መስርሕ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጉባአ ሰደህኤ ቀጻሊ ኣሎ

2015-01-20 11:18:15 Written by  ኣሰናዳኢት ሽማግለ ካለኣይ ጉባአ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ Published in EPDP News Read 3067 times

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ካለኣይ ጉባአ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዘውጸኣቶ መደብ መሰረት ኣባላት ሰልፊ ኣብ ንድፊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ቀዳማይ ዙርያ ምይይጥ የካይዱ ከም ዘለዉ እታ ሽማግለ ገሊጻ። እቲ ዜና ከም ዝገለጸ ኣባላት እዚ ሰልፊ ጀሚረምዎ ዘለዉ ምይይጥ ነቲ እቲ ሰልፊ ክሳብ ሕጂ ክምረሓሉ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ከም ንድፊ ብምውሳድ ክኸውን እንከሎ፡ ካብዚ ምይይጥ’ዚ ዝእከብ ሓድሽ ሓሳብ ተወሲኹ ካልእ ንድፊ ክዳለው እዩ። እዚ ቀዳማይ ዙርያ ምይይጥ ምስ ተወደአ ድማ ኣብቲ ዝዳለው ንድፊ ካልኣይ ዙርያ ምይይጥ ከም ዝካየድን ኣብ መወዳእታ ናይቲ ካለኣይ ዙርያ ምይይጥ ሓሳባት ተወሲኽዎ በታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ምስ ተራእየ ናይ መወዳእታ ንድፊ ኮይኑ ናብቲ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሃት ክረምቲ ዝካየድ ጉባአ ቀሪቡ ከም ዝጸድቕ ክፍለትጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብዚ መስርሕ ኣባላት እቲ ሰልፊ ዝምርሕሉ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ናይ ምሕንጻጽ ደሞክራሲያዊ መሰሎም ተጠቒሞም ብዘይካቲ ብስሩዕ ዘካይድዎ ምይይጣት ብውልቂ እውን ጠቓሚ ዝብልዎ ሓሳብ ናብታ ምድላው ሰነዳት ዝምልከታ ንኡስ ሽማግለ ዘቕርብሉ ዕድል ዝኸፍት እዩ። እታ ኣሰናዳኢት መስርሕ ምስንዳእ ጉባአ ናይ ግዜ ቆጸራ ወጺእካ ዝካየድ ስለ ዝኾነ ኣባላት ሰልፊ ከይሰልከዩ ዝለዓለ ጻዕሪ ንከካይዱ መጸዋዕታኣ ኣቕሪባ’ላ።

ብዘይካ’ዚ እዛ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣብ መዳያት ሎጂስቲክን ፋይናንስን ኣብ ኣሰታትፋ ኣባላት ናብ ጉባአን እውን ብጻዕቂ ትሰርሕን ተኸታተልቲ ኣኼባታት የካይድን ምህላዉ ናይታ ሽማግለ መራሕን ሓላፊ ቤ/ጽ ውደባዊ ጉዳያትን ሓው ተስፋሚካኤል ዮሃንስ ሓቢሩ ኣሎ።

18 ጥሪ 2015

Last modified on Tuesday, 20 January 2015 12:26