ውግእ ትግራይን፡ ሻቕሎት ህዝቢ ኤርትራን

2022-10-11 08:32:06 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 1112 times

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ውግእ ኣብ ዝርዝሩ ከይኣተና፡ ኩለ-መዳያዊ ዕንወትን ህልቂትን  ስለ ዝኾነ፡ ዝምረጽ ፖለቲካዊ  መፍትሒ ኣይኮነን። እንተኾነ መሰረታዊ ናጽነትካን መሰልካን ምስ ተገፈፈ፡ ነዚ ንምምላስን መንነትካ ንምውሓስን ካልእ ምርጫ ምስ ሰኣንካ ተገዲድካ እተኣትዎ ውግእ ኣሎ። እዚ ከኣ ቅኑዕ ውግእ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ዕድላት ምስተዓጽዎን ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነቱ ዝኣተዎ እሞ ድሕሪ ሰላሳ ዓመታት ዘዐወቶ ውግእ ናይዚ ቅኑዕ ውግእ ኣብነት ኮይኑ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ እናተዘከረ ዝነብር ዓብይ  ቦታ ዘለዎ ፍጻመ እዩ።

ብኣንጻርዚ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ዶብ ሰጊርካ ዝግበር፡ ህዝባዊ ረብሓ ዘየውሕስ ውግእ ዘይቅኑዕ እዩ። ዘይቅኑዕ ውግእ ኣብ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ዘይተሰረተ ስለዝኾነ ተሰዓርነቱ ዘይተርፍ እዩ። ተኸታተልቲ ገዛእቲ መንግስታት ኢትዮጵያ ፍትሓዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ንምምካን ብዘይፍትሓዊ፡ ተደጋጋሚ ወራራትን  ውግኣትን ኣካይዶም መወዳእትኦም ከኣ ስዕረትን ፍሽለትን ኮይኑ። እዚ ቅኑዕ ውግእ ኣብ ልዕሊ ዘይቅኑዕ ውግእ ምዕዋቱ ከምዘይተርፍ ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ዘረጋገጾ ተመኮሮ ኢዩ።  ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ካብ ዕሸል ክሳብ ብዕድመ ዝደፍአ ሽማግለ ብዘይብቑዕ ወተሃደራዊ ትምህርትን ነብስኻ ናይ ምክልኻል ዓቕምን ጉልበትን ተገዲዶም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ትግራይ ኣትዮም ኣለዉ። እዚ ኢድ ኣእታውነት፡ ንህዝቢ ኢርትራ፡ ክሳራ፡ ሞትን ሕፍረትን’ምበር፡ ካልእ   ዘምጽኣሉ ክብሪ፡ መኽሰብን ዓወትን የብሉን 

ጉድኣት ውግእ፡ እቲ ውግእ ከቋርጽ እንከሎ ሽዑ ዝሓዊ ኣይኮነን። ስንብራት ገዲፉ ስለ ዝሓልፍ፡ ንዘኸተሎ ሞት፡ ስንክልና፡ ምምዝባል፡ ዝዓነወን ዝተዘምተን ንብረትን ዝፈረሰ ትሕተ-ቅርጻን፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ቁስልን ጽልእን ኣሕዊኻ ናብ ንቡር ንምምላሱ ነዊሕ ግዜ ዝወስድ፡ ሓላፍነታዊ ሕድገትን ኣዝዩ ዓሚቕ ኣስተብህሎን ዘድልዮ እዩ። እዚ ናይ ሕውየት መደብ ህግደፍን ኣሳሰይቱ ሓይልታትን እናሃለዉ ክትግበር ይኽእል እዩ ኢልካ ምሕሳብ ፈጺሙ ኣይከኣልን እዩ። ምኽንያቱ ክሳብ ዘለዉ ውግእን ዕንወትን ውሁብ እዩ።

ሎሚ ኤርትራውያን ንውግእ ብዝምልከት ክልተሻብ ኢና ንረአ ዘለና። ኣብ ሓደ ታሪኻዊ መድረኽ፡ ናጽነትናን መሰልናን፡ ንምዕቃብ መተካእታ ምስ ሰኣና ኣንጻር መግዛእቲ ተዋጊእና ተዓዊትና። በቲ  ንካልእ ሓይሊ ዘይኮነ ንሓቅን ርትዕን ተኣማሚና ዘመዝገብናዮ ዓወት ናይ ጽንዓትን ዘይምርብራብን ኣብነት ኮይና ተገሊጽናን ተሓቢንናን። ኣብዚ እዋንዚ ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ሰጊሩ ናብ ትግራይ ብምእታዉ ንኤርትራ መዛረቢ ገይርዋ ኣሎ። እቲ ብዛዕባ ኢድ ኣእታውነቱ ዝወሃቦ ዘሎ መግለጽን ሚዛንን ድማ  ብኣንጻርቲ ናይ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት፡ “ኣብዘይጉዳዩ ዝኣተወ ወራሪ ሰራዊት ኤርትራ” ዝብል እዩ። እዚ ከኣ ዘሕፍርን ርእስኻ ዘድንን እዩ።

ሎሚ እቲ ቅድም  ምእንቲ መሰልናን ናጽነትናን ሳላ ዝተቓለስና ዘተባብዓናን “ኣጀኹም” ዝብለናን ዝነበረ ሕብረተሰብ ዓለም፡ “ካብቲ ዝወረርኩምዎ ሃገር ውጹ” ብዝብል እዩ ንጉጅለ ህግደፍ ዘጠንቅቖ ዘሎ። እቲ ናብ ትግራይ ምእንቲ ልኡላውነት ኤርትራ ኢና ኣቲና ዝበሃል ንህዝቢ ኤርትራ  በታ የዋህነቱን ፍቕሪ ሃገሩን  ኣቲኻ ከተዕሽዎ ንምፍታን እንተዘይኮይኑ ሓቅነት የብሉን። ንልኡላውነትና ኣስጋኢ ዝኸውንስ እዚ ድሕሪ ዘሊልካ ናብቲ ውግእ ምእታው ዝረአ ዘሎ ምዕባለ እዩ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ ኣብቲ ምስ ክልል ትግራይ ዘራኽብ ብዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ዝተዛዘመ፡ ኣብ መሬት ቀዋሚ ምልክት ምንባር ጥራይ ዝተረፎ ግዜ ደኣ ይወስድ እምበር፡  ኣይኮነንዶ ከዋግእስ ከቋይቕ ዘይግበኦ ጉዳይ እዩ ዘለና።

ኣብዚ እዋንዚ ኢትዮጵያውያን ደገፍቲ ብልጽግና ኣብ ትግራይ የካይድዎ ኣብ ዘለዉ መሬት ናይ ምሽማው ውግእ ኤርትራውያን ተዋጋእቲ ስለ ዘድለይዎም፡ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ኢድ ምእታዋ ቅኑዕ ኣምሲሎም ንምቕራብ ዘይፍንቅልዎ እምኒ የለን። ኤርትራ ንጉዳያ እምበር ንጉዳይ ኢትዮጵያ ኢላ ኣይኮነትን ናብ ትግራይ ኣትያ ዝብሉ ወገናት ከኣ “ካብ መቐለ ናብ ኣስመራ ሚሳይል ምስ ተተኮሰ እያ ኣትያ”   እዮም ዝብሉ። እዚኣቶም ናብ ኣስመራ ሚሳይል ዝተተኮሰሉ ዕለትን ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ  ዝወረረሉ ግዜን ዘይተረድኡ ወይ እናተረድኡ ክሓብኡ ዝደልዩ እዮም። ሎሚ ኣብ ትግራይ ብሰንክ’ቲ ሰራዊት ኤርትራ ዝሳተፎ ዘሎ ውግኣት ካብ ብደብዳብ ነፈርቲ ዓድታትን ትካላት ሲቪላዊ ኣገልግሎታትን ምፍራስ ጀሚርካ፡ ክሳብ ሰባት ሰሪዕካ ምርሻን ኣብ ልዕሊ ሲቭል ሰባት፡ ዘይተነግረ እንተዘይኮይኑ ዘይተፈጸመ ግፍዒ የለን። ካብዚ ብምንቃል እዮም ድማ ዝተፈላለዩ ወገናት፡ ኣብ ታሪኽ ደማውን ኣጽናትን ውግኣት፡ ነዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ህልቂት፡ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ ዝብልዎን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባኦም ብዘየገድስ ብሰብኣውነት ደጋጊሞም ዝኹንንዎን ዘለዉ።

ደረጃታቱ ከም ዝፈላለ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ከምቲ “እንተ ክትድቕስ ጐረቤትካ ይደቅስ” ዝበሃል ህዝቢ ኤርትራ እውን ኣብ ርእሲቲ ዝጸንሖ ወጽዓ ኣብ ዝለዓለ ሕሰምን ሓደጋን እዩ ዝርከብ ዘሎ። ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍን ዘሎ ናይ “ደቅኹም ንውግእ ኣቕርቡ-ኣይነቕርብን” ግብግብ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ሕጊ ዘይኮነ፡ ሓይልን ዓመጽን ስለ ዝኾነ፡  ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ግዝያዊ ዓወት የመዝግብን ህዝብና የንብዕን ኣሎ። እዞም ሎሚ ግዳያት ዝኾኑ ዘለዉ ህጻናት መብዛሕቶም ደቂ-ደቂ እቶም ናይ ነጻነት ስዉኣት ምዃኖም ድማ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ  ኣብ ግጉይ መንገዲ ተኹድድ ከምዘላ  ዘረድእ እዩ። ወያ ኣብቲ ናታ ውግእ ዘዕጠቐትን ዘስነቐትን ሓቦኛ ኤርትራዊት ኣደ፡ ሎሚ በዓል ቤታ፡ ወዳ ወይ ወዲ-ወዳ፡ ጓላ ወይ ጓል-ጓላ፡ ብሓይሊ ናብ ዘይልከቶም ውግእ ስለ ዝተወስዱ ንብዓት ተነጺፋ ትሓድር ኣላ። ከምቲ “ዓሻ ሰበይቲሲ ወዲ ሓሙታ ዘይወዳ ይመስላ” ዝበሃል፡ ነዚ እናሰመዓ፡ “ኩራዕ መንደላይ” እናተደርፈለን ብባንዴራ ኢትዮጵያ ተሰንየን ክስዕስዓን ክዕልላን ዝሓድራ ውሑዳት ኤርትራውያን ኣደታት ምህላወን: ክሳብ ክንደይ ገለ ኤርትራውያን ካብ ንቡር  ሰብኣውነት ወጺአን ምህላወን ዘርኢ እዩ። ንሳተን ጥራይ ኣይኮናን፡ ዲኖ ለቢሶም  ዋልታን ሴፍን ገቲሮም ኣብ ጎደናታት ዝፍክሩ ዝገደዱ’ውን ኣለዉ። እዚኣቶም ሓንሳብ ስለ ዝተጸለሉ ዘኽፍኣሎምን ዘጸብቐሎም ኣይፈልጡን እዮም። ንዓና ከም ኤርትራውያን ዜጋታት ግና የሕፍረና።

ሓደ ኣብ ማሕበራዊ መድያ ዝተሰምዐ ጭንቂ ኤርትራውያን ኣደታት ዘርኢ ተረኽቦ ንጥቀስ፡ “ኤርትራዊት ጓል ክልተ ስዉኣት እያ። ክንድሰብ ምስኮነት ተመርዕያ ወሊዳን። ሰብኣያ ኣብቲ ናይ ቅድም ውግእ ተሰዊኡ። ካልኣይ ሰብኣይ ምስ ተመርዓወት  ከኣ: ኣብዚ ናይ ሎሚ ናብ ትግራይ ክኸትት ተድልዩ ኣይተረኽበን። ድሕሪዚ ንሳ ሰብኣያ ከተረክብ ስለ ዘይከኣለት፡ መንበሪ ገዝኣ ተዓጽዩ ምስ ውላዳ ኣብ ማእከል ጐልጐል ተደርብያ።” እዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ክሳብ ክንደይ ንኤርትራዊ’ውን ከም ዘረኻኸበሉ ዘርኢ ኣብነት’ዩ። እሞ ነዚ ዝዕዘብ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራሲ  “እዚ ኩሉ ግፍዒሲ ኣብ ምንቲ ምንታይ” ክብልዶ ኣይግበኦን?

Last modified on Tuesday, 11 October 2022 11:11