ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ንኡስ ዞባ ሃገረ ጀርመን ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣፈናዊ ኣኼባኡ ብዓወት ዛዚሙ

2015-01-21 05:17:32 Written by  EPDP Information Office -Germany Sub-Region Published in EPDP News Read 3367 times

ኣብቲ  ልሙድ ኣኼባ ዘካይደሉ ኣዳራሽ ቦኮንሃይም ኪርሽ ፕላትስ ካብ ሰዓት 14.00 ክሳዕ 17.30 ንሰለስተን ፈረቓን ሰዓታት ዝወድኤ ኣኼባ ብዓወት ከም ዝዛዘመ ዝመጸና ሓበሬታ እነሆ።

ብመጀመርታ ሓው ሓጂ ሳልሕ ስዒድ ኣቦ መንበር ጨንፈር እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም፡ ብምስናይ እንቋዕ እውን ድማ ካብ 2014 ዓ.ም. ናብ ሓዲሽ ዓመት 2015 ዓ.ም. ኣሳገረኩም ከምኡውን እንቋዕ ርሑስ በዓል ልደት ገበረልኩም ብምባል ነቲ ኣኼባ ከፊትዎ።                                                                                                                           

ኣስዒቡ ኣቦ መንበር ጨንፈር ንንጥፈታት ሰልፊ ብኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓው መንግስትእብ ኣስመሮም ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ዝገበሮ ዑድትን ንምክትል ኣቦ መንበርን ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ሓው ወልደሱስ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ 16 ሃገራት ዝተኻፈሎ ኣኼባ ብምጥቃስ፡ ቀጺሉ ነቲ ኣብ ሃገረ ፈረንሳ ዝወረደ ኣሕዛኒ ተረኽቦ ድሕሪ ምግላጽ ፡ ኣብ ናይ 2014 ዓ.ም. ጨንፈር ፍራንክፈርት ዘካየዶ ምምሕዳራዊ ዝርዝር ናይ  መደምደምታ ሓፈሻዊ  ጸብጻብ ብስፍሕ ዝበለ መንገዲ ገሊጹ።

Germany subregional meeting2ሓው ሓጂ ሳልሕ ስዒድ እዚ ዓመት እዚ ካብቲ ዝሓለፈ  2014 ዓ.ም. ዝበለጸ  እንሰድርሓሉ ዓመት ክኸውን ኵላትና ብሓባርን ብልዝብን፤ ስምምዕን ብጸዓትን ክንሰርሕ ኣሎና ክብል ንኣኼበኛ ኣተሓሳሲቡ።   ኣስዒባ ሓፍቲ ፈቨን ጊደዎን ዋና ጸሓፊት ጨንፈር ብጉዳይ ድንገተኛ ንኡስ መንእሰይ ኤርትራዊ  ካልድ እድሪስ  ኣብ ድርስድነር  ሃገረ ጀርመን  ዝተገብረ  ድንገታዊ መቕዘፍቲ  ሎሚ ንዓኡ ጽባሕ ድማ ንዓና ክበጽሕ ከም ዝኾነ ካብዛ ዕለት እዚኣ ክንሓስበሉን ነፍስና ክንቁጠበሉን ስለ ዘሎና ኵላትና ብሓባር ኣበቱታና ንዝምልከቶ ከነብጽሕ ኣሎና። ኣቦ መንበር  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ በዚ ድንገት እዚ ኣመልኪቱ  ንወጽኢ ገዳይ ሚኒስተር ጀርመን ብጉዳይ ሞቱ ኣልዒሉ መመራንዱም ከም ዝጸሓፈ ድማ ኣብሪሃ።

Germany subregional meeting3

ብድሕሪዚ ሓው ኣፈወርቂ ኣባይ ኣባል ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ሽማግለ ንዕስራን ሓሙሽተን ደቓይቕ ዝወሰደ ኣስተምህሮ ብዛዕባ ክልተ ዓበይቲ ኣርእስትታት ኣልዒሉ ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ። ንሳተን ድማ ቀዳመይቲ ስለምንታይ ኤርትራ ሃገርናን ህዝብናን ኣብዚ ኵነታት እዚ ወዲቑ፤ ካልኤይቲ ግደ መንእሰያት ኣብ መስርሕ ለውጥን ምሕዳስን እንታይ ግደ ክቃለስ ይግብኦ? ነዚ ዓበይቲ ኣርእስትታት ኣዚ ሓደ ብሓደ ብምትንታን  ብዛዕባ ባህርያት ጉጅለ ስርዓት ኣስመራ ንዘለዎ ብደዔህዝቡን ብዛዕባ ባዕሉ ንዝፈጠሮ ሽግር ናብ ጐረባብቲ ሃገራትን ሕቡራት ዓለምን ምስልባጡን፡ ድሕሪ ምግላጽ  ንመንእስያት ካብ ቀዳሞት ኣቦታቶም ተሞክሮ ብምቕሳምን ምትብባዕን ብግቡእ  ተወዲቦምን ተማሂሮምን ተጠርኒፎምን ለውጢ ከምጽኡ ከም ዝኽእሉ ጥርጥር ከምዘይብሉ ብብምርግጋጽ ኣጥቢቑ ኣስሚርሉ።                                                        

ብድሕሪዚ መንእሰይ ሓው ክብሮም ዓንዶም ተሓዝ ገንዘብ ጨንፈር ብምቕጻል  ንሕና ካብ ሽግርን መከራን ወጺእና ኣሸሓት ብጾትና ድማ ኣብ ጉዕዞ ብዝተፈላለየ ድንገት ጠፊኦም ተሪፎም፡ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንዝክር ይግባእ፡ ሕጂውን ኣብ ስደትና ስዒቡ መጺኡና ዘሎ ቅትለት ጠንቂ ናይቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ምዃኑ ብምርዳእ ቀጥ ኢልና ክንቃልውስ  የድሊ ክብል ቅሬታኡ ገለጹ።

ብድሕሪ  ኣኼበኛ ነቲ ናይዞም ብጾት ዝሃብዎ መግለጺ ብምግንዛብ  ተወሳኺ ሓሳብን ሕቶን ርእይቶን ለበዋን ብምሃብ ብዝኽሪ ስዉኣት ኣኼባኡ ብዓወት ዛዚሙ።

Last modified on Wednesday, 21 January 2015 06:32