ከንቲባ ከተማ ፍራንክፈርት፡ ኣቶ ፒተር ፈልድማንን ሎሚ ሰዓት 1 ድ.ቀ ኣብ ፈስቲቫል 2015 መግለጺ ከቕርብ ኢዩ

2015-08-01 07:43:25 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2505 times

ኣቶ ፒተር ፈልድማን፡ ከንቲባ ከተማ ፍራንክፈርት፡ ሎሚ ሰዓት 1 ድ.ቀ ኣብ'ቲ ሎሚ ኣብ ቦከንሃይም ቫርተ ዝካየድ ዘሎ ኤርትራዊ ፈስቲቫል 2015 መግለጺ ከቕርብ ኢዩ። ብደረጃ ከንቲባ፡ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ ክሳተፍ፡ ኣቶ ፒተር ፈልድማን ናይ መጀመርያ ኢዩ።

Peter Feldmann

57 ዝዕድሚኡ፡ ኣቶ ፈልድማን፡ ኣባል ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ጀርመን Social Democratic Party) ኰይኑ ኣብ ሓምለ 2012 ኢዩ ከንቲባ ፍራንክፈርት ክኸውን ተመሪጹ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ፈስቲቫል እውን ብውልቁ ደገፍ ኣበርኪቱ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ።

ሎሚ ኣብ ዘቕርቦ መደረ ድማ፡ ንቃልሲ ደለይቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝድግፍ መግለጺ ክገብር ትጽቢት ይግበረሉ ኢዩ።

ኣብ ርእስ'ዚ፡ ተወከልቲ ጀርመናውያን ሰልፍታት ናይ ክርስትያናዊ ዲሞክራስያዊ ሕብረት (CDU): ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ (SPD): ሊበራላዊ ሰልፊ (FDP)ን ሓምላይ ሰልፍን (ግሩነ) ተረኺቦም ናይ ደገፍ መግለጺታቶም ከቕርቡ ኢዮም።

ፈስቲቫል ኤርትራ 2015 ትማሊ ዓርቢ ዕለት 31 ሓምለ 2015 ኢዩ ስርሓቱ ጀሚሩ። ከምኡ'ውን፡ መራሕቲ ዝተፈላለያ ወከልቲ ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ኤርትራ ውን ናይ ደገፍ መግለጺታቶም ከቕርቡ ኢዮም።

Last modified on Saturday, 01 August 2015 11:45