ምእንቲ ክንዕወት ንናበብ!

2024-03-22 11:41:36 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 575 times

ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ናይ ኩልና ናይቶም ሰላምን ራህዋን እንብህግ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ኤርትራ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ከቢድ ወጽዓ ኣብ ልዕሊ ኩልና ተጻዒኑ ዘሎ ጾር ስለ ዝኾነ። እቲ ነዚ ደበና ወጽዓን በደልን ክቕንጥጥ ዝኽእል ዓቕሚ ድማ ኣብ ኢድ ኩልና ውጹዓት ኤርትራውያን ዘሎ እዩ። እዚ ናይ ለውጢ ዓቕሚ ኣንጻር ወጽዓ ህግደፍ ንከድምዕ ከኣ ክወሃሃድን ክናበብን ክኽእል ናይ ግድን እዩ።

እቶም “ኩልና” ንብል ኤርትራውያ፡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፡ ኣስላምን ክርስትያንን፡ ኣብ ዓዲ ዘለዉን ኣብ ወጻኢ ዝነብሩን፡ መንእሰያትን ዓበይትን፡ ገዳይምን ሓደስትን……….ወዘተ ኤርትራውያን ኢልና እንገልጾም። እዞም ዝተጠቕሱ ኣካላት ሕብረትሰብ ኤርትራ ተቓሊሶም ንክዕወቱ ክውደቡ ከም ዝግበኦም ርዱእ እዩ። እዚ ውዳበታቶም ንናይ ሓባር ዓወት ብሓባር ተቓሊሱ ንክዕወት ከኣ ኣብቲ ዘራኽቦ  ሕድሕድ ተናቢቡ ዓቕሚ ክድልብ ይግበኦ። ኣብዚ መስርሕ ግደ ናይቲ በብግዜኡ ዝግንፍል ህዝባዊ ማዕበል ዕዙዝ ምዃኡ ኣይዝንጋዕን ።

ሕድሕድ ምንባብ ነብሱ ዝኸኣለ ሰፊሕን ዝተፈላለዩ መልከዓት ዝሕዝን መቀራረቢ ኣምር እዩ። ብግብሪ ንምንጽብራቑ ዝኣክል ከኣ ኣብ ሕድሕድ እቶም ክናበቡ ዝግበኦም ኣካላት፡ ኣፍልጦ ብምውህሃብ፡ ብምክብባር፡ ብምድምማጽን ብመንገዲ እሂን ምሂን ተመኩሮ ብምልውዋጥን ብሓባር ተቓሊስካ ንምዕዋት ወሰንቲ ስጉምትታት እዮም። እዚ ምቅርራብ ሓላፍነታውን ናይ ሕድሕድ ጉድለት ኣብ ምምልላእን ምትሕልላይን ዘትከለን ክኸውን ይግበኦ። እቲ መናብብትኻ ኣብ ኩሉ መዳያት ክንድቲ ትደልዮ ምሉእ ዘይክኸውን ይኽእል። ኣብዚ እዩ ድማ እቲ ሓላፍነታዊ ምምልላእ ዓብይ ብጽሒት ዝህልዎ። ኣብዚ መስርሕ እንካን ሃባን ብቑዕ ተዋሳኢ ንምዃን፡ ከምቲ እንተዘይሂብካ ዘይትቕበል ወይ እንተዘይ ሰሚዕካ ዘይትስማዕ፡ ናይ ኣተሓሳስባ  ምክብባርን ምጽውዋርን ወሳኒ ብጽሒት ኣለዎ።

ኣብዚ ኤርትራውያን ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ንሓርነት፡ ዝምድና ናይቶም ነባራት ተቓለስትን መንእሰያት ተረከብቲ ሕድርን ክህሉ ዝግበኦ ምንባብ ኣድላይነቱ ዝያዳ ጐሊሁ ዝርአ ዘሎ እዩ። እዞም ክልተ ኣካላት ማዕረ ደላለይቲ እምበር፡ እቲ ሓደ ተለማኒ እቲ ካልእ ድማ ለማኒ ዝኾሉ ኣይኮነን። እቲ ገዲም በዓል ሃብታም ተመኩሮ፡ ነቲ ክሳብ ሎሚ ዋጋ ዝኸፈለሉ ቃልሱ  ተረኪቡ ዘቐጽለሉ ተቐባሊ ሕድሪ የድልዮ። ንሱ ድማ እቲ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዝዋሳእ ዘሎ በዓል ንኡስ ዕድመን ውዑይ ደምን  መንእሰይ ኤርትራ እዩ። ስለዚ ምስ ኩሉቲ ከም መንእሰይ ከርእዮ ዝኽእል ቁጠዐን ሕጽረታትን “ተካኢየይ ኢኻ እሞ ተረከበኒ” ኢሉ ክሕብሕቦን ግቡእ ክብሪ ክህቦን ይግበኦ። ንሎሚ ምስ ጽባሕ ኣራኺብካ ናይ ምቕጻል ሓላፍነት ዘለዎ መንእሰይ ከኣ፡ ሎሚ ብዘይ ትማሊ፡ ጽባሕ ከኣ ብዘይ ሎሚ ከም ዘይህሉ ተገንዚቡ፡ መጻኢኡ ኣድማዕን ምሉእን ንክኸውን ካብቲ ነባር ኣውራሲ እቲ ከቐጽሎ ዘለዎ ተመኩሮ ናይ ምስናቕ ሓላፍነት ኣለዎ። ስለዚ ከም’ቲ “ንዝገበረልካ ግበረሉ ወይ ንገረሉ” ዝበሃል፡  ነቲ ተመኩሮ ዘቕስሞ ገዲም “ሕድሪ ከቐጽል ቅሩብ’የ” ኢሉ ናይ ምቓባል ሓላፍነት ኣለዎ። መንእሰይ ካብቲ ነባራት ዝሓለፍዎ ጉዕዞ፡ ኣብ ዝያዳ ተሃዋስን ስልጡንን እዋን ስለ ዘሎ፡ ብዕድመ ጥራይ ዘይኮነ ብኣተሓሳስባ እውን ጸብለልታ ናይ ምርኣይ ሓላፍነት ኣለዎ። ካብዚ ሓሊፉ ብኣተሓሳስባ ካብቲ ነባር እንተዘይበሪኹ፡ ነቲ ተፈጥሮኣዊ ውህብቶ ንኡስ ዕድመ ጥራይ መዝሚዙ “መንእሰይ እየ” ኢሉ እንተ ተነየተ ብልጭኡ ዘርኢ ኣይኮነን።

በቲ ሓደ ወገን ሓሓሊፉ ዝርአ፡ ነቲ ሕድሪ ተረኪቡ ብሓላፍነት ዘቐጽለልካ መንእሰይ ኣብ ክንዲ ዘርእዮ ሕጽረት እናኣረምካ ምትብብዑ ብሕማቕ ዓይኒ ምርኣዩ፡ ንቕድሚት ዘሰጉሞን ስለ ዘይኮነ፡ ክእረም ዝግበኦ እዩ። በቲ ካልእ ወገን ድማ እቲ መንእሰይ ነቲ ንናይ ሎሚ መንጠሪ ምእንቲ ክኾኖ “ትማሊ ከመይ እዩ ነይሩ?” ዝብል ሕቶ ዝምልሰሉ በዓል ሃብታም ተመኩሮ ክብሪ ሂቡ ካብ ምስማዕን ምቕሳምን ሓሊፉ ካልእ መተካእታ የብሉን። ምኽንያቱ መንእሰይ ነቲ ዝሓለፈ፡ እናተወራረሰ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ዝበጽሐ ቃልስን ተቓለስቱን ኣነኣኢሱን ግቡእ ክብሪ ከሊኡን “ሀ” ኢሉ ዝጅምር ዘይኮነ፡ ነቲ ናይ ኣያታቱ ተመኩሮ ዳህሲሱ፡ ነቲ ኣሉታ ገሊፉ፡ ነቲ ኣውንታ ድማ ኣራጒዱ ክቕጽል ከም ዝምረጽ ክዝንግዕ ኣይግበኦን።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ነቲ “ናይ ወለዱ  ዝረኸበ ተቐለተ፡ ናይ ወለዱ ዝሰኣነ ከኣ ተዘምተ” ዝብል ኣበሃህላ እውን ግቡእ ኣዝተብህሎ ምሃብ ይግባእ። ነዚ ምንባብ ዘንጊዕካ “ክላእ እዚኣቶምስ ግደፍዎም ደኣ” ተበሃሂልካ ምንጽጻግን በበይንኻ ምውፋርን ግና፡ መፍቶ እቲ ክንበታተነሉ ከይደቀሰ ዝሓድርን፡ መንእሰያት ኣባኢሱ ሕድሕዶም ካብ ምቅታል ድሕር ዘይብል፡ ጸረ ህዝቢ ኤርትራ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ምዃን ሓሊፉ ረብሓ የብሉን።

እዚ ናይ ነባርን ሓድሽን ምውርራስ ተመኩሮ ኣብዚ ርእሰ ዓንቀጽና ተገዲስናሉ ዘለና፡ ፖለቲካዊ ዛዕባ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ኣብ ብዙሕ መሕበረ-ቁጠባዊ ተመኩሮ ዝዝውተር ቅኑዕ መንገዲ እዩ። መጻኢኻ ቅኑዕ ንክኸውን ቅድሜኻ ንዝነበረ ሃሰስ ምባል ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንምብራህ እዮም ድማ ኣበዋት “ዝወዓለን ይንገርካ፡ ዝሰሓተን ይምከርካ” ዝብሉ። ዝሓለፈ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስዚ ሎሚ ዘሎ ምዕባለታት ንምትእስሳር ዘይኤርትራውያን ደረስትን ተመራመርትን ደድሕሪ ኤርትራውያን ገዳይም ተቓለስቲ ዘብዘብ ኣብ ዝብልሉ እዋን፡  መንእሰይ ኤርትራ ምስ ነባራት ኣረከብቱ እንተዘይ ተናቢቡ ብኣጋኡ ክእረም ዝግበኦ እዩ። ናይ ሰባት ተመኩሮ ምልውዋጥ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሓያሎ ከባብታት ሃገርና፡ ንዝራብዕ እውን ምስ ዝተመኮረ ተስታይ ብዕራይ ጸሚድካ ኢኻ ብኸመይ ከም ዝሓርስ እተጽርዮን ውሕልነት እተቕስሞን። ስለዚ ከምቲ፡ “ተመሊስካ ንእትረድኦ ሓዲግካዮ ኣይትእቶ” ዝበሃል፡ ሓደ ብዘይቲ ካልእ ከምዘይዕወት ተገንዚብና “ምእንቲ ክንዕወት ንናበብ።”

Last modified on Friday, 22 March 2024 13:15