ኣካይዳ ኢሳያስ፡ “ኣባ ጉንባሕሲ ዘይግራቱ ይኾልል’ዩ”

2020-10-17 09:15:27 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2387 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ዲክታተር ኢስያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ካብ 12 ክሳብ 14 ጥቅምቲ 2020 ኣብ ኢትዮጵያ ኮለል ክብል ቀንዩ። መገሻኡ “ብዕድመ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ” ከም ዝኾነ ተቓሊሑ። ብመሰረት  እቶም ነቲ ጉዳይ ቀሪቦም ብረቂቕ ዝከታተልዎ ወገናት ዝህብዎ ሓበሬታ ግና፡ እዚ ንኢሳያስ ዘይግበኦ ክብሪ ንምሃብ ዝተማህዘ ከም ዝዀነን  ከይተዓደመ ደፊኡ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተወን እዩ ዝግለጽ። ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 ኣብ መንጎ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ሰላም ተኸቲሙ ካብ ዝበሃል፡ እቲ ብሕቡእ ዝካየድ ገዲፍካ ኢሳያስ ብወግዒ 5ተ ግዜ ናብ ኢትዮጵያ ተመላሊሱ።

ኢሳያስ ኣብዚ ተደጋጋሚ ናብ ኢትዮጵያ መገሻኡ ኣብ ከታማታት፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣዋሳ፡ ናዝሬት፡ ጐንደር፡ ባህርዳር፡ ዝዋይን ጅማን በጺሑ። ናብዘን ከተማታት ኣብ ዝበጸሓሉ ከኣ፡ ዝተፈላለዩ ናይ ኢንዳስትሪ ፓርክታት፡ ዩኒቨርሲታት፡ ኣብ ደብረዘይቲ ዝርከብ ኢትዮ-ኢንጅነሪንግን መደበር ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያን፡ ኣብ ዝዋይ ዝርከብ ዘመናዊ መስኖ፡ ኣብ ጅማ ዝርከብ ማእከል ፈልሲ ቡን፡ ኣብ ጐቦ እንጠጦ ዝተሃንጸ ሓድሽ መናፈሻ፡ ማእከል ሓይሊ ኤልክትሪክ ግቤን ዓብይ ዲጋ ህዳሴ ኣባይን በጺሑ። ኣወዳድባ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ከም ዝተዓዘበ እውን ተነጊሩ። ነዝታት ተዓዚቡ ቅዱስ ቅንኢ ሓዲርዎ ከምዘይትግብሮ’ኳ ርዱእ እንተኾነ፡ ኣብ ኩሉቲ ዝበጸሖ ቦታታት ብዛዕባቲ ትካላት ብክኢላታት መግለጺ ተዋሂብዎ።  እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ ኤርትራ ካብ ዓዲ ሃሎ ወጺኡ “ኣብዚ ቦታዚ በጺሑ” ዝብል ዜና ነበረያነበረ ኣብ ዝኾነሉ እዩ። ንሱ እዩ ከኣ “ኣባ ጉንባሕሲ ዘይግራቱ ይኾልል” ዘብል።

ምስዚ ኩሉ ቀጻሊ ምምልላሱ ግና፡ ጉዳይ ህዝቢ ዘገድሶ ኣይኮነን። ንማለቱ’ውን ምስቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዘይቀበጽዎ ውሑዳት ኤርትራውያን ክራኸብ ሓሲብዎን ፈቲንዎን ኣይፈልጥን። ነዚ ዘይገብር “መራሒ ኤርትራ እየ” ዝብል ውልቀ መላኺ  ኢሳያስ ኣብ ኤርትራን ኤርትራውን ዘለዎ ንዕቀትን ዘይተገዳስነትን ክሳብ ክንደይ  ሳዕሪሩ ከም ዘሎ ዘረድእ መረጋገጺ እዩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን መብዛሕትኦም ካብ ኢሳያስ ተስፋ ዝቖረጹ እዮም። እቶም ውሑዳት ተታሊሎም ዝነበሩ ብዛዕባቲ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝኣልሞ ዘሎ ውዲት ዘይተረድኡን ድማ ብምስምስ ተላባዒ ሕማም ኮቪድ-19 ዝሕለብዎ ዘለዉ ገንዘብን ኣብ መዓልኡ ዘይውዕል ከምዘየሎ  ከስተውዕሉ ይግበኦም።

ናይዚ ንነዊሕ ግዜ እንኮ መገሻኡ ናብ ዞባ ጋሽ ባርካ ምምልላስ ወይ  ኣብ ዓዲ ሃሎ ተዓኹሊልካ ምውዓል  ዝነበረ ዲክታተር፡ ክልተ መብረ ዘየብሎም ዕዙማት ኣሰነይቲ ኣኸቲሉ፡ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምምልላስ ዕላማ “ኪኖ’ቲ ዝርአ እንታይ እዩ?” ዝብል ናይ ብዙሓት ሕቶ እዩ። ብሰንክቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘይግሉጽነት፡ ኣብ ምናልባት ዝተመርኮሰ መልሲ ጥራይ ከም ዝህልወና ፍሉጥ እዩ። እቲ ርኡይ ምኽንያት ካብ ኤርትራዊ ዛዕባ እንዳሃደምካ ናይ ጐረባብትን ከባብን ተገዳሲ መሲልካ ንምቕራብ ዝመሃዝ “ኣተሃድማ ዕቡያት” እዩ። ኣብቲ ብቐጥታ ዝምልከተካ ሓላፍነት ከየድማዕካ ደገደገ ምምዕዳው፡ ኣብቲ እተማዕድዎ እውን ከተድምዕ ከምዘየኽእል ርዱእ እዩ። ብመንጽር’ዚ ንስሙኳ ኤርትራዊ ጉዳይ ክውግን ዘይፈተነን ዘይደለየን ሸፋጢ ዲክታተር ኣብ ጉዳይ ጐረቤት ኮነ ከባቢ ክጽይቕ እንተዘይኮይኑ ከዐሪ ከምዘይክእል  ካብ ዘየስተብህልሉ እቶም መዋዕልቱ’ውን ካብኡ ዝሕሹ ኣይኮኑን።

እቲ ካልእ ተልእኾ ቀጻሊ መገሻታት ናይዚ ዲክታተር ናብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ኣእቲዩ ውሽጣዊ ጉዳዮም ኣባሊሑ፡ ብፍላይ ነቲ ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ መዝሚዙ ሕነ ንምፍዳይ ምዃኑ ናይ ብዙሓት ግምት እዩ። ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ፡ በቲ ኢሳያስ ዝሃርፎ በታኒ ዘይሓላፍነታዊ ኣገባብ ድዩ ክተሓዝ፡ ወይስ በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ወድዓውን በዓል ቤታውን ሓቂ ኣብ መጻኢ ዝረአ ንኢትዮጵያውያን ዝምልከት እዩ። ብዙሓት ከም ዝረዳድእሉ፡ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብኢትዮጵያዊ ክውንነት እምበር ብኢሳያሳዊ ጠብሎቕሎቕ ክውገን ንቡር ኣይኮነን። ድሮ እውን ብፍላይ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ምስ ናይ ኤርትራ ዝመሳሰል ናይ ገንዘብ ምምሕዳርን ምቁጽጻርን “ኣቶ ኢሳያስ ካብ ጉዳይና ኢድኩምን እግርኹም ኣክቡልና” ዝብል  ድምጺ ኢትዮጵያውያን መመሊሱ ይዛይድ ኣሎ።

ዲክታቶር ኢሳያስ፡ ጌና እቲ ንኤርትራ ካብ ኢትዮጵያዊ መግዛእቲ ናጻ ንምውጻእ ዝካየድ ዝነበረ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ መስርሕ እንከሎ፡ ካብ ኢትዮጵያ ንዘይምፍላይ የዕጠጢ ከም ዝነበረ፡ ብዓይኖም ዝረኣዩን ብእዝኖም ዝሰምዑን ምስክርነቶም ሂቦም እዮም። እዚ ገበነኛ ሰብኣይ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ናጻ ተዓዘብቲ ኣብ ዝነበርሉ፡ ብልዕሊ 99%  “እወ ንናጽነት” ዝበሎ ውሳነ ዘንጊዑ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ፡ “ሎሚ እያ መስዋእትን ውሳነን ህዝቢ ኤርትራ ንምጥላም እትጥዕም” ብዝብል፡ ኣፍ ልቡ ብክልተ ኣእዳዉ እንዳደሰቐ “ክልቴና ህዝቢ ሓደ ኢና” ክብልን፡ ንኤርትራ ኢትዮጵያዊ መራሒ ክመዘላን ተዓዚብናዮ ኢና። ዋላ’ኳ እዚ ከሓድን ጠላምን ጉሒላ፡  ሃንደፍደፉን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኤርትራ ሓያል ቁጠዐ ከም ዘልዓለ እንተዘይሰሓቶ፡ ሓንሳብ ስለ ዝዓበደ ከምቲ “ሓንሳብ ዝጠልቀየ ዝናብ ኣይፈርሕን” ዝበሃል፡ ካብቲ ምስ ኢትዮጵያ ሕግብግብ ናይ ምባል ስምዒቱ ኣይወጸን። ኣብዚ ዳሕረዋይ መገሻኡ እውን፡ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ እትሕወሰሉ ውዲት እንተዘይተዓወተ፡ ንመጻኢ ህይወቱ ኣብቲ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ምብራቕ ኣዲስ ኣበባ ዝገዘኣሉ  ዘመናዊ መንበሪ ገዛ ናይ ምጥጣሕ ዕላማ ከም ዘለዎ ነቲ ጉዳይ ብኹሉ መልከዓቱ ብደቂቕ ዝከታተልዎ ኣካላት ይእምቱ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ዝምራሕ ዘሎ መንግስቲ፡ በቲ ሓደ ወገን “ሕጋውነቱ ዘብቀዐ እዩ” በቲ ካልእ ወገን ከኣ “የለን ሕጂ እውን ሕገመንግስታዊ እዩ” ዝብል ሓያል ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ኣሎ። ኣብዚ ህሞትዚ ናይ ኢሳያስ ናብ ኢትዮጵያ ምጋሽ እምበኣር፡ ናይቲ  መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ  ሕጋዊ ህያውነት ንምድማቕ እዩ ዝብሉ ወገናት እውን ኣለዉ።

በዚ ኮነ በቲ፡ እዚ ናይ ኢሳያስ ቀጻሊ ወዛሕዛሕ ናብ ፈቐዶ ከተማታትን ትካላትን ኢትዮጵያ፡ ብርግጽ ማእከሉ ረብሓን ቀጻልነትን ኤርትራን ህዝባን ኣይኮነን። ነዚ መዕገቲ እንተ ዘይገርናሉ፡ ንመጻኢ ዕድል ሃገርናን ህዝባን ካብ ዝኸፈአ ናብ ኣዝዩ ዝገደደ ዝወስድ ሓደገኛ መንገዲ ከይከውን ዘተሓሳስብ እዩ። ነዚ ስግኣትዚ ቀንጢጥና ናብ ኩለመዳያዊ ኤርትራዊ ራህዋ ንምቕያሩ ከኣ፡  ነቲ ኣንጻር ገበናት ኢሳያስ፡ ዝምረሓሉ ኣተሓሳስባን መተግበሪ ትካላቱን ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ሓድነትና ኣደልዲልና ካብ ምቕጻሉ ካልእ መተካእታ ከም ዘየብልና ዝያዳ’ቲ ዝሓለፈ ግዜ ከነስተውዕል ንጥለብ።

Last modified on Saturday, 17 October 2020 11:22