“ካብ ተዋጋኢት ላም” ዘየድሕን ጉጅለ

2020-09-26 09:27:22 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2098 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ጥልመት፡ ክሕደት፡ ቅትለትን ወጽዓን ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ መልከዓትን ናይ ነዊሕ ግዜ ታሪኽን ዘለዎ ምዃኑ ብሩህ እዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸም በደል መዓስን ብኸመይን ተጀሚሩ ዝተፈላለዩ ወገናት ነናቶም መዕቀንን መበገስን ክህልዎም ይኽእል። እቲ ኩልና እንሰማመዓሉ ግና ሎሚ እውን እዚ ወጽዓ እንዳገደደ እምበር እንዳሓሸ ይኸይድ ዘይምህላዉ እዩ። እዚ ጉጅለ  ጸረ ህዝቢ ተግባሩ ተነጊርዎ ዘእረም ዘይኮነ፡ እኳደኣ ካብ ባህርያቱ ዝነቐለ ን“ባህ ኣይበሎ” ስልትታት እንዳቀያየረን ኣጋጣምታት እንዳፈጠረን ጌጋታቱ ዝደግምን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለዎ ጽልኢ  ዘሳዕርርን እዩ።

እዚ ንኤርትራ ዘመሓድር ዘይኮነ “ዝገዝእ” ዘሎ ህግዲፍ፡ ህዝቢ ዝብድለሉ ኣገባብ ከምዚ’ዩ ኢልካ ካብ ምዝርዛር “ ኩሉ ተግባራቱ ጸረ ህዝቢ እዩ” ኢልካ ምድምዳም እዩ ዝቐልል። በደላቱ ኣብታ ከይፈተወት ሕድሪ ደቃ ጠሊሙ ዘሳቕያ ዘሎ ሃገርና ኤርትራ ዝድረት ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ ኤርትራውያን ዘለዉዎ ኩርነዓት  ክረአ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ብዙሓት ኣብ ሃገሮም ብሓፈሻ ማሕበራዊ ሕቶኦም፡ ብፍላይ ከኣ ናይ ሕክምና ጸገሞም ዝምልሰሎም ዝሰኣኑ ኤርትራውያን ህይወቶም ንምድሓን ናብ ዝተፈላለያ ናይ ርሑቕን ቀረባን ሃገራት ክገሹ ክግደዱ ጸኒሖም እዮም። ኣብ ገዛእ ዓዶም ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ደቆም ናብ መርዓን መዓርግን ክበጽሑ ስለ ዘይከኣሉ፡ ደቆም ከምስሉ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ክገሹ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ሒደት ኣይኮኑን። ብሰንኪ ንምምሕዳር ህግዲፍ ራሕሪሖም ምስዳዶምን ኣብ ዓዲ ስደቶም “ናይ ጣዕሳ ቀጥዒ” ዘይምኽታሞምን ናብ ዓዶም ክኣትዉ ዘይክእሉ መንእሰያት ዝናፈቕዎም ቤተሰቦም ክርእዩ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ክራኸቡ ዝግደዱ እውን ኣለዉ። ብፍላይ ከኣ ምስቲ ውሱን ዓቕሞም መብዛሕተኦም ኤርትራውያን ናብተን ብኣየርን ብመሬትን ብቕሉዕ ድዩ ብምስጢር ክኣትዉወን ዝኽእሉ ሱዳንን ኢትዮጵያን እዮም ዝያዳ ክገሹ ጸኒሖም። እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ኩርነዓት ዓለም ዝነብሩ እሞ ዝናፈቕዎም ቤተሰብ ክርእዩ፡ ወይ ዝሓመመ ከሕክሙ ዝደልዩ፡ እንተኾነ ናብቲ ዘለዉዎ ሃገር ናይ ምውሳዶም ዓቕምን ፈቓድን ዘየብሎም እውን ናብዘን ሃገራት እዮም ዝመጽዎም።

ብዙሓት፡ እዚ ንዓልምና ዘሸበረ  ጌና ሎሚ’ውን ናህሩ ዘይነከየ ኮቪድ-19 ከይተጋህደ እንከሎ፡ ገሊኦም ብመኪና ገሊኦም ከኣ ብነፋሪት ንዝተፈላለየ ማሕበራዊ ዕማም ዝገሹ ኤርትራውያን፡ ጉዳዮም ወዲኦም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ቅሩባት ክነሶም፡ ህግዲፍ ነቲ ቫይረስ ኣመኽንዩ ስለ ዘይፈቐደሎም፡ ኣብ ዓዲ ጓና ኣብ ከቢድ ስቓይ ይነብሩ ኣለዉ። በዚ መሰረት ከኣ ብስእነት መጽለሊ ኣባይቲ፡ መግብን ካልእ መሰረታዊ ነገራትን ኣብ ዝለዓለ ጸገም ወዲቖም ኣለዉ። “ቀልጢፍና ክንምለስ ኢና” ኢሎም ኣብ ዓዲ ምስ ዝገደፍዎም እሞ ተዓጽዮም ዘለዉ ቤተሰቦም  ኣብ ዓሚቕ ናፍቖትን ሻቕሎትን ወዲቖም። ምስተመለስና ክንዓሞ ኢና ዝበልዎ መደባቶምን ናይ ክረምቲ ሕርሻን ኩሉ በዂሩ። ናይዚ ብኩራት ሳዕቤን ከኣ ንመጻኢ እውን ቁጠባዊ ስንብራቱ ቀሊል ኣይክኸውንን እዩ። ወለዶም ወይ ካልእ ኣባል ቤተሰቦም ንዝተፈላለዩ ምኽንያታት ንውሱን ግዜ ናብዘን ጐረባብቲ ሃገራት ንክኸዱ ዘተባብዑን ወጻኢኦም ዝኸኣሉን ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ብሰንኪ ኮቮድ-19 ኣታዊኦም ኣዝዩ ስለ ዝነከየ፡ ብቐጻሊ ክናብይዎም ብዘይምኽኣሎም ኣብ ሻቕሎት ኣትዮም ኣለዉ።

ሓደ ናብ ጉጅለ ህግዲፍ ቅርበት ዘለዎ ከም ዝጠቐሶ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያንን ጥራይ ብድምር ልዕሊ 6 ሺሕ ኤርትራውያን ኣብተን ሃገራት ናብ ዘለዋ ኤምባስታት ምምሕዳር ህግዲፍ ከይዶም፡ ናይ “ናብ ዓድና ምለሱና” ጥርዓን የስምዑ ኣለዉ። ካብዞም በብግዜኡ ብተለፎን ረብሪቦም ብኣካል ናብተን ኤምባስታት ቀሪቦም “ምዕጻው ምዕጻዉስ ኣብ ዓድና ምስ ቤተሰብና ክንዕጾ መንገዲ ክፈቱልና” ዝብሉ ዘለዉ፡ ሓያሎ ኣብ ሕክምና ዘይተዓወቱ ወይ መሊሶም ዝተደግሱ፡ ብኮረር ዝብል መናብር (wheelchairs)  ዝሕገዙ ኣብ ዓድኻ ምቕባር እምበር: ካልእ ትጽቢት ዘየብሎም ከም ዝርከብዎም ይገልጹ።

ጉጅለ ህግዲፍ ወትሩ ናይ ህዝቢ ጸገምዩ ዝምዝምዝ። እዞም ናብ ዓዶም ክምለሱ እሞ፡ ኣብ ዓዶም እንተ ንምሕዋይ እንተ ንሙማት  ዕድሎም ክርእዩ ዝህወኹ ዘለዉ ኣካላት፡ እቲ ጉጅለ ዝበሎም ካብ ምትግባር ካልእ ዕድል ከምዘይብሎም ይርዳእ እዩ። ህግዲፍ ነዚ ኣጨናቒ ኩነታቶም ናብ ገንዘባዊ ረብሕኡ ከውዕሎ ከም ዝሰርሕ ከኣ፡ ብመንጽርቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ መጻዪ ተመኩሮኡ ሓድሽ ኣይኮነን። ኣብ ሓደ እዋን ልዕሊ ዕድመ ደቅኹም ብዘይፈቓድ መንግስቲ ናብ ስደት ኣምሪሖም ኢሉ ልዕሊ 50 ሺሕ ናቕፋ ዘኽፈለ ጉጅለ ምዃኑ እውን ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ከኣ እነሆ ብግብሪ  ነዞም ጽጉማት ካብቲ ቅድም ኣብ መንጎ ኣስመራን ካርቱምን ወይ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን  ንበጺሕካ ምምላስ ዝኽፈል ዝነበረ ዘይውሕድ ዓቐን ዶላር፡ ናብ ኣስመራ ንምምላስ ጥራይ ከኽፍል መዲቡ ኣሎ። ኣብ ርእሲ እዚ “ምስተመለስኩም ንዝተወሰነ ግዜ ኣብ ሆቴላት ክትጸንሑ ኢኹም” ብዝብል ነቲ ሆቴላት ዝኽፈል ገንዘብ ቅድሚ ምብጋሶም ምስ ህልዊ ኤርትራዊ ዓቕሚ ዘይመጣጠን ገንዘብ ከትሕዙ ናይ ምግዳዶም መደብ ከም ዘለዎ እቶም ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተሉ ይሕብሩ ኣለዉ።

እዚ ኣካል ናይቲ ህግዲፍ ናይ ህዝቢ ጸገም መዝሚዙ መኽሰብ ንምእካብ ዘውጸኦ መደብ እዩ። ክሳብ ሕጂ ኣጽቂጡ ዝጸንሐ እውን ነዚ ተንኮልዚ ንምፍሓስ እዩ። ጉዳይ ህዝቡ ዘገድሶ ነይሩ እንተዝኸውን፡ በቲ ብዙሓት ሃገራት ኣብዚ ሕማቕ ግዜ ኣይኮነንዶ ንመገሻ ከይዶም ዝተዓግቱ፡ ኣብተን ሃገራት ነዊሕ ዓመታት ዝጸንሑ ዜጋታተን ብፍላይ ካብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ብመንግስታዊ ወጻኢ ናብ ሃገሮም ንምምላስን ኣብ ዓዶም እግሪ ንምትካልን ዝገብረኦ ብዘለዋ ጻዕሪ መቐንአ። ሓላፍነት ወሲዱ ነዚ ጉዳይ እንተዝግደሰሉን ናተይ ኢሉ እንተዝሕዞን ከኣ  ነዞም ኣብ ጸገም ወዲቖም ዘለዉ ኤርትራያውን ካብ ሱዳን ኮነ ካብ ኢትዮጵያ ብመካይን ናብተን ኣብ ዶባት ኤርትራ ዘለዋ ከተማታትን ነቁጣታትን መብጸሖም እሞ ኣብኡ እቲ ዝድለ ጥዕናዊ መርመራ እናተገብረ ነናብ ዓዶም ምተመልሱ።

እዚ ብህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ መልክዑ ቀይሩ ዝመጸ እምበር ብትሕዝቶኡ ሓድሽ ኣይኮነን። እንተኾነ “ሓድሽ ኣይኮነን” ኢልና ስቕ ኢልና እንሓልፎ ዘይኮነ፡ ከም ኣካል ናይቲ ከውርዶ ዝጸንሐ ግህሰት ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ክንቃለሶን ድምጽና ከነስመዓሉን ዝግበኣና እዩ። እዚ ሓላፍነት ናይቶም ቤተሰቦም ዝሳቐዩ ዘለዉ ውሱናት ወገናት ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ኩልና ኤርትራውያን ግቡእ ስለ ዝኾነ ብሓባር ክንቃለሶን ከነቃለዖን ዝግበኣና እዩ።

Last modified on Saturday, 26 September 2020 11:30