ደምዳሚ መግለጺ ሓሙሻይ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ

2015-09-03 22:36:59 Written by  ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2441 times

ብ30 ሓምለ 2015 ኣብዝተዛዘመ ካልኣይ ጉባኤ ዝተመረጸ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከካይዶ ኣብ ዝጸንሐ ተኽታታሊ ኣኼባታት፡ ሓያሎ ጉዳያት ኣልዒሉ ብምዝታይ ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባኡ ብዓወትደምዲሙ። ማእከላይ ባይቶ ኣብ ርእሲ እቲ ካልኣይ ጉባኤ ሰልፍና “ብህዝባዊ ተሳትፎ ዝዕወት ፍትሓዊ ቃልስና፡ ብሓድነትና ይዓኩኽ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ፡ ዘካየዶ ሰፊሕ ዳህሳስ፡ ንህልዊ ኤርትራውን ከባብያውን ምዕብልናታት ዝምልከት ዓሚቝ ምይይጥ ኣካይዱ። ብመሰረት ዝገበሮ ዳህሳስ ኣብዚ እዋን’ዚ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ትሕቲ ኣርዑት መላኺ ጉጅለ ህግደፍ ዝነብሮ ዘሎ ኣሰቃቒ ሃለዋት፤ ህጹጽ ፍታሕ ዘድልዮ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣኼባ ባይቶ፡ ብመንጽር እቲ ህጹጽ ፍታሕ ዘድልዮ ኤርትራዊ ኩነታት፡ ናይ ለውጢ ሓይልታት ከምቲ ትጽቢት ዝተነብረሎም ክኾኑ ዘይምኽኣሎም’ውን ተገንዚቡ። ካብዚ ንምውጻእ ሰልፍና ኩሎም ናይ ለውጢ ሓይልታት ፍልልያቶም ኣመሓዲሮም፡ ኣብቲ ዘሰማምዖም ብሓባር ዝስለፍሉ ኩነታት ንምጥጣሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ዕማም ንምፍጻም ክጽዕት ምዃኑ ወሲኑ። ቀጺሉ እውን ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራውያን ኣብ ሃገሮም፡ ኣብ ስደት ኮነ ኣብ ጉዕዞ ናብ ስደት ንዝገጥሞም ዘሎ ዘስካሕክሕ ኩነታት ንምስዓር ሓያል ቃልሲ ከም ዝሓትት መዚኑ። ምስ'ዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ገዛእ ሃገሮም ብሰንኪ ደረት ዘይብሉ “ኣገልግሎት” ዝጉባቡ ባርነት፥ ከምኡ'ውን፥ ፖለቲካውን ሰብኣውን ጸገማትን ተደሪኾም፡ ናብ’ቲ መሰረታዊ ፍታሕ ዘይኰነ ስደት ኣብ ዘምርሕሉ እዋን ግዳይ ነጋዶ ደቂ ሰባት፡ ምድረ-በዳታትን ባሕርን ዝዀንሉ ዘለዉ ኵነታት ንምፍታሕ ምስ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ከም ወትሩ ክሰርሕ ሰልፍና ቅሩብ ምዃኑ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ኣረጋጊጹ። ብፍላይ ድማ፡ ጸገማት ናይ'ቶም ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ጅቡቲን የመንን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምቅላል ንጥፈታቱ ከሐይል ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ማእከላይ ባይቶ፡ ብመሰረት’ቲ ንሓፈሻዊ ኩነታት ሃገርናን ከባቢናን ብዝምልከት ዝበጽሖ ገምጋም፡ እቲ መሰረታዊ ፍታሕ ብተሳትፎ ናይ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ጻዕርን ቃልስን ዝረጋገጽ ምዃኑ ይኣምን። ነዚ ንምትግባር ከኣ ዝተወሃሃደ ሓባራዊ ቃልሲ ናይ ኩሉ ደላይ ለውጢ ኣበርክቶ ወሳኒ ብምዃኑ፡ ሰልፍና ኩሉ ዝከኣሎ ከበርክት ኢዩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ ማእከላይ ባይቶ፡ ንኩሎም ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን፡ በርገሳውያን ማሕበራትን ግዱሳት ውልቀሰባትን፡ ኣንጻር መላኺ ኣተሓሳስባ ህግደፍ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ነናቶም ኣበርክቶ ከወፍዩ ጸዊዑ። ከምኡ ውን ነቲ ብዘይጐነጻዊ ኣገባብ ብህዝባዊ ማዕበል ለውጢ ከም ዝረጋገጽ ዘመላኽት፡ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት እንዳሓየለ ዝመጽእ ዘሎ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምልዕዓላትሉእ ደገፉ እናሃበናህሩ ክውስኽን ክሕይልድማ ጸዊዑ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ረብሓኡ ምስ ረብሓ ህዝቢ እምበር፡ ምስ ጉጅለ ኢሳያስ ከምዘይኮነ ተገንዚቡ፡ መሳርሒ እቲ ጉጅለ ዘይኮነስ ዋልታ ህዝቡ ንክኸውን ባይቶ ተማሕጺኑ።

ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ብመሰረት ጉባኤ ዘሰከሞ ሓላፍነትን ቅዋም ሰልፍናን፡ ንባይቶን ፈጻሚት ሽማግለን ዝመርሕ ኣቦ-መንበርን ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለን ብደሞክራሲያዊ መንገዲ መሪጹ። ብዘይካዚ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ቀዳማይ ኣኼባኡ፡ ጠቕላላ ተቖጻጻሪ መሪጹ። ምስ'ዚ ብምትሕሓዝ ማእከላይ ባይቶ ንውሳነታት 2ይ ጉባኤ መሰረት ገይሩ ሰልፊ ንዝመጽእ ሓደ ዓመት ዝምረሓሉ፡ ንኹሉ ኣብያተ ጽሕፈት ዝምልከት መደብ ዕዮ ኣጽዲቑ።

ኣብ መደምደምታ ባይቶ ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ቀጻልነትን ሓያልነትን ሰልፊ ንምርግጋጽን 2ይ ጉባኤ ንምዕዋትን ንዘርኣይዎ ዘይሕለል ኣበርክቶ ሞጒሱ። ኣብ መጻኢ’ውን፥ ጉባአ ዝወሰኖም ውሳነታት ኮነ ባይቶ ዝሓንጸጾም መደባት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ከም ወትሩ ጻዕሮም ከዛይዱ ጸዊዑ።

ማእከላይ ባይቶ ሰደህኤ

3 መስከረም 2015

Last modified on Friday, 04 September 2015 00:40