ሓበሬታዊ ኣኼባ ብዛዕባ ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ኣብ ስቶክሆልም

2015-11-10 21:43:47 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2356 times

ብተበግሶን ዕድመን ዲያሎግ ፎሩም ስቶክሆልም፣ ዶር ሃብተሚካኤል ተ/ብርሃን ብዕለት 7 ሕዳር 2015 ሓፈሻዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ትምህርትን ምንቅስቓስ ቀይሕ መስቀልን ወርሕን ኤርትራን ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ እታ ካብ ኤርትራ ኣስታት 8 ኪሜ ርሒቓኣብ ከባቢ ከሰላ እትርከብ ኤርትራዊት ቤት ትምህርቲወድሸሪፈይ ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ።

ዶር ሃብተሚካኤል ኣብ መግለጺኡ ሕጽር ዝበለ ኣስተምህሮ ብዛዕባ ትምህርቲ ከምኡውን ታሪኽ ዓለም ለኻዊ ቀይሕ መስቀልን ወርሕን ድሕሪ ምቕራብ፣ ሰፊሕ ታሪኽ ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፋይ ብስእሊ ዝተሰነየ መግለጺ ሂቡ። እታ ቤት ትምህርቲ ካብ ትምስረት ካብ 1984 ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ከጋጥማ ዝጸነሐን ዘሎን ተጻብኦታትን ቁጠባዊ ብደሆታትን ሓያል ከም ዝዀነ ድሕሪ ምብራህ፣ ብቐዳምነት ነቶም ብሙሉእ ተወፋይነቶም ኣብነት ዝኾኑ መማህራን ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ዕዙዝ ምስጋናን ኣድናቖትን ኣቕሪቡ። ብምቕጻል ነቶም ከይተሓለሉ ካብ ዝተፈላለየ ምንጭታት ፋይናንሳዊ ሓገዛት እናኣከቡ ንቀጻልነት እታ ቤት ትምህርቲ ዘውሓሱን ብቀጻሊ ዝጽዕሩ ዘለዉን ውልቀሰባትን ትካላትን መጒሱ።

ኣብዚ ግዜዚ እቲ ቀንዲ ብድሆታት ናይታ ቤት ትምህርቲ፣ ምውሓስ ደሞዝ መማህራን ምዃኑ ዝሓበረ ዶር፣ ተሳትፎ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብዚ ቅዱስ ዕላማዚ ንረብሓ ኤርትራን ኤርትራውያንን ስለ ዝኾነን፣ ኣይድዮለጂካዊ ይኹን ፖለቲካዊ ሕብሪውን ስለ ዘይብሉ ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ኣስሚሩሉ።

ኣብ ዝሓለፈ 31 ዓመታት ኣብ ሂወት ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ሓያል ኣበርክቶ ዝገበሩ ውልቀሰባትን ትካላትን ሰፊሑ ኣስማቶም ተዘርዚሩ እቶም ኣብዚ ግዜዚ ዝነኣድ ስራሓት ካብ ዘበርክቱ ዘለዉ እዞም ዝስዕቡ ክጥቀሱ ይከኣሉ፣

   1∙ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን፡ ብተበግሶ ናይ ነብስሄር ኣባ ማሪኖ

   2∙ ሶፍያ ዓማር ዑቕባ ተኽለ፣ (ኣሲ– ASEE) Association Suise Enfance Erythree

   3∙ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ሰሜን ኣመሪካ (EDA–Eritrean Democratic Association)

   4∙ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

Last modified on Tuesday, 10 November 2015 22:46