ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ን4ይ ግዚኡ ኣብ ኣኼባ ገስጋሲ ምሕዝነት ተኻፊሉ

2015-05-25 07:34:57 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2726 times

ኣቦ መንበር ዝመርሖ 4 ኣባላት ዝርከብዎ ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ'ቲ ካብ ዕለት 22-23 ግንቦት 2015 ኣብ ከተማ ሮተርዳም፡ ሆላንድ፡ ዝተጋብአ ዋዕላ ገስጋሲ ምሕዝነት (Progressive Alliance) ተኻፊሉ። ኵሉ'ቲ ክትዓት ኣብ ትሕቲ "ጾታዊ ማዕርነትን ፍትሓዊ ስራሕን" (Gender equality and decent work) ዝብል ጭርሖ ኢዩ ተኻይዱ። ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ "ናይ ጾታ ማዕርነት፡ ብኣፍ ጥራሕ ዘይኰነስ ብግብሪ" ኣብ ትሕቲ ዝብል መርሆ 14 ነጥብታት ዝሓዘለ ናይ ስራሕ መደብ ጸዲቑ።

ኣብ'ዚ፡ ብሰልፊ ዕዮ ሆላንድ፡ ገስጋሲ ምሕዝነትን ክንፊ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ዴሳውያን ሰልፍታት ኣውሮጳን ዝተዳለወ ዋዕላ፡ ካብ መላእ ዓለም ዝመጻ 46 ማሕበረ-ዲሞክራስያውያንን ዴሳውያንን ሰልፍታትን ተኻፊለን። ካብ ኣንጎላ፡ ካመሩን፡ ግብጺ፡ ከንያ፡ ሞሮኮ፡ ቡርኪኖፋሶ ቱኒዝያን ስዋዚላንድን ዝመጻ ኣፍሪቃውያን ሰልፍታት ኣብ'ቲ ዋዕላ ተኻፊለን ነይረን።

                       PARotterdam 1

ሰዲህኤ፡ ኣብ'ዚ ኣብ 22 ግንቦት 2013 ኣብ ከተማ ላይፕዚግ፡ ጀርመን፡ ዝተመስረተ ምሕዝነት ናይ ገስገስቲ ሰልፍታት ንራብዓይ ግዜኡ ኢዩ ዝካፈል ዘሎ። እዚ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ዝመርሖ ልኡኽ፡ ኣቶ ወልደሱስ ዓማር፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያት፣ ወይዘሮ ኣድያም ተፈራ ምስግና፡ ኣባል ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ውደባን ኣቶ መሓሪ ተስፋማርያም፡ ኣባል ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያትን ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ።

PARotterdam 3

እዚ፡ ኣብ ናይ ንግሆ ሰዓታት ናይ ዕለት 22 ግንቦት ዝተኸፍተ ዋዕላ፡ ብኣኼባ ናይ ኣካያዲት ሽማግለ ገስጋሲ ምሕዝነትን ወከልቲ ሰልፍታትን ኢዩ ፈሊሙ። መዘራረቢ ዛዕባ ድማ፡ "ጾታዊ ማዕርነትን ፍትሓዊ ስራሕን" ዝብል ኰይኑ፡ ኵሎም ተኻፈልትን ኣባላት ገስጋሲ ምሕዝነት ዝዀኑ ሰልፍታት፡ ኣብ ሃሃገሮምን ሰልፍታቶምን ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ዝግባእ ናይ ስራሕ መደብ ምትላም ኢዩ ነይሩ። ኣብ'ዚ፡ ብኣባል ማሕበረዲሞክራስያዊ ሰልፊ ጀርመንን ኣውሃሃዲ ስርሓት ገስጋሲ ምሕዝነትን፡ ኣቶ ኮንስታንቲን ቮይኖፍ፡ ዝተመርሕ ኣኼባ፡ ነፍስወከፍ ተኻፋሊ ሰልፊ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ህልዊ ኵነታት ብምግላጽ ኢዩ ጀሚርዎ። ሰዲህኤ'ውን፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘሕዝን ኵነታትን ዋሕዚ ስደተኛታትን ጠንቅታቱን ብዝርዝር ኣብሪሁ።

PARotterdam 2

ብድሕር'ዚ፡ እቲ ምዱብ ኣኼባ ክሳብ ዝዛዘም፡ ብኣሳሳይነት ናይ ወይዘሮ ኪርስተን ማየር፡ ኣህጕራዊት ሰክረታርያ ናይ ሰልፊ ዕዮ ሆላንድ ኢዩ ተመሪሑ። ናይ መኽፈትን እንቋዕ ድሓን መጻእኩምን ዝብል መልእኽትን ድማ፡ ብኣቶ ዲደሪክ ሳምሶም ዝተባህለ ኣባል ሰልፊ ዕዮ ሆላንድ ኢዩ ቀሪቡ። ቀጺሉ፡ ፕረሲደንት ምኽትልን ክንፊ ደቂኣንስትዮ ናይ ዴሳውያን ሰልፍታት ኣውሮጳ፡ ኣባላት መሪሕነታት ሰልፍታት ህንድን ቱኒዝያን ዘቕረብኦ መግለጺታት ተሰሚዑ።

ካልእ ኣብ'ዚ ዕለት'ዚ ዝተኻየደ ንጥፈታት፡ ኣብ ዝተፈላልዩ ቴማታት ዝመያየጡ ዎርክሾፓት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መርኣያ ናይ ኣብ ግብሪ ዝውዕሉ ዘለዉ ምስ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮን ፍትሓዊ ስርሓትን ዝምድና ዘለዎም ፕሮጀክትታት ምብጻሕን ብጃልባ ንወደብ ሮተርዳም ምዕዛብ ዘጠቓለለ ናይ ድራር እንግዶት ኣብ ጃልባን ነበረ።

PARotterdam 4

Touring Rotterdam Port by Boat

ብዕለት 23 ግንቦት ኣኼባ ዝተኻየደ ካልኣይ ውዕሎ ድማ፡ ብኣዝዩ መሳጥን ኣልዓዓልን ዝዀነ መግለጺ ሚኒስተር ወጻኢ ንግድን ልምዓትን ሆላንድ፡ ወይዘሮ ሊልያን ፕሉመን፡ ኢዩ ተጀሚሩ። ስዒቡ፡ ብመራሕቲ ሰልፍታት ኡራጓይን ሞሮኮን መግለጺታት ተዋሂቡ። ቀጺሉ፡ ብመልክዕ ናይ ፋሽን ሾፕ ዝተዳለወ፡ ንስርሓት ደቂ ኣንስትዮ ብግብሪ ዘሐይል መደብ ብዝተፈላለያ ክኢላታት ቀሪቡ። ቅድሚ ናብ ምሳሕ ምኻድ ድማ፡ ክልተ ንደቂ ኣንስትዮን ኣብ ልዕሊአን ዝፍጸም ጭቆናታትን ዝምልከት ዎርክሾባት ተኻይዱ።

ድሕሪ ምሳሕ ከኣ፡ ብከንቲባ ከተማ ሮተርዳም፡ ኣቶ ኣሕመድ ኣቡጣልብ ዝተዋህበ መግለጺ ቀሪቡን ኣብ'ቲ 14 ነጥብታት ዝሓዘለ ንድፊ ናይ ስራሕ መደብ ምይይጥ ተኻይዱን።

ኣብ መደምደምታ፡ እቲ ዋዕላ፡ ሚኒስተር ትምህርቲ፡ ባህልን ስነ-ፍልጠትን ሆላንድ ዝዀነት ወይዘሮ ቡሰማኸር ብዘቕረበቶ ቃልን ተሳተፍቲ ኣኼባ ብመላኦም ብዘንበርዎ ፊርማታትን ተዛዚሙ። (ምሉእ ጸብጻብ ናይ'ቲ ዋዕላ ኣብ ዝስዕብ ቀረባ መዓልታት ከነስዕበልኩም ኢና።)

Last modified on Monday, 25 May 2015 09:52