ተቓውሞና ፍትሒ ክሳብ ዝነግስ ቀጻሊ’ዩ

2015-11-01 19:50:42 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 2662 times

ጉዕዞ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ከምኡ ስለ ዝኾነ፡ ሓደ ተርኽቦ ኣፋኒኻ ካልእ ተረኽቦ ኣብ ምቕባልን፥ ብዛዕባኡ ምዝራብን ምጽሓፍን ቀጻሊ መስርሕ ንነብር ኣለና። ንሓንሳብ ንጉጅለ ህግደፍ ነቃልዕ፥ ንሓንሳብ ኣብ ውሽጥና ተመሊስና ብዛዕባ ድኽመት ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ንዝቲ። ናብ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ንመሰልካን ነጻነትካን ተቓለስ ዝብል ተደጋጋሚ መጸዋዕታ ነቕርብ። በብኹርናዑ ዝውደቡ ኣኼባታት፡ ዓወደ-መጽናዕትታት፡ ፈስቲቫላት፡ ጉባኤታት ብዓብይኡ ድማ ሰላማዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ካብቶም ድልውነትና ንለውጢ ንምቅላሕ እንጥቀመሎም መድረኻት እዮም። እነሆ ከኣ ኣካል ናይዚ መስርሕ ዝኾነ ብ29 ጥቅምቲ 2015 ኣብ ከተማ ኒውዮርክ፡ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ዝቐንዐ፡ ነቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዘቖማ መርማሪት ኣካል ዘውጸኣቶ ንጉጅለ ህግደፍ ዘቃልዕ ጸብጻብ ንምድጋፍ ሰፊሕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተኻይዱ። እዚ ሰልፊ ብሓፈሻ ሓደ ኣካል ናይቲ ኣንጻር ህግደፍ ዝግበር ቃልሲ ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ መቐጸልታ ናይቲ ብተመሳሳሊ ዛዕባ ኣብ 26 ሰነ 2015 ኣብ ጀነቭ፡ እስራኤል፡ ኣዲስ ኣበባን ካለኦት ኩርነዓት ዓለምን ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት መቐጸልታ እዩ።

እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኩነታት ኣብ ዝሃለናሉ ከም ዝተኻየደ ንኹላትና ንጹር እዩ። ኩነታትና ካባና ሓሊፉ ንኹሎም ደለይቲ ጽቡቕና ከይተረፈ ኣዝዩ ኣብ ዘሻቕለሉ እዩ እዚ ብዛዕባኡ ንዛረበሉ ዘለና ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተኻይዱ። ናይ ህዝብናን ሃገርናን ኩነታት፡ ብሰንኪ ክብደትን ዕምቆትን ኣሻቓልነቱ ብግቡእ ንገልጸሉ ቃላት ምርካብ እውን ኣብ እንጽገመሉ ደረጃ ኢና ዘለና። ኣሻቓሊ፡ ኣሰካፊ፡ ብቱን፡ ንብዙሕ ዘይቅርዑይ ምናልባታት ዝተቓለዐ ተበልናዮ’ውን ዝምጥኖ ኣይኮነን። እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታትን ናትና ኣገጣጥማን ዘይሰማማዕ ምዃኑ ከኣ፡ ከመይ ዝኣመሰለ ጸገም ከም ዘለና ዘረድእ እዩ። እቲ “ሕጂ’ውን ኩነታትና ወጊና መዋጸኦ ክንረክብ ኢና” ዝብል ኒሕናን ሓቦናን ህያው ምዃኑ ዘይነዓቕ ተስፋ ኮይኑ፡ ነቲ ክንገብሮ ኢና እንብሎ ክንገብር እንስጉሞ ስጉምቲ ኣዝዩ ትሕቲ ግምት ምዃኑ ከኣ ንጸገምና መሊሱ የዕርጎ። እንተኾነ ሕጂ እውን ቃልስና ምእንቲ ፍትሒ፡ ሰብኣዊ መሰልን ደሞክራስን ብናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ኮነ ብውሽጥን ብደገን ተወዳዲብካ ክሳብ ንዕወት ክንቅጽሎ ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ንጹር እዩ ካልእ መተካእታ ስለ ዘየብልና። ንቃልሲ ከም መተካእታ ዘየብሉ መንገዲ ዓወት ምቕባሉ፡ ብግብራዊ ስጉምቲ ተዘይተሰንዩ ግና በይኑ ዓወት ኣይኮነን።

ብዛዕባ’ቲ ንምምሕዳር ጉጅለ ህግደፍ ዘርዕድ ከምዚ ናይ ኒውዮርክ ስርሒት ክዝረብ እንከሎ፡ ክንደይ ተሳቲፈምዎ? ጭረሖታቱ እንታይ ነይሩ? ኣብቲ መድረኽ መን መዲሩ? … ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ክቐርቡ ልሙድ እዩ። ምናልባት ናይዚ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተሳተፍቲ፡ 3፡ 4 ወይ 5 ሺሕ ኤርትራውያን ይነብሩ። ብናትና እምንቶ ግና ብኣካልኳ ተዘይጠዓሞ፡ “ብኣተሓሳስባን እምነትን ኩሉ ደላይ ለውጥን ፍትሕን ኤርትራዊ ኣካሉ’ዩ ነይሩ” ምባል ዝከኣል ይመስለና። ስለዚ ኩልና ናይዚ ሰልፊ ተሳተፍቲ ኢና ኔርና። እቲ ጽባሕ ንጉጅለ ህግደፍ ኣወጊዱ ብፍትሓዊ ምምሕዳር ዝትክእን እቲ ኣብቲ መድረኽ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ዝተሳተፈ ጥራይ ዘይኮነ ኩሉ ናይዚ ናይ ለውጢ ኣተሓሳስባ ደጋፊ እዩ። ቃልሲ ምቅብባል ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ጀነቭ ዘይወዓለ ኒውዮርክ ይውዕል፡ ኣዲስ ኣበባ ዘይወዓለ ከኣ ኣብ እስራኤል ይውዕል። ብኸምኡ ድማ ይቕጽል። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ግዜን ቦታን ደኣ ይፈላለ’ምበር ህዝቢ ኤርትራ ብምልኡ ተሳታፊ እዩ ነይሩ።

እዚ ሕጂ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ሕጂ ዝጀመረ ዘይኮነ፡ እንዳ ወደቐ እንዳ ተንሰአ፡ እንዳከሰበ እንዳከሰረ፡ እንዳደፈአ እንዳተደፍአ፡ እንዳድመየ እንዳደመየ፡ ከመጽእ ዝጸንሐ ንመጻኢ’ውን ዝቕጽል ሰንሰለታዊ ምትኽኻእ እዩ። ንድሕሪት ተመሊስና ነዚ ናይ ውረድ ደይብ መስርሕ ተመርሚርናዮ፡ እወንታ ከም ዝነበሮ ርዱእ ኮይኑ፡ ብውልቂ ይኹን ብትካል ዝግለጽ ኣሉታዊ ትሕዝቶ’ውን ከም እንረኽበሉ ፍሉጥ እዩ። ኣብዚ ኩነታት ክንገብሮ ዝግበኣና መሰረታዊ ጉዳይ እምበኣር፡ ካብቲ ዝሓለፈ ተማሂርካ ዝሓሸ መጻኢ ክንፈጥር ምቅላስ እዩ። እቲ ክንመሃረሉ ዝግበኣና እንተላይ እቲ ኣሉታዊ ጐኑ እዩ። እቲ ንመሃሮ ነቲ ዝሓለፈ ብምቁምማልን ነቲ ኣሉታ መዚዝካ ብምጉላሕን ጥራይ ዘይኮነ፡ ህልዊ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣካይዳ እውን ኣካል እቲ መምሃሪ ተመኩሮ ምግባሩ ጽቡቕ እዩ። ናትካ ኣቐሚጥካ ነቲ ዝሓለፈ መስርሕ ክመርሑ ዝጸንሑ ኣካላትን ኣመራርሕኦምን ክትወቅስን ክትከስስን ምኒን ምባል ዘይኮነ ንስኻውን ጽባሕ በቲ ዝትክኣካ ወለዶ ከይትውቀስ ንህዝባዊ ጉዳያት ልዕሊ ውልቃውን ጉጅላውን ህርፋንካ ሰሪዕካ ምስራሕ ውሕልነት እዩ። ኣብዚ ሎሚ ዝፍጠር ዘሎ ዕንክሊል ጽባሕ ስመይ ብኸመይ ክለዓል እዩ? ኢልና ሎሚ ክንሓትት ይግበኣና። ምናልባት ነቲ ምስ ኩሉ ጸገማቱ ናብዚ ዘብጸሓና ሰንሰለታዊ ቃልሲ በቲኽካ ደርቢኻ ሓድሽ ናይ ኣቋራጭ ተመኩሮ ክትጠፋጥፍ ምፍታን ግና ብዓንተቦ ገጽ ክንህቦ ዘይግበኣና ዓመጽ እዩ።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ናይ ኒውዮርክ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምድጋፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ በቲ ዝወጸሉ ኣገባብ ንክዕወት ኣብቲ ከባቢ ብዘለዉ ኣካላቱ ዓቕሙ ዝፈቕዶ ከበርክተሉ ዝጸንሐ እዩ። ንሰደህኤ ነዚ ዕዉት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምድጋፉን ኣብ ምዕዋቱ ምስታፉን ከም ንእግረ-መንገድኻ ዝዕመም መመላእታ ስራሕ ዘይኮነ መሰረታዊ መግለጺ ናይቲ ዝኽተሎ፡ ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ እዩ። ብመተከላዊ እምነት ሰደህኤ ከምዚ ዓይነት ሰፋሕቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት፡ ከምዚ ናይ ሕጂ ጸብጻብ መርማሪት ኣካል ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝኣመሰሉ ዛዕባታት ክመጹ እንከለዉ ንምድጋፍ ወይ ንምቅዋም ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ብዝነቕሉ ዛዕባታት ኣንቂድና’ውን ከነካይዶ ዝግበኣና እዩ። ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ በቲ ሓደ ወገን ህዝብና ነለዓዕለሉን ንሕናን ንሱን ኣብ ሓደ መስመር ኣንጻር ወጻዕቲ ምህላውና ንሕብረሉን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ማዕጾ ሕብረተሰብ ዓለም እንኩሕኩሓሉ ኣድማዒ መሳርሒ ስለ ዝኾነ ንመጻኢ’ውን ክቕጽል ዝግበኦ እዩ። ካብዚ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፍታት እምበኣር፥ ሰልፊ ኣካይድና ጥራሕ ብምባል ክንሓልፎ ዘይኮነ ህዝብናን ሃገርናን ዝድሕነሉ መንገዲ ክንሓስብ ኣለና። ከምዚ ምስ ዝግበር ጥራሕ ከኣ እዩ ስራሓት ዘድምዕን ህዝቢ እውን ናይ ለውጢ መስርሕ ኢሉ ብምእማን ንጉዕዞና ሓንጎፋይ ዝብሎ።

1 ሕዳር 2015

Last modified on Sunday, 01 November 2015 20:58