ኣኼባ መላእ ኣባላት ሰደህኤ ምስ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

2015-09-27 13:53:18 Written by  ቤት ጽሕፈት ሰደህኤ Published in EPDP News Read 2426 times

ኣቦመንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ብ26 መስከረም 2015 ምስ መላእ ኣባላት ሰልፊ ኣኼባ ኣካይዱ። ንሱ ኣብቲ ብኤክትሮኒካዊ መንገዲ (ብፓልቶክ) ዘካየዶ ኣስታት 4 ሰዓታት ዝወሰደ ኣኼባኡ ብሓፈሻ ንመስርሕ 2ይ ጉባአ ሰደህኤ ብዝርዝር ገሊጹ፡ ብፍላይ ድማ ንሓፈሻዊ መስርሕ ኣጸዳድቓን ትሕዝቶን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ቅዋምን ሰልፊ ዝምልከት ዓሚቝ መብርሂ ሂቡ። ምስዚ ኣተሓሒዙ መስርሕ ኣመራርጻ መሪሕነትን ፖለቲካዊ ውሳነታትን ዝምልከት’ውን ኣብሪሁ። ብዘይካዚ እቲ ኣብ 2ይ ጉባአ ዝተመርጸ 33 ቀወምትን 4 ተጠባበቕትን ኣባላት ዘለዉዎ ማእከላይ ባይቶ ናብ ስሩዕ ስርሑ ቅድሚ ምእታዉ ከካየዶ ዝጸንሐ ምድላዋትን ዝሓንጸጾም ናይ ዝተፈላለያ ኣብያተ ጽሕፈት ትልምታትን ፈጸምቲ ኣካላትን ዝምልከት ሰፊሕን ዝርዝራውን መገለጺ ሂቡ።

ድሕሪ እዚ ዝርዝራዊ ሓበሬታዊ መብርሂ፡ መድረኽ ሕቶን መልስን ምስተኸፍተ፡ ተሳተፍቲ ነቲ ዝተዋህቦም መብርሂ መሰረት ገይሮም ዝተፈላለዩ ሕቶታት ኣቕሪቦም ኣዕጋቢ መልስታት እውን ተዋሂብዎም። ካብቶም ኣብ መድረኽ ሕቶን መልስን ብሓያሎ ካብ ተሳተፍቲ ዝያዳ ቆላሕታ ዝተዋህቦም ዛዕባታት ፖሊሲ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ምሕያል ውሽጣዊ ሰልፋዊ ዓቕሚ፡ ሓድነት ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ዝምልከትን ኣተገባብራኡን፡ ኣድላይነት ተሳትፎ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ዝምልከቱ እቶም ቀንድታት ነይሮም።

ኣቦመንበር ሰልፊ ነዞም ሕቶታት ናይ ሰልፊ ፖሊስን ዝተሓልፈ ተመኩሮታትን መሰረት ብምግባር ክምልስ እንከሎ፡ ሰልፊ ናይ ምሕያል ሓላፍነት ንዝተወሰነ መሪሕነታዊ ኣካል ዝግደፍ ዘይኮነስ ብጻዕርን ተወፋይነትን ኩሎም ኣባላት ከም ዝረጋገጽ ገሊጹ። ጉዳይ ሓድነት ሓይልታት ተቓውሞ ብደረጃ ጉባአ ይኹን ናይ መሪሕነት ኣኼባታት ዝያዳ ግምት ተዋሂብዎ ብደቂቕ ክዝተየሉ ከም ዝጸንሐ ብምጥቃስ ሰልፊ ኣብዚ ዛዕባዚ ዘለዎ ውህሉል ተመኩሮ ኣብ ግምት ኣእትዩ ብሓድሽ ኣገባብ ክሰርሓሉ ተዳልዩ ከም ዘሎ ኣነጺሩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ናይ መንእሰይ ተሳትፎ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ መተካእታ ከም ዘየብሉ ብምርዳእ ኣብ ጉባአ ዝያዳ ቆላሕታ ካብ ዝተዋህቦም ዓበይቲ ጉዳያት ከም ዝነበረ ኣረጋጊጹ።

ኣብ መወዳእታ እዚ ብህድኣትን ሓላፍነታዊ ስምዒትን ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ተሳተፍቲ ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶታት፡ ምስ ውድባት ዝግበር ርክባት ጥንቁቕን ኣብ መጽናዕቲ ዝተመርኮሰን ክኸውን፡ መሪሕነት ንመሰረታት ውድብ ኣብ ኩሉ መዳያት ከንቀሳቕሶም፡ ኣባላት ሰልፊ ብወገኖም ኣብዚ ወሳኒ ኣዋን ኣበርክተኦም ከዛይዱ ቅሩባት ምዃኖም ኣነጺሮም። ኣቦመንበር ብወገኑ ኣኼባ ከጠቓልል እንከሎ፡ ነቲ ዝነበረ ተሳትፎን ዝተዋህበ ሃናጺ ሓሳባትን ኣመስጊኑ፡ እቲ እንብህጎን ንቃለሰሉ ዘለናን ዕላማ ንክዕወት ናይ ኩሉ ኣባልና ቀጻሊ ተሳትፎን ዘይሕለል ጻዕርን ዝያዳ ክሕይል ጸዊዑ።

27 መስከረም 2015

Last modified on Sunday, 27 September 2015 15:55