EPDP Editorial

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብዚ ዓለምና ብረቂቕ ጥበብን ምዕባለን ኣዝያዳ ዝተቐራረበትሉ እዋን ዝምድናታት ምፍጣር ግደታ እዩ። ምዝማድ ክሳብ ክንድዚ ኣገዳሲ ካብ ኮነ ካብኡ ብዘይፍለ፡  ምስመን፡ ብዛዕባ ምንታይን ኣበይ ንምብጻሕን ትዛመድ ኣብ እትውስነሉ ጥንቁቕ ምዃን ኣገዳሲ እዩ። ናይ ኩሉ ዝምድና መንቀሊ ረብሓ ስለ ዝኸውን ናይ ቀረባ ይኹን ርሑቕ መዛምድቲ ክትመርጽ እንከለኻ፡ በዚ መልክዕ ምርኣዩ ኣድላይ እዩ። እቲ ዝምድና ህያውን ቀጻልን ንክኸውን ከኣ ካብ “በይነይ ክረብሕ” ወጺእካ ኩልኻ እትርበሓሉ ማእዝን ምኽታል ኣገዳስነት ኣለዎ። እቲ ዝምድና ኣድማዕን ነዊሕ ዝጠመተን ንክኸውን ፍትሓውን ትካላውን ክኸውን ወሳኒ እዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሰዲህኤ ኣብ ዝጸደቐ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ  ምስ ኩለን ሃገራት፡ ኣብ ሕድሕድ ረብሓታት፡ ምክብባርን ጣልቃ ዘይምትእትታውን፡ ዓለም-ለኻዊ ውዕላት ምኽባርን ዝተሰረተ ዝምድናታት ምፍጣር …….ምስ ዝዀነት ሃገር ዝግበር ንግዳዊ ውዕላትን ኩሉ መዳያዊ ዝምድናታትን ፍትሓውን ሃናጽን ክኸውን ምቅላስ።” ብዝብል ሰፊሩ ኣሎ።

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ዝምድናታቱ ዝኽተሎም ፖሊሲታት፡ ብቅዋም ዘይምርሑን ኣብ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ዘይተስረቱ ስለዝኾኑ ኩሎም ግጉያት እዮም። በዚ ድማ፡ መዳይ ፖሊሲ ዝምድናኡ ኣሉታ ምምሕዳሩ  ጐሊሑ ዝረአየሉ እዩ። ፖሊሲ ዝምድናኡ ሕገመንግስታዊ መሰረትን ግሉጽነትን ዘየብሉ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ኣብ “ኣነ ጥራይ እየ ዝጥቀም” ዘኹድድ ብትካል ዘይኮነ ብድሌት ውልቀ መላኺ ዝዝወር እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባዚ ኢደወነናዊ ዝምድናታት  ናይዚ ጉጅለ ኣፍልጦ ኮነ ተጠቃምነት የብሉን። ህዝቢ ኤርትራ ብሰንክዚ ዘይትካላዊ ኣካይዳ ናይዚ ጉጅለ ፖሊሲ ዝምድና ብተደጋጋሚ ዝተጐድኣሉን ዝተነጸለሉን ተመኩሮ እዩ ዘለዎ። ጉጅለ ህግደፍ ቅድሚ ሕጂ ምስ ኩለን ጐረባብቲ ሃገራት ናብ ውግእ ክኣትወሉ ካብ ዝጸንሐ ምኽንያታት እቲ ቀንዲ ኣብ “ኣነ በይነይ እየ ክጥቀም” ዝተመርኮሰ ናይ “ደው በለለይ ክብለጸልካ” ፖሊሲኡ እዩ።

እዚ ጉጅለ ሎሚ እውን መሊሱ ደኣ ገዲድዎ እምበር፡ ካብዚ ግጉይ መንገዱ ኣይወጸን። ብፍላይ  ካብቲ ብ2018 ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝጀመሮ ብዙሕ ዘዛረበ ጉልቡብ ዝምድና ንድሕሪት፡ እቲ ብዘይትካላውነትን ኢድ ኣእታውነትን ዝልለ ፖሊሲ ዝምድናኡ መሊሱ እዩ ሳዕሪሩ። እቲ “ንጉዳይ ኢትዮጵያ ስቕ ኢልና እንርእዮ ዘይኮነ፡ ኢድና እነእትወሉ እዩ”  ዝበሎ፡ ምስቲ “ ወያነ ካብ ጸወታ ወጻኢ ኮይና”  መዝሙሩ ተደሚሩ፡ ናይቲ ብዙሕ ኣሉታዊ ሳዕቤን ከኸትል ዝጸንሐ ፖሊሱኡ መቐጸልታ እዩ ነይሩ። መላእ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን እዚ ምስ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ እሞ፡ ”መርሃ-ኣልባ/ ስርዓተ-ኣልቦ“  ዝተባህለ ዝምድና ኣብቲ ጉጅለ ተደሪቱ ዘይተርፍ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ዝበጽሕ ኣሉታዊ  ሳዕቤን ከም ዘኸትል ክእምቱ ጸኒሖም እዮም።

ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ወዮ ናብ ሕማቕ ከም ዝምዕብል ክግመትን ክፍራሕን ዝጸንሐ “ጣልቃነት” ዝሕመረቱ ዝምድና ህግደፍን ብልጽግናን ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ እነሆ። ሰዲህኤ ነዚ ኣብ ግምት ኣእትዩ፡ ብደረጃ ማእከላይ ባይቶኡ፡ ኩነታት መዚኑን ንኹሉ ኤርትራዊ ዘሻቕል ምዃኑ ተገንዚቡን “ናይ ዶር. ኣቢዪ ኣሕመድን ኢሳያስ ኣፈወርቅን ናይ ሽርክነት ውግእ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንዅንን። ኣብ  ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ናይ ዘሎ ውግእ መበገሲኡ ቅዋማውን ፖለቲካውን ምስሕሓብ ስለ ዝኾነ፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክግበረሉ ንጽውዕ።” ኢሉ ነይሩ። እዚ ሚዛንን ጻውዒትን ሰዲህኤ ሎሚ ብብዙሓት ወገናት ዝድፈኣሉ ዘሎ እዩ።

ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣብ ሓቅነት ኢድ ኣእታውነት ጉጅለ ህግደፍ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ  ኣዛራቢ ነይሩ። ሎሚ ግና ህግደፍ ኣብቲ ጉዳይቲ ኣትዩ ኣብ ዘይኤርትራዊ ኣጀንዳ ይሕንብስን ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ ኮይንዎ የውጠጥን ከም ዘሎ ተረጋጊጹ እዩ። ምእታው ጥራይ ዘይኮነ ወተሃደራቱ ኣብ ስርቅን ራስያን ከም ዝተዋፈሩ እውን ንዙሓት ዘዛርብ ዘሎ ምጽራይ ዘድልዮ ተረኽቦ እዩ። ወጻኢ ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ኣብ ኢትዮጵያ ተመዲቦም ዝሰርሑ ነባራት ኣንበሳድራቱን ካብቶም ወተሃደራዊ ህልውና ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣረጋጊጾም ናይ “ብህጹጽ ውጹ” ስምዕታ ዘቕርቡ ዘለዉ እዮም። ብዓብይኡ ከኣ እቲ ደቁ ኣብቲ ውግእ ዝተጠብስዎ ህዝቢ ኤርትራ ኣዳዕዲዑ ይፈልጦ እዩ። ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት እውን ናይ ኤርትራ ኣብ  ውግእ ትግራይ ምእታው ንልኡላውነት ኢትዮጵያ ዝፈታተን ብምዃኑ ኩነኔኦም የሰምዑ ኣለዉ።

ኣቶ ልደቱ ኣያለውን ኢንጅነር ይልቃል ጌትነትን ዝተባህሉ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ሰሚሩ ን6ይ ምርጫ ኢትዮጵያ ዝዳሎ ዘሎ “ኣብሮነት” ናይ ዝበሃል ውድብ ኣባላት መሪሕነት ኣብዚ ቅንያት ዝበልዎ ከም ኣብነት ምውሳድ ይከኣል። “ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ቁጽሪ ሓደ ጸላኢ ኢትዮጵያ እዮም። ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድ ምእታው ዝጀመሩ ካብቲ “ወያነ ካብ ጸወታ ወጻኢ ኮይና” ዝበልሉ እዋን ጀሚሮም እዮም። ሎሚ ብግብሪ ኣብ ትግራይ ይረአ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዝገብርዎ ዘለዉ ኢድ ኣእታውነት ዘይኮነ ወራር እዩ። ዜጋታትና ይቐትሉን ንብረቱ ይወርሱን ኣለዉ። ሕጂ ኣብ ኢድ ኣእታውነት ኣቶ ኢሳያስ ዝምልከት ኢትዮጵያውያን ዝጽበየና ክልተ ነገራት እዩ። ወይ ኣትሪርካ ንተግባራት ኣቶ ኢሳያስ ምኹናን ወይ ድማ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ኣይኮነትን ምባል።…… ኣነኳ ኣቶ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውርድዎ ዘለዉ ግፍዒ ኣስመራ ከይደ ስለ ዝተዓዘብኩዎ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍጽምዎ ዘለዉ በደል እምብዛ ኣይተሓደሰንን። (ኣቶ ልደቱ ኣያሌው። “ኣቶ ኢሳያስ ዝመርሕዋ ሃገር ንኢሳቶም ዝጭነቑ እዩ ዝመስለኒ። ግና ድማ ነታ ንእሽቶ ሃገር እውን ብግቡእ ኣይመርሕዋን። ንሶም ናይ ፖለቲካ ፈላጥ እየ ይበሉ እምበር፡ ታራ መታለሊ እዮም። …….. እዚ ተግባሮም በቲ ሓደ ወገን ናይ ኢትዮጵያ መራሕቲ ዕሸልነትን ተዓሻውነትን ዘርኢ እዩ።”  (ኢ/ር ይልቃል ጌትነት)።

እዚ ዘይሓላፍነታዊ ኣካይዳ ጉጅለ ህግደፍ ሳዕቤኑ ናብቲ ዘይወዓለሉ ህዝቢ ኤርትራ ቀሊል ከም ዘይኮነ ኩላትና ንግንዘቦ ኢና። እቲ ክሳብ ሕጂ ከይድዎ ዘሎ ክንመእልሶ ኣይንኽእልን ኢና። ከምዚ ከይገድድ ናይ ምግባሩ ግና ኣብ መጻኢ ብእነካይዶ ቃልሲ ስለዝውሰን ብተወፋይነት ንመክቶ። ብሓፈሻ ሕብረተሰብ ዓለም ብፍላይ ከኣ ህዝቢ ትግራይ፡ ብጉጅለ ህግድፍ ዝፍጸም ዘሎ ገበናት ንዓኡ ዝምልከት ዕዳ’ምበር፡  ህዝቢ ኤርትራ ዝሕተተሉ ከምዘይኮነ ንክርዳእ ጻዕርና ቀጻሊ ክኸውን ይግበኦ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ሽግራቱ ባዕሉ ክፈትሕ ክግደፍ ስለዘለዎ፡ ናይ ኤርትራ ጣልቃ ምእታው ከብቅዕን ሰራዊት ኤርትራ ከኣ ካብ ትግራይ ክወጽእን ምስቶም ነዚ ዝጽዉዑ ዘለዉ ወገናት ድምጽና ንሓውስ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ናብቲ ህዝቢ ኤርትራ ዘካየዶን ዘካይዶ ዘሎን ቃልሲ ኮነ ናብ ካልእ ውሳነ ዘድልዮ ዋኒን ክትነቅል እንከለኻ እቲ ቀንዲ መበገሲ ምኽንያት እቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ሓቂ እዩ። ግን ድማ ከምቲ “መለበምን ኣይግበርካ፡ መለበምንከ ኣይኽላእካ” ዝበሃል፡ ነቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ዓቕምን ምኽንያትን ዘህብትም ሓጋዚ ተመኩሮ ምድህሳስ እውን የድልየካ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ናጽነቱ ናብ ቃልሲ ክወፍር ክውስን ዘገደዶ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝወርድ ዝነበረ ግዳማዊ መግዛእታዊ ወጽዓ እዩ። ቃልሱ ከሕይል ከኣ ኣብቲ ግዜቲ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ርሑቕን ቀረባን  ሃገራዊ ሓርነታዊ ምንቅስቓሳት ከም መወከሲ ሓጊዝዎ እዩ።

ናይዚ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ቀንዲ ምኽንያትን መንቀሊኡን እቲ ብጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዝወርድ ዘሎ ወጽዓን ጥልመትን እዩ። ኣብዚ ሕገመንግስታዊት፡ ብዙሕነታዊትን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ኣብ ድልዱል ባይታ ንምምስራታ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ መንቀሊ ምኽንያቱን መዕወቲ ዓቕሙን ናትና እዩ። በዚ ነካይዶ ዘለና ናይ ቃልሲ መስርሕ ሓሊፎም ናይ ዝተዓወቱ ወገናት ተመኩሮ ምቕሳም እውን ኣገዳሲ እዩ። ናይዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ቀንዲ ናይ ዓወት ሞተር ከኣ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ናብቲ ዝጽበዮ ዘሎ ዘይተርፍ ዓወት ንክበጽሕ ናትና ብዝመስል  ናይ ካለኦት ህዝብታት ተመኩሮታት ክተባባዕ፡ ድፍረት ከሕድርን ኣብ ልዕሊ ወጻዕቱ ዘይምሕር ኢዱ ክስንዝርን ኣገዳስነቱ ዕዙዝ እዩ። ካላኦት ህዝብታት ዝኸድዎ መንግዲ ዓወት ምድህሳስ ከኣ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ መስርሕ ቃልሲ ህዝባዊ ሓያልነትን ወሳንነትን መተካእታ የብሉን። በዚ ህዝባዊ ሓያልነት ዝተመዝገቡ ዓወታት ከኣ ኣብ ብዙሕ ኩርነዓት ንረክብ። ካብቶም ብብዙሕ መልክዓቶምን ቅርበቶምን ምስ ኤርትራዊ ኩነታትና ዝመሳሰሉኳ፡ ናይ ህዝብታት፡ ቱኒዝያ፡ ግብጽን ሱዳንን ከም ናይ ቀረባ ግዜ ተመኩሮ ምውሳድ ይከኣል።

ካብዞም ዝጠቐስናዮም ህዝባዊ ሓያልነት ለውጢ ጐሊሑ ዝተራእየሎም ተመኩሮታት ህዝቢ ኤርትራ ክመሃር ይግባእ።  ብሓፈሻ መንእሰይ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ መንጐ ህዝብን  ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህግደፍን ወጽዓ ሳዕሪሩ ናብ ለውጢ ዝእምት ወጥሪ ክፍጠር እንከሎ፡ ኣብ ጐኒ ህዝብኻ ምስላፍ ክሳብ ክንደይ ክብርን መጐስን ዘጐናጽፍ ታሪኻዊ ሓላፍነት ምዃኑ ክምኮር ይግበኦ። ፖለቲካዊ ሰልፍታትናን ውድባትናን፡ ከምኡ እውን ህዝባዊ ምልዕዓላትን ማሕበራትን ነቲ ዝፍጠር ለውጢ ብህዱእ ኣገባብ ብኸመይ ናብ ረብሓ ህዝቢ ምውዓል ከም ዝከኣል ዝመሃረኦ ኣለወን። ኣብ ወጻኢ ዝነብር ኤርትራዊ ቅድም ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ወጽዓ፡ ደሓር ከኣ ነቲ ብናይ ሓባር ቃልሲ ዝመጽእ ዓወት ድሕሪት ከምዘይምለስ ኣብ ምግባሩ ግደኡ ክፈልጥን ከበርክትን ካብ ተመኩሮ ናይዘን ዝጠቐስናየን ሃገራት ክመሃር ይግበኦ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክከታተሉ ዝጸንሑ መንእሰያት ሶማል መቃድሾ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ከም ዝተሳተፉን ከቢድ ማህሰይቲ ከም ዘጋጠሞምን ብዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ክዝረበሉን ክጸሓፈሉን ቀንዩ። ካብ ባህሪ ህግዲፍ እንተነቒልና ኣይግበሮንኳ ዘይበሃል እንተኾነ፡ ክጻረ ዝግበኦ ምዃኑ ግና ውሁብ እዩ። እቲ ቀንዲ ቁምነገር፡ ነዚ ዘሰንብድ ወረ ብሶማላውያን ዝወሃቦ ዘሎ ግብረ-መልሲ እዩ። ዝተፈላለዩ ሕብረተ-ሰብ ሶማል መንግስቶም ብዛዕባዚ ጉዳይ መብርሂ ንክህብ ብጐረርኡ ሓኒቖም ሒዘምዎ ኣለዉ። ብዓብይኡ ከኣ ኣዴታት ሶማል ኣብ መቃድሾን ካለኦት ከተማታት እታ ሃገርን “ደቅና ሰልጢኖም ሃገሮም ክሕልዉ እምበር ምስ ወተሃደራት ኤርትራ ኮይኖም ኣብዘይጉዳዮም ኣብ ውግእ ትግራይ ኣትዮም ንክሃልቁ ኣይኮናን መሪቕና ኣፋኒናዮም” ብዝብል ብዘይስግኣት ይሓታ ኣለዋ። ከምዚ ምግባረን ህይወት ናይቶም ኣብ ትግራይ ሃሊቖም ዝበሃሉ ዘለዉ ደቀንኳ እንተዘይመለሰ ብውሕዱ እቲ መንግስቲ ንብድሪሕጂ ከምዚ ዓይነት ህዝቢ ዘስተናዕቕ ውዲታዊ ስጉምቲ ከይወስድ ዘጠንቅቕን ዝተረፉ ደቀን ናብ ዓዶም ክምለሱ ጸቕጢ ዝፈጥርን   እዩ።

ኤርትራውያን መንእሰያት ቅድሚ ሕጂ፡ ብዘይካ ንናይ ኢሳያስ ዝናን ሕነ ናይ ምፍዳይ ህርፋን ምርዋይን ንኤርትራን ህዝባን ኣብ ዘይምልከቶምን ዘየርበሖምን ናይ ግዳም ውግኣት ክጥበሱ ጸኒሖም እዮም። ሎሚ ድማ እነሆ ኣሉ ብዘይበሃለሉ ሓቂ፡ ኣብ ጐኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተሰሊፎም ኣብ ትግራይ ይካየድ ኣብ ዘሎ ውግእ  ኣትዮም ይዋግኡን የዋግኡን ኣለዉ። ኣብዚ ሃገርናን ህዝብናን ዘይርብሕሉ ጥራይ ዘይኮነ ዘይወጽእ ጽልእን ቅርሕንትን ዘስዕብ ውግእ ይሳተፍ ምህላዉ  ብኹሉ መለክዕታት ገበን’ዩ ኢልካ ዝሕለፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንመጻኢ ወለዶ’ውን ዕዳ  ሃገር ይውስኽ ምህላዉ ክፍለጥ ይግባእ።

ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብዚ ውግእዚ ብምስታፉን ብዝስዕቦ ጉድኣትን ብዙሓት ኣደታት ክሓዝናን ብዙሓት ቆልዑት ክዝኽትሙን ምዃኖም ርዱእ እዩ። ድሮኳ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ኣስማት እንዳጸራሕካ፡ ክንድዚ ተሰዊኦም፡ ተወጊኦምን ተማሪኾምን  ዝብል ወረ ኣብ ኤርትራዊ መድረኻት ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። ስለዚ እተን ቅድም ደቀን ኣብ ሃገሮም  ህዝባዊ ሕድሮም ንምዕዋት ስለ ዝተሰውኡ፡ ሞቶም ሰሚዐን ክነሰን መሪር ሓዘነን ውሒጠን ጸጉሪ ርእሰን ደርሚመን ገጥ ዝበላ  ኤርትራውያን ኣደታት፡ ሕጂ ኣብ ትግራይ ኣብ ዘይጉዳዮም ኣትዮም ደቀን ክመቱ እንከለዉ ከምዘየጽቅጣ ርዱእ እዩ።  ኣብ ርእስቲ ከም ወለዲ ዝስመዐን ሓዘን፡ ቁጠዐ ኣደታት ሶማልያ እውን ተወሲኽዎ፡ ”ስለምንታይ ደቅና  ኣብዘይጉዳዮም ኣትዮም ንሳቶም ይሃልቁ፡ ስድራኦም ንሓዝንን ደቆም ይዝኽትሙን?” ዝብል ድምጸን ከስምዓ እዋኑ እዩ። እዚ ነዴታት ጥራይ ዝተርፍ ዘይኮነ፡ ሰራዊት ኤርትራ እውን መድሕን ህዝቡ ምዃኑ ተገንዚቡ “እምቢ ንውግእ ኣብ ዘይጉዳይካን ኢድ ኣእታውነትን” ክብል፣ መላእ ህዝቢ እውን ስግኣትን ዘይሓላፍነታዊ ዕጽዋን ጉጅለ ህግደፍን ሰይሩ፡ ንድሕነቱን ድሕነት ደቁን ክለዓል ይግበኦ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ደንበ ታቓውሞ ኤርትራ ኣብ ዞባና ብዝፍጠር ምዕባለታት ክጽለው ከም ዝጸንሐ ንኹላትና ብሩህ እዩ። ብመንጽርዚ ክሳብ ክንድቲ’ኳ እንተዘይኮነ ኣብ ቱንዚያ፡ ግብጺ፡ የመን፡ ሱዳን ደሓር ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተጋህዱ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ኣይተጸለናን ማለት ኣይኮነን። ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ናይ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ደረጃ ዝጸንሐ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ናብ ትካላውን ግሉጽን ዘይኮነ ዝምድና መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ጥራይ ኮይኑ ምስ ተረፈ ብቀረባ ተጸሊና ኢና።

ካብዚ ዘይመትከላዊ ዝምድና ዝተፈላለዩ ወገናት ነናቶም ትጽቢት ነይርዎም። ንሕና ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ እውን ከምኡ። ኣብዚ ትጽቢታት  “ኩነታት ኤርትራ ድዩ ንኩነታት ኢትዮጵያ ክጸልዎ፡ ወይስ ብኣንጻሩ እዩ ክኸውን?” ዝብል ናይ ብዙሓት ሕቶ ነይሩ። ኣብቲ እዋንቲ ኩነታት ኤርትራ ከምቲ ክሳብ ሕጂ’ውን ዘለዎ፡ ወጽዓን ጭቆናን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሱር ዝሰደደሉ፡ ኩነታት ኢትዮጵያ ከኣ ለውጢ ዘድበንብነሉ መድረኽ ብምንባሩ፡ ኣብ ኤርትራ ጽልዋ ከሕድር እሞ ህዝብና ዝርበሓሉ ለውጢ ትንፋስ ክሰኩዕ ናይ መብዛሕትና ግምት ነይሩ። ንዝተወሰነ ግዜ እውን ምስቲ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ቀጥዒ ብዘይነበሮ ተኸፊቱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብን ናብን ኢትዮጵያ ክውሕዝ እንከሎ፡ ዝተፈላለዩ ቀረባት ከኣ ካብ ኢትዮጵያ  ናብ ኤርትራ ምስ ወሓዘ ወዮ ግምትና ሓቂ ዝኾነ ይመስል ነይሩ።

እንተኾነ እዚ ክጅመር እንከሎ እውን ብፍላይ ብወገን ኤርትራ ካብ ምስ ሓደ ወገን ተፋቒርካ ነቲ ሓደ ምግላልን ሕነ ምፍዳይን ሓሊፉ፡ ግቡእ መልክዕ ዝሓዘን ኣብጽኑዕ ባይታ ዝተሰረተን ኣይነበረን። ነታ ብቐረባ ምስ ኤርትራ ኣብ ብዙሕ መዳያት ኣዝያ እትጸላሎ ክልል ትግራይ ዝጓነየ ዝምድና፡ ንጸቢብ ረብሓኡ ከምዘይውዕል ዝተረደአን ካብቲ ምጽልላው ዝሰገአን ጉጅለ ህግዲፍ   ዘይብሩህ ምስምስ ፈጢሩ ተቐላጢፉ ነቲ ተኸፊቱ ዝነበረ ኣፍደገታት ዓጽይዎ። ቀንዲ ዕላማ ናይቲ መሊስካ ምዕጻው ከኣ እቲ ናይቲ ምጽልላው ኣቕጣጫ ቀይርካ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበረን ጌና ዘሎን ጸረ ህዝቢ ምምሕዳር ኣብ ኢትዮጵያ እውን ጸላዊ ዝኾነሉ ኩነታት ንምፍጣር እዩ ነይሩ።

እዚ ምህዞ ጉጅለ ህግዲፍ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ እሞ ብዙሓት እምነት ኣንቢረምሉ ዝነበሩ ለውጢ  ከምቲ ዝድለ ምስ  ዘይምጉዓዙ  ተደሚሩ እቲ ኢሳያስ ዝደረሶ ድራማታት ጉጅለ ህግደፍ ከም ድሌቱ ዝስዕሰዓሉ ጓይላ ኮይኑ። ናይ ኤርትራ ልኡላውነት ኣብ ስግኣት ምውዳቕን ለውጢ ኣብ ኢትዮጵያ ምኹላፍን ከኣ ናይዚ ምልክታት እዮም። ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ ኣቕጣጭኡ ክቕይር እንከሎ ብዓብይኡ ሃስያኡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዘገድስ ኮይኑ፡ ብመንጽርቲ ንኢሳያስ ኣብ ዝሰፍሐ ሜዳ ንከኹድድ ዕድል ዝህብ ምዃኑ ከኣ ኣብ ኤርትራ’ውን መሊሱ ለውጢ ረጊጡ ዝዓጹ ብምዃኑ  ዘስዓቦ ኣሉታ እዚ ንርእዮ ዘለና እዩ።

እዚ ካብ ኮነ እምበኣር፡ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን ቃልሲ ሎሚ እውን ከም ዝቕጽል  ርዱእ እዩ። እቲ ቃልሲ ነዚ ዝተናኸፍናዮ ምዕባለታት ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ከኣ ናይ ግድን እዩ። ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ኩነታት ናይ ኢሳያኣስ ንከባብና  ብመዕቀኒኡ ናይ ምውዳብ ህርፋን ተወሲኽዎ፡ ኣብ ቀጻሊ ውግእ ምእታው ጀሚሩ ኣሎ። ብዙሓት ብኣልማማ ይእሰሩ ኣለዉ። ዓሌታዊ ጐንጽታት መመሊሱ ይገድድ ኣሎ። ንምርጫ ወሲኽካ ብዙሓት ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ይጠሓሱ ኣለዉ። ሕገመንግስቲ ይጨራረም ኣሎ።  ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ  ደማዊ ውግእ ዘስዓቦ ሞት፡ ምምዝባል፡ ስደትን ጥሜትን ነዚ ዘርኢ እዩ። እዚ ሎሚ ኣይኮነንዶ ንዓና ከም ናይ ቀረባ ጐረቤትን ሳዕቤኑ ዝጸልወናን ንዓለም እውን ዝተነጸረ ርኡይ ሓቂ እዩ። ነዚ ክዉን ሓቂ  ካብ ቅድም እውን ኣይኮነንዶ ንሕና ጉጅለ ህግዲፍ ዕድል እንተረኺቡ ከምዘየናሕሲ እንግምት፡ እቶም ክሳብ ሕጂ ነቲ ጉጅለ “ኣለናልካ” ክብልዎ ዝጸንሑ ወገናትና እውን ከምቲ “ኣደስ ትሓብእ እሞ ሓበላ ዓይኒ ነይትሓብእ” ዝበሃል ዘመኻንይሉ ኣይኮነን።

ናይ ለውጢ ቃልስና ነዚ ኣብ ከባብና ዝርአ ዘሎ ምዕባለታት ኣብ ግምት ብዘእተወ ክንሕዞ ኣለና ክንብል እንከለና፡ ዝያዳ ክንደፍኣሎም  እምበር ንድሕሪት ክንመልሶም ካብ ዘይግብኡና ዋኒናት ሓደ ሓቢርካ ናይ ምቅላስ ኣድላይነት እዩ። ስለዚ ንሓድነትና ኣብ ዝምልከት ክሳብ ሕጂ ተደኲኖም ዘለዉ ናይ ምሕያል፡ ተጀሚሮም ዘለዉ መስርሓት ከኣ ናይ ምቅልጣፎም ጉዳይ ግዜ ዝህብ ኣይኮነን። ኣብዚ መስርሕዚ ካብቲ ዝኸይድ ዘሎ ምዕባለታት ንድግፎን ዘይንድግፎን ተርእዮታት ክፍጠር ውሁብ እዩ። ክንድግፍ ኮነ ክንነጽግ እንከለና እምበኣር፡ በቲ ኣብ ኣዝዩ በሊሕ ምንሕናሕ ዝርከብ ዘሎ ወገናት ዝህቦ ዜናታት ከይተሰለብና፡ ንርትዓውነት ከይጓዕጸጽና፡ ንናይ ክሳብ ሕጂ ኣጠማመትና ከይዘንጋዕና ክኸውን ናይ ግድን እዩ።

 ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ኣብ መኽፈቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዝተኻየደ  ጉባአ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰዲህኤ “ ንሕና ከም ሰልፊ፡ በቲ ማእከላይ ባይቶና ዝወሰኖ መሰረት፡  ብንጹር ክንጐዓዝ ጸኒሕና ኣሎና። ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ኩነታት  ኢደ ጣልቃነት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣይንቕበልን ኣይንፈቅድን “ ዝበሎ ከኣ፡ ነዚ ኣብ ግምት ብዘእተወ እዩ።  እቲ ቀንዲ መዕቀኒ ማእከልና ከኣ ናይ ኤርትራን ህዝባን ረብሓ ምዕቃብን  ካብ ኢድ ኣእታውነት ተዓቂብካ ናይ ለውጢ ቃልስና ንቕድሚት ምድፋእን ክኸውን ይግበኦ። ኣብ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣሰላልፋና እውን ቦታና ነዚ ኣብ ግምት ብዘእተወ ዝቕየስ ክኸውን ተመራጺ’ዩ። ዝያዳ ኩሉ ከኣ ነዚ ኣብ ዞባና ዝረአ ዘሎ  ብደቂቕ ከነጽነዖን ክንመሃረሉን የድሊ።

ነቶም ኣብ  ዝለዓለ ጐንጽን ውግእን ኣትዮም ዘለዉ ክንሕግዝ ብኡ ኣቢልና ድማ ናይቲ ክፍጠር ዝኽእል ህድኣት ተረባሕቲ ምእንቲ  ክንከውን፡  ናይቲ ጸገም ኣካል ቅድሚ ምዃን፡   ክልቲኦም ሰዓርቲ ዝኾንሉ ኩነታት ምፍጣር  ናይ “ከንበርክኸካ እየ” ኣምር ከምዘየዋጽኦም ከነርእዮም ክንጽዕር ይግበና። ውግእን ህልኽን ግና ካልእ ጐንጺ ዘስዕብ እምበር መፍትሒ ከምዘይኮነ ምርኣይ እውን ኣገዳሲ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ግና ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩልኻ ተዓወቲ እትኾነሉ  ህሞት ክነብር ባህሪኡ ስለ ዘይፈቕደሉ፡ እንታይ ይገብር ከም ዘሎ ንዕዘቦ ኣለና። ከምቲ ውግእ፡ ውግእዩ ዘስዕብ ዝበልናዮ፡ ኣብ ትግራይ ውግእ ምስ ተጀመረ፡ እቲ ቅድም እውን ዝተለምደ ምልክታ ዝነበሮም ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ናበይ ከም ዝዓረገን ንጉጅለ ኢሳያስ ወሲኽካ ናይ ብዙሓት ናይ ጐንጺ ኣምለኽቲ ድሌት ከም ዝሰሓበን ንዕዘቦ ኣለና። ድሕሪኡ እንታይን ብመንን ከም ዝስዕብ ምግማት እውን ዘጸግም ኣይኮነን። ስለዚ ንሕና እውን፡ ካብዚ ማዕበልዚ ከምዘይንርሕቅ’ኳ ርዱእ እንተኾነ፡ ምስ መንን እንታይን ንገብር ግና ብህድኣት እሞ ከኣ ካብ ኣካይዳ ጉጅለ ህግዲፍ ብዝተፈልየ ክንርደኦ ይግበኣና

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብዚ እዋንዚ ብሓፈሻ ዓለምና ብፍላይ ከኣ ዞባና ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ምዕልባጥ ከም ዘለዉ ንኹላትና ብሩህ እዩ። ማዕረማዕረቲ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኮይኑ ዘሎን መዓስ ከም ዘብቅዕ እውን ዘይፍለጥን፡ ተላባዒ ኮቪድ-19፡ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ እውን ነተን ናይ ህድኣት ኣብነት ኮይነን ክግለጻ ዝጸንሓ ዓበይቲ ሃገራት ከይተረፈ ኣብ ዝብድህ ደረጃ ይርከብ። ህልዊ ኩነታት ምስግጋር ስልጣን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ከኣ ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ።

ነዚ ኣብ ዞባና ዝረአ ዘሎ ናዕብታት ተኸቲሉ ክመጽእ ዝኽእል ሓድሽ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ኣብ ግምት ብምእታው፡ መንግስታት ንዲፕሎማስያዊ ኣጀንደኦም ክንድቲ ንውሽጣዊ ጉዳያቶም ዝህብዎ ቆላሕታ ምናልባት እውን ካብኡ ንላዕሊ ከድህብሉ ኣብ ዝግደድሉ ደረጃ ይርከቡ። ወዮ ኣብ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ዛዕባታት፡ መንግስታዊ ሓላፍነት ወሲዱ ተዋሲኡ ሕቶ ህዝቢ መሊሱ ሓድሽ ህሞት ክፈጥር  ዘይተዓደለ ጉሒላ ጉጅለ ህግዲፍ እውን ነዚ ዝረአ ዘሎ ዓለማውን ከባብያውን ቅልውላው መዝሚዙ ካብቲ ተነጺሉ ተሓቢእሉ ዝነበረ ጐዳጉዲ ዓዲ ሃሎ ወጺኡ በታ ዘላቶ ናይ ምጽያቕ ዓቕሙ ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ። እዚ ጉጅለ ነዚ ናይ ምዝራግ ዕድል ካብ ዝረክብ ካብቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝተዓራረኸሉ ጸብጺብካ ድሮ 3ይ ዓመቱ ሒዙ ኣሎ።

ካብቶም ናይዚ ንዕዘቦ ዘለና ከባብያዊ ነውጺ ጠንቂ ዝኾኑ ምዕባለታት፡ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ኣግእዞ ዲጋ ኣባይ ምስ ሱዳንን ግብጽን ኣትያቶ ዘላ ምስሕሓብን ናብ ውግእ ዓሪጉ ዘሎ ሕገመንግስታውን ፖለቲካውን ምስሕሓብ ዘስዓቦ፡ ኣብ ብሄር ዘተኮረ ሕድሕድ ምቅትታል ከም ኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። ኣብ መንጎ ኬንያን ሶማልን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ፈኸፍም ዝብል ዘሎ ድጉል ሓዊ እውን ብጽሒት ኣለዎ።

ጉጅለ ህግዲፍ፡ ከምቲ “ዘይሓፍር ድሙስ ገብረማርያም ስሙ” ዝበሃል፡ ጌና ኣብ ውሽጡ ከም ጉጅለ ኮነ፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘይተዓርቀ ይቕረ ዘይበሃሎ፡ ኣዝዩ ዝተረሓሓቐ ፍልልይ እንዳሃለዎ፡ ኣብ ዞባና ዓራቓይን ጐብለል ሓቢርካ ናይ ምንባርን ክኸውን ፈቲኑ። እንተኾነ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዝጸልኣሉን ዝጭቁነሉን ጠላም ባህሪኡ፡ እንተገሸ እውን ምስኡ ክኸይድ ግድን ስለ ዝነበረ፡ እቲ ብጉልባብ ኣተዓራቕነት ናብ ደገ ኬድካ ምስልኻ ናይ ምጽብባቕ ሕልሙ ኣይሰመረሉን። ምናልባት እውን ደሓን ዝነበሩ ወገናት ንሱ ምስ ገሾም ኣጣቚሱ ዘበኣሶም ከይኮኑ ናይ ብዙሓት ግምት እዩ። ኣብ ውሽጣዊ ግርጭት ኢትዮጵያ ንዝጸንሖ  ናይ ምብላሕ ብጽሒት እውን ዘርኢ እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና እታ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝጀመራ ጉልብብቲ ዝምድና ቀጺላ። ምቕጻላ ጥራይ ዘይኮነ ሓቀኛ ባህርን ድሌትን ጉጅለ ህግደፍ ካብቲ ዝምድና እንታይ ከም ዝነበረ ናብ እተርእየሉ ናይ ዝርያ  ደረጃ ከም ዝበጸሐት ብግብሪ ተርኢ ኣላ።

ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዝሰርሖ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእትው ሓሳዊ ናይ ሰላም ድራማ፡ ናይ ዝተወሰኑ መንግስታት ከባቢና ቀልቢ ስሒቡ ከም ዝነበረ ናይ ቀረባ ተዘክሮና እዩ። ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ኮይኖም፡ ኣብ ሳዑዲ ዓረብያን ሕቡራት ኤመራትን ከይዶም ዝተመረቕዎን ወርቂ ዝተሰለምዎን ናይዚ ኣብነት እዩ። ብኣንጻሩ ነዚ ጉዳይ ብሓያል ምጥርጣር ዝረኣየኦ ሃገራት ኣለዋ። እዚ ናይ ክልተ “መሓዙት” ኢሳያስን ኣብይን ንፕረሲደንት ሶማልያ ኣኸቲልካ ፈቐዶ ከተማታት ኮለል ምባል፡ ኣባል ኢጋድ ዝኾና ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብጽቡቕ ዓይኒ ዘይምርኣየን ከም መርኣያ ዝጥቀስ እዩ። ኢሳይስ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብማዕዶ ካብ ምጥቛስ ሓሊፉ ኢዱ ኣእትዩ ደም ኤርትራውያን መንእሰያት የፍስስን ስሞም ብራስያን ዓመጽን የጸልምን ኣሎ። ምናልባት እውን ንመጻኢ እንታይ ከም ዝጐተሉ ከይተረደአ፡  በቲ ዘይንታዩ ዝፈሰሰ  ደም ኤርትራውያን  ናይ ልቡ ከም ዝመለኣሉ ጌሩ ወሲድዎ ይኸውን።

ናይ መራሒ ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድ ምእታው፡ ህዝቢ ኤርትራ ብብዙሕ ምኽንያታት ዘይድግፎ እዩ። ሕዝቢ ኢትዮጵያ እውን ኣይደገፎን ጥራይ ዘይኮነ “ስለምንታይ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ጉዳይና ይኣትዉና?” ዝብል ሕቶ የልዕል ኣሎ። ርሑቕ ከይከድና ናይቲ “ሰሜን እዝ” ዝበሃል ኣካል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣዛዚ ሜጀር ጀነራል በላይ ስዩም፡ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ ብወግዒ፡ “ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ተሳቲፉ እዩ። እንተኾነ ባዕሉ እዩ ኣትዩ እምበር ኣይዓደምናዮን” ዝበልዎ ዘገርም ዘረባ ምጥቃስ ይከኣል። እዚ ኣበሃህላኦም በቲ ሓደ ወገን ነቲ ገለ ምስ ህግዲፍ ሕግብግብ ዝበሉ ኤርትራውያን፡ እቲ ብስም ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስተር ተላኣኣኺ ኢሳያስ ዝኾነ ዑስማን ሳልሕን  ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ክሓባብእዎ ፈቲኖም ዝነበሩ ወተሃደራዊ ጣልቃ ኣእታውነት ህግደፍ ዝቃልዕ እዩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ናይ ኢሳያስ ኣብ ዘጉዳይካ ናይ ምእታው ክቱር ህርፋን ዘመልክት እዩ። ካብዚ ክዉን ሓቂ ነቒሎም፡ ነቲ ኢድ ኣእታውነት ኣፍደገ ዝኸፈተ ናይ ክልቲኦም መራሕቲ “ዘይግሉጽ”  ክንብሎ ዝጸናሕና ዝምድና “መርህ-ኣልባ” ኢሎም ዝገልጽዎ ኢትዮጵያውያን መስተውዓልቲ ብዙሓት እዮም።

ነቲ ኢሳያስ “ብዕራይሲ ዝበልዖ ሳዕሪ እምበር፡ ዝጽበዮ ገደል ኣይረኣዮን” ዝብል ምስላ ወለድና ከየስተውዓለ፡ ዝኸዶ መንገዲ ተኸቲሎም፡ ዝውጥርዎ ምዕባለታት ክረኣዩ ጀሚሮም ኣለዉ። ምትፍናን ኢትዮጵያን ሱዳንን ናይ ግብጺ ብድሕሪ’ቲ መጋረጃ ደቂቕ ምጽንጻንን ሓደ እዩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ናይተን ኢሳያስ  ከም ኣንጭዋ ክልተ ዓንዴል፡ ንሓንሳብ ምስቲኣ ንሓንሳብ ከም ምስተን ካለኦት እንዳውደኽደኸ ገንዘብን ንዋትን ዝቕበለለን ዝነበረ ሃገራት ሓድሽ ኣሰላልፋ ይረአ ኣሎ። ሳዑድ ዕረብያ፡ ሕቡራት ኤማራት፡ ባህሬንን ግብጽን ምስታ ኢሳያስ ዝጠለማ ኳታር ተዓሪቐን ኣብ ልዕሊኣ ኣንቢረንኦ ዝነበራ እገዳታት የልዕላላ ኣለዋ። ኣብቲ ዕርቀን ከኣ ረብሓን ልኡላውነትን ሱዳን ምዕቃብ ኣብ ቅድሚት ኣስፊረናኦ ኣለዋ።

ነዚ ተኸቲሉ ናይ “ጠፋእናባ” ብዝመስል ሸበድበድ እታ 2ተ ቀወምቲ ዝኣባላታ ጉጅለ ልኡኽ ኢሳያስ ናብ  ካርቱም ከይዳ። ንጽባሒቱ ከኣ ናይ ሱዳን ልኡኽ ናብ ኣስመራ መጺኡ። እዚ ኩሉ ምዕልባጥ ከኣ፡ ያኢ ኢሳያስስ ንኢትዮጵያን ሱዳንን ዓሪቑ ጉዳያት ከህድእ ይሕልን ከም ዘሎ እዩ ዘመላኽት። እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ኣይሰለጦን። ኣብዚ እዩ ከኣ በቶም  ንሕዱር መናቖቲ ባህርያቱ ዝፈልጡ ወገናት “ህግዲፍሲ ይጽይቕ እምበር፡ ኣይዓርቕን” ዝበሃል ዘሎ። ዓራቓይ ክትከውን ብውሕዱ ዘቤታዊ ጉዳይካ ወጊንካ፡ ኣካል ናይቲ ዕርቂ ዘድልዮ ምስሕሓብ ክትከውን ኣይከኣልን። ጉጅለ ህግዲፍ ግና ከምቲ ንዕዘቦ ዘለና በቲ ሓደ ኢዱ ኣብቲ ጐንጺ እንዳቋማጥዐ እዩ፡ በቲ ሓደ ኢዱ  ዓራቒ ክኸውን ዝደሊ ዘሎ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝኾነ ካልእ ህዝቢታት ዓለም  ዘይሓልፍን ዘይነጽፍን በዓል ክቡር ባሕሪ ታሪኽ እዩ።  ኩሎም ካብዚ ህዝባዊ ባሕሪ ዝወጹ፡ ኣብ ጉዳይ ሃገሮምን ህዝቦምን ተመሳሳሊ ኣተሓሳስባ ብዘለዎም ዜጋታት ዝምስረት ፖለቲካዊ ሰልፊ፡ ውድብ፡ ማሕበርን ካልእ ምልዕዓልን ከኣ ኣካል ናይዚ ህዝቢ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ምስ ህዝቢ “ናይ ሓደ ቅርሺ ካለኣይ ገጽ እየ” ኢሉ ክንየትን ክመዓራረን ኣይክእልን። ብኣተሓሳስባኡ ናይ ህዝቢ ተቐባልነት ክረክብ ክጽዕርን ህዝቢ ነቲ ይምእመኣኒ እዩ ዝበሎ እምነቱ ከንብረሉን ከኣ  ንቡር እዩ።

እቲ ንቀጻልነቱ ከድልዮ እንከሎ፡ ህዝብና ንዘለዎ ፍቕሪ ሃገርን ንሰማእታቱ ዘለዎ ዓሚቕ ክብርን፡ መዝሚዙ  ንገዛእ ርእሱ ምስ ህዝቢ ክጠብቕን ከደባለቕን ዝህቅን ጉጅለ ህግደፍ ግና፡ ብዘይካ ሓይልን ዓመጽን ኣካል ህዝቢ ኤርትራ ከብሎ ዝኽእል ኣተሓሳስባን  ሕጋዊ ምትእስሳርን’ኳ  የብሉን። ሓደ  ምእንቲ ህዝቢ ይቃለስ እየ ዝብል ውድብ ወይ ሰልፊ፡ ቅድሚ መላእ ህዝቢ ክውክል ምምጥጣሩ፡ ኣቐዲሙ ምስቶም ውሱናት ኣባላቱ ዘተኣሳስሮ ትካላዊ መስኖ፡ ዝምረሓሉ ቅዋምን ንከዕውቶ ዝትልሞ ሸቶ ክህልዎን ከኽብሮን ንዘውጸኦ ሕግታት ዘለዎ ምእዙዝነት ከውሕስን ክበቅዕ ይግባእ።

ብመንጽርዚ ክንርእዮ እንከለና፡ እቲ ኣብ ማእከል ጐልጐል፡ ብዘይካ ጉልበት ጥልመትን ካልእ እንዶ ዘየብሉ ክነሱ፡ “ካልእ  ገጽ ናይ ህዝቢ ኤርትራ እየ” ክብል ዘይሓፍር ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቶም ዝርካቦም ንገለን ኣእሚኑ ንገለን ከኣ ኣደናጊሩ ወይ ብግዝያዊ ጠቕሚ  ኣስዲዑ ኣብ ጐኑ ዘሰለፎም ኣባላቱ’ኳ ካብ ዝጠልሞም ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ነቲ ብሕጋውን ዲሞክራስያውን ምርጫ ዘይኮነስ፡ ብኢደወነኑ ከካብቲ ዝደለዮ ኩርነዓት እንዳቆንጠረ ዘቖሞ መሪሕነታዊ ኣካላቱ ካብ ዝጥንጥኖ እውን ሎሚስ ቀደም ኮይኑ እዩ። ናይቲ ዝሽቅጠሉ ጉጅለ ጉባአ ወይ ናይ መሪሕነታዊ ኣካላቱ ኣኼባ ዝበሃል ቋንቋ ካብ መዝገቡ ቀደም ሓኺኽዎ እዩ። ነዚ ዕሙት ኣካይድኡ ንዝነቐፉ ኣካላት ከኣ ብኸቢድ ገበን ይኸሶም። ስለዚ ጉጅለ ህግደፍ ኣንዳተጸልጸለን እንዳደስከለን ቅድም ናብ ጉጅለ ኢሳያስ ወሪዱ። ሎሚ ከኣ እነሆ  ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀ መላኺ ባእታ በጺሑ። ነዚ ኣቐሚጦም በቲ ሓደ ወገን እቲ ጉጅለ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ዝውክል፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ናይቲ ጉጅለ መራሒ ብዘመሓላልፎም ውሳነታት፡ ብዝወስዶም ጽሉላት ስጉምትታትን ከም ሳዕቤናቱ ናይ ዝፍጠር ገበን ከም ዝሕተትን ኣምሲሎም ከቕርብዎ ዝፍትኑ ከጋጥሙ እንከለዉ ካብ ምግራም ሓሊፉ ዘተዓዛዝብ እዩ። “ሕነ ቀራናትስ ንጓዕማማት” እውን የብል።

መብዛሕቶም ኣሚነምሉ ድዮም ተገሪሆም ኣባላት እቲ ጉጅለ ዝነበሩ ኤርትራውያን  ካብ ዝርሕርሕዎ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ።  ምርሕራሕ ጥራይ ዘይኮነ ምእንቲ ራህዋን ቅሳነትን ህዝቦም ኣንጻርቲ ጉጅለ  ይቃለሱ ኣለዉ። ከምቲ “ካብ ብሱል ጥረ ኣይሰኣንን” ዝበሃል ግና ኣዝዮም ውሑዳት ጌና በቲ ቀደም ዝጀመርዎ ካብ ጭረሖ “ንኺድ ጥራይ” ዘይተመልሱ እውን ኣለዉ። እንተኾነ ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ እዞም ውሑዳት እውን ነቲ ጉጅለ ራሕሪሖም ኣካል እቲ ቃልሲ ምእንቲ ለውጢ ከም ዝኾኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

እቲ ጉጅለ ኣይኮነንዶ ንህዝቢ ኤርትራ ክውክል ከምቲ “ኣደኻስ ብስም ኣይትወጽዕካ” ዝበሃል፡ ነቲ ብዲሞክራስን ፍትሕን ዘቀናጅዎ ጉጅለኡ እውን ከም ዝጠለሞ ካብ ዘመልክቱ ኣብነታት፡ እቲ ኣጀማምራ ዝምድናኡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ከም ኣብነት ዝውሰድ እዩ። ነቲ ዝምድና ንምጽብባቑኳ፡ “ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን” ኢልካ ንምጥማቑ እንተተፈተነ፡ ናይ ክልተ ህዝብታት ዘይኮነ ናይ ክልተ “መራሕቲ” ጥራይ ምንባሩ ንክቃላዕ ግዜ ኣይወሰደን። መላእ ህዝቢ ኤርትራስ ይትረፍ፡ ኣባላትን ትካላትን ጉጅለ ህግዲፍ እውን ብዘይካ ኣብ ዝኽሪ መዓልቲ ሰማእታት 20 ሰነ ብመደረ ዲክታተር ኢሳያስ ክጥቀስ እንከሎ እዩ ሰሚዑ። ድሕሪኡ እንተኾነ እውን እቲ ዛዕባ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክነሱ፡ ኣብ ኣኼባ ማእከላይ ኮሚተ፡ ኣብ ርክብ ፈጻሚ ኣካል ናይቲ ጉጅለ ወይ ካቢነ ሚኒስተራት ተራእዩ ተወሲኑ ክብል ዘኽእሎ ሓበሬታን ሞራልን ከምዘይነበሮን ክሳብ ሕጂ እንተኾነ እውን ከምዘየብሉ ርኡይ እዩ። ስለዚ እቲ ዝምድና ነቲ ጉጅለ ከም ውዳበ ከም ዘይውክል ንጹር ካብ ኮነ፡ ንህዝቢ ኤርትራ እውን ከም ዘይምልክት ውሁብ እዩ። ውጽኢቱ’ውን ከምኡ እዩ።

ጉጅለ ህግዲፍ ሓጥያት ክፍጽም እንከሎ፡ ምእንቲ መሳኽምቲ ገበን ክኾኖ፡ ፈታዊኡ ተመሲሉ ከም ቁርዲድ ናብ  ህዝቢ ምልሓግን  ምጽጋዕን ኣመሉ እዩ። እቲ ጉጅለ ብኸምዚ ዓይነት መህደሚ  ክጣበብ ምስቲ ሸፋጢ ባህሪኡ ርዱእ እዩ። ንኣብነት ኣብዚ እዋንዚ ምእታው ሰራዊት ኤርትራ ናብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ዝምልከቶ ኣምሲልካ ምግላጹ ንሰምዕ ኣለና። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ሰራዊት ኣብቲ ውግእ ፈጺምዎ ተባሂሉ ዝኽሰሰሉ ዘሎ ስርቂ፡ ቅትለትን ምዕናው ትካላትን ንህዝቢ ኤርትራ ከም ዘይውክል ፍሉጥ ክነሱ፡ ከምዝውክል ኣምሲልካ ብምቕራብ ክርክርን ክትዕን ይስማዕ ኣሎ።

እቶም ኣብዚ ተሃዋሲ ዛዕባታት ንግደ ህዝቢ ኤርትራ ብዝምልከት ዝከራኸሩ ዘለዉ፡ ቅድሚ ኩሉ ክግንዘብዎ ዝግበኦም መሰረታዊ ጉዳይ፡  ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ጉዳዩ እውን ዝኾነ ይኹን ናይ ምውሳን ተሳትፎ ዘይብሉ ምዃኑ እዩ። ግዳይ ናይቲ ኢሳያስ ዝጽይቖ ካብ ምዃን ግና ዓዲ ኣይወዓለን። ህዝቢ ኤርትራ ንጉጅለ ህግዲፍ ዝቆጻጸረሉ ሕገመንግስታዊ ውዕልን ትካላዊ መራኸብን ዘየብሉ ምዃኑ እውን ግንዛበ ክረክብ ይግበኦ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከቢድ ኣርዑት ምልኪ ይነብር ከም ዘሎ፡ ኣይኮነንዶ ኣብ ድርኩዂት ሃገርና ዘለዉ ተጋሩን ካለኦት ኢትዮጵያውያንን ኣብ ኣዝዩ ርሑቕ ኩርነዓት ዓለም ዘለዉ ወገናት እውን ይፈልጥዎ እዮም። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይወዓሎ ክውንጀል ኣይግበኦን። ምናልባት ኮነ ኢሎም ሓጥያት ጉጅለ ህግዲፍ ንምፍዃስ ወይ ንምሕባእ  ንህዝብና ኣብ ዘይወዕሎ ገበን ከእትዉዎን ነቲ ክቡር ስሙ ክድዉኑን ዝህቅኑ ወገናት እንተልዮም “ኣይፋልኩምን ናብ ልብኹም ተመለሱ”  ኢና እንብሎም።

ርእሰ-ዓንቀጽ-ሰዲህኤ

መዓልቲ ብመዓልቲ፡ ሰሙን ብሰሙን፡ ወርሒ ብወርሒ ከምኡ እውን ዓመት ብዓመት ክተኻኽኡ፡ ማንም ዘይቅይሮ ንቡር መስርሕ እዩ። እነሆ ከኣ በዚ ዝኾነ ኣካል ጠማዚዙ ከቐልጥፎ ወይ ከደንጉዮ ዘይክእል መስርሕ 2020ን 2021ን ሓላፍነት ኣብ ዝረኻኸባሉ እዋን ኮይንና “እንኳዕ ካብ ኣረጊት ዓመት ናብ ሓድሽ ዓመት ኣብጸሓኩም ኣብጸሓና” ኣብ እንበሃሃለሉ ንርከብ። በዚ ኣጋጣሚ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን እንኳዕ ናብ ሓድሽ ዓመት 2021 ኣብጸሓካ፡ ሓድሽ ዓመት ናይ ሰላም፡ ቅሳነትን ዕቤትን ዝያዳ ከኣ  ካብ ወጽዓ ናብ ራህዋ መሰጋገሪት ዓመት ትኹነልካ” ንብሎ።

ኣይኮነንዶ ካብ ዓመት ናብ  ዓመት ነዊሕ ጉዕዞ ክትሰግር እንከለኻ፡ ሓጺር ተጓዒዝካ ናብቲ ዝተጸበኻዮ ክትበጽሕ እንከለኻ ምሕጓስን ምምስጋንን ልሙድ እዩ። በቲ ዝሓለፈ ምሕጓስ ጥራይ ዘይኮነ፡ መጻኢኻ ዝሓሸ ምእንቲ ክኾነልካ ሰሰናዩ ምትምናይ እውን ናይ ግድን ስለ ዝኾነ፡ ናይ ኤርትራን ህዝባን መጻኢ ብሩህ ክኸውን ናይ ኩልና ባህጊ እዩ። እንተኾነ ባህጊ ብግብራዊ ስራሕን ጽንዓትን እምበር ብትምኒትን ትጽቢትን ዝረጋገጽ ስለ ዘይኮነ፡ ኩልና እቶም ጸጽቡቑ በሃግቲ፡ ኣብ ዘዘለናዮ እሞ ከኣ ሓቢርና በበቲ እንኽእሎ፡ ክንሳተፍን ከነበርክትን በዚ ኣጋጣሚ ድልዉነትና ከነሕድስ ይግበኣና።

ቃልሲ ካብቲ ዘለኻዮ ዝሓሸ ኩነታት ንምፍጣር ዝግበር ናይ ሓባር ጻዕሪ እምበር፡ ውሱናት ወገናት ብዘይ ዝጭበጥ ምኽንያት ንጹሃት ሰባት  ዝድህኽሉ ኣይኮነን። ብዛዕባ መጻኢ ምሕሳብ ማለት ዝሓሸ ምጽባይን ምምዕዳውን ማለት እዩ። ንሕና ኤርትራውያን እውን ኣብ ምፍናው 2020 ኮይና፡ እንምነዮን እንጽበዮን ዝሓሸት ዓመተ-2021 እዩ። እዛ ንቕበላ ዘለና ዓመት ከምተን ቅድሚኣ ዝነበራ ኮነ ድሕሪኣ ዝመጻ ብማዕረ ዝተዋህበትና ናጻ ህያብ እያ። ዝሓሸት እንገብራ ከኣ ንሕና ኢና። ነዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመት “ደሓን ኩኒ” ክንብላ እንከለና፡ ብጥሪኡ ዘይኮነ፡ ከመይ ከም ዝነበረት ሓደሓደ ነጥብታት ምጥቃስ፡ ኣብ ቀጻሊት ዓመት እንታይ ከም ዝጽበየና ንምምልኻት ጠቓሚ እዩ።

2020 ብመንጽር ዓለም ምዝርዛርን ምድህሳስን ንኸይገፍሓና ብሓጺሩ “ኣሻቓሊት  ከም ዝነበረት ርዱእ’ዩ”  ኢልካያ ምሕላፍ ተመራጺ እዩ። ብደረጃ ሃገርና ኤርትራ ከኣ እቲ ንዓመታት ዝተነድቀ ወጽዓ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ መሊሱ ዝበኣሰላ እምበር ጩራ ራህዋን ለውጥን ዝተራእየላ ኣይነበረትን። እኳ ደኣ ህግዲፍ ተላባዒ ሕማም ኮቪድ-19  መዝሚዙ፡ ቀረብን ካልእ ምድላውን ኣብ ዘየብሉ ኩነታት ብዝፈጠሮ ወጥርን ዕጽዋን ህዝብና ዝያዳ ዝሓለፋ ዓመታት ዝተሻቐለላን ሕሰም ዝረኣየላን ዓመት ኮይና እያ ትሓልፍ ዘላ። እቲ ዕርቃን፡ ጥሜት፡ ስደት፡ ማእሰርትን ቅትለትን ብኩራት ኩሉ መሰረታዊ  ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላትን ዝያዳ ዝሓለፋ ዓመታት ዝተራእየላ ዓመት ኮይና እያ ትገድፈና ዘላ።

እዛ ዝሓለፈት ዓመት ንኤርትራዊ ጉዳይና እውን ዝለከመ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዘሕዝን ኣዕናዊ ውግእ ዝተጋህደላ እያ። እዚ ውግእ ዞባዊ መልክዕ ሒዙ ብምምጽኡ እዛ እንኣትዋ ዘሎና ዓመት 2021’ውን ናይዚ ግዳይ ተረካቢት ኮይና እናተሓመሰት ከይትሓልፍ ዘሰክፍ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ከኣ ጉጅለ ህግደፍ፡ ንኤርትራውያን ዝምልከት ኣብ ሃገርና ዝዓሞ ዋኒን ከም ዝሰኣነ፡ መራሒኡ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ  ብዝሃንደሶ፡ ረብሓ ኮነ ፈቓድ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘየብሉ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብገዚፍ ዓቕሚ ምስታፉ እዩ።  2021 ካብ 2020 ትርከቦ ካብ ዘላ ብደሆታት ኣብ ርእሲቲ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ዋኒናት እዚ ዝኸበደ እዩ። ጉጅለ ህግዲፍ ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ንክእጐድ ዘበርከተሉ ውግእ መዝሚዙን ንዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታትን ቻርተራትን ጥሒሱን ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፈጸሞ በደል እውን ካብ ኣሉታዊ ምዕባለታት ዓመተ-2020 እዩ።

በቲ ካልእ መዳይ ንሕና ሓይልታት ለውጢ ኤርትራውያን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዘመዝገብናዮ ኣውንታ  ክንሕበን ይግባኣና። ምኽንያቱ ንወሳኒ ዓወትና ሰረት ክኾኑ ዝኽእሉ ስራሓት ኣበጋጊስና ስለ ዘለና። ንእሽቶ ከይሓዝካ ናብ ዓብይ ውሑድ ከይሓዝካ ከኣ ናብ ብዙሕ ምስጋር ኣይከኣልን ኢዩ። ካብዚ ብዘይፍለ ከኣ በቲ ዘምከናዮ ዕድላት ክንሓስብን ክንጠዓስን ናይ ግድን እዩ። ብፍላይ ከኣ ሎሚኸ በቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ዓቕሚ፡ በሪኽና ምእንቲ ክንርአ “እንታይ  ንግበር?” ንዝብል መሰረታዊ  ሕቶ ቅልጡፍ መልሲ ክንረኽበሉ ግድን እዩ።

ኣብ 2020 ካብቲ ኣብ ደንበ ተቓወምቲ ሓይልታት ህጹጽ ተደላይነት ዝነበሮ ሓድነት ሓይልታት ተቓውሞ ኣብ ዝምልከት ከምቲ ንጽበዮኳ እንተዘይኮነ፡ ብኣዝዩ ዘገምታዊ ቅልጣፈ እናተጐዓዝና፡ ዝተወሰነ ርሕቀት ኬድና ኣለና። ኣብ ትሕቲ ኣወሃሃዲ ኣካል ምጥርናፍ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ዝተፈላለያ ሓይልታት ዕማም ኣብ ምምስራት ምብጻሕና ሓደ ተስፋ ዝህብ ስጉምቲ እዩ። እዘን ሓይልታት ዕማም ዝያዳ ኣድማዕቲ ከም ዝኾና ምግባር ከኣ ኣብ 2021 እውን ኣገዳሲ ዕማምና ኮይኑ ዝቕጽል እዩ። እዚ ናይ ውሱናት ዕማም ዘይኮነ፡ ንኹልና ዝምልከት ስለ ዝኾነ፡ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምልዕዓላትን ምንቅስቓሳትን እውን ንዓመተ-2021 ብመንጽርዚ ክቕበልዋ ተስፋና ልዑል እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓዲ ይሃሉ ኣብ ወጻኢ፡ እዛ ንኣትዋ ዘለና ዓመት  ንጉጅለ ህግዲፍ ኣወጊድካ ዓወት ዝረጋገጸላ ክትከውን ብትስፉው መንፈስን ሕራነን ክቕበላ ይግበኦ። ሒዝናዮ ዘለና ናይ ለውጢ ጉዕዞ፡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን እምበር፡ ካብ ብርሃን ናብ ጸልማት ኣይኮነን። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዛ ንርከባ ዘለና ዓመት እቲ ብርሑቕ ነማዕድዎ ዘለና ብርሃን መሊኡ ምእንቲ ክበርህ ንኹሉ ክኢሉ ቃልሱ ዘሕይለላ ክትከውን ኣብዚ ኣጋጣሚ ንጽወዖ።

መላእ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመት ብመሰረት ናይ ሰልፎም ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ቅዋምን ዝነኣድ ጽንዓትን ተወፋይነት ኣርእዮም እዮም። ኣብ ሰልፋዊ  ግቡእን ሓላፍነትን ጥራይ ከይተሓጽሩ ከኣ ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ መድረኻት ብምሉእ ዓቕሞም ከበርክቱ ጸኒሖም። ኣብዛ እንርከባ ዘለና ዓመት 2021 እውን ነዚ ዝጸንሐ ኣበርክተኦም ከም ዘዛይድዎ እምነትና ልዑል እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ  

ዞባ ቀይሕ ባሕርን ምብራቕ ኣፍሪቃን፡ ኣዝዩ ክሳዳውን ተበሃግን ምዃኑ ርዱእ እዩ። ከምቲ “መልክዐኛ ኣበረኛ” ዝበሃል ከኣ ናይ ብዙሓት ቀልቢ ስለ ዝስሕብ ናይ ስግኣት ከባቢ ካብ ምዃን ዓዲ ኣይወዓለን። ብሰንክዚ ኩሉ ግዜ ካብ ናይ ሓያላት ጠመተ ናጻ ኮይኑ ዘይፈልጥ ከባብያዊ ተሃዋስነት ኤርትራን ህዝባን እውን ግዳይ ክኾኑ ጸኒሖም እዮም። ብፍላይ ከም ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ዝኣመሰለ ጉዳይ ህዝቢ ዘይጉዳዩ ተጣላዒ  ኣብ ዝወደቐትሉ እቲ ተጽዕኖ ቀሊል ከምዘይኮነ ንዕዘቦ ዘለና እዩ።

ኣብዚ ዞባ ኣብ ሓደ ኩርናዕ ዘጋጥም ምዕባለ፡ ኣብኡ ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነ፡ ቀልጢፉ እዩ ዝልሕም። ከምኡ ብምዃኑ እዩ ከኣ “ጸገምን ሻቕሎትን ዘይፍለዮ ተበሃጊ ከባቢ” ዝበሃል። በብግዜኡ ኣብ የመን፡ ሶማልያ፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ከጋጥሙ ዝጸንሑ ምዕባለታት ክሳብ ክንደይ ኣብ ሕድሕዶም ክለሓሙ ከም ዝጸንሑ ምዝካየር ኣገዳሲ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ከኣ እነሆ ዝተፈላለዩ ሓደስቲ ምዕባለታት ይረኣዩ።

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዝያዳ 2ተ ዓመታት ክሕቆን ዝጸንሐ ፖለቲካውን ሕገ-መንግስታውን ምስሕሓብ ናብ ውግእ እንተ ማዕቢሉ ኣብታ ሃገር ጥራይ ከምዘይድረት ኣብ ግምት ብዙሓት ዝጸንሐ እዩ። ኤርትራኳ ብሰንኪ ሻራውን ዘይሓላፍነታውን ኣተሓሕዛ ኢሳያስ ኣካልቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክባራዕ ዝኽእል ውግእ ከም እትኸወን ኣቐዲሙ ዝተፈልጠ ነይሩ። እቲ ክፍራሕ ዝጸንሐ ውግእ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ተጀሚሩ ጋና 2ተ ኣዋርሕኳ ከይመለኦ፡ ምስኡ ዝምድና ዘለዎም ዝመስሉ ዞባዊ ምዕባለታት ይቀላቐሉ ኣለዉ። ነዚ ውግእ ስዒቡ ዝቀላቐል ዘሎ ኣሰላልፋ፡ ምስቲ ኣቐዲሙ ኣብ ጉዳይ ምህናጽ ናይ ኢትዮጵያ ዓብይ ኣግእዞ ዲጋ ዝጸንሐ ኣሰላልፋ ዝምድና ዘለዎ እዩ ዝመስል።

ነቲ ኣሰላልፋ ቁሩብ ንድሕሪት ምልስ ኢልና እንተረኣናዮ፡ ኣብዚ ቀረባና፡ ናይ ህግዲፍን ናይ ህወሓትን  ንሓንሳብ ብምቅርራብን ክቱር ፍቕርን፡ ንሓንሳብ ከኣ ብምርሕሓቕን ክቱር ጽልእን ክጐዓዝ ጸኒሑ፡ ሎሚ ኣብ ዝበለሐ ተጻራሪ ብርኪ ይርከብ። ካብዚ ቀረባ ግዜ ዝጀመረ ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ  ህግዲፍን ናይ ዶ/ር ኣብ ኣሕመድ ሰልፊ ብልጽግናን ዝምድና ከኣ እነሆ ኣብ ኣዝዩ ጥቡቕ ዝምድና በጺሑ ኣሎ። ናይዞም ጥቡቕ ዝምድና ፈጢሮም ዘለዉ ኣካላት ቀንዲ ተልእኮ ከካብ ናትካ ሒሳብ ነቒልካ ብሓባር ንህወሓት ምውቃዕ ምዃኑ ናይ ብዙሓት ግምት ነይሩ ብግብሪ ከኣ ተራእዩ። ትጽቢቶም ብመንጽርቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ህልዊ ኩነታት ክሳብ ክንደይ ሰሚርሎም ከኣ ኣብ መጻኢ ዝረአ እዩ።

ካብዚ ፍንትት ኢልና፡ ወያ ኣብ ጉዳይ ዲጋ ኣባይ ንሓንሳብ ናብ ኢትዮጵያ ትቐርብ ንሓንሳብ ድማ ካብ ኢትዮጵያ ትርሕቕ ዝነበረት ሱዳን ድሕሪ ውግእ ኣብ ትግራይ ምጅማሩ “ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ኣገዳዲ ስምምዕ ከይተፈረመ፡ ኣብ ቀጻሊ ክረምቲ ኣብቲ ዲጋ ማይ ከተዕቁር ኣይትኽእልን እያ።” ዝብል መግለጺ ኣውጺኣ ናብ ግብጺ ተጸጊዓ። ሳዑድ ዓረብያ ከኣ “ኣብ ጉዳይ ዲጋ ኣባይ ኣብ ጐኒ ረብሓ ሱዳንን ግብጽን እየ ዝስለፍ” ኢላ። ከም ኣካል ናይዚ ኣብ ጉዳይ ዲጋ ኣባይ ዝተራእየ ኣሰላልፋ ብዝመስል፡ ቅድሚ ወርሒ ሱዳንን ግብጽን ኣብ መሬት ሱዳን ናይ ሓባር ወተሃደራዊ ልምምድ ኣካይደን። ኣብዚ ሰሙን እዚ ከኣ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሱዳንን ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ናይ ሓረስቶት ጠርበሽበሽ ልዕል ብዝበለ ኣብ ዘራኽበን ዶባት ተጋጭየን ኣብ ሕድሕደን ይካሰሳ ኣለዋ። ኣብ መንጐ ግብጽን ደቡብ ሱዳንን ክብ ለጠቕ ክብል ዝጸንሐ ብናይ ሓባር ወተሃደራዊ መደበር ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተሰነየ ዝምድና፡ ዝበራበር ዘሎ እዩ ዝመስል። ኣብ መንጎ ሶማልያን ኬንያን ዘሎ ሓዞትሰዶ እውን ምስዚ ዞባዊ  ወጥሪ ዝድመር እዩ።

ኢሳያስ ምስ ብልጽግና ኮይኑ ንህወሓት ምስ ወገአ፡ እሞ እዚ ዝረአ ዘሎ ኣሰላልፋ እንተደኣ ተወጢሩ፡ ምስ ሓዲኡ ናይ ምውጋን ግድነት ክህልዎ እዩ። ካብዚ ስግኣት ንምድሓንን ናይኩሉ ፈታዊ ኮይንካ ናይ ምቕጻል  ህርፋን ከም ዘለዎ ዘመላኽት ዘሎ ከኣ ይመስል። ኣብዚ ቀረባ እዋን ንሓንሳብ ልኡኻቱ ናብ ሱዳን ክሰድድ፡ ንሓንሳብ ድማ ካብ ሳዑድ ዓረብያ ልኡካት ክቕበል ተዓዚብናዮ። ኣቐድም ኣቢሉ ባዕሉ ናብ ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ገሹ ምንባሩ እውን ካብዚ ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን።  ስለዚ ኢሳያስ ከምዚ ዝገብር ዘሎ ብሓቂ ናይ ምትዕራቕ ጽቡቕ ድሌት ሃልይዎ ዘይኮነ፡ ምስ መን ከም ዘሻሩን ካብ መን ዝያዳ ከም ዝጥቀምን ንምውሳን ክጋጥሞ ካብ ዝኽል ጸገም ንምውጻእ እዩ።

እቲ ኩነታት ኣብ ክንዲ ብምስምማዕ ዝውዳእ፡ ብኣንጻሩ እንተ ከሪሩ እሞ፡ እቲ ኣብ ጉዳይ ኣባይ  ኣቐዲሙ ዝተራእየን ሕጂ እውን ኣብዚ ውግእ ዝንጸባረቕ ዘሎን ኣሰላልፋ እንተደኣ ቀጺሉ፡ ኢሳያስ ምስ መን ከም ዝውግን ክውስን ክግደድ እዩ። ኢሳያስ ኣብዚ ጉዳይ ንምውሳን ዝምርኮሰሉ ከም ኣመሉ ጅባኡ ዝመልኣሉን ዝገዘፈ ሃንዛ ኣሕቂፉ ዕድመ ስልጣኑ ዘናወሓሉን ሸነኽ ከም ዝብህግ ፍሉጥ እዩ።  ተመኩሮ ተበላጺ ሕዝግድፉ  እንተርኣና፡ ካልእ ገዲፍካ ምስ ሱዳን ክንደይ ግዜ ከም ዝተበኣሰን ክንደይ ግዜ ከም ዝተዓርቀን ምዝካር እኹል እዩ።

 ኢሳያስ ምስ ኢትዮጵያዊ ሰልፊ ብልጽግና ናይ ምዝማዱ ቀዳማይ ዕማም ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ዘየእተወ፡ ንህወሓት ወቒዕካ ሕነ ምፍዳይ ምንባሩ ብግብሪ ተራእዩ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ዝሰርሓሉ ዘሎ፡ ማእከላይ ነጥቢ ፖሊሲ ዝምድና’ውን  ነገራዊ ረብሓ ምርካብ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ዘጋጥሞ ፖለቲካዊ ሕቶታት ኣቕጣጫ ምስሓትን ኣገዳሲ ባእታ ናይዚ ከባቢ ኮይንካ ናይ ምቕራብ ህርፋንን እዩ። ነዚ ሽውሃቱ የማለኣለይ ኢሉ ኣብ ዝሐለፉ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ሒዝዎ ዝጸንሐ መንግዲ ደጋጊሙ ከም ዝነገረና፡ ንኤርትራ ነቲ ብደምን ኣዕጽምትን ሰማእታታ ዝተነድቀ ልኡላውነታ ግሂሱ ናብ ኢትዮጵያ ምርካብ እዩ። ምስዚ ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት’ውን ካብዚ ዝኣተዎ መጻወዲያ ኣይክወጽእን እዩ። ምስዚ ኩሉ ህርፋኑ ግና፡ ዋላኳ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ፓርላማኡ “በዓል ውዕለትና” ኢሉ እንተነኣዶ፡ ኣብ ዘራጊ ባህርያቱ ብዝሓደሮም ስግኣትን ስኽፍታን፡ ንህግዲፍን መራሒኡን ካብ ዝርዝር ጸላእቶም ሃገራትን መራሕትን ዘየውጽእዎም ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ብዙሓት እዮም።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቅድሜና ዘለዉ ክንዘራረበሎም ዝግበኣና፡ ግን ከኣ ናይ ለውጢ መስመር ቃልስና ከየስሕቱና ክንጥንቀቐሎም ዝግበኣና እዋናውያን  ዛዕባታት ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። “ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ተሳቲፉዶ ኣይፋሉን? ኣብዚ  ውግእ  ዘስዓቦ ኣሰላልፋ መን ምስ መን ኣሎ? ካብቶም ገኒኖም ኣዛረብቲ ኮይኖም  ዘለዉ እዮም።

እዞም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ ናይ ዞባን ዓለምን ኣጀንዳ’ውን ኮይኖም ዘለዉ ዛዕባታት፡ ብዝያዳ ነቶም ኣንጻር ህግደፍ ዝተሰለፍና፡ ኤርትራውያን ኣዛረብቲ ክኾኑ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ንመጻኢ ዕድል ኤርትራን ህዝባን ኮነ ነቲ ነካይዶ ዘለና ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ናይ ምርግጋጽ ቃልስና ኣዝዮም ጸለውቲ ስለ ዝኾኑ። ኣብዚ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሰሊፉ ኣንጻር ትግራይ ምስታፉን ዘይምስታፉን፡ ብሕብእብእ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ደቂ ውሑዳት መራሕቲ ጉጅለ ህግደፍ ዘይኮኑ፡ ደቂ ህዝቢ ኤርትራ እዮም። እቲ ጉጅለ ንኢድ ኣእታውነቱ ዝምልከት ሓቂ ክነግረና ከይተጸበና፡ ናይቶም ኣብቲ ውግእ ተሳቲፎም ዝተወግኡ፡ ዝሞቱን ሃለዋቶም ዝጠፍኡን ወለድን ስድራቤታትን ሓዘኖምን ሻቕሎቶምን ይገልጹ ስለ ዘለዉ፡ ነቲ በለካ ለኸዓካ ገዲፍና፡ ነቲ ክዉን ከም መርተዖ ምውሳዱ  ናይቲ ሕቶ መልሲ እዩ።  እቲ “መን ምስ መን ይስለፍ?” ዝብል ኣብ ዝርዝር ከይኣተናን ብስምዒት ከይተደፋእናን፡ ኣየንኡ እዩ ርትዓውን ኤርትራዊ ረብሓ ዘረጋግጽን ዝብል ሕቶ ብዝምልስ መዐቀኒ ክንመዝኖ ይግበኦ። ናይ ክሳብ ሕጂ ኣቕጣጫ ኢሳያስን ናይ ብዙሓት ንኤርትራ ካብ ርእሳ ዘይወረዱላ ኢትዮጵያውያን ተንተንትን  ጠመተ፡ ናበይ ገጹ የመዓዱ ከም ዘሎ ምስትብሃል ግና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

“ኤርትራዊ ረብሓ” ዝብል ኣምር ብብዙሕ ኩርንዓት ዝረአ፡ ነብሱ ዝኸኣለ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ እቲ ኣብዚ እዋንዚ ቅድሚት ክንሰርዖ ዝግበኣና መዓቀኒ “ኤርትራዊ ህልውናን ልኡላውነትን” ክኸውን ከም ዝግበኦ ከነስተውዕል ይግበኣና። ብዝኾነ ይኹን ዝጸንሐን ዘሎን ፍልልያትን ህልኽን ኣወንዚፍና፡ ነዚ መሰረታዊ መዐቀኒ ክንስሕቶ ኣይግበኣናን። ምሕዝነት ኢሳይስ ኣፈወርቅን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ቀጻሊ መደባቶምን ሓደጋኡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣድቂቕካ ምግማት ከገድሰና እዩ። እዚ ንዕዘቦ ዘለና ናይ ጉጅለ ህግድፍ ከለፍለፍን ዘይምኽኑይ ኢድ ኣእታውነቱ ኣብ ውግእ ትግራይን ድሮ ህይወት ብዙሓት መንእሰያትን ንብረት ህዝቢ ኤርትራን ኣኽፊሉና ምህላዉ ውሁብ  እዩ። እቲ ክስዕብ ዝኽእል ዘስገኣና ዋጋ ምውጋዱ ኮነ ምንካዩ ከኣ ብቃልስና ዝውሰን እዩ።

እቲ ከሻቕለናን ከተሓሳስበናን ዝግበኦ ካልእ ጉዳይ፡ እቲ ብሰንኪ ኢትዮጵያዊ መግዛእቲ ካብ 1967 ጀሚሩ ካብ ኤርትራውያን ዘይለቐቐ ስደትን መሪር ሳዕቤናቱን እዩ።  ስደት ኤርትራውያን ብሰንክቲ ጉጅለ ህግደፍ ፊን ኣብ ዘዝበሎ ዝጽሕትሮ ውግኣት ክሳብ ሎሚ ኣይተገትአን። ስደት ኣብዚ እዋንዚ እዋናዊ ቀዳምነትና ዝኾነሉ ከኣ፡ ሃለዋት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያን፡ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ውግእ ዝካየደሉ ዘሎ ክልል ትግራይ ኣብ  መደበር ስደተኛታት፡ ሽመልባ፡ ሕንጻጽ፡ ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን እዩ። እዚ መደበር ስደተኛታት ካብ ቀደሙ ስግኣትን ናይ ቀረባት ዋሕድን ዘይተፈልዮ ምንባሩ ዝዝከር እዩ ። እዚ ሎሚ ዝያዳ ዓሪጉ ዘሎ ስግኣት ከምቲ “ጠባይ  መደበር ስደተኛ እዩ” ኢልና ክንሓልፎ ዝጸናሕና ኣይኮነን።  እቲ መደበራት ስደተኛ ዝርከበሉ ከባቢ ቀጻሊ ውግእ ዝካየደሉ ዘሎ ብምዃኑ ኣይኮነንዶ ንዓና ሰብ ጉዳይ፡ ንዓለም እውን ኣሻቒሉ ዘሎ እዩ። ኣብዚ ውግእ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ይሳተፍ ስለ ዘሎን ጉጅለ ህግድፍ ኣብ ልዕሊቶም ራሕሪሐምዎ ዝተሰዱ መንእሰያት ሕነ ካብ ምፍዳይ ድሕር ከምዘይብል ስለ እንፈልጥ  ሻቕሎትና ዝያዳ ክኸውን ግድን እዩ። ስግኣትን ሻቕሎትን ጥራይ ዘይኮነ ብግብሪ’ውን ብሰንክዚ ውግእ ኤርትራውያን ስደተኛታት ግዳይ ኮይኖም ከም ዘለዉ ከካብ ኩርናዑ ስግኣታት ይቃልሑ ኣለዉ።

ኣብዚ መደበር ስደተኛታት ብፍላይ ካብ 30 ሕዳር 2020 ንደሓር ሕክምና ኮነ ዝቕመስን ዝለሓስን የለን።  ናይቶም ስደተኛታት ንብረት ዝርካቡን ናይቲ መደበራት ኣብያተ-ጽሕፈትን እውን ተዘሚቱ እዩ። እቲ ብሕጊ ዘይምራሕን ሕጊ ዘየኽብርን ጉጅለ ህግዲፍ  ካብዚ መደበራት ስደተኛታት መንእሰያት ብሓይሊ ገፊፉ ናብ ኤርትራ ክወስድ እዩ ዝብል ስግኣት ሰማይ ዓሪጉ ዘሎ ስግኣት እዩ። ንመደብር ሽመልባ ጠቒሶም ብግብሪ ወሲዱ ኣብ ባረንቱን ከባቡኡን ኣስፊርዎም ዝብሉ ወገናት እውን ኣለዉ። ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ካልኦት ሰብኣዊ ትካላትን ናይቲ መደበራት ደሃይ ዝፈልጥሉ መንገዲ ስለ ዝተዓጽወ ኣብ ሻቕሎት ኣለዉ። ኣብቲ መደበራት ሰብኣዊ ኣገልግሎት ይህቡ ናይ ዝነበሩ ትካላት ኣባላት ኣብ ሽረ ከም እተቐትሉ እውን ይንገር ኣሎ። ካብ ኤርትራውያን ስደተኛታት እውን ኣብ ከባቢ’ቲ  መደበራት ብሰንኪ ዝተኻየደ ውግእ ዝሞቱን ዝትወግኡን ከም ዘለዉ  ተፈሊጡ ኣሎ።

ዓቕሎም ዝጸበቦም ኣብቲ መደበራት ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት “ነብሰይ ኣውጽእኒ” ብዝብል ብሓፈሻ ናብ ሱዳን ሓዊስካ፡ ናብ ኩሉ ኩርንዓት፡ ብፍላይ ከኣ ብመንገዲ ማይ ጸብሪ፡  ለማልሞ፡ ዳባትን ጐንደርን ብዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ብእግሪ ይኹን ብመጐዓዝያ፡ ናብ ማእከል ኢትዮጵያ ክኸዱ ዝፈተኑ ብዙሓት እዮም። በዚ ፈተነኦም ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ዝበጽሑ ኣለዉ። ኣዝዮም ብዙሓት ከኣ ኣማኢት ብር ጨቐቕ ኢሎም ከፊሎም፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ገጾም ብኣውቶቡሳት እንዳተጓዕዙ ካብ ከባብታት ዓደርቃይ፡  ደባርቕ፡ ዳባትን ጐንደርን ብወተሃደራዊ ሓይሊ ተገዲዶም “ድሕሪ ሕጂ ክንሕልወኩም ኢና” ብዝብል ሸፈጥ፡ ናብቲ ውሕስነት ስለ ዝሰኣንሉ ዝገደፍዎ ናይ ትግራይን ኣምሓራን ፍሉያት ሓይልታትን መልሻን ዝዋግእሉ ዘለዉ ዝባደመ መደበራት ዝተመልሱ ኣለዉ።

ስለዚ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ተሃዋሲ ስለ ዝኾነ፡ እዋናዊ ቀዳምነትና ጌርና ክንወስዶ ይግበኣና። ቅድሚ ኩሉ ናብ ኤርትራ ከይዶም ግዳይ ማእሰርትን ቅትለትን ከይኮኑ ነቲ ዝምልከቶም ኣካላት ዘስምዕዎ ዘለዉ ምሕጽንታ ከነራጉዶ ንጽዓት። ካብዚ ሓሊፍና ዝዕንገልሉ ዕድል ንምፍጣር ከምቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ነዚ ጉዳይዚ ብዝምልከት “ኣብ’ዛ ፈታኒት እዋን እዚኣ ነዞም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ስደተኛታት ዜጋታትና ኣድላዪ ሓገዝን ሓለዋን ክግበረሎም ንኹሎም ብቐረባ ዝምልከቶምን ንኣህጉራዊ ሕብረተሰብ ብሓፈሻን ኣጥቢቕና ንሓትት። ነቶም ካብ ናይ ውግእ ዞባ ወጻኢ፡ ኣብ ካልእ ቦታታት ኢትዮጵያ ዘለዉ ድማ ንድሕነቶም ህጹጽ ኣቓልቦን ደገፍን ክግበረሎም ምሕጽንታና ነቕርብ።”  ዝበሎ፡ ካባና ዝሓሸ ዓቕምን ድምጽን ምስ ዘለዎም ሓቢርና “ኣለናልኩም” ዝብል ድምጽና ነስምዕ። ኩለን ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ብተናጸል ኮነ ብእኩብ፡ ድምጸን ከስምዓን ተጽዕኖአን ከዛይዳን እዋኑዩ።

ኣንታ ወትሩ በትሪ ጉጅለ ህግደፍ ኮይንካ ህዝብኻ ከይትብድል እሞ ደሓር ከየጣዕሰካ እነተሓሳስበካ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ሎሚ እውን ኣስተውዕል። ኣበይን ምእንቲ ምንታይ ትዋጋእ ከም ዘለኻ፡ ዋላ ተደንጐየ ኣይሓለፈን እሞ ሎሚ’ውን ሕሰበሉ። ኣብ ዘይጉዳይካ ኣንጻር ህወሓት ናይ ምውጋእ ጉጉይ መንገዲ ተጐዝጒዝካ፡ ኣብ ልዕሊ ዓለም ለኻዊ ዑቕባ ዘለዎም ኣሕዋትካን ኣሓትካን ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብህግደፍ ናይ ዝፍጸም በደል ኢደበይዛ ኣይትኹን። ጽባሕ ካብ ምጠዓስ ሎሚ ሕሰብ። እንዳ ረኣኻ እንዳሰማዕካ ትወስዶ ንዘለኻ ስጉምቲ፡ ኩሉ ግዜ ነቲ ጉጅለ ጥራይ ኣላጊብናሉ እንሓልፍ  ኣይኮነን። ለኣኻይ ናቱ እጃም ኣለዎ። ተዓሚቱ ዘዝተላእኮ ዘዕኑ ኣካል’ውን ብጽሒት ከም ዘለዎ ኣይትዘንግዕ። ስለዚ ከምቲ ስምካ ዝሕብሮ፡ ናይ ህዝብኻ ተኸላኻሊ እምበር ናይቲ ጉጅለ ተለኣኣኺ ኣይትኹን።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራውያን ን30 ዓመታት መሪር  ቃልሲ ኣካይድናን ኩሉቲ ቃልሲ ዝሓቶ ዋጋ ከፊልናን ነጻነትና ኣውሒስና። ሞሳቲ ዝኸፈልናዮ ከቡር ዋጋን መሪር ቃልስን ግና ኣይረኸብናን። እኳ ደኣ ድሕሪ ናጽነትና እውን ደረጃታቱ ደኣ ይፈላለ እምበር ብሰንክቲ ሕድሪ ሰማእታትን መብጸዓ ህዝብን ጠሊሙ ስልጣን ዝበሓተ ጉጅለ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኤርትራን ህዝባን ኣይቀሰናን።

ከምቲ “ንበዓል ነጐዳስ ሓዊ ደብሶ” ዝበሃል፡ ህዝብና እቲ ተጻዒንዎ ዘሎ በደል ውሒድዎስ፡ እነሆ ሎሚ እውን ኣብ ክንዲ ካብ ተመኩሮኡ ዝመሃር ንግጉይ መሊሱ ዝደገም ጉጅለ ህግዲፍ፣ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየደ ዘሎ ውግእ ስለ ዝኣተወ ሻቕሎትን ስእነትን ህዝብና ዝያዳ ዓሪጉ ኣሎ። እዚ ናይ ጉጅለ ህግዲፍ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣዳዕዲዑ ምስታፉ፡ ወዮ ደኣ “ኮይኑ” ክብሉኻ እንከለዉ ምስንባድ ንቡር ኮይኑ እምበር፡ ብፍላይ ንዓና ነቶም ኣንጻር ጉጅለ ህግዲፍ ንሕያሎ ዓመታት ክንቃለስ ዝጸንሕና ኣካላት ዝተጸበናዮ ደኣ እምበር ሃንደበት ኣይኮነን። እቲ ጉጅለ እውን ንህዝቢ ኤርትራ ንዒቕዎ ዲዩ፡ ወይስ እንታይ ይብል ከምዘሎ ጠፊእዎ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ሓላፍነቱ ጠንጢኑ ኣብ ኢትዮጵያዊ ዛዕባ ኣጓድ ሓዊ ምዃኑ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ነጊሩና እዩ። ብግብሪ ከኣ ዓለም ብግብሩ ትግረም ኣላ። ካብ እቶም ዝሕግዞም ዘሎ ዝመስሎም ዝነበረ ኢትዮጵያውያን እውን ብዙሓት በቲ ተግባሩ የጉረምርሙ ኣለዉ።

ናይ ጉጅለ ኢሳያስ ኣብዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኢድ ምእታው ሳዕቤኑን ማህሰይቱን ብብዙሕ መዳያት ዝግለጽ እዩ። ንዕምቆቱ ብዝምልከት ከኣ ብዓብይኡ ንኤርትራዊ ልኡላውነት ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ስዑራት ንዝነበሩ ገዝእቲ ኤርትራ፣ መሊሶም ክበራበሩ ዘተባብዕን እዩ።  ካብቲ ሳዕቤናት ሓደን ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎን  ከኣ፡ ብሓፈሻ ጉዳይ ኤርትራውያ ኣብ ኢትዮጵያ፡  ብፍላይ ከኣ ኣብ ትግራይ ዝጸንሑን ዘለዉን ኤርትራውያን እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ፡ ጉጅለ ህግዲፍ ነቲ ብዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተጐዝጒዙን ኣደናጊሩን ክሃስዮም ዝደሊ ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃታት መነባብሮ ዝርከቡ እዮም። ኣብ ኢትዮጵያ ነዊሕ ዓመታት ዝተቐመጡን ቁጠባውን ማሕበራውን ህይወቶም ዝመርሑ ዘለዉ ምናልባት እውን ኣብኡ ዝተወልዱ እሞ ንምምሕዳር ጉጅለ ህግዲፍ ዘይፈልጥዎ ብዙሓት እዮም። ኣብ ሃገሮም ኣተሓሳስባኦም ከየንጸባርቑ ዝተነፍጎም ናይ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ኣባላት እውን ኣለዉ። ስደተኛታት ኮይኖም በቲ ቅድም ዝነበረ ፖሊሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተፈቒድሎም ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ዝነብሩን ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ዝመሃሩን ስደተኛታት እውን ኣካል እዚ እዮም። ብዓብይኡ ከኣ ኣብተን ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ 6ተ መደበራት ስድተኛ ኣብ ትሕቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ዝተዓቖቡ ኣለዉ።

ካብተን 6ተ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ መደበር ስደተኛታት ኤርትራውያን፡ ሽመልባ፡ ሕንጻጽ፡ ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን ኣብ ትግራይ እሞ ድማ ኣብቲ ሓያል ውግእ ዝተኻየደሉን ገና ዘይዓረፈን ከባቢ እየን ዝርከባ። ነዘን መደበር ስደተኛታት ዘመሓድሩን መሰረታዊ ጠልባት ዘቕርቡ ዝነበሩ ሰራሕተኛታትን በቲ ውግእ ስለ ዝተጸልዉ ነብሶም ከውጽኡ ነተን መደበራት ገዲፈምወን ከይዶም እዮም። ኣብዚ መደበራት ብሰንኪ እቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኩሉ ዓይነት መራኽብታት ስለ ዝበኾረ፡ ቤተሰብ ስደተኛታት፡ ሓለፍቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት፡ ሰብ መዚ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ሓያሎ ተሰማዕነት ዘለወን ሃገራትን ሻቕለቶም ይገልጹ ኣለዉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብቶም ስደተኛታት ዘብጽሕ መንገድታትን ናይ ርክብ መሳለጥታትን ክኸፍት ብብዙሕ ኩርነዓት ምሕጽንታ ቀሪብሉ ክነሱ ተግባራዊ ምላሹ ኣዝዩ ዘገምታዊ ኮይኑ ኣሎ። 

ኣብዚ መደበር ስደተኛታትን ከባብታትን ውግእ ስለ ዝተኸፍተ በቲ ውግእ ዝሞቱን ዝተወግኡን ስደተኛታት ከም ዘለዉ ተረጋጊጹ ኣሎ። ናይቶም ስደተኛታት ሞባይላት፡ ስልማት ወርቅን ካልእ ክቡር ናውትን በቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ መንነቶም ዘይተፈልጡ ከም ዝተራሰየ እውን መርተዖታት ኣለዉ። ካብቶም ስደተኛታት ብዙሓት ገሊኦም ናብ ሱዳን ገሊኦም ከኣ ናብ ማእከል ኢትዮጵያ ዝሃደሙ ኣለዉ። ኣብ ጉዕዝኦም ግዳያት ዝኾኑ እውን ኣለዉ። ብዕድመ ዝደፍኡን ኣዴታትን ህጻናትን ከኣ ዓቕሚ ስኢኖም ብዓቕሊ ጽበት ተዋሒጦም መፍትሒ ይጽበዩ ኣለዉ።

እቲ ስግኣት ውግእን ኣብተን መደበራት መሰረታዊ ቀረብ ምብኳርን ጥራይ ኣይኮነን። ጉጅለ ህግዲፍ እውን ምስ ወተሃደራት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሻሪኹ፡ ንስደተኛታት ዝምልከት ፖሊሲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ጥሒሱ፡ ነቶም ብሰንኩ ዝተሰዱ ኤርትራውያን ብሓይሊ ናብ ኤርትራ ክመልሶም ይንቀሳቐስ ኣሎ። ዝተፈላለየ ኣሃዛት እንዳጠቐሱ እቲ ኣገዲድካ ምምላስ ከም ዝተተግበረ ዝእምቱ ወገናት እውን ኣለዉ። ብዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ፡ ልቃሕ ናይቲ ኢሳያስ ዝዘረየሉ ዘሎ ክመልስ ክብል፡ ርእዩ ከምይዘይረኣየ ኮይኑ ንጉጅለ ህግዲፍ ከምዘይዕንቅፎ ርዱእ እዩ።

 ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ወትሩ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ጉዳዩ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶኡ፡ “ነዚ ህዝቢ ኤርትራ ወሪዱዎ ዘሎ ሕሰም ተረዲኦም ዓቕሞም ዝፈቕዶ ሓገዝ ካብ ዝገብሩ ገበርቲ ሰናይ ጐረባብቲ መንግስታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝጥቀሳ እየን። ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብዝሒ ዘለዎም ዜጋታትና ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታትን ዞባታትን ተበቲኖም ምህላዎም ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እቶም ዝበዝሑ ድማ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ መዓስከራት ኢዮም ዝነብሩ ዘለዉ።  ምስ ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ናይ ውግእ ኩነታት ሃለዋት ዜጋታትና ኣብ ከቢድ ፈተና ከምዝወደቐ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ኢሉ ኣሎ። ስለዚ ሕጂ እውን ደጊምና እቲ ሓድገኛ ጉጅለ ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ዕግርግር ተጠቒሙ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ኤርትራውያን በደልን ጭውያን ከየካይድ ግቡእ ሓለዋ ንክገብር ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣትሪርና ንምሕጸን። እዚ ጉዳይ ዝምልከቶም ዞባውን ዓለምለኻውን ሰብኣዊ ትካላት ከምቲ ጀሚረምዎ ዘለዉ፡ ብዘለዎም ዓቕሚ መሰል ኤርትራዊ ዜጋታትን ስደተኛታትን ኣብ ኢትዮጵያ ክሕለው ክጽዕቱ ንጽውዕ። ንሕና ኤርትራውያን ከኣ ብንዋታዊ ሓገዝን ሞራላዊ ምትብባዕን ኣብ ጐኒ እዞም ኣብ ጨንቂ ዘለዉ ኤርትራውያን ክንስለፍ ግቡእና ምዃኑ ደጊምና ነዘኻኽር።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ቅድሚ ክልተ ዓመትን ፈረቓን፡ ኣብ መንጎ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ዝምድና ምስተፈጥረ እቲ ተርኽቦ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ነይሩ። ኣዘራራቢ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ብትሕዝቶኡ ዘይግሉጽ ብኣካይዳኡ ከኣ ዘይትካላዊ ተበግሶ ስለ ዝነበረ እዩ። ሓደ ካብ ትሕዝቶ ናይቲ ስምምዕ “ሓቢርካ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ምጥፋእ” ክኸውን ከም ዝኽእል ግና ብሃተፍተፍ ኢሳያስ ካብ መጀመርያኡ ዝተጋህደ እዩ ነይሩ።

እዚ ነቲ በዓል ቤት ክኸውን ዝግበኦ ዝነበረን ብስሙ ብዙሕ ሸፈጥ ዝተዘመረሉን ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘይግሉጽ ስምምዕ፡ ንገለ ናይ ግዳም ሓይልታት ግና ስዉር ኣይነበረን። ብመሰረቱ እውን ቀንዲ መንፈስ ናይቲ ስምምዕ ኣብ ረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘየድሃበ፡ ብናይ ግዳም ድፍኢት ዝተደፍአን  ብሃብታማት ዞባ ምብራቕ ቀይሕ ባሕሪ ዝተቓነየን እዩ፡ ዝብል ርኢቶ እውን ብብዙሓት ተዓዘብቲ ይንጸባረቕ ነይሩ እዩ። ናይቲ ውሽጡ ዘይፍለጥ ስምምዕ ኣብ ሱዕድዓረብያን ሕቡራት ዓረብ ኤምረትን ኬድካ ደጋጊምካ ምፍራሙን ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን፡ ብመራሕቲ ናይዘን ክልተ ሃገራት ዓረብ ወርቂ መዳልታትን ማዕተብን ምስላምን ከኣ ናይዚ መርኣያ እዩ። ናይ ከም በዓል ፕረሲደት ትራምፕ  ዝኣመሰሉ ናይ ርሑቕ ተዓዘብቲ “ኣጆኻትኩም” በሃልነት እውን ብመንጽርዚ ዝረአ እዩ።

ነቲ ሓቀኛ ትሕዝቶኡ ዘይተገልጸን ትካላውን  ሕገመንግስታውን መልክዕ ዘይሓዘን ስምምዕ ንምምልኻዕ  ብረብሓን ሓድነትን ሃገራት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምጉልባቡ እውን ተፈቲኑ እዩ። ወዮ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ዘይፍሉጥ ቦታታት  ተዓጽዩን ተነጺሉን ዝጸንሐ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድሕሪዚ ንዛረበሉ ዘለና ስንኩፍ ስምምዕ ነጢሩ፡ ኣወሃሃዲ መራሕቲ ዞባና ክኸውን፡ ንመራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣኸቲሉ፡ ናብ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኬንያ፡ ሱዳን፡ ሶማሊላንድን ጅቡትን ኣብ ገሊኡ ብኣካል ኣብ ገሊኡ ከኣ ብልኡኻቱ  ክጻፋዕ ፈቲኑ። እንተኾነ በቶም ብዛዕባዚ ተንኮለኛ ምህዞኡ፡ ቅድሚኡ ዝተረድእዎ መራሕቲ ሃገራት “ሓቀኛ እንተኮይካ ኣብ ከም ኢጋድ ዝኣመሰላ ዞባዊ ትካላት ኣበርክትን ንጠፍን፡ ካብዚ ሓሊፉ ኣፍራሲ ኢድካን እግርኻን ኣክበልና” ምስ ተባህለ ጸግዑ ሒዙ፡ ናብታ ካብን ናብን ኣዲስ ኣበባ ኮለሉ ተመሊሱ።

ድሕሪ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ወያ ካብ ቅድም ኩልና ዝፈለጥናያን ናይቲ ዘይህዝባዊ ስምምዕ ማእከል ምንባራ ዝተረዳእናያን ከነእውየላ ዝጸናሕና ብግብሪ ኣትዮም። ኢሳያስን ኣብይን ብሓባር ኣንጻር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ተዋጊኦም። ኢሳያስ ከምቲ ዝፈከሮ ሕነ ንክፈዲ ኣብቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝተኻየደ፡ ካብ ቅድም እውን ኤርትራዊ ጉዳይ ራሕሪሑ፡ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይውክል ውግእ ኣትዩ ጽምኡ ኣርውዩ። ናይ ኢሳያስ ወረቓቕቲ እንዳቐያየርካ ብመስዋእትን መሰልን ህዝቢ ኤርትራ ምጥላዕን ክቡር ዋጋ ክኸፍል ምግዳድን፡ ሎሚ እውን ተደጊሙ ዘይኮነ ተደጋጊሙ። ብሰንክዚ ኢሳያስ ዘምጸኦ መዘዝ፡ ኤርትራውያን ከም ዝሞቱ፡ ንብረቶም ከም ዝዓነወ፡ ኣብ ርእሲቲ ዘለዎ ካልእ ጸገማት ህዝብና ብራዕዲ ከም ዝተዋሕጠ፡ ንርእሱ እንዳጠመየ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክቕልብ ከም ዝተገደደ፡ ኮታ ኤርትራ በቶም ጌና ብጐቦ ዓይኖም ዝርእይዋ ዘለዉ  ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣዕለቕሊቓ ትርገጽ ከም ዘላ ከምቲ “ኣደስ ትሓብእ እሞ ሓበላ ዓይንስ ኣይትሓብእን” ዝበሃል፡ ግሁድ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።

እቲ ዳርጋ ንሓደ ወርሒ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ውግእ፡ ክሳብ ሕጂ ኣዝዩ ከቢድ ንዋታውን ሰብኣውን ክሳራታት ኣውሪዱ፡ ኣብ ኢትዮጵያ “ሕጂ ውግእ ተወዲኡ” ኣብ ትግራይ ድማ “ሕጂባ ቃልሲ ተጀሚሩ” ኣብ ዝበሃለሉ ደረጃ ተበጺሑ ኣሎ። ዝተፈላለዩ ወገናት እውን ኩነኔኦም ነቲ ውግእ የስምዑ ኣለዉ። ሰዲህኤ እውን ነቲ ብሰንኪ ሽርከነት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን፡ ኣብቲ ውግእ ዝተኻየደሉ ትግራይ ዝወረደ ማህሰይቲ ኮኒኑ፡ “ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ መበገሲኡ ቅዋማውን ፖለቲካውን ፍልልይ ስለዝኾነ፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክግበረሉ ንጽውዕ።” ዝበሎ ብመንጽርዚ እዩ። ከምቲ ኣቐዲምና ዝሰጋእናዮ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ብሰንክዚ ውግእ  ጉድኣት ከም ዘውረደ፡ ኣብ ርእስቲ ኣቐዲሙ ዝተዘርዘረ፡ ነቲ ኣብ ህዝብን ሰብኣዊ ትካላትን ዓለም ሻቕሎት ፈጢሩ ዘሎ፡ ኩነታት ናይቶም ኣብ ትግራይ ኣብ መደበራት ስደተኛን ካብ መደበራት ወጻእን ዝጸንሑ ብኣማኢት ኣሸሓት ዝግመቱ ኤርትራውያን መንእሰያት ምዝካር ጥራይ እኹል እዩ። ወግእ ከምቲ ዝኾኖ እምበር ከምቲ ሃንደስቱ ዝምነይዎ ስለ ዘይከውን ከኣ፡ ብቐጻሊ ሳዕቤን እውን ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝጽበዮ ዋጋ ከም ዝህሉ ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ።

እቲ ኣቐዲምና ዝፈለጥናዮን ዝገመትናዮን፡ ንትግራይ ናይ ምንብርካኽ ናይ ኢሳያስን ናይ ኣብይን ኣጀንዳ ኣብዚ ንዕዘቦ ዘለና ኩነታት ካብ በጸሔ፡ ካብቲ ተሓቢኡ ዝጸንሐ ኣጀንዳታት ናይዞም ክልተ መራሕቲ ካልእ መስርዑን ግዜኡን ሓልዩ ክገሃድ ግድን ክኸውን እዩ። ካልእ ናይ ሓባር ኣጀንዳ  ዘይነበሮም እንተኾይኑ ከኣ ዋኒኖም ወዲኦም ነናብ ዝነበርዎ ክምለሱ እዮም። እዚ ዘይብሩህ መጻኢ እዩ ከኣ “ኢሳያሰ-ኣብይ፡ ሕጂኸ ናበይ?” ዘብል። ኢሳይስ መንገዲ ዲክታተርነት ዝመረጸን በቲ ዝመርጾ መንገዲ ዝቕጽል ዘሎን እዩ። ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ከኣ ባዕሉ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት “ንጉስ ኢትዮጵያ ክትከውን ኢኻ” ዝብል ትንቢት ከም ዘለዎ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ። ናይ ኢሳያስን ኣብይን ህርፋን ልዕልናን ፈቓድን ህዝቢ ዘይቅበል፡ ጸረ ዲሞክራሲ እዩ። ምእንቲ ብሓባር ክቕጽሉ፡ ሓዲኦም ሕድገት ክገብሩ ከኣ ባህርያዊ ኣይኮነን። እዚ ካብ ኮነ ነፍሲ ወከፎም “ደሓን ናይ ሓባር ጸላኢናሞ  ነወግድ፡ ናቱስ ደሓር ከርክበሉ እየ” ዝብል ሕቡእ ሕልሚዶ ደኣ ይህልዎ ይኸውን። ስለዚ ናይቲ “ኢሳያሰ-ኣብይ፡ ሕጂኸ ናበይ?” ዝብል ሕቶ መልሲ ኣብ መጻኢ ሃሰስ እንብሎ ክኸውን ናይ ግድን እዩ።