ከም ፈትልን ስምዕን ንኹን

2024-03-19 09:29:59 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 553 times

ፈትልን ስምዕን ሓቢረን ጥዋፍ ወይ ሽምዓ ኮይነን  ብርሃን ይህባ። በበይነን እንተ ነዲደን ግና ንገዛእ ርእሰን እየን ዝጠፍኣ እምበር፡ ዝህበኦ ብርሃን የለን። እዚ ኣብ ክንዲ በበይንኻ ኣብ ዘየዐውት  እትደክም፡ እንተሓቢርካ ክሳብ ክንደይ ከም እተድምዕ ዘገንዝብ ኣብነታዊ ምስላ እዩ። ኣብ ዝሓለፍናዮ ቃልስና እውን፡ ጉዕዞ ሓድነትና ዕንቅፋታት ዘይተፈልዮኳ እንተነበረ፡ ዕዙዝነት ሓድነት እዩ ዘዘክረና። ተመኩሮና ከም ዘረደኣና ኣድማዒ ሓድነት ብፈተነታትን ምውዳቕን ምትንሳእን ዝሓልፍን ወትሩ ምኹስኳስን ሓለዋን ዘድልዮ እምበር፡ ብዘይውሁድን ቀጻልን ጻዕሪ ዝረጋገጽ ከምዘይኮነ ምርድኡ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ብዛዕባ ኣድላይነት ሓቢርካ ምድማዕ ንፈላለየሉ ኣይኮነን። ሓቢርካ ምድማዕ፡ ኣብ ፖለቲካ  ከይተወሰነ፡ ኣብ  ቁጠባ፡ ማሕበራውን ካልእ መደያት ህይወትን እውን ዝረአ እምበር፡ ኣድላይነቱ ኣብ ውሱን መዳይ  ዝድረት ኣይኮነን። ኣብ ባህላዊ ናይ ምምልላእ ውርሻና ከም ወፈራዊ ስረሓት ዝኣመሰሉ ኣምራት ነዚ እዮም ዘርእዩ። ምናልባት ምስ ዝፍጠር ምዕባለታት እቲ ሓቢርካ ምውፋር ኣብ ሓደ ውሱን ዛዕባ ዝያዳ ዘተኩረሉ ኩነታት ከጋጥም ይኽእል። ንኣብነት ኣብዚ እዋንዚ  ኣብ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ዝያዳ ኩሉ፡ ፖለቲካዊ መዳይ ኣቐዲምና ኣብቲ ዝተረፈ መዳያት እውን ምቅርራብና ምሕያል ዘይስገር ኮይኑ ቀሪቡ ኣሎ።

ብዛዕባ ሓድነት ወትሩ ነንብብን ነዘንቱን፡ ንጭርሕን ንእውጅን። ምኽንያቱ ብዘይካኡ ካብዚ ዘለናዮ ሕድሕድ ምምዕዳው  ካልእ መዋጸኦ ስለ ዘየብልና። ኣብዚ መዳይዚ ብግብሪ እነመዝግቦ ዓወት ማዕረቲ ንደልዮን ንጭረሖን ዘይምዃኑ ከኣ ኣዝዩ ኣሻቓሊ እዩ። ስለምንታይ ነቲ “ገ እናበሉኻዶ ትጋገ” ዝብል ኣበሃህላ ዘይነስተብህለሉ ምህላውና ድማ የገርም። እቲ ድሌት ኣባና፣ እቲ ዓቕሚ ኣብ ኢድና፡ እቲ ውጽኢቱ ከኣ ንዓወትና እንከሎ፡ ሓቢርና ከይንቃለስ መን ብኢደ-እግርና ከም ዝሓዘና ከኣ ዘየተሓሳስብ ኣይኮነን። ምስዚ ኩሉ ግና መስርሕ ሓድነት “ረብሪበ” ኢልካ ትጓስዮ ስለ ዘይኮነ ምስ ኩሉ’ቲ ዝሓቶ ዋጋ ክንቅጽሎ ግድን እዩ።

ኣብ ሓቢርካ ምቅላስ ናይቶም ክሓብሩ ዝግበኦም ኣካላት ማዕረ ኣበርክቶ ዝሓትት እምበር፡ ሓደ ተጸባዪ እቲ ካልእ ከኣ ኣበርካቲ ዝኽወነሉ ኣይኮነን። ብቲ ዓወት ዝምጎስን በቲ ውድቀት ዝውቀስን እውን ኩሎም እቶም ሰብ ዋኒን እዮም።  ኣብዚ መስርሕ ቃልሲ ንምውሓስ ሓድነት፡ ግዳማዊ ዕንቅፋት ከም ዝህሉ ተገማቲ እዩ። ንኣብነት ህግደፍ ሓድነት ተቓወምቱ ንከይረጋገጽ ዘለዎ ገንዘባዊ በጀትን ሓይሊ ሰብን መዲቡ ኣስማትን ኣገባባትን እናቐያየረ፡ ዘርእዮ ዘሎ ላዕልን ታሕትን ርኡይ ኣብነት እዩ። እቲ ቀንዲ ዕቅፋት ግና ናይቶም ሰብ ዋኒን በዓል ቤታዊ ዘይብቕዓት ምዃኑ ክንሃድመሉ የብልናን።  ባዕላዊ ድኽመትና እንታይ ምዃኑ ስለ እንርደኦ ምዝርዛር ዘድልዮ ኣይኮነን። ኣብ ክንዲ ናብ ካልእ ኣላጊብካ ምህዳም፡ ካብ ውልቂ ጀሚርካ ክሳብ ሰልፊ ወይ ውድብ ደፊርና በብጽሒትና ወሲድና ክንፍውስ ክንበቅዕ ይግበና። ነዚ ክንበቅዕ ከኣ፡ ኣብ ክንዲ ሰልፍን ውድብን ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ዘቐድም፡ ኣብ ክንዲ ንሕናን ንስኻትኩምን “ንሕና” ዘቃልሕ፡ “ሃገርን ህዝብን ናይ ሓባር እዮም እምነት ግና ናይ ግሊ እዩ” ዝብል ዝተገንዘበ፡ ሕድገትን ምክእኣልን ዝተዓጥቀ ኣተሓሳስባ ከነጥሪ እንተ ክኢልና ኣብ ቅድሚ ናይ ሓባር ቃልሳ ዝጸንሕ ዓንቃጺ ሓይሊ የለን።

መንቀሊኻን መዓርፎኻን ተመሳሳሊ ካብ ኮነ፡ ኣብቲ እትሰማመዓሉ ዛዕባታት፡ ሓቢርካ ምጉዓዝ ናይ ዕንቅፋት መፍትሒ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ  ንኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ፡ መንቀሊና ምውጋድ ህግደፍን መሓውሩን እዩ። መዓርፎና ድማ ምትእትታው ህዝባዊ፡ ብዙሕነታዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት እዩ።  ካብዚ ሓሊፉ ብመንጽር ዘቤታዊ ኮነ ዞባውን ዓለም ለኻውን ምዕባለታት እውን ብዘይካ ሓቢርካ ምቅላስ ካልእ መዋጸኦ የብልናን። ከምኡ እንተዘይጌርና ግና ምህላውና ኮነ ምዕዋትና ኣብ ሓደጋ ከም ዝወድቕ ባዕሉ ዝዛረብ ሓቂ እዩ። ብፍላይ ከምቲ ወለድና “ሓምለ-ሰነ ኣይኮነዶ ናትካ ናይ እንዳማትካ ጉልበት እትደልየሉ ናይ ሕርሻ ወቕቲ እዩ” ዝብልዎ፡ ኣብዚ ኣብ ቅድሜና ዝረአ ዘሎ ኣዝዩ ቅልጡፍ  ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ ምልውዋጥ ዝረኣየሉ ዘሎ ነጥበ-መቐይሮ መድረኽ ተዓዘብትን ሰማዕትን ጥራይ ኮይና ከነራጥጥ ኣይግበኣናን።

ህልዊ ዝምድና፡ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ፡ ትግራይ፡ ኣምሓራ፡ ሶማሊያን ሱዳንን፡ ኩነታት ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊያ፡ ሶማሊያላንድ፡ ሱዳን፡ ግብጽን ጅቡትን ምስ ቅልውላው ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ደሚርና ክንመዝን እንከለና፡ ህግደፍ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ክጣለዓሉ እንከሎ፡ “ንሕናኸ ኣበይን ምስ መንን ኢና ዘለና”?  ኢልና ክንሓትትን ንሕቶና መልሲ ክንረኽበሉን ግድን እዩ።  ምስቲ ተባራዒ ኩነታት፡ ሩስያን ዩክረይንን፡ እስራኤል፡ ፍልስጥኤምን የመንን እንተ ኣተኣሳሲርናዮ ድማ ነዊሕ ናይ ሕቶታት ዝርዝር እዩ ዘኸትል። ነዚ ዝተጠቕሰን ዝኣመሰለን ሕቶታት ሓቲትና እንተዘይመሊስና ከኣ ካብ ሜዳ ቃልሲ በዂርና ኣለና ማለት እዩ። ናይቲ ሕቶታት መልሲ፡ ኣይኮነንዶ በበይንና ብሓባር ንምምላሱ እውን ክሳብ ክንደይ ከም ዝኸብድ ንስሕቶ ኣይኮነን። ስለዚ እዩ ድማ  ሕቶ ሓድነት ሓይልታት ለውጢ ዝያዳ ካልእ ግዜ ህጹጽ መልሲ ዘድልዮ ኮይኑ ዘሎ።

ሓቢርካ ክትቃለስ ምብቃዕ ብሓንሳብ ዝረጋገጽ ዘይኮነ፡ ብውረድ ደይብ ተፈቲኑ ዝሓልፍ መስርሕ እዩ። እንተኾነ ብጉልባብ መስርሕ ዘይቅቡል ዕባራ ምኽንያታት እናፈጢርካ ዘይተደላይ ግዜ ምብላዕ  ቅቡል ኣይኮነን። ሓድነት ዘሊልካ ብውድባት ጥራይ ዝፍጠር ዘይኮነ፡ እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ ናይቲ ካልእ ኣበርክቶ ናቱ ብጽሒት እናወሰኸ ኣብ ሎሚ ጥራይ ከይተሓጽረ ንተመኩሮ ትማልን ናይ ጽባሕ መጻእን ከይዘንግዐ ዝብርኽ እዩ። ኣምር ሓድነት ብመጀመርያ ኣብ ሕልና ነፍሲ ወከፍ ተቓላሳይ ሰሪጹ ድልዱል ቦታ ክረክብ ይግበኦ። በዚ መስርሕ ኣቢሉ ዝበረኸ ዓቕሚ ሰልፍታትን  ውድባትን ምስተቐራረበ ከኣ፡ ሓይልታት ለውጢ  ኣሳንዮም ኣብ ትሕቲ ባዕሎም ዝስይምዎ ዓይነት ጽላል ዝዋስእሉ ምጥርናፍ ይፈጥር። ስለዚ ኢና ከኣ ናይ “ፈትልን ሽምዓን” ዝምድና ኣብነት ብምዃን ዝኾነ ኣካል “ብዛዕባ ሓድነት እንታይ ይግበር ኣሎ?” ኢሉ ዝሓትት ዘይኮነ፡ ንሓድነት እጃሙ  ዘበርክት ክኸውን ይግበኦ እንብል።

Last modified on Tuesday, 19 March 2024 10:51