ቀጻሊ ጉዕዞ መስከረም፡ ናብ ምሉእ ዓወት

2023-08-31 19:56:33 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 906 times

 ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ                    

ኣብ መፋርቕ 1880 ኤውሮጳውያን ገዛእቲ ከከም ዝጥዕሞም ንኣፍሪቃ ክማቐልዋ እንከለዉ፡  ኢጣልያ ንኤርትራ ወሪራ ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ኣእተወታ። መግዛእቲ ኢጣልያ ግዝኣቱ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምስፍሕፋሕ ንኣስመራ ከም ቀንዲ መንበርን መዋፍርን ከተምኡ ክትከውን ኣዕበያ። ነዚ ዝገበሮ ብዋጋ ናይቶም ደቀባት ጉልበት ነይሩ። ናይ ኤርትራውያን መሬት ሕርሻ መንዚዑ፡ ጉልበቶም መዝሚዙን ሰብኣዊ መሰላቶም ገፊፉን። ህዝቢ ኤርትራ ግና፡ ኣብቲ እዋንቲ ምስ ዝነበሮ ውሱን ዓቕሚ፡ ንፋሽስታዊ ምምሕዳር ኢጣልያ ክገቶኳ እንተዘይከኣለ  ብቐሊሉ ኣይረዓሞን።

ኣብ 2ይ ውግእ ዓለም ስዕረት ናይቲ ኢጣልያ ዝነበረቶ ምሕዝነት ድሕሪ ምግጣሙ፡ ኤርትራ ሓያላት ሃገራት ስለ ዝዘረይዋ፡ ከምተን ካለኦት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኤውሮጳውያን ዝነበራ  ሃገራት ብቐጥታ ኣኽሊል ናጽነት ክትደፍእ ኣይከኣለትን። ብኣንጻሩ እቶም ናይ ምውሳን ስልጣን ዝነበሮም ሓያላት ኣብ ጉዳይ ሃገርና ኣብ ሕድሕዶም’ውን ምርድዳእ ስለ ሰኣኑ፡ ኤርትራ ካብ ትጽቢት ህዝባ ወጻኢ ን10 ዓመታት ኣብ ትሕቲ መጉዚትነት ዓባይ ብሪጣንያ ክትጸንሕ ተወሰነ።

ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መጉዚትነት ምምሕዳር ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝወደቐትሉ ግዜ፡ “መጻኢ ዕድል ኤርትራ” ንምውሳን ኣዝዩ ጽዑቕ ፖለቲካዊ ላዕልን ታሕትን ተኻየደ። ምምሕዳር እንግሊዝ ምስ ኩሉቲ ጨቋንን ፈላሊኻ ግዛእ ኣመሓዳድራኣን  ንህዝቢ ኤርትራ ዘየርብሕ ቁጠባዊ ፖሊሲኣን፡ መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን ስለ ዘፍቀደት ኤርትራውያን ከከም ዝንባለኦም ተወዲቦም  መጻኢ ዕድል ሃገሮም ክውስኑ ተንቀሳቒሶም። እንተኾነ እተን ኣብቲ ግዜቲ ዝተፈጠራ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ማሕበራት ብሓፈሻ፡ ካብ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ተጽዕኖ ብፍላይ ከኣ ካብ ኢድ ኣእታውነት ንጉሳዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ናጻ ሰለ ዘይነበራ መሰረታዊ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ኣየማልኣን። ኣብ መውዳእታ ከኣ እቲ ካብ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ወጻኢ ዝተመስረተ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን እውን ሰንከልከል ክብል ምስ ጸንሐ፡ ብ14 ሕዳር 1962 ብኢደወነናዊ ውሳነ ንጉሰ ሃይለስላሴ  ፈረሰ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩሉቲ ብሕቡእን ብግሁድን ንናጽነቱ ዘካየዶ ፈተነታት ምስ መኸነን እቲ ካብ ድልየቱ ወጻኢ ዝተደኰነ ፈደረሽን እውን በቲ ዝወሰኖ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ ተጠሊሙ ምስ ፈረሰን፡ ኣብ ቅድሚኡ ብዘይካ“ንመግዛእቲ ክርዕም ወይ ድማ ዝበለሐ ኣገባብ ቃልሲ ክኽተል” ካልእ ምርጫታት ኣይነበሮን። ህዝቢ ኤርትራ  ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ምንባር ስለ ዘይመረጸ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ከካይዶ ዝጸንሐ ሕጋውን ዘይጉነጻውን ኣገባብ ቃልሲ ንናጽነት፡ ዝበልሐን ዝለዓለን ኣገባብ ክኽተል ናይ ግድን ኮነ። በዚ መሰረት ባሕቲ መስከረም 1961ብመሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ተበሰረ። ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ወድዓዊ ኩነታትን ድሌት ህዝቢ ኤርትራ  ንናጽነትን ኣንቢቡ ኢዩ ተበጊሱ። ንኤርትራ ልክዕ ከምተን ኣብቲ እዋንቲ ናጽነተን ዝዓተራ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምግባራ ዝዓለመ ከኣ ነይሩ። ኣብቲ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዝተመኮሩ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ወጻእን ሓሲቦምን ምስቲ ዝነበረ ዓለማዊ ኩነታት ኣገናዚቦምን ምስ ዝተወሰነ በዓል ቤታዊ ሕጽረታት   ዝኣተዉዎ ምርጫ’ዩ  ነይሩ።

ቅድሚቲ ስዉእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝመራሒኦም ብባሕቲ መስከረም 1961 ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ምብሳሮም፡ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ሃገር ግብጺ፡ ብ7 ሓምለ 1960፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ትምህርትን ስራሕን ዝነበሩ ኤርትራውያን ንኣጀማምራ’ቲ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ዝምልከት ተኣኪቦም  ምዝታዮምን ኣብቲ ዓመት ብ10 ሓምለ 11 ዝኣባላታ መሪሕነት ምምራጾምን ድማ፡   እቲ ብረታዊ ቃልሲ ብኣፍልጦ እምበር ብሃንደበት ከም ዘይተጀመረ ዘረድእ እዩ።

ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዕላማኡ እንታይ ምዃኑ ከይተረደአ ዝነቐለ ዘይኮነ፡ ኣብ 5 ጉዳያት ዘተኩር 14 ዓንቀጻት ዝሓዘ መበገሲ ሰነድ ከም ዝነበሮ ብዛዕባኡ ዓሚቕ መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ ዘረጋገጽዎ እዩ። ኣብቲ መበገሲ ሰነድ፡ ሰውራ ንምሕያል ከከም ኩነታቱ ብግሁድን ብስዉርን ሰፊሕ ህዝባዊ ውደባ ምክያድ፡ ሓድነት እቲ ዝምስረት ሰውራን ህዝቢ ኤርትራን ምዕቃብን ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ካለኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ግንዛበ ክረክብ ጻዕሪ ምቕጻልን ዝብሉ፡ ኣይኮነንዶ ኣብቲ  እዋንቲ ሎሚ እውን ኣገዳስነቶም ህያው ዝኾኑ ሓሳባት ነይረምዎ። ከም ኣካል ናይዚ ሰነድዚ ተሳትፎ ኣብቲ ቃልሲ ንዝኾነ 18 ዓመትን  ካብኡ ንላዕልን ዝዕድሜኡ ኤርትራዊ ክፉት ምንባሩ ከኣ ክሳብ ክንደይ ኣህጉራዊ ሕጊ ውትህድርና ኣብ ግምት ዘእተወ  ከም ዝነበረ ዘመልክት እዩ።

ሰውራ ኤርትራ ብባሕቲ መስከረም 1961 ብመሪሕነት እቲ ብ1915 ተወሊዱ ብ1962 ዝተሰወአ ሓምድ እድሪስ ዓወተ ምስ ተበሰረ፡ ብዙሓት ወተሃደራዊ ተመኩሮ ዝነበሮም ኤርትራውያን ክኽተልዎ ግዜ ኣይወሰደሎምን። ኣብ ከባቢ ኣቑርደት ተወሊዱ፡ ብ1934 ኣብ ሱዳን ወተሃደር ዝነበረ፡ ኣቡ ርጀላ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ከም ዝገለጾ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1962 ንሱ ዝርከቦም 20  ወተሃደራዊ ተመኩሮ ዝነበሮም ኤርትራውያን ናብቲ ዕሸል ሰውራ ከም ዝተጸንበሩ ይገልጽ። እቲ ዋሕዚ ተሳትፎ ድሕሪኡ’ውን  ቀጺሉ።

እቲ ብኸምዚ ዝሰፍሐ ሰውራ፡ ኣብቲ መስርሕ የጋጥሞ ንዝነበረ  ውሽጣዊ ምፍንጫላትን መግዛእታዊ ተጻብኦታትን በዲሁ፡ ናይ ኣእላፍ ጀጋኑ ህይወት ገቢሩ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ናይ ቃልስን ዓወትን ጉዕዞ  ብ1991 ናጽነት ኤርትራ፡ ድሕሪኡ ከኣ ብ1993 ብመንገዲ ረፈረንደም ልኡላዊት ኤርትራ ኣውሒሱ። እዚ ዓወትዚ ናይቲ ቃልሲ ናይ መጀመርያ ምዕራፍ መዛዘሚ ናይ ቀጻሊ ምዕራፍ ከኣ መኽፈቲ እምበር፡ ናይ መውዳእታ ኣይነበረን። ምኽንያቱ “ልኡላዊት ኤርትራ ከመይ ትመሓደር?” ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ዝመለሰ ስለ ዘይነበረ። ብመሰረቱ እውን ናይቲ ቃልሲ መበገሲ ናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣብ ኤርትራዊ ኣካላዊ ህልውና ጥራይ ዘይኮነ፡ ምረት ናይቲ ብኣታቶም ዝወርድ ዝነበረ ወጻዒ ኣተሓሳስባ እዩ ነይሩ። ስለዚ እዩ ከኣ ንምውጋድ ጉጅለ ህግደፍን ኣተሓሳስባኡን  ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ክቕጽል  ባህርያዊ ዝኸውን።

ባሕቲ መስከረም እዚ ን62 ዓመታት መልክዓቱ እንዳቀያየረ ጌና ዘይዓረፈ ዘሎ ቃልሲ በቲ ዝበለሐ መልክዑ ዝተጀመረላ ስለ ዝኾነት ክንዝክራ ግቡእ እዩ። ኣብቲ ዝኽራ ኣብ ጸልማት ኮይኖም ብርሃን ከም ዝመጽእ ተኣማሚኖም ቃልሲ ብዛዕባ ምጅማሮምን ዝሰዓብዎም ሓርበኛታትን ገድሎም ከነዝንቱ ግድን እዩ። እቲ ቀንዲ ቁምነገር “ንሳቶምስ ግቡኦም ፈጺሞም ኣረኩበሙና ንሕናኸ ናበይ ገጽና ኢና?” ዝብል ንቕድሚት ዘማዕዱ ሕቶ ንምምላስ ድልዊ ምዃን  እዩ።  እቶም ሓርበኛታት ግቡኦም ፈጺሞም ኣረኪቦም ስለ ዝሓለፉ ቅሱናት’ዮም። ንሕና ግና እቲ ሓላፍነት ጌና ኣብ ኢድና ስለ ዘሎ ሰብ ዕዳ ኢና። ንተካኢና ወለዶ ከነረክብ ግድን ስለዝኾነ ከኣ፡ ኣብቲ ምርኽኻብ “እዚ ዓሚምና ኣለና ንስኻትኩም ከኣ መልእዎ” እንብለሉ ስራሕ ክንዓመም ይግበኣና።  ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ታሪኻዊ ዕለት፡ መንእሰይ ወለዶ ተኸኣኢሉ፡ ተጸዋዊሩን ተመላሊኡን፡ ትርጉም ፍልልያዊ ሓድነት ተረዲኡ ብሓባር ዝቃለሰሉ ባህሊ ከነውርሶ  ይግበኣና።

ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!

ባሕቲ መስከረም 2023

Last modified on Thursday, 31 August 2023 22:02