ሰዲህኤ ኣብ ከተማ ሮተርዳም ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ፣ ምስ ቤት ጽሕፈት ሰክረታርያ ሰልፊ ዕዮ ሆላንድ ተራኺቡ።

2015-05-27 16:47:55 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2506 times

ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ዝመርሖ፥ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያት፡ ኣቶ ወልደሱስ ዓማር፤ ኣባል ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ውደባ፡ ወይዘሮ ኣድያም ተፈራን ኣባል ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያት፡ ኣቶ መሓሪ ተስፋማርያምን ዝርከብዎ ልኡኽ ብ25 ግንቦት 2015 ኣብ ከተማ ሮተርዳም፥ ሆላንድ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዶም።

Rotterdampublicmeeting 2

ኣቶ መሓሪ ተስፋማርያም፡ ናይ እንቛዕ ደሓን መጻኩምን ናይ ምስጋና መልእኽትን ድሕሪ ምትሕልላፍ፥ ንኣባላት ልኡኽ ሰዲህኤ፡ ምስ ኣኼባታት ኣላልዪዎም፡ ቀጺሉ ድማ፡ ዛዕባ ናይ ኣኼባ ብዛዕባ ሃለዋት ህዝብናን ሃገርናን፥ ከምኡ'ውን ብዛዕባ ተሳትፎ ልኡኽና ኣብ ኣኼባ ናይ ገስጋሲ ምሕዝነት ዝምልከት ሓበሬታታት ክውሃብ ምዃኑ ኣሚቱ።

Rotterdampublicmeeting 1

ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ መደርኡ ንህዝቢ ኤርትራን ንኣኼበኛታትን ናይ ዮሃና መልእኽቲ ብምትሕልላፍ ኢዩ ጀሚርዎ። ኣስዒቡ፡ ብዛዕባ ውሽጣዊ ሃለዋት ሃገርናን ህዝብናን፤ ከምኡ'ውን፥ ብዛዕባ ሓባራዊ ዕዮ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ዘለዎ ሚዛናትን ገምጋማትን ገሊጹ።

Rotterdampublicmeeting 3

ኣቶ ወልደሱስ ዓማር፥ ብዛዕባ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ሰልፍን ብድሆታቱን ብዝርዝር ገሊጹ። ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማትን ሰዲህኤ ብዛዕባ ጕዳይ ስደተኛታት ኣመልኪቱ ዝገበሮም ጻዕርታት ኣብሪሁ።

Rotterdampublicmeeting 4

ወይዘሮ ኣድያም ተፈራ ምስግና ድማ፡ ብዛዕባ'ቲ "ጾታዊ ማዕርነትን ፍትሓዊ ስራሕን" ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተኻየደ ዋዕላ ገስጋሲ ምሕዝነት ኣመልኪታ ዝርዝር መግለጺ ኣቕሪባ። መግለጺ ወይዘሮ ኣድያም፡ ብዝሒ ተሳተፍቲ ዋዕላ ገስጋሲ ምሕዝነት፣ ዝተዘርበሎም ዛዕባታት፡ ዝሓለፉ ውሳኔታት፥ ልኡኽ ሰልፍና ኣብ ውሽጢ'ቲ ዋዕላ ዘካየዶም ምንቅስቓሳት ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ።

Rotterdampublicmeeting 5

ኣብ መወዳእታ ካብ ተሳተፍቲ ዝተፈላለዩ ሕቶታትን ርእይቶታትን ቀሪቦም። ኣኼበኛታት ንመልሲ መራሕቲ መደረኽ ምስማዕ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ንጡፋት ተኻፈልቲ፡ ገምገምቲ፥ ተኻታዕትን ርእይቶ ውሃብትን ምንባሮም ድማ፥ ነቲ ኣኼባ ፍሉይ መቐረትን ላዛን ሂብዎ። ኣብ መወዳእታ፡ ኣኼበኛታት ኣብ መጻኢ ተመሳሳሊ ኣኼባታት ብቐጻልነት ክግባር ተላብዮም። ኣኼባ ብዝኽሪ ናይ ሰማእታት ተዛዚሙ።

Rotterdampublicmeeting 6

ብ26 ግንቦት 2015 ዓም ድማ፡ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቶ ወልደሱስ ዓማርን ኣቶ መሓሪ ተስፋማርያምን ዝርከብዎ ልኡኽ፡ ምስ ኣባላት ሰክረታርያ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያት፥ ኣቶ ቲም ፎንክን ኣቶ ሚኪኤል ብረቨትን ተራኺቦም ብዛዕባ ሃለዋት ኤርትራውያን ኣብ ውሽጥን ኣብ ግዳምን ብዛዕባ ሰዲህኤ ዘካይዶም ንጥፈታትን ብሰፊሑ ኣረዲኦም።

Rotterdampublicmeeting 7

ልኡኽ ሰልፊ፥ ሃገራት ኣውሮጳ ነቶም ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርከቡ ስደተኛታት ናይ ትምህርቲ፡ ስልጠና፡ ሕክምናን ኣገልግሎት ከበርክታ፣ ኣብ ግዳም ንዝዋስኡ ዘለዉ ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ክድግፋን ኣብ ሃሃገረን ኣትዮም ንዘለዉ ስደተኛታት ግቡእ ክንክን ክገብራን ተማሕጺኑ። እቶም ንዋሕዚ ስደተኛታት ዝድርኹ መሰረታዊ ጠንቅታት ከይተፈትሑ፡ ንዲክታቶርያውያን ስርዓታት ዝውሃብ ደገፋት መናውሕ ዕምሮም ካብ ምዃን ሓሊፎም ካልእ ፋይዳ ክህልዎም ከምዘይክእሉ ድማ ሰፊሕ መብርሂ ብልኡኽ ሰልፍና ቀሪቡ።

Rotterdampublicmeeting 8

 

Last modified on Wednesday, 27 May 2015 19:18