ናይቲ ኣብ እስራኤል ዝተቐትለ ኤርትራዊ ቤተሰብ ብመንግስቲ ክከሓሱ’ዮም

2015-11-01 19:58:39 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2581 times

ናይቲ ኣብ እስራኤል ምስ ምፍጣር ራዕዲ ብዝተተሓሓዘ ዝተቐትለ ኤርትራዊ  ቤተሰብ ካሕሳ ክወሃቡ ምዃኖም የሁዳ ወይንስተይን ዝተባህሉ ላዕለዋይ ዳኛ ሓቢሮም። እቲ ሃብቶም ዘርኦም ዝተባህለ ኤርትራዊ ኣብ እስራኤል በርሸቫስ ኣብ እትበሃል ከተማ ዝርከብ ማእከላይ መዋፈሪ ኣውቶቡስ፡ ሓደ ፈጣር ራዕዲ ኣጽዋር ሰሪቑ ተኹሲ ምስ ተኸፍተ፡ ብሓደ ፖሊስ ኣብ 6 ቦታታት ተወጊኡ እዩ ተቐቲሉ። 

Israel 1  ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ናይ  ሃብቶም ዘርኦም ዝኽሪ ዝምልከት ኣኼባ

ሃብቶም ብጥይት ከቢድ ቆሲሉ ኣብ ዝወደቐሉ ብዙሓት በቲ ኩነታት ዝሓረቑ መሊሶም ከም ዝወቖዎን፡ ኣብ ከምዚ ኩነታት ብፖሊስ መንነቱ ከም ዝተፈልጠን ዝዝከር እዩ። ናይታ ሃገር ሃገራዊ ኢንሹራንስ ንከምዚ ዓይነት ካሕሳ ከም ዘይወሃብ ወሲኑ ነይሩ። እንተኾነ ሃብቶም ግዳይ ፈጠርቲ ራኦዲ ዝኾነ ውጹዕ ስለ ዝኾነ ቤተሰቡ ተመጣጣኒ ካሕሳ ንክወስዱ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ወሲኑ።

 Israel 2                                  ስነስርዓት ዝኽሪ ሃብቶም ኣብቲ ዝወደቐሉ መደበር ኣውቶቡስ

እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ መጀመርያ እዚ ሰሙን ነቲ ኣቀታትላ ዝምልከት ካብ ፖልሲ ሓበሬታ ምስ ቀረበሉ እዩ ኩሉ ዘድሊ መርትዖታት ንክቀርበሉ  መምርሒ ሂቡ። ፖሊስ መንነት ናይቶም ንሃብቶም ዝቐተልዎ ንምፍላጥ ብናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንዝቀረቡ ስእልታትን ናይ ቪድዮ ምስልታትን ኣቐዲሙ መርሚሩ እዩ። ብመሰረት ናይ ፖሊስ መርመራ ኣብቲ ዓመጽ ዝተሳተፉ ኣባላት ሓለዋ ቤት ማእሰርቲ እዮም። ድሕሪዚ ሓደ መኮነንን ሓደ ኣባል ሓለዋ ወተሃደርን ከምኡ እውን ኣብቲ ጉዳይ ተሳቲፎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 2 ካሎት ሰባት ተኣሲሮም።
 
ኣቀዲሙ ናይ ሃብቶም ኣስከሬን ናብ ኤርትራን ንምላኽ ወጻኢኡ ብእስራኤል ተኸፊሉ እዩ። እቲ ሃገራዊ እንሹራን ቅድም ነዚ ገንዘብ ምውጻእ  ነቲ ኩነታት ከም ናይ ራዕዲ ግዳይ ኣፍልጦ ምሃብ እዩ ብዝብል ተቓዊምዎ ነይሩ። ደሓር ግና ሓሳቡ ቀይሩ፡ ነቲ ወጻኢ ምስ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ተማቒሉ ከም ዝፈጸሞ ተፈሊጡ።

Last modified on Sunday, 01 November 2015 21:32