ኣብ ከባቢና ኣንጠልጢሉ ዘሎ ደበና

2023-08-16 08:12:29 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1009 times

ኣብ ኤርትራ በዂሩ ዘሎ፡ ሰላም፡ ዲሞክራስያዊ ምምሕዳርን ዕቤትን፡ ውጽኢት ናይቲ ህግደፍ ኮነ ኢሉ ዝፈሓሶ ተንኮልን ዝተኸተሎ ዘይህዝባዊ ኣንፈትን እዩ። ህግደፍ ኣብዚ ስሱዕን ዘየናሕስን ኣካይዳኡን ጭቆናኡን ተሓቢኡ ንምንባር ካብ ዝጥቀመሎም መንገድታት ሓደ፡ ህዝቢ ብኤርትራዊ ኣጀንዳኡ ንከይሓስብ ምድህላሉ እዩ። ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ንውሽጣዊ ዋኒኑ ከምዘይናቱ ርእዩ በቲ ህግደፍ ዝፈጥረሉ ኣጀንዳታት ተደሪኹ፡ ናብ ደገ ንከማዕዱ ይሰርሕ። ካብ ዕላማታት ናይቶም ኢሳያስ በብግዜኡ ብማይ ቀጠነ፡ ምስ ናይ ግዳም ሓይልታት ዝፈጥሮም ጐንጽታትን ዘሳውሮም ውግኣትን ሓደ ከኣ ኣቕጣጫ ህዝቢ ምስሓት እዩ።

ኢሳያስ ንኤርትራዊ ዛዕባ ኣብ ርእሲቲ ክሓብኦ ዝፍትኖ ከነኣእሶ እዩ ዝደሊ። ሓደ ሓደ  ወገናት “ኢሳያስ ኤርትራ ንምምራሕ ትንእሰኒ እያ” ዝብል ጣዕሳ ኣለዎ ዝብልዎ ድማ ካብዚ ነቒሎም እዮም። “ከምቲ ዝተጸበዮ ኣይኮነሉን እምበር ብዓባያ ንኢትዮጵያ ናይ ምምራሕ ህርፋን ነይርዎ እዩ” ኢሎም ዝምስክሩ’ውን ብዙሓት እዮም።  ኢሳያስ ነቶም ኤርትራዊ ኣጀንዳ ንምሕባእ ዝህንድሶም ዛዕባታት እዩ ዘተዓባብዮም። ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብታ ንእሽቶን ውሑድ ዝህዝባን ኤርትራ ዘየድመዐስ፡ ኣብ ፈቐዶ መድረኻት፡ “ጉዳይ ኢትዮጵያ ስቕ ኢልና ንዕዘቦ ዘይኮነ ኢድና እነእትወሉ እዩ፡ ኣብ ክንዲ ብዛዕባ 5 ሚልዮን ብዘይመልእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዛዕባቲ ኣስታት 400 ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክንሓስብ ይግበኣና፡ ካብኡ ሓሊፉ ኣንጻር፡ ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ኔቶን ክንዋጋእ ኢና ……ወዘተ”  ዝብሎ ጽላለ ናይዚ መርኣያ እዩ።

እቲ ህግደፍ ኣዳዕዲዑ ዝተሳተፈሉን ክሳብ ሕጂ ኢዱ ብዘይምስሓቡ ዝኽሰሰሉ ዘሎን ውግእ ትግራይ፡ ብውሳነ ናይቶም ብቐጥታ ዝምልከቶም ሰብ ጉዳይን ብምሕጽንታ ዝተፈላለዩ ደለይቲ ሰላም ወገናትን ናብ ካልእ ምዕራፍ ምስተሰጋገረ፡ በቲ ስምምዕ ካብ ዘይተሓጐሱ ቅድሚት ዝስራዕ ህግደፍ ምዃኑ ባዕሉ ብዘይሕብእብእ “ኮሊፎሙንና” ብዝብል ቃና ኣረጋጊጽዎ እዩ። ተኾሊፉ ክዓርፍ ዘይኮነ ካልእ ናብ ውግእ ዝኣትወሉ ኣእማን ክፍንቅል ምዃኑ ከኣ ርዱእ ነይሩ። ኣብቲ ናይ ትግራይ ውግእ ቀንዲ ቀጥታዊ ተዋሳእቲ ዝነበሩ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ክልል ትግራይ፡ ሓይሊ ፋኖ ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን እዮም። ድሕሪ ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ጐኒቲ “ተኾሊፍና” ብዝብል ኩራኡ ዝኣወጀ ህግደፍ ዝተሰለፈ ድማ  ፋኖ ነይሩ። ምኽንያቱ እቲ ዝተበጽሐ ውዕል እቲ ግዝኣተይ ዝብሎን ዝተዋገኣሉን ከባብታት ወልቃይትን ራያን ብመሰረት ውዕል ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ኢዱ ከም ዝወጽእ ስለ ዝተረደ። ህግደፍ ነዚ ናይ ውግእ ሸውሃቱ ዘይዓጸፈ ሓይሊ ፋኖ ኣብ ጐኑ ኣሰሊፉ ከም ዘታትዮ ርዱእ ነይሩ። ከምኡ ብምግባር ንጉዳይ ኢትዮጵያ ይሓላልኾ ከም ዘሎ ድማ ኢትዮጵያውያን ይምስክርዎ ኣለዉ። ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ኩሉ ሽንኮለል እውን ኤርትራዊ ኣጀንዳ ንምዕባጥ ኮይኑ፡ ትግራይ ምስ ወጻኢ ብወገን ሱዳን ዘራኽባ ኣፍደገ ከይትረክብ እሞ፡ ሓደ እዋን ሓይላ ከይትመጾ ስግኣት ከም ዝህልዎ ከኣ ግምት ዝወሃቦ እዩ።  

እዚ ኣብ ከባቢና ኣንጠልጢሉ ዘሎ ሓደገኛ ደበና ህውከት ንክፍጠርን ህድኣት ከይዓስልን  ካብ ዝሰርሑ ሓደ ብኢሳያስ ዝምራሕ  ህግደፍ ኮይኑ፡ ንዓኡ ዘተባብዑ ምዕባለታት እውን ብዙሓት እዮም። ዝተሓላለኸን ብደማዊ ውግእ ዝስነ ዘሎን ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ሓደ እዩ። ኣብዚ ሓድሽ ኣሰላልፋ ኢትዮጵያውያን ብልጽግናን ዕጡቕ ሓይሊ ፋኖን ሕድሕዶም ይዋግኡ ኣለዉ። እቲ ወትሩ ኣብ ዘዝተኣጉደ ሓዊ ካብ ምስሓን ድሕር ዘይብል ህግደፍ ከኣ ኣብቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝቕጽል ዘሎ፡ ሓደገኛን ንኢትዮጵያ ከይብትና ዘስግእን ውግእ ኣብ ጐኒ ፋኖ ተሰሊፉ የዳኽር ከምዘሎ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኮይኑ ኣሎ። እዚ ምስቲ ኢሳያስ “ንኢትዮጵያውያ ናይ 100 ዓመታት ዕዮ ገዛ ክንህቦም ኢንና” ኢሉ ዝበሃል ዝተሓሓዝ እውን እዩ።  ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ጐኒ ብልጽግና ከይስለፍ ከኣ፡ ካልእ ንዲክታተር ኢሳያስ ስግኣት ዘሕድረሉ እዩ።

ብልጽግና ኮነ ፋኖ “በዚ ውግእ ከነረጋግጾ ኢና” ዝብልዎ ትጽቢታት ኣለዎም። ናይ ህግደፍ ትጽቢት ከኣ ነቲ ውግእ ሓላሊኽካን ዞባዊ መልክዕ ኣትሒዝካን ጉዳይ ኤርትራ ቀዳምነት ዝሕዝ ኣጀንዳ ከምዘይከውን ምግባሩ እዩ። እቲ ዘገርም ከኣ ገለ ካብቶም ንኢሳያስን ምምሕዳሩን ዝቃወሙ ኤርትራዊ ወገናት እውን ቅድሚ ወይ ማዕረ ኤርትራዊ ዛዕባ ዝሰርዕዎ ናይ ጐረቤት ኣጀንዳ ዘታትዩን ብሰንኩ ኣብቲ ቀንዲ ዋኒኖም ዝፈላለዩን ምህላዎም እዩ።

“ዓርኪ ሰባር ነቓዕ” ከም ዝበሃል፡ ኢትዮጵያ ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስተራ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ህግደፍ ዕርክነት ምስ ጀመረት፡ መጻኢኣ ዘቕስን ከምዘይከውን፡ ናይ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ግምት ነይሩ። ንዓና እውን ከምቲ ብዓንተብኡ ዘተንባህናዮ፡ ከምኡ ከም ዝኸውን ካብ ግምትና ወጻኢ ኣይነበረን። መራሕቲ ኢትዮጵያ ግና ከምቲ “ብዕራይሲ ንግዜኡ ዝበልዖ ሳዕሪ እምበር ዝጽበዮ ገደል ኣይረኣዮን” ዝበሃል ኣርሒቖም ብዘይምሕሳብ፡ “ጉዕዞ ምስ ኢሳያስ ብርሃንዩ” ብዝመስል ተረድኦ ብዙሕ ኣሻህሪተምዎ። ኣተሓሕዛ ዝምድናኦም ብዓብይኡ ንዓኣቶም ዝጐደአ ኮይኑ፡ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ እውን ዘቕስን ኣይነበረን። ኢትዮጵያ ናታ ውሽጣዊ ጸገምኳ እንተነበራ፡ ናይ ኢሳያስ ኢድ ኣእታውነት ተወሲኽዎ እነሆ ናብ ናይ ምፍራስ ሓደጋ ተገማጊማ። ኤርትራና ኮነ ከባቢና ከኣ በቲ ፍርስራሳ ናይ ምህሳዮም ዕድል ዕጽዊ ኣይኮነን። እቲ “ኣብ ከባቢና ኣንጠልጢሉ ዘሎ ደበና” ዝበልናዮ ከኣ ንሱ እቲ ሓደጋ እዩ።

ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ሶማልን ተወሲኽዎ ኣብ ከባቢንና ዝምዕብል ዘሎ ተርእዮታት ገለን ብናታቶም ሕሳብ ገለን ድማ ተዓዲሞም ካብ ቀረባን ርሑቕን ኣድብዮም ዝዕዘብዎ ዘለዉ ኣካላት ብዙሓት እዮም። ካብቶም ናይ ርሑቕ ሓይልታት ዓደምቲ ሓደ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምዃኑ ባዕሉ ደጋጊሙ ካብ መድረኻት ሩሲያን ቻይናን ዝነገረና እዩ። ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ሃገራት ምዕራብን “ወይለኹም”፡ ምስ ሩሲያን ቻይናን ድማ “ኣጀኹም” ዝበሃሃሎ ዘሎ ከኣ ናይዚ መረጋገጺ እዩ። እቲ እንታይ ከም ዝዘንብ እንግምቶ፡ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ዞባና  ኣንጠልጢሉ ዘሎ ጸሊም ደበና ከኣ ናይዚ ውጽኢት እዩ። እቲ ደበና፡ እቲ ንቃለሰሉ ዘለና፡ ሰላም፡ ዲሞክራስን ኩለ-መዳያዊ ዕቤትን ንከዘንብ ኣበርክቶ ክህልወና ናይ ግድን እዩ። ኣስተዋጸኦና ኣብዚ መዳይዚ ኣድማዒ ዝኸውን ድማ ብሓባር ሓሲብና ብሓባር እንተሰጒምና ጥራይ ምዃኑ ብልቦና ንገንዘቦ።

Last modified on Wednesday, 16 August 2023 10:24