ጉዕዞ ናብ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ

2015-05-27 10:52:21 Written by  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ Published in EPDP News Read 2559 times

EPDPLOGO 4

ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሃገረ ኤርትራ  ዕድመ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዘቑጸረ'ኳ እንተኾነ፡ ካብ 2012 ጀሚሩ ግን ብትካል ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ክትትል ክገብረሉ ከምዝጸንሐ ዝዝከር ኢዩ። እቲ ብሚስ ሽይላ ኪታሩት ማኣከልነት ዝኸይድ ዝነበረ፡ ካብ ወርሒ ሰነ 2014 ጀሚሩ ብሓንቲ ፍልይቲ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ግህሰት መርማሪት ሽማግለ ተታሒዙ ዘድሊ ናይ ምጽራይ ስራሓታ ኣጠናቒቓ እንሆ ንዕለት 26.06.2015 ኣብ ጀነቫ ጸብጻባታ ንዝምልከቶ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ከተቕርብ ተዳልያ ኣላ።
መርማሪት ሽማግለ ዘጓነፋ ዕንቅፋት ቀንዲ ናብ ኤርትራ ንኸይትኣቱ ምኽልካል እኳ እንተነበረ፡ ነቲ ብመንገዳ ዝኣከበቶ ሰነዳትን ጭብጥታትን ተወሳኺ ደገፍ ንምግባር ካብ ከተማ ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ኣብቲ ካብ መላእ ኤውሮጳ ዝሳተፉዎ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ጀነቫ ብስፍሓት ንኽንሳተፎ ዓቢ ኣገዳስነት ኣለዎ።
ስለዝኾነ ከኣ ኩሉ ደላይ ለውጢ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ነዛ መዓልቲ'ዚኣ ካልእ ብሕታዊ ዋኒኑ ኣወንዚፉ ኣውያት ህዝቡ ንኸስምዕ ንጽውዕ። ናይ መጓዓዝያ ኣውቶቡሳት ተዳልየን ኣለዋ።

ኣድራሻ ናይ ምዝገባ፣

1. ቢስትሮ ኣሸብር (Bistro Ashebr)   
2. ኪዮስክ ተኽለሃይማኖት (ሃብት ባንሆፍ ፍራንክፎርት ደቡባዊ ሸነኽ) (Kiosk Teklehaimanot)

ናይ ሓበሬታ ቁጽሪ ስልኪ

1. 01631595213
2. 015213866039
3. 017695537561

ብዕንወት ሃገርካን ህዝብኻን ዘይተኤዊ
ንድሌትን ፍቓድን ጸላኢኻ ከተርዊ
ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ እንተዀንካ
ንዕለት 26-06-2015 ኣብ ጀነቭ ንርእየካ

    
ሓበራዊ ኣዳላዊት ሽማግለ ፍርንክፈርትን ከባቢኡን

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ስምረት መንእሰያት ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር
ዩናይትድ ፎር ኤሪትረያ (United 4 Eritrea)

Last modified on Wednesday, 27 May 2015 12:59