ቃል ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2015

2015-08-02 21:46:55 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3542 times

ክቡር ኣቶ ፒተር ፈልድማን፡ ከንቲባ ከተማ ፍራንክፈርት፣

ክቡር ኣቶ ሚካኤል-ሱ ሎቨንሽታይን፡ ተወካሊ ክርስትያናዊ ዲሞክራስያዊ ሕብረት(CDU)፣

ክቡር ኣቶ ሚካኤል ሩቢን፡ ተወካሊ ናጻ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ (FDP)፣

ክቡር ዶክተር ክላውስ ዲተር ግሮተ፡ ተወካሊ ሓምላይ ሰልፊ (Gruene)፣

ክብርቲ ክርስቲና ብዮርክን ክቡር ቡ ቡቨልስታምን፡ ሽወደናውያን ኣዕሩኽ ሰውራ ኤርትራን ሰዲህኤ፣

ክቡራትን ክቡራንን መራሕትን ተወከልትን ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራ፣

ክቡራትን ክቡራንን መራሕትን ተወከልትን በርገሳውያን ማሕበራት ኤርትራ፡

ክቡራት ኣባላት ማእከላይ ባይቶን ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን፣

ክቡራትን ክቡራንን ዕዱማት ኣጋይሽ፣

ኣቐዲመ ዕድመና ኣኽቢርኩም ኣብ ፈስቲቫል 2015 ብምርካብኩም ብስመይን ብስም ሰዲህኤ ልባዊ ምስጋናይ አቕርበልኩም። እንቋዕ ደሓን መጻእኩም እናበልኩ ከኣ፡ ሓጐስን ምርድዳእን ዝሰፈኖ ፈስቲቫል ክዀነልና እምነ። ቀጺለ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበርን ጨናፍር ሰዲህኤ ዞባ ኣውሮጳን ብምትሕብባር ከም'ዚ ዝኣመሰለ ዕቱብ ምድላዋት ክገብራ ምኽኣለን ብስም መሪሕነት ሰዲህኤ ንኣሰናዳኢት ኮሚቴ መጐሰይን ናእዳይን ከቕርበላ እፈቱ።

GermanRepresentatives

ክቡራትን ክቡራንን

ፈስቲቫል 2015 ኵሉ መዳያዊ ህይወት ናይ ህዝብና ካብ ሕማቕ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ኣብ ዘንቈልቍለሉን፣ ከምኡ'ውን፡ ዕውት ሰላማዊ ሰልፊ ደለይቲ ፍትሕ ኣብ ጀነቫን ዕዉት ካልኣይ ጕባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን (ሰዲህኤ) ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ዝሰላሰል ዘሎ ፈስቲቫል ስለዝዀነ፡ ብዙሓት ክንዛረበሎም ዘለና ኣገደስቲ ኣጀንዳታት ዝሓዘለ ሃብታም ፈስቲቫል ክኸውን ኢዩ።

ቀጺለ፡ ብምኽንያት ናይ ዒድ ኣልፈጥር ኣልሙባረክ፡ ንዅሎም እስላም ዓለምን ነስላም ኤርትራን ጐረባብታን ድማ ብፍላይ ርሑስ በዓል ይግበረልና። ሰላም፡ ስኒትን ራህዋን ዝሰፈኖ ዓመት ከዀነልና ዘለኒ ትምኒት ድማ ክገልጽ እፈቱ።

Christina and Bo

ሰዲህኤ፡ ኣብ ዝሓለፈ 4 ዓመታት ዓበይቲ ዓወታት ኣመዝጊቡ ኢዩ። ኣባል መስራቲ ጕባኤ ናይ'ቲ ኣብ ዓለምና ዝርከቡ ማሕበረ-ዲሞክራስያውያንን ማሕበራውያንን ሰልፍታት ዝኣባላቱ ገስጋሲ ምሕዝነት (Progressive Alliance) ብምዃን፡ ኣብ ጀርመን፡ ስዊድን፡ ሆላንድን ቲኒስን እተኻየዱ 4 ዋዕላታት ተኻፊሉ ኢዩ። ከምኡ'ውን፡ ኣብ ሶሺሊስት ኢንተርናሽናል ናይ ተዓዛቢ ቦታ ብምርካብ ኣብ ኒያሚ፡ ኒጀር ኣብ እተኻየደ ዋዕላ ተሳቲፉ። ኣብ ጕባኤ ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሽወደን፡ ጨንፈር ኡፕሳላ፡ ብምክፋል፡ ስርዓት ህግደፍ ንኤርትራውያንን ኤርትራውያን ዝመበቆሎም ወጻእተኛታትን ዘኽፍሎ 2% ዘይሕጋዊ ግብሪ ደው ክብልን መንግስቲ ሽወደን ንደለይቲ ፍትሒ ክድግፍን ይግብኦ ዝብሉ ውሳኔታት ክሓልፉ ሰልፍና ዓቢ ድርኺት ጌሩ ኢዩ። ኣብ መበል 37 ጕባኤ ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሽወደን፡ እዘን ነጥብታት እዚኣተን ቀርበን ከምዝጸድቓ ተገይሩ። ሰዲህኤን ኤርትራዊ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተን፡ ኣብ'ቲ ን15 ሃገራት ደቡባዊ ክፋል ኣፍሪቃ ዝጥርንፍ ንሰብኣዊ መሰላት ኣህዛብ ኤርትራ፡ ስዋዚላንድ፡ ፍልስጤምን ምዕራብ ስሃራን ዝጣበቕ ናይ ምድግጋፍ/ሶሊዳሪቲ ማሕበር ዝጸውዖ ኣኼባ ተሳቲፎም ሽግራት ህዝብና ክገልጹ ዕድል ምርካቦም ውን ዓቢ ዓወት'ዩ ነይሩ። ኣሰናዳኢት ሽማግለ ካልኣይ ጕባኤ ሰዲህኤ ብኣደ መንበርነት ሓውትና ኣድያም ተፈራ ምክያዱ ድማ፡ ኣብ ተመኵሮ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራ ናይ መጀመርያ ምዃኑ፡ ንሓውትና ኣድያም ተፈራ፡ ንሰልፍናን ንደቂ ኣንስትዮ ኤርትራን ብሓበራ ዓቢ ሓበን ኢዩ። ከንቲባ ከተማ ፍራንክፈርት ኣቶ ፒተር ፈልድማን ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ ምስታፉ'ውን ተወሳኺ ዓወት ኢዩ። እዚ፡ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ሓቢሮም እንተሰሪሖም ብዙሕ ክገብሩ ከምዝኽእሉ ዝሕብር ምልክት ኢዩ።

ኣብ ርእስ'ዚ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ 4 ኤርትራውያን ጳጳሳት ዘልዓልዎ፡ ሓወይ ኣበይ ኣሎ? ሓፍተይ ኣበይ ኣላ? ህዝበይ ኣበይ ኣሎ እናበለ ክሓትት ዝጸንሐ ሰልፊ ኢዩ። ብዛዕባ ሃለዋት ስደተኛታት ከይሰልከየ ብኣካላዊ ርኽክባትን ብመዘክራትን ናይ ርዱእና ኣውያት ናብ ዝምልከቶም ትካላት ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ መራሕቲ መንግስታትን ሰልፍታትን ዓለምን ተጣበቕቲ ማሕበራት ሰብኣዊ መሰላትን ከመሓላልፍ ጸኒሑን ኣሎን። ብዛዕባ ንስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ፡ ኣብ እስራኤል፡ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ዘጋጥሞም ጸገማት ምቅላሕን ምጥባቕን ሓደ ካብ'ቶም ቀንዲ ኣጀንዳታቱ ገይሩ ክዋስኣሉ ጸኒሑ ኢዩ። ብፍላይ'ቶም ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርከቡ ስደተኛታት፡ ናይ ሞያን ኣካዳሚካውን ስልጠና ክውሃቦም፣ ብነጋዶ ደቂሰባት ኣብ ልዕሊኦም ካብ ዝፍጸም ዘሎ ገበናት ከውሊ ክረኽቡ፣ ብሕጋዊ ኣገባብ ናብ ሳልሳይ ሃገር ከሰግርሉ ዝኽእሉ ዕድላት ክኽፈተሎም ክጕስጕስ ጸኒሑን ኣሎን።

ኣብ ርእሲ'ዚ ኣባላት ሰዲህኤ ኤርትራውያን ሲቪላውያን ማሕበራትን ውልቀሰባትን ኣብ ዝጽውዕዎም ሰላማዊ ሰልፍታት ብኣካል ብምስታፍ ይኹን ገንዘባዊ ሓገዝ ብምብርካት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለዎም ሓልዮት ክገልጹ ወይ ድማ ሓወይ፡ ሓብተይ፡ ህዝበይ ኣበይ ኣለዉ ኢሎም ክሓቱ ብግብሪ ተራእዮም ኢዮም።

ካብ 650 ንላዕሊ ዝዀኑ ስደተኛታት ህጻናትን መንእሰያትን ዝምሃርሉ ቤት ትምህርቲ ወድሸሪፈይ ምቛምን ንምቕጻሉ ከቢድ ሓላፍነት ምጻርን ምትግባርን፡ እሞ ከኣ ምስ'ቲ ትሑት ገንዘባዊ ዓቕሚ ሰልፊ ኣብ ግምት ብምእታው ክርአ እንከሎ፣ ሰዲህኤ ክሳብ ክንደይ ኣጆኻ ሓወይ፡ ኣጆኺ ሓፍተይ፡ ኣጆኹምን ኣጆኽንን ደቀይ ዝብል ሓልዮትን ተገዳስነትን ኣብ ህዝቡ ምህላዉ ዘረጋግጽ ህያው ምስክርነት ኢዩ። እዚ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ሰዲህኤ ኣብ ትምህርቲ ዘለዎ እምነትን ኣብ መጻኢ ዕድል ህጻናትን ዘለዎ ትጽቢታትን ዘንጸባርቕ መርኣያ ውን ኢዩ።

ክቡራትን ክቡራንን

ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዝግበር ተቓውሞታት ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናዓበየ ይመጽእ ምህላዉ ዝከሓድ ኣይኰነን። እዚ ተቓውሞ'ዚ ግን፡ ኣብ ክንዲ ሓቢሩ ምእንቲ እቲ ንዅሉ ዘርብሕ ዕላማታት ዝቃለስ፡ ኣነ ካባኻ እሓይሽ ኣብ ዝብል ግዜኡ ዘይሓለወ ውድድራት፣ ኣብ ሕድሕድ ምጥርጣር፣ ኣብ ግዝያውን ውልቃን ረብሓታት፡ ኣብ ህልኽ ተጸሚዱ፡ ንትጽቢት ህዝብናን ፈተውትናን ከማልእ ኣይከኣለን ዘሎ። እዋናዊ ናይ'ዚ ሰዓት'ዚ ሕቶ ንህዝብን ሃገርን ካብ ብርሰት ምድሓን ኢዩ። እዚ ድማ፡ ነቲ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣሊኻ፡ ናብ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራስን ብልጽግናን ዘስፍን ጐደና ምሓዝ ማለት ኢዩ። ከም ተቓወምቲ መጠን፡ ኣብ'ዚ መዳይ'ዚ ብዙሕ ድኽመታት ኣርኢና ኢና። እቲ ጽቡቑ ሎሚ ጠንቅታት ናይ ድኽመታትና እንታይ ምዃኖም ብግቡእ ክንግንዘብ ምኽኣልና ኢዩ። ፈውሲ ድኽመታትና ክንረክብ ዘይምኽኣልና ግን፡ ፖለቲካዊ ድሌትን ትብዓትን ዘድልየና ምዃኑ ጥራሕ ኢዩ ዘመልክት።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ካልኣይ ጕባኤኡ ንህልዊ ኵነታት ሃገርናን ህዝብናን ተቓውሞናን ብዕምቈት ድሕሪ ምግምጋም ነዞም ዝስዕቡ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ኣሕሊፉ ኣሎ።

1. ተራን ተሳትፎን መንሰይ

ብሩህ መጻሃገርና ክንብል ከሎና: መጻኢ ዕማም ናይ'ቲ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ 70% ዝኾነ መንሰይ ወለዶ ማለት ምዃኑ ብምርግጋጽን፣ ናይ ምስግጋር ሓላፍነቱ ብምስትውዓልን ብምዃኑ፡

ኣድማቱብን ተሳትፎ መንሰይ፡ምነ-መሰረትን ሞተረን ቃልሲናን ዋሕስ ቀጻልነቱን ዓወቱን ምዃኑ ዘየጠራጥር ስለዝዀነ፣ ብሰንክ'ቲ ብ1998 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተባርዐ ውግእ ዝተፈጥረ ናይ ኣይሰላም ኣይውግእ ኲነታት፡ ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ስእነት ሰላማዊ ናብራን ትምህርትን ስራሕን ንመንአሰይ ወለዶ ከምቀንዲ ግዳይ ገይርዎ ምህላዉ፣ ከምቤን ናይ ህልው ስርዓት ህግደፍ፡ ዘሕደረሉ ስምብራትን ድኽመት ደምበ ተቓውሞን፡ ተራን ተሳትፎን ኤርትራዊ መንእሰይ ብግቡእ ከምዘይተወደበን ኣብ ጋቢ ደረጃ ከምዘይበጽሐን ብምግንዛብን ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ 60ታት ዝነበሮ ታሪኻውን ሓርበኛውን ናይ ምልዕዓል መሪሕ ግደ ብምዝካርን፡-

ዝያዳ ኩሉ ድማ እቲ ሃገር ናይ ምህናጽን ምቕጻልን ሓላፍነት ዘለዎ መንእሰይ፡ ብሰንኪ ጸረ ህዝቢ ተግባራት ስርዓት ህግደፍ ናብ'ቲ መሰረታዊ ፍታሕ ዘየምጽእ ስደት ከምርሕ እንከሎ ዘጋጥሞ ዘሎ ህልቂት ኣዚና ስለ እንሓዝን፡

ካልኣይ ጉባኤ እዚ ዝስዕብ ወሲኑ፡

ሰዲህኤ፡ ከም መቐጸልታ ናይ ቅድሚ ሕጂ ጻዕርታቱ፡ መስርሕ ምርግጋጽ ኣድማዒ ተሳትፎ ኤርትራዊ መንሰይን፡ ምቅልጣፍ ምስግጋር መሪሕነታዊ ተራ ኤርትራዊ መንሰይ፡ናብ ክዉንነትን ምቕያር ዘኽመሳለጥያታትን ኣገባባትን ምፍጣር ሓደ ካብ ናይዋን ቀዳምነታት ምዃኑ የረጋግጽ። ብግብሪ ክሰርሓሉ ድልዊ ምዃኑ ከኣ የረጋገጽ። ካብዚ ሓሊፉ ሓድሽ ኣወዳድባን ዘመናዊ ናይ ርክብ መስመራት ንክዝርጋሕን ከኣ ጉባኤ ወሲኑ። ብዘይካ'ዚ መንእሰይ ዘለዎ ረዚን ሓላፍነት ተገንዚቡ ህዝብን ሃገርን ኣብ ናይ ምድሓን ቃልሲ ብትሪ ንክሳተፍ ጉባኤ ጸዊዑ።

2. ተራ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ

ደቂ ኣንስትዮ ፍርቂ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ ስለ ዝኾናን ብዘይተሳትፎአን ዝዕወት ቃልሲ ከም ዘየለ ካልኣይ ጉባአ ሰልፍና ደጊሙ ኣረጋጊጹ። ኣብ'ዚ እዋን ዋሕዲ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ቀንዲ ኣሰከፍቲ ጉዳያት ናይ ለውጢ ሓይልታት ሓደ ምዃኑ ጉባአ ተገንዚቡ። በዚ መሰረት ሰልፍና ንተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት መጽናዕቲ ከም ዘካይድ እንዳረጋገጸ፡ ኣብ ጓል ኣንስተይቲ ዝወርድ ብዘሎ ተደራቢ ግፍዕን ስቃይን ኣብ ሃገራዊ ዕላማታት ቀንዲ ሰብ-ጉዳይ ብምዃነን፡ ደቂ ኣንስትዮ ብትግሃት ኣብቲ ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝካየድ ቃልሲ ተሳታፍነተን ከረጋግጻ ሰልፍና ይጽውዐን።

3. ኣገባብ ቃልሲ

ሕሉፍ ተመክሮታትን ውጽታትን ምቆት ምዝታይን ምግምጋምን፣ ብሕልፊ ከኣ፡ እቲ ካብ ተስዓታት ዝጀመረን ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ከላይ ምብራቕንተራየን ዝቐጸለን ህዝባዊ ኣገባብ ተቓውሞ ብምስትብሃልን ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ኮነ ኣብ ወጻኢ ዘሐይልዎ ዘለዉ ህዝባዊ ተቓውሞታት ብምግንዛብን፣ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክኽተሎ ዝጸንሐን ዘሎን ሰላማውን ዲሞክራሲያውን ኣገባብ ቃልሲ፡ ሕጂ እውን ህልው ኲነታት ሃገርናን ህዝብናን ዝጠልቦን ዝጻወሮንምዃኑን፣ ንመጻኢ እውን፡ ህልው ስርዓት ንምላይ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ኪቕጽል ጉባኤ ወሲኑ።

ሰዲህኤ፡ ህልው ስርዓት ኣልጊስካ ብቅዋማውን ዲሞክራሲያውን ስርዓት ንምትካዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ናይ ምሉህዝቢ ኤርትራ ተሳትፎን ኣበርክቶን ዝሓትት ይኹንምበር፡ ንምቅልጣፉን ናይ ዝበዝሐ ኤርትራዊ ተሳትፎ ንምርግጋጽን፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ናይ ዘሎ ኤርትራዊ ተራ ወሳኒ ምዃኑ ይኣምን። ምስዚ ብምትሕሓዝ ነቲ ለውጢ ካብ ውሽጢ ዝብል እምንተኡ ጉባአ ደጊሙ የረጋግጽ።

4. ሓድነት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ብዝምልከት

ኣብ ሃገርና ዲሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ንምምጻንዝግበር ቃልሲ ንምምራሕን፣ መተካታን ኣማራጽን ህልው ስርዓት ህግደፍ ንምዃንን፣ ብቕዓት ዘለዎ ሃገራዊ ውደባ ምድልዳል ይጽንሓልና ዘይብሃል ህጹጽ ናይ ሓባርማም ምዃኑ ብምማን፤

ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ውሽጢ ደምበ ተቓውሞ ኪግበር ዝጸንሐ ናይ ምቅርራብን ምጥርናፍን ፈተነታት፡ ሕሉፍ ተመክሮታት ቱብነት ከይተገምገመ፡ ተሳትፎ ሓፋሽ ህዝቢ ዝግባእ ግምት ከይተዋህቦ፡ ብቑምድላው ዘይተገብረሉ ወይ ዝጎደሎ ምንባሩ ብምስትብሃል፤

ነፍስወከፍ ውድብ/ሰልፊ፡ ናይ ካልፖለቲካዊ ፕሮግራም ኣኽቢሩ፡ ብሰላማውን ዲሞክራሲያውን ኣገባብ ኣብ ህዝቢ ብምውራድን ብምውድዳርን ተቐባልነት ህዝቢ ከሲቡ፡ላማታቱ ከተግብር ዝኽል፡ ህልው ስርዓት ድሕሪ ምልጋሱ ስለዝኾነ፡ ላይ ህልው ስርዓት፡ ናይዚ መድረኽ ቀዳምነት ገይሩ ክሰርሓሉ ካብ ዘለዎ ድሌት ብምብጋስ፣

ጉባኤና ነዚ ዝስዕብ ወሲኑ፡-

 ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ውድባት ተቓውሞ ስኒት ዝፈጥር፡ ኩሉ ኤርትራዊ ተቓዋማይ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ አእጃሙ ከበርክት ዘኽልን  ዘተባብን፡ ክሳብ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ንዘሎ መድረኽ ቃልሲ ዝመርሕ፡ ምስ ኩሎም ናይ ለውጢ ሓይልታት ናይ ሓባር መድረኽ ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ሪ፡ ንምዋቱ ከይተሓለለ ቀዳምነት ሂቡ ክሰርሕ ቅሩብ ምዃኑ ደጊሙ የረጋግጽ። ነቲ ክሳብ ሕጂ ዓንቂጹ ዝጸንሓ፡ ዘይምትእምማንን ዘይምጽውዋርን ገታኢ ባህሊ ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ሰልፍና እጃሙ ከበርክት ወሲኑ።

5. ሉኣላውነት ኤርትራ

ናይቲ ኤርትራውያን ንነዊሕ ዓመታት ዝኸፈልዎን ጌና ዝኸፍልዎ ዘለዉን ረዚን ዋጋ ማእከላይ ዕላማ ልኡላዊት ኤርትራ ምዕቃብ እዩ። ኩሉ ኤርትራዊ ባህግታትን ድሌታትን ክረጋገጽ ዝኽእል ኣብ ልኡላውነታ ዘውሓሰት ኤርትራ ጥራይ ምዃኑ ሰልፍና ይኣምን። በዚ መሰረት ጉዳይ ልኡላውነት ወትሩ ዘይንዝገዖ ኣጀንዳና እዩ። ናይ ኤርትራ ህልውናን ቀጻልነትን ካብ ዘውሕሱ ዓበይቲ ጉዳያት ሓደ ምዕቃብ ልኡላውነታ እዩ። ንኹሉቲ ስርዓት ህግደፍ ንክቱር ፍቕሪ ሃገር ህዝብና መዝሚዙ ዝወስዶ ካብ ልኡላውነት ሃገርና ፈሊኻ ዘይርአ ቀጻልነት ህዝብና ዝህድድ ኣተሓሕዛኡ ንኹንንኖ። ቀጻልነት ህዝብናን ምዕቃብ ልኡላውነት ሃገርናን ከም ናይ ሓደ ቅርሺ ክልተ ገጻት ብማዕረ እንሕልዎምን እንዕቅቦምን እምበር ፈላሊኻ ዘይረኣዩ ምዃኖም ከኣ ንኣምን።

ብይን ኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብ

  • ዶባዊ ምስሕሓብ ኢትዮ-ኤርትራ፡ ብሽምግልና ሳልሳይ ኣካል ጥራይ መዕጸዊ ኪግበርሉ ከም ዝኽእል ብምእማን፤
  • እቲ ክልቲኦም ወገናት፡ ብይን ኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብ፡ ቀያዲ፡ ናይ መወዳእታን፡ ይግባይ ዘይብሃለሉን፡ ኢሎም ብ2000 ዓም ዝፈረሙሉ ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ክሳብ ንምምሕያሹ ክልቲኦም ዘይተሰማምዑ፡ ከም ዘለዎ ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣለዎ ካብ ዝብል እምነት ብምጋስ፤
  • መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ከምቲ ኤርትራ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘለዎ ሃገራዊ ናጽነት ብህዝባዊ ወኸሳ (ሪፈረንዱም) ንምርግጋጽ ዝተሓባበረን ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበረን፡ ሕጂ’ውን፡ ኣቐዲሙ ዝተሰማምዓሉ፡ ኣህጉራዊ ኣካል ዘሕለፎ ውሳነ ብምቕባልን ኣብ ባይታ ክትግበር ብምትሕብባርን፡ ምቹእ ሃዋሁ ንምፍጣር፡ ሕጋዊ፡ ፖለቲካዊን፡ ሞራላዊን ክዴትኡ ከተግብር ካብ ዘሎ ትጽቢት ኣብ ግምት ብምእታው፤
  • ክልቲኦም መንግስታት፡ ናይ ክልቲኡ ሃገራት፡ ኣብ ጽቡቕ ጉርብትና፡ ምትሕብባር፡ ሓድሓዳዊ ረብሓን፡ ምክብባርን ዝተመስረተ፡ ሰላማዊን ሓባራዊን ህላወ ነባሪ፡ ንሳቶም ግን ሓለፍቲ፡ ምዃኖም ተረዲኦምን ኣሚኖምን፡ ንረብሓ ክልቲኡ ህዝቢታት ከቐድሙን፡ ነዊሕ ዓመታት ዝተጋደሉሉ ዕላማን መትከልን ከኽብሩን ከም ዝግባእ ብምርዳእ፤
  • መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብያ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምምልካት ዶብ ኣብ ባይታ ምስምስ ብምግባር፡ ዶብ ከይተሓንጸጸን ሉኣላውነት ሃገር ከይተረጋገጸን፡ ሕቶ ዲሞክራሲን ቅዋማዊ መንግስትን ኣብ ኣጀንዳኡ ከም ዘይህሉ ንዝህቦ መመኽነይታን ምንዋሕ ምልካዊ ግዝኣቱን፡ መርገጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይዚ ምስምሳትን መመኽነይታታትን ጠንቂ ምዃኑ ብምግንዛብ፤

ጉባኤ

  • መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ናጽነትን ሉኣላውነትን ኤርትራ ክረጋገጽ ኣብ ናይ 1993 ረፈረንዱም ዝወሰዶ መርገጺ፡ ብትግባረ ውሳነ ኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብ ከረጋግጾን፡ ብምስረታ ጽቡቕ ጉርብትናዊ ዝምድናን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ኣብ መንጎ ክልቲአን ኣሓት ሃገራት ክዛዝሞን ይጽውዕ።
  • መንግስቲ ህግደፍ፡ ምርግጋጽ ዲሞክራሲያዊን ሰብኣዊን መሰላት፡ ምስረታ ቅዋማዊ መንግስትን ግዝኣተ ሕጊን፡ ማሕበራዊ ፍትሒን ርግኣትን ኣብ ኤርትራ ከይረጋገጽ፡ ንኣብያ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምምልካት ዶብ ከም ረቛሒ ጌሩ ዝህቦ ምስምስ ይዅንን።

6. ስርዓት ህግደፍን ቅዋምን

“ብስርዓት ህግደፍ ተነዲፉ፡ ካብ ዝጸድቕ 18 ዓመታት ዘሕለፈን ዘይተተግበረን ናይ 1997 ቅዋም ኤርትራ፡ ህግደፍ ድሕሪ ምውዳቑ ጥራሕባይታ ረኺቡ ከካትዝኽል፡፡ ብምልናይ ምቕያሩ ይኹን ወይ ናይ ምምሕያሹ ጒዳይ ከኣ ብህዝበ-ውሳኔ ወይ ድማ ህዝቢ ብዝመረጾ ባይቶ/ፓርላማ ዝውሰን እዩ” ዝብል ካብ ነዊሕ ግዜ ዝሓዝናዮ መርገጽ ሰልፍና እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ስርዓት ህግደፍ ብዘይትግባር መብጸዓታት ህዝቢ ንምዕሻው ጌና እቲ ኣጽዲቐዮ ዝበሎ ቅዋም ተቐባልነት ዘይብሉ ምኽንያታት እንዳመሃዘ፡ ብተግባር ከይተፈተነ “ካልእ ሓድሽ ቅዋም ከጽድቕ እየ” ምባሉ ካብ ምትላል ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ከም ዘይውሃቦ ጉባአ መዚኑ። ካብ'ዚ ብምብጋስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ሕብረተሰብ ዓለም በዚ መታለሊ ተግባራት ከይግራህ ንተግባራት እቲ ስርዓት ተቓውማኡ ከርእን ንጽውዕ።

7. ጉዳይ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት

ሰዲህኤ፡ ኤርትራውያን በብግዜኡ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምምጻእ ንዝሕዝዎ እምነትን ዝወሰድዎ ተባዕ ስጉምትን ይድግፍ። ሕጂ እውን እዚ ተጀሚሩ ዘይተፈጸመ፡ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ናይ ምምጻእ መስርሕ ኣብ ፍረ ንኽበጽሕ ሰልፍና ዝከኣሎ ኣበርክቶ ክገብር ምዃኑ ሕጂ'ውን የረጋግጽ። ስርዓት ህግደፍ ነዚ ኣንጻሩ ዝተላዕለ ህዝባዊ ማዕበል ዘይስሙ ሂቡ ከበርዕኖ ዝገብሮ ፈተነታት ሰልፍና እንዳኾነነ፡ ህዝቢ ኤርትራ በዚ ሓደገኛ ምህዞ ህግደፍ ከይተታለለ ሓድነቱ ኣደልዲሉ ቃልሱ ክቕጽል ንጽውዕ። ብሓፈሻ ሕብረተሰብ ዓለም፡ ብፍልይ ከኣ ናይ ሰብኣዊ መሰል ትካላት፡ ነዞም ብዘይካ ካብ በጃ ህዝቦም ምሕላፍ ካልእ ገበን ዘይብሎም ብናይ ሓሶት ክሲ ተኣሲሮም ዘለዉ ኤርትራውያን ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት፡ ብዘይ ውዓል ሕደር ንክፍትሑ ተጽዕኖኡ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ከሐይል ካብ'ዚ ጉባአና ንጽውዕ።

8. ጸብጻብ መርማሪት ኮሚስዮን ብዝምልከት

ኮሚስዮን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘቖማ መርማሪት ኮሚስዮን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት መጽናዕቲ ዘቕረበቶ ናይ 483 ገጻት ጸብጻብ ኣብ ኤርትራ ብስርዓት ህግደፍ ክፍጸም ንዝጸንሐ ኩሉ ዓይነት ግህሰታት ናብ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ይምዕብል ከምዘሎ ኣቃሊዓ እያ። ሰልፍና ነቲ ንኤርትራውያን ግዳያት መሰረት ገይሩ ዝወጸን ንስርዓት ህግደፍ ኣብ መጻብቦ ኣእትይዎ ዘሎን ጸብጻብን ንዓኡ መሰረት ገይሩ ንዝተወስደ ውሳነታትን ካብዚ ጉባአኡ ይድግፎ። ኣብ ቀጻሊ ስራሓት ኣጻራይት ሽማግለ ክተሓባበር ድልዊ ምህላዉ ድማ የረጋግጽ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ጉዳይ ብቐጥታ ዝምልከቶም ኣካላት፡ ከምቲ ዝጀመርዎ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ንኸብቅዕ ዝገብርዎ ተጽዕኖ ኣብ መወዳእታ ንኸብጽሕዎ ደጊምና ንጽውዕ።

9. ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫን ህዝባዊ ምልዕዓልን

መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ጉዕዞ ስደት ክኸፍሎ ዝጸንሐ ተከታታሊ ሕሰምን ጥፍኣትን፡ እቲ ልዕሊ 360 ኤርትራውያን መንእሰያት ዘጥፋአ ህልቂት ላምፓዱዛ ዘበገሶ ህዝባዊ ነድርን፤ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ከጠራነፉን ኣንጻር ስርዓት ህግዲፍ ቃልሶም ከበርትዑን፡ ኣብ ኤርትራ ፍትሕን ዲሞክራስን ንምንጋስ ተራኦም ከበርክቱ ተራኣዮም እዮም።  

ከም መቀጸልታኡ፡ በቲ ሓደ ወገን ነቲ ኣብ ኤርትራ ሰፊኑ ዘሎ ኩሉ ዓይነት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምኹናን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ነቲ መርማሪት ኮሚቴ ዘቕረበቶ ጸብጻብ ንምድጋፍ ብዓብይኡ ኣብ ጀነቫ ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዓለም ኣብ 26 ሰነ 2015 ዝተኻየደ ሰፋሕቲ ሰልፍታት፡ ሰልፍና ደገፉን ኣድናቖቱን ይገልጽ። ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ እዚ ከም'ዚ ዝዓይነቱ ናይ ሓባር ዕማም ሓንሳብ ተራእዩ ጠጠው ዝብል ዘይኮነስ ብቐጻሊ ክሳተፍዎን ክሰርሕሉን ዘለዎም ምዃኑ ክግንዘቡ ንጽውዕ። ሰልፍና ድማ ኣብ ከም'ዚ ዝኣመሰሉ መስርሓት እጃሙ ከበርክት ድልዊ ምዃኑ ከኣ የረጋግጽ። እቲ ኣብ ታሪኽ ተቓውሞና ተወዳዳሪ ከም ዘየብሉ ብዙሓት ዝመስከርሉ ሰልፊ ጀነቫ፡ ንስርዓት ህግደፍ ዘሰንበደ ጥራይ ዘይኮነስ ብሓባር ክንሰርሕ እንከሎና ክሳብ ክንደይ ከነድምዕ ከም እንኽእል ዘመስከረ ስለ ዝነበረ ክንቅጽሎ ዘተባብዕ ምዃኑ ከኣ ጉባአና መዚኑ።

10. ምፍራስ ኣባይቲ ኣብ ኤርትራ

ስርዓት ህግዲፍ በብግዜኡ መልክዕ እንዳቐየረ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞም ንዕቀትን ገበናትን ኣዝዮም ብዙሓት ምዃኖም ኣይኮነንዶ ንዓና ንኤርትራውያንስ፡ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም እውን ተጋሂዱ እዩ። እነሆ ድማ ነቲ ኣቐዲሙ ዝጀመሮ ናይ ዜጋታት ኣባይቲ ምፍራስ ብዝሰፈሐ መልክዑ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ቀጺልዎስ ኣዝዮም ብዙሓት ካብ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ኣብዚ ናይ ዝናብ ግዜ ብዘይ መዕቆቢ ንኹሉ ሓደጋት ይቃልዑ ኣለዉ። ኣባይቶም ምፍራስ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ተግባር ዝተቓወሙ ወገናት ይእሰሩን ህይወቶም ይኸፍሉን ምህላዎም ውን ክዝንጋዕ የብሉን። እቲ ስርዓት ከምዚ ዓይነት ተወሳኺ ሰብኣዊ ግህሰት ክፍጽም እዚ ናይ መጀመርታኡ ከም ዘይኮነ እንዳተረዳእና ነዚ ንዜጋታትና ኣብ ገዛእ እታ ብቓልሶም ዘውሓስዋ ሃገር ብዘይ ንጹር ሕግን እቲ ዋና ህዝቢ ዘይርደኦ ኣገባብን የካይዶ ንዘሎ ምፍራስ ኣባይቲ ጉባአና ይኹንኖ። ሕቶ መጽለሊ ኣብ ህልውና ዘለዎ ወሳንነትን ክብደት ግህሰቱን ብምርዳእ፡ ሕብረተሰብ ዓለም ንክኹንኖ በዚ ኣጋጣሚ ንጽውዕ።

11. ዝምድናና ምስ ጐረባብቲ ሃገራት

ሰዲህኤ፡ ነቲ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮና “ምስለን ሃገራት፡ ኣብ ሕድሕድ ረብሓታት፡ ምክብባርን ጣልቃ ዘይምትእትታውን፡ ዓለም-ለኻዊ ውዕላት ምኽባርን ዝተሰረተ ዝምድናታት ምፍጣር።” ዝብል ዘስፍሮ ፖሊሲ መሰረት ብምግባር ብሓፈሻ ምስ ኩለን ጐረባብቲ ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ምስ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘለና ጉርብትናን ታሪኻውን ባህላውን ዝምድናን ምስቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ፖሊስና ብዘይጻረር መልክዑ ቀጻሊ ክኸውን እዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ሰልፍና ካብዚ ዝምድናዚ ንዝረኽቦ ምትሕብባር ከም መሐየሊ ቃልሲ ክጥቀመሉ እዩ።

12. ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

ሓይልታት ምኽልኻል ኤርትራ፣ ኣካል ናይ'ቲ ብጨቋኒ ስርዓት ዝሳቐ ዘሎ ሕብረተ-ሰብ ብምዃኑን፡ ከቢድ ጾር ተሰኪሙ ዝኸይድ ዘሎ ስለዝኾነን ኣብ።ቲ ነዚ ጨቋኒ ስርዓት ኣልጊስካ ሰላምን ፍትሕን ብልጽግናን ንምርግጋጽ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ሃገራዊ ግዲኡ ከበርክትን ህዝባዊ ሓላፍነቱ ክስከምን ጉባኤ ምሕጽንትኡ የቕርብ።

ብህዝባዊ ተሳትፎ ዝዕወት ፍትሓዊ ቃልስና ብሓድነትና ይዓኵኽ

ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንሰማእታትና

ውድቀት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ

Last modified on Monday, 03 August 2015 01:41