ናይ ሓዘን መልእኽቲ ናብ ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ጀርመን (ማደሰ) ብምኽንያት ዕረፍቲ ቻንስለር ሀልሙት ሽሚት

2015-11-13 20:55:32 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 2255 times

ኣቦመንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ብምኽንያት ዕረፍቲ ላዕለዋይ ኣባል ናይ ጀርመን ማሕበራዊ ደሞክራሲያዊ ሰልፊን ናይ ቀደም ቻንስለርን ሀልሞት ስቸሚድ ብዝምልከት ናብቲ ሰልፊ መልእኽቲ ሰዲዱ። ንሱ ኣብዚ ሰደህኤ መልእኽቱ ናይቲ ሓዘን ተኻፋሊ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ናብ ኣቦመንበር ማሕበራዊ ደሞራሲያዊ ሰልፊ ኣቶ ሲግማር ጋብሪኤል ናይ ዝለኣኾ መልእኽቲ ቅዳሕ ናብ ኣቶ ማርክ ስተይንሜር ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያትን ኣቶ ኮንስታንቲን ዎይኖፍ ኣተሓባባሪ ገስጋሲ ምሕዝነትን ቅደሓት ሰዲዱ። ማሕበራዊ ደሞክራሲያዊ ሰልፍን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ክልቲኦም መስረቲ ናይ ገስጋሲ ምሕዝነት እዮም። ኣብዚ መልእኽቲ ናይቶም ቻንስለር ግደ ኣብቲ ሰልፊ ፍልሉይን ዘኹርዕን ከም ዝነበረ ጠቒሱ።

ኣቦ መንበር ሰደህኤ መልእክቱ ብምቕጻል ጀርመናዊ ማሕበራዊ ደሞክራሲያዊ ሰልፍን፡ ካልኦት ኣብ ዓለም ዝርከቡ ኣዕርኽቱ ንዓና ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስደት ወሲኽካ ንኣስተዋጸኦ እቶም ቻንስሎር፡ ንጀርመን ከም ዓባይ ናይ ቁጠባ ሃገር ብምህናጾምን ኣብነታዊ ብጽሒቶም ኣብ ኤውሮጳዊ ምትእስሳርን ክዝክርዎም ክነብሩ እዮም ኢሉ።

The former German Chancellor died on 10 November in his hometown of Hamburg at the age of 96. Helmut Schmidt, a chain smoker and lover of straight-talk, was from the center-left of the SPD and known for his reality-based politics.

እቶም ናይ ቀደም ጀርመናዊ ቻንስለር፡ ብ10 ሕዳር 2015 ኣብ መበል 86 ዓመት ዕድሚኦም እዮም ኣብ ከተማ ሆምበር፡ ኣብ መንበሪ ገዝኦም ዓሪፎም። ሀልሞት ስችሚድት ብብዝሒ ሽጋራ ዘትክኹን ኣብ ሓቂ ብዘትከለ ፖለቲከኦምን ዝፍለጡ እዮም ነይሮም።  

Last modified on Friday, 13 November 2015 21:58