዝወሃብ ገንዘብ ኣንጻር ድኽነት ኣብ ዝግበር መኸተን ምርግጋእን እዩ ክውዕል ኢሎም።

ዳይረክቶር ኤውሮጳዊ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ኣማኻሪትን ናይ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፈሶርን ኣማኻሪት ማሕበራዊ ሓላፍነትን፡ ዶ/ር ሚርያም ቫን ራይሰን ብወገነን ኣብ መወዳእታ እቲ ኣኼባ፡ ቀጻሊ መፍትሒ ንምርካብ ጻዕሪ ከዛይድ ጸዊዐን።

ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ድማ ኤርትራውያን ምስ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ወጻኢ ግብራዊ ኣገልግሎት ተራኺቦም ብዛዕባቲ ንመንግስት ኤርትራ ክወሃብ ተሓሲቡ ዘሎ 200 ሚሊዮን ኤውሮ ዝምልከት ተዘራሪቦም።

ነዚ ናይ ምድማጽ መደብ ንምክትታል ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ዓባይ ብሪታንያ፡ ነርወይ፡ ሆላንድ፡ በልጁም፡ ስዊዘርላንድን ኢጣልያን ተሳቲፎም።

Last modified on Thursday, 12 November 2015 00:09