ኢሳያስ ጽልኢ ኣብ ምጽሕታር እዩ ዝነበር

2023-08-08 19:21:37 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1186 times

ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ዝረብሓሉ፡ ብሕገመንግስቲ ዝቕለስን ብትካል ዝምራሕን ፖሊሲ ዝምድና የብሉን። እዚ ግና  ምስ ከምኡ ዝኣመሰሉ ዘረግቲ፡ ትዕቢተኛታትን ሃለልትን ኣይዛመድን ማለት ኣይኮነን። ዝገብሮ ዝምድና ንሱ ጥራይ ዝረብሓሉ ተበላጺ እምበር፡ ንመዛምድቱ ዕድል ዘይህብ ስለ ዝኸውን ቀጻልነቱ ውሑስ ኣይኮነን። ብሰንክዚ ዘይዕጉስን ስሱዕን ህርፋኑ እዩ ከኣ ዝመንዘዐ መንዚዑ ብምህዳም፡ ምስቲ ሓደ ክዛመድ ምስቲ ካልእ ክፋታሕ ኣብ ዘይርጉእ መስርሕ ዝምድና ዝነብር። እዚ ካብቲ ብዙሕ መግለጽታት ጠላም ባህርያቱ ሓደ እዩ።

ዝምድና ንምምስራት ዘውጸኦ ቅዲ “ምስ ሓደ ንክትዛመድ ምስ ካልእ ምጽላእ” ዝሕመረቱ እዩ። ስለዚ ከኣ፡ ኣብ ኣተሓሳስባቲ ብኢሳያስ ዝምራሕ ጉጅለ ህግደፍ “ምስ ሓደ ንምዝማድ ምስ ካልእ ክትጻላእ ናይ ግድን ኣይኮነን” ዝብል ኣምር ቦታ የብሉን። ኣብ ክንድኡ ምስ ሓደ ንክፋቐር ምስቲ ካልእ ጽልኢ የሳውር። ናይ ቀረባ ኣብነትኳ እንተወሰድና ምስ ብልጽግና ንክፋቐር ምስ ትግራይ ተጻሊኡ፡ ምስቲ ምብራቓዊ ዓለም ዝባሃል ደንበ ንክጽጋዕ ኣንጻር ምዕራብ ይጻረፍ፡ ንቻይናን ራሻን ከቀባጥር ከኣ ኣንጻር ኣሜሪካን ኔቶን ኣብ ቆይቊ ይኣቱ። እነሆ ከኣ ኢድ ኣእታውነቱ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብምቕጻል፡ ፋኖ ኣሰልጢኑ ንምዕጣቕ ምስ ብልጽግና ንክባተኽ ኣብ ድርኩዂት ኣሎ። ምስ ሱዳን፡ ግብጺ፡ ኢራን፡ ኢማራት፡ ቀጠር፡ የመን፡ ሶማሊያን ካለኦትን ዝሰርሖን ዘፍርሶን ዝምድናታት እውን ብመንጽር “ናይ ጸላእየይ ጸላኢ ፈታውየይ እዩ”  ብዝብል፡ ግዝያዊ ረብሓ ዝተቓነየ  እዩ።

እቲ ሕሉፍ ዲክታተር ኣብ ዝገብሮ ዝምድና ዓቕሙ ዘይፈልጥ፡ ስሱዕ፡ ንሱ ባዛዕባ ካለኦት  ዝፈልጥ እምበር፡ ካልኦት ብዛዕባኡ ዘይፈልጡ ዝመስሎ ኮይኑ ስለ ዝቐርብ፡ ወትሩ ንነብሱ ተናዒቁ  ንኤርትራ ኣብ ትዕዝብቲ ዘውድቕ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ሰሙንናት፡ ኣብ ከተማ ፒተርስበርግ ምስ ልኡኽ ሩሲያ ኣብ ዝተራኸበሉ፡ ንምዕራባውያን ጸሪፉ ተቐባልነት ንክረክብ ዘይፈንቀሎ እምኒ ኣይነበረን። ግደ ምዕራባውያን ኣብ ዘመነ-ባርነትን ወራር ዝተፈላለያ ሃገራትን ዘርዚሩ። ኣብ መወዳእታ ዝሑል ውግእ ናይ ሶቬት ሕብረት ምፍራስ ጌጋ ከም ዝነበረ ንሩሲያውያን ክነቅፍ ተደናዲኑ። ኣብዚ እዋንዚ ኣሜሪካ ኮነ ኔቶ ኣብ ኣፍ ሞት ከም ዝወደቑ ንመራሕቲ ሩሲያ ክገልጸሎም ተሰሚዑ። መራሕቲ ሩሲያ ብዛዕባ’ቶም ዘልዓሎም ነጥብታት ኣይፈልጡን እዮም ኢሉ ምግማቱ ጥራይ ክሳብ ክንደይ ከም ዘገረሞም ካብቲ ኣጠማምታኦም ንምርዳእ ዘጸግም ኣይነበረን። ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ኢሳያስ ካብቲ ዝፈልጥዎ ንላዕሊ ከም ዝተዓዛዘሮ ተገንዚቦም። ኢሳያስ ክሳብ ክንድዚ ወዲ ገዛ ክረምሊን መሲሉ መልሓሱ ምንውሑ፡ እቲ እንኮ ንወራር ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይ ዝደገፈ መራሒ ኣፍሪቃ ምዃኑ ከም ንሩሲያ ግንዖት ዝገበረላ ሓሲቡ ይኸውን።  ንምግራም መራሕቲ ሩሲያ ድማ ኣድላይ ባእታ ኮይኑስ፡ በቲ ዝበሎ ዝተመሰጡ መሲልዎ ይነብር። ፑቲን ዝርከቦም ፖለቲከኛታት ሩሲያ ኣብቲ ጉዳዮም ካብ ኢሳያስ ሓድሽ ዘይተረድእዎ ሓሳብ ክጽበዩ ግና ዘይግመት እዩ።

ኣብዚ “ስለምንታይ እዩ እዚ ዲክታተር ትንፋስ ክሳብ ዝሓጽሮ ኣብ ቅድሚ መራሕቲ ሩሲያ ዝሃውተተ?” ዝብል ክምለስ ዝግበኦ ሕቶ እዩ። ብመሰረቱ መንቀሊኡ ዓቕሊ ጽበት እዩ።  ንነዊሕ ዓመታት ገጢምዎ ብዝነበረ ተነጽሎ ካብ ዝሓደሮ ሕማም ከምዘይሓወየ ርዱእ እዩ። ካብዚ የውጸኣኒ እዩ ብዝብል፡ ብዝኾነ መንገዲ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ነቲ ኩሉ ዝፈልጦ መወዳድርቲ ዘየብሉ ኩለ-መዳያዊ ኣበሳኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢኡ ኣድላይ ባእታ ምዃኑ ክፍለጠሉ ይጽበ እዩ። ብፍላይ ናብ መራሕቲ ሩሲያ ከመሓላለፎ ዝደለዮ መልእኽቲ ድማ ካብቲ ካብ ምዕራብ ከይወርዶ  ዝፈርሖ መቕጻዕቲ ንምድሓን መጸግዒ ክኾንዎ ንምምሕጻን እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ “እንተደኣ ኣጸጊዕኩሙኒ ዝበልኩሙኒ ክገብር  ድልዊ እየ” ዝብል መልእኽቲ  ከመሓላልፍ ከም ዝደሊ እውን ርዱእ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ፡ ኩሉ ከምኡ ብጉዳይ ህዝብን ሃገርን ዘይሓሊ ስለ ዝመስሎ፡ “ናብ ፕረሲደንት ፑቲን ናይ ብደርጃ ዓለም ክንዋጋእ መርሓና” መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ያኢ ንመራሕቲ ሩሲያ ጠፊእዎምስ “እቲ ውግእ ኣብ መንጎ ዩክረይንን ሩሲያን ኣይኮነን” እናበለ ኣጣቚሱ። እቲ ንፑቲን ምርሓና ምባሉ  ከምቲ ንኣብይ ኣሕመድ “ኣንጻር ትግራይ ክንዋጋእ ምርሓና” ዝበሎ እዩ። እዚ ከኣ ንእግረ መንገዱ እንትርፎ ምስ ካልኦት ተለጢፉ በይኑ ገጢሙ ከም ዘይዕወት ዘርኢ  ባህሪኡ  እዩ።

“እቶም ካብ ሩሲያዊ ንላዕሊ ሩሲያዊ  መሲሉ ብዛዕባቲ ዝያድኡ ዝፈልጥዎ ጉዳያቶም ከህተፍትፍ እንከሎ ጺን ኢሎም ዝሰምዕዎ መራሕቲ ሩሲያ፡ ክሳብ ክንድዚ ዕድል ዝሃብዎኸ እንታይ ካብኡ ዝደልይዎ ስለ ዘለዎም እዮም?”  ዝብል እውን ካልእ ሕቶ እዩ። ነቲ ሩሲያ ኣብዚ እዋንዚ ኣትያቶ ዘላ ወጥሪ መዋጽኦ ዝኸውን ሓሳብ ካብ ኢሳያስ ክርከብ ይኽእል እዩ ኢሎም ከምዘይጽበዩ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ናይ ኤርትራ እስትራተጅያዊ ኣቀማምጣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተጠቀምቲ ንክኾኑ ተለኣኣኺ ክኾኖም ከም ዝሓጽይዎ ፍሉጥ እዩ። ነዚ ዓስቡ ከኣ ዝተወሰነ መዕገሲ ናይ ውግእ ወልፉ ብዝኾኖ ኣጽዋር ምጥባሩ ከም ዘድልዮም ድሮ ዘጽንዕዎ እዮም ዝመስሉ። ኣብ መደበር ሓይሊ ባሕሮም ከይዱ ከም ዝሰኣል ምግባሮም ድማ ናይዚ መርኣያ እዩ። ኣብ ዞባዊ ኣሰላልፋ ልኡኽ ንክኾኖም ከም ዝሓጽይዎ’ውን ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ።  እቲ ኣብ መዳይ ቁጠባ ዓዘፍዘፍ ዝበሎ ንመዳምቕቲ እንተዘይኮይኑ፡ ብዘይካ ዕንወት ትሕተ-ቅርጺ ኤርትራ  ምጽብጻብ ኣብ ህንጸት ከምዘየሎ ቅድሚ ሕጂ ደጋጊሙ ዝነገረና እዩ።

ምጽሕታር ጽልኢ ንህግደፍ ሎሚ መጀመርታኡ ዘይኮነ፡ ዕድመ ልክዑ ዝሕበኣሉ በዓቲ እዩ። በዚ ዘይተፈተነት ጐረቤት ሃገር ኤርትራ እውን የላን። ኣብ 2018 ምስ ኢትዮጵያ ዝፈተኖ ዝምድና፡ ኢትዮጵያውያን ኩነታቶም መዚኖም ምስ ትግራይ ዘዋጸኦም መንገዲ ሰላም ምስ መረጹ፡ “ኮሊፎሙና” ብዝብል፡ እቲ ምስ ብልጽግና ኮይንካ ኣንጻር ክልል ትግራይ ብቐጻሊ  ምውጋእ ምስ ፈሸሎ፡ እነሆ ምስ ፋኖ ኣምሓራ ኮይኑ ኣንጻር ብልጽግና ክስለፍን ነቲ ህውከትን ውግእን ናብ ደረጃ ዞባ ከስፍሖን ይሸባሸብ ከም ዘሎ በብኩርናዑ ይግለጽ’ሎ።

እዚ ነቲ ኣብ “ነቲ ሓደ ኣጆኻ ነቲ  ካልእ ወይለኻ” ዝተሰረተ ዘይእሙን ፖሊሲ ህግደፍ ኣብ ሕድሕድ ኤትራውያን ሓድነት ኣዳኺምካ ፈላሊኻ ንምግዛእ ክጥቀመሉ ንዝጸንሐን ዘሎን ዝያዳ ዘጉልህ እዩ።  ናይቲ ኣብ ቅድሚ መዛምድቱ እሙን ዘይምዃን መሰረቱ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ዝጸንሖ ዘይእሙንን ጠላምን ተግባራቱ እዩ። ስለዚ ናይ ኢሳያስ ምጽሕታር ጽልኢ ኣብ መንጎ ሩስያን ኣሜሪካን ወይ ኣብ መንጎ ፋኖ ኣምሓራን ብልጽግና ኢትዮጵያን ጥራይ ዝተራእየ ዘይኮነ፡ ብቐንዱ ኣብ ሕድሕድ ኤርትራውያን ዝፈሓሶ ተንኮል እዩ እሞ ናይ ምፍሻሉ ቃልሲ እውን ብቐንዱ ንኤርትራውያን ዝምልከት እዩ።

Last modified on Tuesday, 08 August 2023 21:34