“ኣዲኣ ገዲፋስ፡ ሓትነኣ ትናፍቕ” ድዩ ዝበሃል?

2024-03-28 07:29:48 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 442 times

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ንቡር ዘይፈልጥ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ከተማ ሞስኮ ኣብ ሓደ ናይ ምርኢት ኣደራሽ፡ “ብፈጥርቲ ራዕዲ ዝተፈጸመ” ብዝተባህለ መጥቃዕቲ ብዝሞቱ ከባቢ 137 ሰባት ምኽንያት ብምግባር፡ ናይ ሓዘን መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። እቲ መልእኽቱ “ብስም ህዝብን መንግስትን ኤርትራን ብስመይን፡ ናብ ፕረሲደንት ፑቲን፡ ቤተሰብ እቶም ግዳያትን ህዝቢ ሩሲያን ልባዊ ሓዘነይ እገልጽ። ኣብ ሓጺር ግዜ ክጸናንዑ ከኣ ሰናይ ትምኒተይ እዩ።” ዝብል ጭብጢ ይርከቦ።

ከምዚ ዝኣመሰለ መልእኽቲ፡ ንቡርን ወግዕን ብዝፈልጥ መንግስትን መራሕን ክመሓላለፍ ልሙድ እዩ።  ካብ ኢሳያስ ክስማዕ እንከሎ ግና፡ “ስለምንታይ ደኣ ንህዝቢ ኤርትራን ንቤተሰብ ናይቶም በብግዜኡ ግዳያት ዝኾኑ ኤርትራውያን ከምዚ ዝኣመሰለ ርህራሀን ሓልዮትን ዘየርኢ?” ዝብል ሕቶ የልዕል። ካብዚ ነቒልካ ናብቲ ኣብ እዋኑ ዓለም ብዓለማ ዘሰንበደን ድምጺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዘይተሰመዓሉን ህልቂት ደሴት ላምፓዱዛ ብሕልና ይወስደካ።

ብ3 ጥቅምቲ 2013 ባሕሪ መዲትራንያን ኣቋሪጾም ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ እንከለዉ ብዘጋጠሞም ከቢድ ሓደጋ ኣስታት 368 ነፍሰ-ጾራትን ህጻናትን ዝርከብዎም ኤርትራውያን ከም ዝሃለቑን በሰላኡ ክሳብ ሎሚ ካብ ሕልና ብዙሓት ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ ካብ ወጻእተኛታት’ውን ዘይወጸን ኣስካሕካሒ ተረኽቦ እዩ። ህግደፍ ነቲ ተረኽቦ ብናይ ዜና ልሳናቱ ከም ተራ ዕለታዊ ትርትርኽቦ ካብ ምቅልሑ ሓሊፉ፡ ብዝኾነ መለክዒ ብኸምዚ ሎሚ ብሩሲያውያን ከም ዝሓዘነ መሲሉ ዝዋጥየሉ ዘሎ ኣገኣብ’ኳ ድምጺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣይተሰምዐን። እዚ ሓደ ገጽ ናይቲ ኢሳያስ በብግዜኡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘርእዮ ንዕቀትን ጭካነን እዩ።  እዛ መልእኽቲ ናብ ሩሲያ ከኣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኢሳያስ ፑቲን ንምሕጓስን ርፍራፍ ንምርካብን ኣንጻር ዩክረይን ዝተሰለፈላን ወራር ዘተባበዓላን  እምበር ጉዳይ እቶም ግዳያት ዝኾኑ ሩስያውያ ዓጢጥዎ ዝለኣኻ ከም ዘይኮነት ርዱእ እዩ።

ነቶም ኤርትራውያን ግዳያት ላምፓዱዛ ሓዘኑ ዘይምግላጹ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣስከሬኖም ኣብ ዓዶም ሓመድ ኣዳም ክለብስ ኣይፈቐደን። ንዝኽሮም ባንዴራ ኤርትራ ለጠቕ ኢላ ከም  እተንበልብል ኣይገበረን። መዓልቲ ሓዘን ንምእዋጅን፡ እታ ዝሃለቑላ ዕለት ቀዋሚት መዘከርታኦም ክትከውን ኣይሓሰበሉን። ብመንጽርዚ እዚ ዓለም ብዘሰንበደ ህልቂት ኤርትራውያን ልቡ ዘይራህረሀ ሕሉፍ ዲክታተር ብጉዳይ ሩስያውያን ንብዓት ሓርገጽ ክነብዕ እንከሎ “ኣዲኣ ገዲፋስ ሓትነኣ ትናፍቕ” ካብ ምባሉ ሓሊፉ ዝኣምኖ የለን።

“ኮሚተ 3 ጥቅምቲ” ብዝብል ዝተሰምየ፡ ምጥርናፍ ብዙሓት ሲቪላዊ ማሕበራትን ነጠፍቲ ሰብኣውነትን እዛ ኤርትራውያን ዝሃለቑላ ዕለት ናይ ኢጣልያ ሕጊ ብዘፍቅዶ መሰረት ቀዋሚት ዝዝከሩላ ክትከውን ተንቀሳቒሱ ምንባሩ ክትዝክር እንከለኻ ከኣ፡ ንጭካነ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝያዳ ዘርኢ እዩ። ተረኽቦ ላምፓዱዛ ከም ኣብነት ንጠቅስ ኣለና እምበር፡ ተግባራት እቲ ዲክታተር ኩለ-እንተናኡ ኣንጻር ህዝብን ሰብኣውነትን ምዃኑ ንምርግጋጽ ብዙሕ ዝርዝር ምቕራብ ዘጸግም ኣይኮነን። ነዚ ኩሉ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ክምዘን እንከሎ ድማ፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንድዚ ዝጨከነ ጠላም ዲክታተርን ጉጅለኡን ሓላይ ካለኦት ህዝብታት ክኸውን ማለት ዘበት እዩ። ነዚ ጉሒላ ባህሪ ኢሳያስ  መራሕቲ ሩሲያ ኮኑ ካለኦት ክሽሕጦም ዝፍትን ወገናት ክጥቀምሉ እተዘይደልዮም ይስሕትዎ እዮም ዝብል እምነት የብልናን።

እዚ ናይ ኢሳያስ “ኣይፈልጡንን እዮም” ኢልካ፡ ዘይኮንካዮ መሲልካ ናይ ምቕራብ ኣምስሉነት፡ በዚ ዝተጠቕሰ በለጽ ጥራይ ዝግለጽ ኣይኮነን። ድሕሪ ናይ 2018 ዝምድና ኤርትራን  ኢትዮጵያን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ኣዲስ ኣበባን ካለኦት ከተማታትን፡ ኣፍልቡ እንዳወቐዐን ርእሱ እንዳነቕነቐን ብስምዒት ከም ዝሰኸረ ተረዲእዎ ከብቅዕ፡ “ብስምዒት ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘለኹ” እናበለ፡ ፈታውን ሓላይን ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ መሲሉ ክቕርቡ። ዝተፈላለዩ ህያባት ተቐቢሉ፡ ዋልታን ኲናትን ጨቢጡን ካባ ካባ ለቢሱን። እዚ ኩሉ ክኸውን እንከሎ፡ “ወዮ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ ኢሳያስስ ደኣ ከመይ ኢሉ እዩ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ክርህርህ?” ዝብል ሕቶ ዘልዓሉ መስተውዓልቲ ውሑዳት ኣይነበሩን። ብድሕሪቲ ወደኽደኽ ዝሓበኦ ተንኮል ከም ዝህሉ ዝጠርጠሩ ኣካላት ድማ፡ ምስቲ መናውን ተገላባጥን ባህርያቱ ዝመንጨተ ምስ መንጨተ ንዶ/ር ኣብይን መንግስቱን ሕቘኡ ከም ዝህቦም ርግጸኛታት ነይሮም። እዚ ሎሚ ብልኡኻቱ ኣቢሉ ኣንጻር ኣብይ ኣሕመድን ካለኦት መራሕቲ ኢትዮጵያን ዝነዝሖ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣሽሙር ከኣ ነዚ ዘረጋግጽ እዩ።

ኢሳያስ ኣድብዩ ግዜ ክጽበ ጸኒሑ፡ ምእንቲ ዝኸሓነ ቂሙን ሱር ዝሰደደ ጽልኡን እንተዘይኮይኑ፡ ንኤርትራን ህዝባን ብዘይካ ዕንወት ረብሓ ናብ ዘይነበሮ ውግእ ትግራይ መኣትውቲ ንክኾንዎ ንኢትዮጵያውያን ይስሕሎምን የቀባጥረሎምን ከም ዝነበረ ምርድኡ ዘጸግም ኣይነበረን። ማለት ከምቲ “ክልተ ጐረሓትሲ ሓሙኹሽቲ ስቆም” ዝበሃል፡ ኢትዮጵያውያ እውን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳዮም ኣእትዮም፡ መኻይዲ ንክኾኖም የቀባጥርሉ ነይሮምኑ። ብግብሪ ከኣ በብሕሳቦም ሓቢሮም ናብቲ ናይ ህልቂትን ጥፍኣትን ውግእ ተጠቢሶም። እነሆ ከኣ ከምቲ “ኣእትወኒ እምበር ውጸለይሲ የዳዲ” ዝበሃል፡ ኢሳያስ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ እውን ሕማም ርእሲ ኮይኑ ይሕምሶም ኣሎ።

ሎሚ ኢትዮጵያውያን ናይ ድሕሪ ውግእ ናይ መኽሰብን ክሳራን ሕሳባት ንምስራሕ ኣብ ዙርያ ውዕል ፕሪቶርያ ይሰሓሓቡ ኣለዉ። ህዝቢ ኤርትራ ግና ብዘይካ ህይወት ደቁ ምህላቕን ንብረቱ ምብራስን ካብቲ ውግእ ክሳራ እምበር መኽሰብ ከምዘይረኸበ ኣረጋጊጹ። እቲ ህዝቢ ትግራይ ዝረኸቦ ንቡር ተሓሪምዎ ከኣ፡ መርድእ ደቁ ክሰምዕ ከብዱ ሓቚፉ ይጽበ ኣሎ። ኢሳያስ ግና ካብቲ ውግእ ክሓፍሶ ዝተጽበዮ ምሉእ ብምሉእ’ኳ እንተዘየረጋገጾ፡ ገለን ብምርዳእ ገለን ድማ ብምድንጋር ኣጽዋር ራስዩ እዩ። ተወሳኺ ሚልዮናት ዶላር ክከሓስ የንባሁቕ ከምዘሎ ድማ ብማዕከናት ዜና ይንገር ኣሎ።

 እቲ ኣዝዩ ዘገርም፡ ብስምዒትን ትዕቢትን ኣትይዎ ብዘይካ ነገራዊ ቀንጠመንጢ ምቕራም ብኽሳራ ንዝወጾ ውግእ፡ “ብፍርዲ ዝተዋህበና መሬት ከነምልስ ኢና ኣቲና፡ ሕጂ’ውን ኣብ መሬትና ኢና ዘለና” ዝብል መልክዕ ኣትሒዙ ምስምስ ክፈጥር ናብ ዕዳጋ ወሪዱ፡ ዋላ ይውሓዱ ሓሳቡ ዝዕድጉ ምርካቡ እዩ። ኣብዚ ኩነታት ብህዝቢ ኤርትራ “መሬትና ደኣ ካብ መጀምርታኡ’ውን ንስኻ ኢኻ  ኣሕሊፍካ ሂብካዮም፡ ዳሓር ከኣ ኢትዮጵያ ድሉዋት ኢና እናበሉ፡ ዘይንስኻ ኢኻ ምጥራር ኣቢኻ እምበር፡ መሬትና ደኣ ብቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ኮሚሽን ዶብ እንድዩ ተዋሂቡና” ዝብል ስሙርን ደራኽን ድምጺ ዘይምስምዑ ዘሕፍርን ኣብ ትዕዝብቲ ዘውድቖ እዩ።

በዚ ኮነ በቲ፡ ኢሳይስ ናይ ሓዘን ናይ ሓጐስ መልእኽቲ እንተለኣኸ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ጨኪኑ ከብቅዕ ኣብ ልዕሊ ካለኦት ዝርህርህ ሕልና ክህልዎ ኣይክእልን እዩ። ምእንቲዚ እዩ ከኣ “ኣዲኣ ገዲፋስ ሓትነኣ ትናፍቕ” ክበሃል ዝግበኦ።

 

 

Last modified on Thursday, 28 March 2024 08:36