ዝኽሪ መበል 10ይ ዓመት ስውእ ተጋዳላይ ስዩም ዑቕባሚካኤል

2015-09-25 13:03:43 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 3643 times

ብልቢ እነፍቕሮን ዘፍቅረናን ሓውና፡ ኣቦና ተጋዳላይ ስዩም ዑቕባሚካኤል ብሞት ካብ ዝፍለየና ኣብ ዝምጽእ ታሕሳስ ዓሰርተ ዓመት ክኾኖ ኢዩ። እዚ ካብ ግዜ ንእስነቱ ጀሚሩ፡ ደኺመ ከይበለ፡ ብዘይ ዕረፍቲ፡ ምእንቲ ራህዋን ሰላምን ፍትሕን ህዝቡን ሃገሩን ዝተቓለሰ ሓውን ኣቦን፡ ብኣካል ንስኣኖ ምበር ስራሑን ሞያኡን ታሪኹን ምሳና ብምህላዉ ሕቡናት ኢና። ተጋዳላይ ስዩም ብመደብ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኢዩ፡ ብ17 ታሕሳስ 2005 ብሃንደበት፡ ብሕማም ልቢ ካብዛ ዓለም ተፈልዩ። ኣስከሬኑ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ሆላንድ ብምምጻእ ቤተ-ሰቡን ስድራ ቤቱን ብዙሓት መቃልስቱን ፈተውቱን ኣብ ዝተረኽብሉ ብ30 ታሕሳስ 2005 ኣብ ፍላርዲንገን ከባቢ ሮተርዳም ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።

ብኣጋጣሚ ናይ ዓሰርተ ዓመቱ፡ ንእነፍቅሮ ኣቦናን ሓውናን ስዉእ ተጋዳላይ ስዩም ዑቕባሚካኤል እንዝክረሉ መደብ፡ ንቀዳም 19 ታሕሳስ 2015 ኣዳሊና ስለዘሎና፡ ኣብዚ መዓልቲ ዚ ምሳና ክትውዕሉን ዘሎኩም ዝኽሪታት ከተካፍሉን ንኩሉኹም ፈተውትን መቃልስትን ስውእ ስዩም ብክብሪ ንዕድመኩም።

መደብ ናይቲ መዓልትን፡ ኣድራሻ ናይቲ ቦታን ኣብ ዝመጽእ ግዜ ክስዕብ ኢዩ።

ስድራ ቤት ስዉእ ተጋዳላይ ስዩም ዕቕባሚካኤል

Last modified on Friday, 25 September 2015 15:06