ዋዕላ ቦሎኛ ፎረም ኣብ ኦክላንድ

2015-09-06 09:01:29 Written by  ፍስሃየ ሓጎስ: ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2567 times

ብሓልዮት ቦሎኛ ፎረም ኣብ ኦክላንድ፥ ዕለት 28 ነሓሰ ዝተዳለወ መደብ ብሲቪካውን ሰብኣውን ጉዳያት ኤርትራ ዝግደሱ ተንቀሳቐስቲ፥ ዶክተር ርእሶም መስፍን፡ ኣሰናይ ሙሴን ተኽኣ ጸጋይን ካልኦትን ዝቐረበ ኣገዳሲ መደረን ምይይጥን ተኻይዱ።

ነሓሰ 29 ካብ ሰዓት 3 ክሳብ 10 ድሕሪ ቀትሪ መራሕትን ወከልትን ውድባትን በርገሳውያን ማሕበራትን ከምኡ'ውን ገዳይም ተቓለስትን ግዱሳት ኤርትራውያንን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ብመራሕ መደብ ሰለሙን ገብረየሱስ ተኸፊቱ ዝርዝር መደብ ድሕሪ ምቕራቡ፥ ኣስማቶም ብቕደም ተኸተል ቀሪቡ ዘሎ በብተራ መግለጽታቶም ኣቕሪቦም፥፥ ንሳቶም ድማ ፍስሃየ ሓጎስ፣ ደስበለ ካሕሳይ፣ ኤልሳ ጭሩም፣ ሳልሕ ቃዲ፣ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደግዮርጊስ፣  ዶክተር በረኸት ሃብተስላሴ፣ ዶክተር ኣሰፋው ተኸስተ፣ ኑኑ ኪዳነ፣ ዮናስ ሓጎስ፣ ዳንኤል ገብረሚካኤልን ዊንታ የማነን እዮም።

መብዝሕትኦም መደርቲ ዓሚቝ ኣፍልጦን ተሞክሮን ሃገርና ዝወነኑ ስለ ዝዀኑ፣ ኣገዳስን መሳጥን ኣስተምህሮታትን ሓበሬታትን ኣቕሪቦም። ብህዝብን ሃገርን ዝግደስ ምይይጥ ገዳይምን መንእሰያትን ዝተሳተፍዎ፣ ምሉእ ምክብባር ዝሰፈኖ መዓልቲ ነይሩ።

ካብቲ ዝቐረበ ኣገዳሲ ኣስተምህሮ ንምጥቃስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ክቃለስ ከሎ ኣብ ዓወት ክበጽሕ ምዃኑ ስለዝኣመነ እዩ።  ህዝቢ ዓለም ግን ክዕወቱ እዮም ኢሉ ይኣምን ኣይነበረን። ዘረጋገጽናዮ ዓወት ክቡር ዋጋ ኣሽሓት ሂወት ተኸፊሉዎ፡ ብኣበርክቶ ዕጡቓት ውድባትና ጀብሃ ሻዕብያን ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝነብር ዝነበረ ህዝብናን፡ ኮታ ብሓጺሩ ብኣበርክቶ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኣዩ። ናጽነትና ጸጋናን ሓበናን እዩ፡ ነዚ ሰይጣን ዝዀነ መላኺ ስርዓት ኣልጊስና ብቅዋም፣ ፍትሒ፣ ሰላምን ብልጽግናን ዘናብረና ስርዓት እንተኽለሉ እዋን ርሑቕ ኣይክኸውንን እዩ።

ተኻታተልቲ ገዛእቲ ዝፈጠሩልና ድሑር ፍልልያት ቀቢርና፣ ሓድነትና ኣደልዲልና ንመግዛእቲ ስዒርና ናጽነትና ጨቢጥና። ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ንዝቐበርናዮ ፍልልያት ፍሒሩ ኣውጺኡ፣ ዕምሪ ስልጣኑ ከናውሕ ይሰርሓሉ ኣሎ። ነዚ ብሓድነት ክንምክቶን ከነፍሽሎን ይድለ።
ኢሳያስ ነዚ ኵሉ ፍልልያት ፈጢሩ፣ ድሕሪ ውድቀቱ ዕግርግር ኣብ ህዝብና ንምውላዕ ዝዓለመ ሕሳባት እዩ። እዚ ከምቲ ኣድጊ ኢላቶ ዝበሃል “ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቈላ” እዩ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ካብዚስ ኢሳያስ ምሓሸና ክበሃለሉ ስለዝሓልም እዩ።

ህዝብና ናጽነት ሃገሩ ከረጋግጽ ብጅግንነት ዝተቓለሰ፣ ምልኪ ኣልጊሱ ሓርነቱ ክለብስ ዝጽግሞ ኣይኰነን። እቲ ኣብዚ እዋን`ዚ ዝርአ ሸለልትነት ወይ ስለምንታይ’ዚ ህዝቢ ዘይለዓል ዝብል ሕቶ፣ ዘተኣማምኖ ውደባን ስኒትን ስለዘይርኣየ ጥራይ እዩ። ነዚ ፋሕ ኢሉ ዘሎ ሓይልታት ብሓድነትን ስኒትን ክብገስ እንተርእዩ ክለዓልን ክዓስልን ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን።

Oakland Bologna2015 1
ዶክተር በረኸት ምሉእ ዕድሜኡ ንቓልሲ ዝወፈየ ሓርበኛ ኤርትራዊ ብምዃኑ፣ ንኽብሩን ሞያኡን መዘከርታ ህያብ ብቦሎኛ ፎረም ተሸሊሙ። ብየማኑ ኣብ ስእሊ ዘሎ ፍስሃየ ሓጎስ ዮሃና እናበሎ ዝተላዕለ ስእሊ እዩ። ዶክተር በረኸት ንዝተዋህቦ ህያብ ብምምስጋን፡ “ኣነ ወዲ 83 ዓመት’የ፣ ኣብ ዕድመይ ናጽነት ኤርትራ ብምርኣየይ ከም ዓቢ ጸጋ እየ ዝቘጽሮ፡ ነዚ ጠላም ሰይጣናዊ ስርዓት ኣልጊስካ ቅዋማዊን ደሞክራስያውን ስርዓት ኣብ ምትካል ዝካየድ ቃልሲ ምሳኹም ኣለኹ፡ ንፍልልያት ኣመሓዲርና ለውጢ ከነምጽእ ይከኣል’ዩ። ኣነ ድማ ለውጢ ምስ ተረጋገጸ ኣብታ ዝዓበኹላ ዓደይ ኣባጊዕ ኣፍርየ ክነብር’የ ዝምነ፡” ኢሉ።

Oakland Bologna2015 2

ደስበለ ካሕሳይ ንኣምር “ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ” ዘዳለዎ መጽናዕቲ ተሞክሮታት ብሰላማዊ ኣገባብ ዝመርሑን ዝተዓወቱን መራሕቲ ጋንዲ፣ ዶክተር ማርቲን ሉተር ኪንግ፣ ኔልሶን ማንደላ ከምኡ’ውን ሓያለ ሃገራትን ከም ኣብነት ኣቕሪቡ ። እዚ ኣምር’ዚ ንኤርትራ ካብ መቝሕ ምልኪ ናብ ፍትሓውን ደሞክራስያውን ከሰጋግረና ዝኽእልን ዝምረጽን ኣገባብ ምዃኑ’ውን ኣስሚሩሉ።

Oakland Bologna2015 3

ኤልሳ ጭሩም ብወገና ነቲ ሰብኣዊ ጥሕሰታት እናፈጸመ ንህዝብና ኣብ ኣደዳ ስደትን ህልቂትን ነቚትዎ ዘሎ ስርዓት ኢሳያስ፣ ብኮሚሽን ምጽራይ ገበናት ናይ ሕቡራት ሃገራት ክፍሊ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊኡ ናይ ጭብጥታት ምእካብ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ፣ ንሳን ትካላን ዝገብርዎ ምትሕብባርን ብዝርዝር ኣቕሪባ።

Oakland Bologna2015 4

ኣቦ መንበር ስሙር ኤርትራዊ ማሕበር መንእሰያት ንለውጢ (EYSC) ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኤርትራውያን ዝፍጽሞ ኣካላውን ስነ-ኣእምራውን በደላት ብሰፊሕ ገሊጹ። ምንቅስቓሶም ምስ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝብና ብ”ማዕበል 2015” ዝፍለጥ ዝካየድ ንጥፈታት ሓቢሩ።

ብኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ኣኼባ ዝቐረበ ሙሉእ ትሕዝቶ ቃል ደገፍ ቀጺሉ እነሆ።

ክቡራትን ክቡራንን ኣዳለውቲ ዋዕላ ኦክላንድ፣ ኣካል ናይ ቦሎኛ 2015
ክቡራትን ክቡራንን መራሕትን ተወከልትን ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪላውያን ማሕበራትን
ክቡራትን ክቡራንን ዕዱማት ኣጋይሽ
ኣቐዲመ ብስም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ብስመይን ኣብ ዋዕላ ኦክላንድ ንኽንሳተፍ ንዝተገብረልና ዕድመ ክብ ዝበለ ምስጋናይ አቕርበልኩም። ቀጺለ፡ ዕዉት፡ ስኒትን ሓጐስን ዝሰፈኖ ዋዕላ ክዀነልና ዘለኒ ልባዊ ትምኒት ድማ ክገልጸልኩም እፈቱ።
ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ተጓዒዝና ኣብዚ ተራኺብና እነካይዶ ዘለና ዋዕላ፡ ኩነታት ህዝብና ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናኸፍአ ኣብ ዝኸደሉ፣ መንእሰያትና ዝፈትዉዋ ሃገሮም ዘይትንበር ረመጽ ኮይናቶም ናብ መውደቒኦም ዘይፈልጥሉ ጉዕዞ ብምጉዓዝ፤ ግዳይ ሞትን መከራን ኣብ ዝኾንሉ፣ ኣብ ሃገርናን ዞናናን ድማ፡ ዝተፈላለየ ሓደጋታት ኣብ ዘንጸላለወሉ እዋን እዩ ዝካየድ ዘሎ። ምስዚ፡ ስርዓት ህግደፍ ብዝኽተሎ ግጉይ ፖሊሲ ካብ ኣህጉራዊ ሕብረተሰብ ኣብ ፍጹም ተነጽሎ ኣብ ዝኣተወሉን ኮሚስዮን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝተፈላለየ ግፍዕታት ዝፍጽም ስርዓት ምዃኑ ዘረጋግጽ ሰፊሕ መጽናዕቲ ዘቕረበሉን እዋን'ውን ኢዩ። እዚ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣንጻር ሰብኣውነት ገበናት ዝፈጸመ ስርዓት ክኸውን ስለ ዝኽእል፡ ነቶም ፈጸምቱ ንምልላይ መርመራታት ክቕጽል ወሲኑ ኣሎ። ብኻልእ መዳይ ድማ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ኤርትራውያን ስደኛታት ኣብ ልዕሊ'ቲ ዘጋጥሞም ዘሎ ሓደጋታት ባሕርን ምድረበዳን ንጨካን ሽበራዊ ዓመጽ ምቅልዖምን ርድኡና ዝብል ኣውያቶም ኣብ ዘስምዕሉን ዘለዉ እዋን ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ስለዝዀነ ፍሉይን ከቢድን ሓላፍነት ኣለዎ።
ክቡራትን ክቡራንን፡
ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ወኪለ ኣብ ቅድሜኹም ቀሪበ ዘቕርቦ ቃል ብትሕዝትኡ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብ30 ሓምለ 2015 ዝተዛዘመ ዕዉት ጉባኤኡ ዘሕለፎ ፖሊቲካዊ ውሳኔታት ዘዳለኽዎ ኣገዳስን እዋናውን እዩ።
ካልኣይ ጉባኤ ሰልፊ፡ ካብ ህልው ኩነታት ሃገርናን ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ሕሱም መነባብሮን፡ ከምኡ'ውን ካብ ኣህጉራውን ከባብያውን ምዕባሌታት ብምንቃል ሓያለይ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ኣሕሊፉ ኣሎ።
ቀንዲ ነጥብታቱ ከኣ፡
1.    ሉኣላውነት ኤርትራ፣
ናይቲ ኤርትራውያን ንነዊሕ ዓመታት ዝኸፈልዎን ጌና ዝኸፍልዎ ዘለዉን ረዚን ዋጋ ማእከላይ ዕላማ ልኡላዊት ኤርትራ ምዕቃብ እዩ። ኩሉ ኤርትራዊ ባህግታትን ድሌታትን ክረጋገጽ ዝኽእል ኣብ ልኡላውነታ ዘውሓሰት ኤርትራ ጥራይ ምዃኑ ሰልፍና ይኣምን። በዚ መሰረት ጉዳይ ልኡላውነት ወትሩ ዘይንዝንግዖ ኣጀንዳና እዩ። ናይ ኤርትራ ህልውናን ቀጻልነትን ካብ ዘውሕሱ ዓበይቲ ጉዳያት ሓደ ምዕቃብ ልኡላውነታ እዩ። ንኹሉቲ ስርዓት ህግደፍ ንክቱር ፍቕሪ ሃገር ህዝብና መዝሚዙ ዝወስዶ ካብ ልኡላውነት ሃገርና ፈሊኻ ዘይርአ ቀጻልነት ህዝብና ዝህድድ ኣተሓሕዛኡ ንኹንንኖ። ቀጻልነት ህዝብናን ምዕቃብ ልኡላውነት ሃገርናን ከም ናይ ሓደ ቅርሺ ክልተ ገጻት ብማዕረ እንሕልዎምን እንዕቅቦምን እምበር ፈላሊኻ ዘይረኣዩ ምዃኖም ከኣ ንኣምን።
2.   ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንሃገራዊ ዕርቂ ኣብ መንጎ ኩሎም ክፍልታት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝኣምንን ዝቃለስን ሰልፊ ኢዩ። ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ዕርቂ ብቐዳምነት ምልካዊ ስርዓት፡ ንምልጋስን ምቹእ ባይታ ሃገራዊ ዕርቂ ንምምድማድን፣ ኣብ መንጎ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ተቓውሞ፡ ዝሰመረ ስራሕ ንምስልሳልን ዝሰመረ ድምጺ ንምጕላሕን ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ኣትክሮ ብምሃብ፡ ናብ ዘተ ክኣቱን ሓባራዊ ዕዮ ከዐውትን ብዅሉ ዓቕሙ ክቃለስ እዩ።
3.   ኣብ ሓድነታዊ ጉዕዞ፡ ካዕባዊ ዘተታት ብምክያድ ኣብ ሓሳባውን ግብራውን መዳይ ዝተቐራረበ ኣረኣእያታት ክጥረ ኣብ ዝተኻእለሉ፡ ኣብ መስርሕ ምጽንባር ክኣቱ ከምዝኽእል ይኣምን። ዝተፈላለየ ኣርኣእያታት ምስ ዘለዎም ውድባት ድማ ኣብ ናይ ቀረባ ዕላማታት ዘቕንዐ ጽላል ወይ ምሕዝነት ክገብር ድልውነቱ የረጋግጽ።
4.  ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ድምጺ ናይ'ቶም ጸረ ግፍዕታት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝዀኑ ማሕበረ-ኮማት፡ ሲቪላውያን ማሕበራትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ከጕልሕን ንዕዮታቶም ከተባብዕን ክተሓባበርን እዩ።
5.   ተሳትፎ መንእስያትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ቃልሲ ንምዕዛዝ ፍሉይ ኣትኩሮ ክህበንን ዘይሕለል ቃልሲ ከካይድን እዩ።
6    ኣብ ኣህጉራዊ መዳይ፡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ምስ ኩሉ ክህልዎም ዝኽእል ናይ ፖለቲካ ፍልልያት፡ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ዘቕንዐ ሓባራዊ ስርሓት ከካይዱ ከምዝኽእሉ ሰልፍና ይኣምን።
7    ዝምድናና ምስ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ሰዲህኤ፡ ነቲ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮና “ምስ ኩለን ሃገራት፡ ኣብ ሕድሕድ ረብሓታት፡ ምክብባርን ጣልቃ ዘይምትእትታውን፡ ዓለም-ለኻዊ ውዕላት ምኽባርን ዝተሰረተ ዝምድናታት ምፍጣር።” ዝብል ዘስፍሮ ፖሊሲ መሰረት ብምግባር ብሓፈሻ ምስ ኩለን ጐረባብቲ ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ምስ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘለና ጉርብትናን ታሪኻውን ባህላውን ዝምድናን ምስቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ፖሊስና ብዘይጻረር መልክዑ ቀጻሊ ክኸውን እዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ሰልፍና ካብዚ ዝምድናዚ ንዝረኽቦ ምትሕብባር ከም መሐየሊ ቃልሲ ክጥቀመሉ እዩ።
8    ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክኽተሎ ዝጸንሐን ዘሎን ሰላማዊ ዲሞክራስያዊ ኣገባብ ቃልሲ ዘላቒ ሰላም ኣብ ሃገርና ከውሕስ ዝኽእልን፡ ህሉው ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ዝጻወሮን ዝጠልቦን ብምዃኑ ሰልፊ ተኸቲልዎ ክኸይድ ዝግባእ ኣገባብ ቃልሲ ከምዝኾነ ጉባኤ ደጊሙ ኣረጋጊጹ። ኣብ ውሽጢ ኮነ ኣብ ግዳም/ዲያስፖራ ዝርከብ ህዝብና ዘካይዶ ዘሎ ምልዕዓላት እውን ነዚ ሓቂ'ዚ ከም ዘምልክት መዚኑ።
9    ህሉው መላኺ ስርዓት ኣልጊስካ ብቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ንምትካእ ብዘይ ሙሉእ ተሳትፎ ኣብ ውሽጢ ዝነብር ህዝብና ከምዘይረጋገጽ ብምእማን፤ ካልኣይ ጉባኤ ሰልፊ፡ ምልካዊ ስርዓት ብምልጋስ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽ፡ ተራ ህዝብና ኣብ ውሽጢ ሃገር መሰረታዊ ምዃኑ ብምእማን ህዝባዊ ምልዕዓል ንክስስን ንውሽጢ ኤርትራ ዓቢ ጠመተ ዝገበረ ቃልሲ ክካየድ ከምዘለዎ ወሲኑ።
10     ሓይልታት ምኽልኻል ኤርትራ፣ ኣካል ናይ'ቲ ብጨቋኒ ስርዓት ዝሳቐ ዘሎ ሕብረተ-ሰብ ብምዃኑን፡ ከቢድ ጾር ተሰኪሙ ዝኸይድ ዘሎ ስለዝኾነን ኣብቲ ነዚ ጨቋኒ ስርዓት ኣልጊስካ ሰላምን ፍትሕን ብልጽግናን ንምርግጋጽ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ሃገራዊ ግዲኡ ከበርክትን ህዝባዊ ሓላፍነቱ ክስከምን ጉባኤ ምሕጽንትኡ የቕርብ።
11. ኣህጉራዊ ሕብረተ-ሰብ፡ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ንዘሕልፎ ዘሎ ኢሰብኣዊ ህይወት ተመልኪቱ፣ ነቲ ጀሚርዎ ዘሎ ምምርማር ገበናት ስርዓት ህግደፍ ኣበርቲዑ፡ እዚ ዝቃለለሉ ለውጢ ግቡእ ኣድህቦ ሂቡ፡ ኣድላይን ነቲ ጉጅለ ፈልዩ ዝቐጽዕ ስጉምቲ ክወስድ ጉባኤ ተማሕጺኑ። ከምኡ'ውን ንጐረባብቲ ሃገራት ብሓፈሻ፡ ንመንግስታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ከኣ ብፍላይ፡ ኣብ ክባቢና ሰላምን ርግኣትን ዘረጋግጽ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ጨቋኒ ጉጅለ ፈልዩ ዝርኢ ፖሊሲ ተኸቲለን፤ ምስ ህዝቢ ኤርትራን ተቓወምቲ ሓይልታትን ምትሕብባረን ክብ ከብላ ጉባኤ ጸዊዑ።
      ክቡራትንን ክቡራንን
በዓላት ቦሎኛ፡ ኣብ መዋእል ጸረ መግዛእታዊ ብረታዊ ተጋድሎ፡ ዋንነቱ፡ ናይ ህዝቢ ደኣ'ምበር ፍሉይ ፖሊቲካዊ ሓይሊ፡ ኣውራ ድማ ስርዓት ህግደፍ ክብሕቶ ዘበት እዩ ብምባል፡ ንክልተ ዓመታት ኣብ ቦሎኛ ዘካየድኩሞ፡ ኮንፈረንሳት፡ ንምልካዊ ስርዓት ዝበድሀ ተበግሶ እዩ ነይሩ። ቦሎኛ ናብ ሓቀኛ ዋናታታ ንኽትምለስ ዝምጐስ ጸዓታት ኣካይድኩም ኢኹም። ንሕና ከም ሰዲህኤ እውን፡ ኣብ ክልቲኡ ዓመታት ብወግዒ ምስታፍና ሓበን ይስመዓና። ንሱ ጥራይ ዘይኰነ ካብኡ ዝወጻ ሓይሊ ዕማማት ብደረጃ ኣባላትና ተሳተፍቲ ብምዃን ሓይሊ ሓባራዊ ዕዮ ክሳብ ክንደይ ከም ዝበሃግን ዘድምዕን ንምስክር ኢና። እንሆ ድማ ሕጂ ቦሎኛ፡ ኣብ ልዳት ገዛና ኣብ በይ ኤርያ፡ ክትመጽእን ከም ቦሎኛ መጋባእያ ክህልወናን፡ ጸጋ ምዃኑ ኩልና ደለይቲ ፍትሒ እንዝንግዖ ኣይመስለንን። እዚ ድማ ነቲ ኩሉ ኣብ በይ ኤርያ ዝርከብ ሓይልታት፡ ተጠርኒፉ ንኽሰርሕ፡ መነሃርያ ክኸውን ናይ ልቢ ትምኒተይ እዩ። ብወገንና ከም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ፖሊቲካዊ ውደባናን፡  ዝንባሌታትናን  እናተኸባበርና  ሓባራዊ ሓልዮት እናጥረና ናይ ሓድሕድ፡ ምክብባር ብምዝውታር፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ናይ ዞናና ጽላል ተዓቝብና ቃልስና ከነወሃህድን ክሳብ ፍጹም ዓወት ክንቅጽሎን፡ ዘሎኒ ትጽቢት ዓቢ እዩ።
ብወገንና እዚ ሓድነታዊ ራእይ ኣዚ ንምዕዋትን፡ ወድቀት መላኺ ስርዓት ንምቅልጣፍን፡ ብዘይ ተዓቅቦ ኩሉ እንኽእሎ ከነበርክት ምዃንና ካብ'ዚ መደረኽ'ዚ ከረጋግጸልኩም እፈቱ። ቦሎኛ ኣብ በይ ኤርያ፡ ንህያው ምትእኽኻብ ደለይቲ ፍትሒ መነሃርያ ትኹን!
  ብህዝባዊ ተሳትፎ ዝዕወት ፍትሓዊ ቃልስና፡ ብሓድነትና ይዓኩኽ!
ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንሰማእታትና
ውድቀት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት
ፍስሃየ ሓጎስ
ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ
29 ነሓሰ 2015


Last modified on Sunday, 06 September 2015 11:20