ዝያዳ ሓላፍነት ዘሰክመና ምዕባለታት

2023-08-23 19:59:18 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1198 times

ኣብ ዝኾነ ግዜ ዝኽሰቱ ጸለውቲ እዋናዊ ምዕባለታት ነይሮም፡ ኣለዉን ንመጻኢ እውን ቀጸልቲ እዮም። ነካይዶ ዘለና ናይ ለውጢ ቃልሲ እውን በዚ መስርሕ ዝግዛእ እዩ። ፍሉይ ግምት ዝወሃቦም ዓበይቲ ምዕባለታት ከም ዘጋጥሙ ርዱእ ኮይኑ፡ ብሓፈሻ ግና ኩነታትና ብዘየቋርጽ መስርሕ ለውጥን ምዕባለን ዝስነ እዩ።

ዓሚ ብናታ ምዕባለታት ተሰንያ እያ ሓሊፋ። ሎሚዘበን ድማ ናታ  መስርሕ ሒዛ ኣላ። መጻኢና እውን በዚ መስርሕ ዝግዛእ ክኸውን እዩ። ኣብ ቃልሲ ኤርትራውያን ኣብ ርእሲቲ ቀጻሊ ተርእዮታት፡ ብምጅማር ሰውራ፡ ብምርግጋጽ ናጽነት ፡ ብመጭወይትን ቅትለትን መራሕቲ ውድባት ካብ ኤርትራ ወጻኢ፡  ብጃምላዊ ማእሰርቲ ፖለቲከኛታት፡ ጋዜጠኛታትን መእመናንን፡ ብምዝካር ሰማእታት፡ ብህልቂት ዜጋታትና  ኣብ ደሴት ላምፓዲዛ፡ ዝዝከራ ዕለታት ብፍሉይ ግምት ካብ እንህበን እየን። ቃልስና ኣንጻር ወጽዓ ብዙሕ መልክዓት ዝሓዘ ኮይኑ፡ ቀንዲ ማእከሉ ነቲ ቀጻሊ ምዕባለታት ናብ ረብሓ ህዝቢ ንምውዓሉ ብዝካየድ ጻዕሪ ዝግለጽ እዩ። “ክሳብ ክንደይ እሞ ነቲ ዘጋጥም ናይ ቀረባን ርሑቕን ምዕባለታት ንረብሓ ህዝብና ብዝመጥን ማዕሪኡ ንስጉም ኣለና?”  ዝብል ከኣ፡ ብጥንቃቐ ክንምልሶ ዝግበኣና ሕቶ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ምረት ጭቆና ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና “መግለጺ የብሉን” ኢልካ ዝሕለፍ እዩ። እቲ ኣንጻርዚ ጭቆና ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ጉዕዘኡ ዘገምታዊ ምዃኑ ገዲፍካ፡ ኣቕጣጫ ጉዕዘኡ ግን ንቕድሚት ኣሎ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰልፊ፡ ውድብ፡ ማሕበርን ምንቅስቓስን ዝግበር ዘሎ ምንቕናቕ ህያው ኮይኑ፡ ካብዚ ቀረባ ግዜ ከኣ ብህዝባዊ ናዕቢ ብሪገድ ንሓመዱ  ይብርኽ ኣሎ። ናይዚ ህዝባዊ ኣብያ እወንታውነት፡ ሰፊሕ ኣሳታፍነት መንእሰያትን ተዓዋትነት ዘይጐነጻዊ  ቃልስን ዘርኢ እዩ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ክንዲ ቃልሲ ውጹዓት ዝሰፍሕን ዝሕይልን፡ ህላወ ጨቆንቲ ድማ ክዳኸምን፡ እቲ ጭቋኒ ዝያዳ ኣቓልቦ ክረክብ ወይ ድማ ማዕረቲ ናይ ውጹዓት ቃልሲ ክስጉም ምኽኣሉ “ስለምንታይ ከምኡ ይኸውን?” ዝብል ሕቶ ከልዕል ከም ዝጸንሐ ዝዝከር እዩ። ሎሚ ግና ማዕበል ውጹዓት በሪኹ፡ ሸፋጢ ድምጺ ወጻዕቲ እናተዳኸመ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ውዲታዊ ዳሳት ህግደፍ ብልዕልና ሕጋዊ ናይ  ለውጢ ቃልሲ ይፈርስን ፈኸረኦም ይሰዓርን ኣሎ። ምኽንያት ስዕረቶም ክቕበሉ ዘይደፈሩ ደገፍቲ ህግደፍ ከኣ ነቶም ዝመከትዎም ኤርትራውያን “ዜጋታት ካልእ ሃገር እዮም” ብዝብል ከጸልምዎም ዝሃንደስዎ ፈተነ ሰማዒ ስኢኑ ኣብ ትዕዝብቲ ወዲቖም ኣለዉ። ስለዚ ከምቲ “ሓጺን ብርሱኑ” ዝበሃል፡ እዚ ዝብርኽ ዘሎ  ማዕበል ሕጋዊ ኣካይድኡ ከይሰሓተ ንህግደፍ ኣብቲ ዘይክእሎ መድረኽ ቃልሲ ንምስዓሩ፡ ናይ ኩልና መድረኻዊ ሓላፍነት ክኸውን ይግበኦ። እዚ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ከይኣቱ ዓጋቲ ዘየብሉ ስዕረት ጉጅለ ህግደፍ፡  ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ፡ ኣብ መንግስታትን ዓበይቲ ማዕከናት ዜናን ቀጻሊ ኣርእስቲ ኮይኑ የዛርብ ኣሎ።

ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተነጺሉ ዝረአ ዘይኮነ፡ በቲ ሓደ ወገን ንካለኦት ዝጸሉ በቲ ካልእ ወገን ድማ ብናይ ካለኦት ምዕባለታት ዝጽለው እዩ። ካብቶም ተጸላላዊ ክኸውን ዝድርኽዎ ምኽንያታት ሓደ ብዘይካ ጉርብትና፡ ናይ ህግደፍ ዘይሓላፍነታውን ዘይትካላውን ኢድ ኣእታውነት ኣብ ጉዳይ ካልኦት እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ርሑቕ ከይከድና ቃልሲ ሓይልታት ለውጢ በቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ምዕባለታት ዝጽሎ እዩ። ብሰንክዚ ምዕባለታትዚ ኣብ ጐረባብትና ኣደዳ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ጸገማት ዝኾኑ ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታትን ተመዛበልትን ምህላዎም ናይቲ ምጽልላው ውጽኢት እዩ። በዚ ኢና ከኣ ብዛዕባ ናይ ጐረባብትና ምዕባለ ክንመዝንን መርገጽ ክንሕዝን እንከለና፡ ከም ህግደፍኳ ኢድና እንተዘየእተና፡ ኣብ ግምት ከነእትዎም እንግደድ። ኣብ ግምት ከነእቱ እንከለና ማእከልና፡ መጻኢ ሰላም፡ ሓድነትን ተስፋን መላእ ህዝብናን ልኡላውነት ሃገርናን መሰረት ብምግባር እዩ።

ነቲ ዝያዳ ሓላፍነት ዘሰክመና ምዕባለታት ንምብዳህ፡ ነቲ ከየውገዝካዮ ውጉዝ ስርዓት ህግደፍ ምቅላዕ ጥራይ እኹል ኣይኮነን። ብኣንጻሩ እቲ ወሳኒ ንሕና ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ፡ ብሓባር ህዝባውነቱ ዘይሰሓተ ኣገባብ ብተግባር ናይ ምስጓም ከቢድ ሓላፍነት ኣብ ቅድሜና ከም ዘሎ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። ነዚ ወሳኒ ብደሆ፡ ኣብ ነናትና ውዳበ ኮይና ብእንዓሞ ቃልሲ ጥራይ ዝረጋገጽ ከምዘይኮነ ተመኩሮና ኣርእዩና እዩ። ካብዚ ዘየዕወተና በበይንኻ ጉዕዞ ንምውጻእ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰልፊ፡ ውድብ፡ ግንባር፡ ማሕበርን ምንቕስቓስን ዘሎ ውህሉል ዓቕምታት ናብ ሓደ መኣዲ ናይ ቃልሲ ኣምጺእና፡ ተዛሪቡ ናብ ዘስምዕን ወቒዑ ናብ ዘድምዕን ዓቕሚ ከነብርኾ  ግድን እዩ። ኣብዚ ናይ  ቀረባን ርሑቕን ገዘፍቲ ሓይልታት ዝዝንብይሉ ዘለዉ ተሃዋሲ እዋን፡ ሓቢርካ ኣንጻር ህግደፍ ካብ ምቅላስ ወጻኢ ምርጫ ከምዘየብልና  ምርዳእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብግብሪ ከነርኢ ይግበኣን።

ኣብ ከባቢና ዝረአ ዘሎ’ሞ ንዓና እውን ይጸልወና እዩ ዝበልናዮ፡ ምዕባለታት ብዝለዓለ ውግኣትን ዕንወትን ዝስነ ዘሎ እዩ። ዝተፈላለዩ ናትና ኮነ ናይ ከባቢና ተመኩሮታት ከም ዝምስክርዎ ውግእ መፍትሒ ኣይኮነን። ብመንጽርዚ ኢና ከኣ ኣብ ኩሉ ኣጋጣምታት ንዘተን ልዝብን ቀዳማይ ቦታ እንህብ።  ውግእ ትግራይ ደሕሪ ክንደይ ዕንወት ዝሓዞ ሰላማዊ መልክዕን እኳ ነብሱ ዝኸኣለ ተመኩሮ እዩ። ኣብ ውግኣት ሱዳንን ኢትዮጵያን ተጸሚዶም ዘለዉ ወገናት ድማ ግዜ ከይበልዑ ናብቲ ውዒሉ ሓዲሩ ዘይተርፍ ሰላማዊ ልዝብ ክመጹ  ንምሕጸኖም።

ንሕና ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት እውን፡ ነቲ ዝበዝሐ  መሰረታዊ ዘይኮነ ፍልልያትና ኣወጊድና፡ ነቲ መትከላዊ እንብሎ ፍልልያትና ድማ ኣውንዚፍና ናብ ናይ ሓባር መኣዲ ቃልሲ ብምምጻእ ኣብነት ክንከውን ተደጋጊሙ ክቐርብ ዝጸንሐን ግና ህያው ዘሎን መጸዋዕታ እዩ። ከምቲ ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብጻይ ገረዝግሄር ተወልደ፡ ምስ መደብ ባህግና ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ ኣብ 4ይ ጉባአ ሰዲህኤ ዝያዳ ቆላሕታ ካብ ዝተዋህቦም ዛዕባታት፡ “ሓድነት ደለይቲ ፍትሒ ኣገዳሲ ምዃኑ፡ ምቅርራብ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኮነ ናይቶም እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት ተወጊዱ፡ ኣብ ቦታኡ ብኸመይ  ቅዋማዊ ስርዓት ከም ዝትካእ ዝቃለሱ ዘለዉ ወገናት ቆላሕታ ዝሃብናዮ ነይሩ። ከምኡ’ውን ግደ ሰዲህኤ ኣብ ምርግጋጽ ሓድነት ሓይልታት ኤርትራ እንታይ ክኸውን ከም ዝግበኦ ካልእ ተገዳስነት ዝሃብናዮ ነይሩ” ዝበሎ፡ ኣብዚ ዝያዳ ሓላፍነት ዘሰክመና ምዕባለታት ዝብርኸሉ ዘሎ መድረኽ ብቑዓት ክንከውን  ክንቀራረብ ግድነት እምበር ምርጫ ኣይኮነን።

Last modified on Wednesday, 23 August 2023 22:01