ግደ መንእሰይ መተካእታ የብሉን

2020-09-18 08:16:25 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2246 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራ ንኹልና ኤርትራውያን ማዕረ እትብጸሓና ብ”ወላዲት ኣደና” እንምስላ ክብርና እያ። ኤርትራ ከምቲ ክትጉዳእን ክትደምን እንከላ፡ ኩልና ንጉዳእን ንደምን፡ ክርህዋን ክትቀስንን እንከላ ከኣ ንቐስን። ከምቲ ቅድም ኤርትራ ናጻን ልኡላዊትን ክትከውን ዝተቓለስናዮ ሎሚ ድማ ልኡላውነታን ክብሪ ህዝባን ዓቂባ ክትቅጽል ናይ ኩልና ኣበርክቶ ወሳኒ እዩ።

ካብኡ ናብኡ ግና ቅድም ኮነ ሎሚ፡ ግደ ናይቲ ካብ ብዝሒ ህዝብና ከባቢ 70% ዝኸውን ኤርትራዊ መንእሰይ ግደ ዝዓዘዘን መተካእታ ዘየብሉን እዩ። ግደ መንእሰይ ዝያዳ ካልኦት ክፍሊ ሕብረተ ሰብ ወሳኒ ዝኾነሉ፡ ንሕሉፍን መጻእን ኣራኺቡ ወለዶታት ዘቐጽል ድንድል ምዃኑ ሓደ ምኽንያት እዩ። እዚ ዕዙዝ ግደ መንእሰይ ኣብ ብዙሕ ተመኩሮታት ምህናጽ ሃገርን ምቕጻል ወለዶታትን ዝተራእየ ኮይኑ፡ ኣብ ኤርትራዊ ተመኩሮና ከኣ ናጻ ሃገር ንምውሓስ ኣብ ዝተኻየደ መሪርን ነዊሕን ቃልሲ ተመስኪሩ እዩ።

መንእሰይ ነዚ ከቢድን መተካእታ ዘየብሉን እጃም ዝወስድ፡ ነዚ ሓላፍነት ዝጸውር ዓቕሚ፡ ጉልበትን ውዑይ ስምዒት ዝውንን ብምዃኑ፡ ኣብ ህልውናን ቀጻልነትን ሃገር ግደኡ ስለ ዝዓዝዝ እዩ። ኣብዚ ዓቕሚ ንብሎ ዘለና ብጉልበትን ኣካላዊ ሓይልን ጥራይ ዝግለጽ ዘይኮነ፡  ሓድሽ ኣተሓሳስባን ዘመናውነትን ምውና እውን ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ። ስለዚ ኢና ንእስነት በቲ ብተፈጥሮ ዝወሃብ ናይ ዕድመ ንኡስነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝያዳ ብመንጽር ካብ ናይ ትማሊ ዝሓሸን ንህልዊ ኩነታት ገምጊሙ ኣብ ግምት ዘእትውን ናብ መጻኢ ዘማዕድው ካብ ጸቢብን ድሑርን ስምዒታት ዝነጽሀ ኣተሓሳስባ ብምውናን ዝምዘን እዩ።

ሓቀኛ ሃገር ናይ ምህናጽን ወለዶ ናይ ምቕጻልን እምነት ዘለዎ ስርዓት መንእሰይ እዩ ዝሃንጽ። መንእሰይ ምህናጽ ከኣ ኣብቲ ወሳኒ ናይ ምቕባል ዕድመኡ ትምህርትን ዝተፈላለዩ ክእለታትን ምስናቕ እዩ።  መንእሰይ’ውን ንገዛእ ርእሱ እንተዘይሃኒጹ ሃገር ክሃንጽ ከምዘይክእል ብምግንዛብ ነዚ ድልዊ ናይ ምዃን መባእታዊ ሓላፍነት ኣለዎ። መንእሰይ ሃገሩ ዝሀንጸሉ ዓቕሚ ካብ ኣብያተ-ትምህርትን መሰልጠኒ ማእከላትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብቲ ሓላፍነት ዘረክቦ ትውልዲ እውን ክቐስሞ ከም ዝግበኦ ምግንዛብ የድልዮ። ምኽንያቱ ናይ ምቕጻል ሓላፍነቱ ካብ ባዶ ዝጅምር ዘይኮነ፡ ካብቲ ዝርከቦ ተመኩሮ ነቲ ክቕጽል ዘየድሊ እንዳ ኣወገደ ነቲ ሃናጺ ትሕዝቶኡ ከኣ ዝያዳ እንዳማዕበለ ዘተግብሮ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ነንዝሓለፈ ተመኩሮ ጥሪኡን ብሱሉን እንዳደርበየን እንዳነጸገን ሃገር ክሃንጽን ሰንሰለታዊ ምትኽኻእ ክዕቅብን ኣይክእልን እዩ።

ብኣንጻር’ዚ ሃገር ከዕኑን ህዝቢ ክብትንን ዝዓለመ ከም ህግዲፍ ዝኣመሰለ ስርዓት ምኽንያታት እንዳፈጠረን ተንኮል እንዳመሃዘን  ንግደ መንእሰይ’ዩ  ዘዕኑ። መንእሰይ ካብ ዝዓንወሉ ቀንዲ መንገዲ ከኣ ብኣንጻቲ ዝህነጸሉ መንእሰያዊ ግደኡ ክፍጽም ዘኽእሎ ዓቕምን ኣተሓሳስባን ከምዘየጥሪ ምግባሩ እዩ። ኣድህቦኡ ኣብ ክንዲ  ኣብ ብምብልሓት፡ ብኣፍልጦን ኣርሒቅካ ምርኣይን ናብ ዘይተሰነየ ብቕዓት፡ ናብ ጉልበትን ሓይልን ጥራይ ከም ዝኸውን ምድፋኡ እዩ። ኣተሓሳስቡኡ ማዕቢሉ ኣብ ቅድሚኡ ዘይብሩህ ጉዳይ ከጋጥሞ እንከሎ “ስለምንታይ?” ኢሉ ዘይሓትት “ንኺድ ጥራይ” ክበሃል እንከሎ፡ ናብ ህዝብን ሃገርን ዘርብሕ ዘይኮነ ናብ ዝተባህሎ ጥራይ ዝኸይድ ከም ዝኸውን ምግባሩ፡ መንእስይ መተካእታ ዘየብሉ ግደኡ ንከይፍጽም ዝመሃዝ ተንኮል እዩ።

ካብዚ ዝተጠቕሰ ክልተ ተጻራሪ ኣተሓሕዛ መንእሰይ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ኣየናዩ ምዃኑ ብሩህ እዩ። ኣብ ግዜ ህግዲፍ ሃገርና ዋላ ሓንቲ ዩኒቨርሲቲ የብላን። ካለኦት ኣብያተ-ትምህርቲ እውን፡ እቲ ጉጅለ ኮነ ኢሉ ብዝመሃዞ ዝተፈላለየ ተንኮላት መብዛሕትአን ዳርጋ ካብ ምስትምሃር ዓዲ ውዒለን ናብ ምዕጻው ገጸን ዝኸዳሉ ኩነታት ምዕዛብ ልሙድ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ምስ ናይ ኣየነይቲ ሃገር ተመኩሮ ከተዛምዶ ብዘጸግም፡ ኩሎም ናይ 2ይ ደረጃ ተመሃሮ ኣብ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ ሳዋ ክመሃሩ ኣብ ዝግደድሉ እዋን ኢና ዘለና። እቲ ጸገም ኣብ ሓንቲ 2ይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ክመሃሩ ኢልካ ምእካቦም ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይዛ መምሃራን ኮነ ካልእ እኹል መሳርሒ ዘየብላ ቤት ትምህርቲ ቀንዲ ዕማም መንእሰያት ፍልጠቶም ዘይኮነ፡ ናይ ጉልበት ዓቕሞም ዝምዘነላን ካብ ኤርትራዊ ክብርታት ክወጹ ዝደፋፍኡላን ምዃና እዩ። እዚ ኩሉ ደሚርካ ክምዘን እንከሎ ኣብ ምድኻም መንእሰይ ዝዓለመ ውዲት እዩ። ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ተላባዒ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ዘስገኣሉን ምርሕሓቕ ካብ ቀንዲ መፍትሕታት ሓደ ኣብ ዝኾነሉን ንመንእሰያት ኣብ ሓደ ቤት ትምርቲ ምእካቦምከ ምስ ምንታይ ይቑጸር?

ኣብዚ እዋንዚ ንሃገርና ኣጋጢምዋ ካብ ዘሎ ብደሆታት እቲ ቀንዲ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ዝወርድ ዘሎ ማህሰይቲ እዩ እንብል ካብዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ሓደጋታት ብምንቃል እዩ። ነጸብራቕ ናይዚ ሓደጋ ከኣ ኣብ ገጠር ኮነ ኣብ ከተማ፡ ኣብ ኩሉ ማሕበረ-ቁጠባዊ ጽፍሕታትን ድሕነት ሃገር ኣብ ምሕላውን ዝረአ ዘሎ ሓደጋ እዩ። ጉጅለ ህግዲፍ ነቲ  ሃገር ንምዕናውን ቀጻልነት ትውልዲ ንምቁራጽ ዘለዎ ኣዕናዊ ኣተሓሳስባ ከዕውት ኣብ ኤርትራ ጥራይ ከይተደረተ ናብቲ መንእሰይ ዝኸዶ እንዳሰዓበ ዝፈጥሮ ዘሎ ተንኮላት ክሳብ ክንደይ ንዕንወት ሃገርን ብርሰት ህዝብን ዘንቀደ ምዃኑ ዘመልክት እዩ።

ኤርትራዊ መንእሰይ ግና ከምቲ ህግዲፍ ዝወጠኖ ሕልናኡ ኣየውደቐን። ኣብ ዓዲ ኮነ ኣብ ወጻኢ ዘሎ መንእሰይ ንተንኮላት እቲ ጉጅለ ስዒሩ ነቲ መተካእታ ዘየብሉ ሃገር ናይ ምህናጽን ወለዶታት ናይ ምቕጻልን ግደኡ ክመልስ ጻዕሩ ቀጻሊ ኣሎ። “ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ሃገሩ ተስፋ ቆሪጹ ምስተሰደ ኣይክምለስን እዩ” ዝብል ሕልሚ ህግዲፍ መኺኑ እዩ። መንእሰይ ስደት መሰረታዊ መፍትሒ ከም ዘይኮነን ካብ ቃልሲ ከም ዘየብኩርን ተገንዚቡ፡ ኣብ ዘዘለዎ ናይ ስደት ሃገር፡ ገሊኡ ኣብ ውድባትን ሰልፍታትን፡ ገሊኡ ኣብ ማሕበራትን ህዝባዊ ምልዕዓላት ተሰሪዑ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ለውጢ ቃልሲ፡ ሕልሚ ህግዲፍ ሕልሚ ጥራይ ኮይኑ ከም ዝተረፈ ዘረድእ እዩ። ሎሚ ኣብ ሃገርን ካብ ሃገር ወጻእን ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ በቲ ሓደ ወገን፡ መንእሰይን እቲ ነባር ተቓላሳይን ከኣ በቲ ካልእ ወገን  ብግቡእ ክናበቡ ምኽኣሎም ከኣ እቲ  ንጉጅለ ህግዲፍ ሕማም ርእሲ ኮይንዎ ዘሎ እዩ።

ሓድነት ሓይሊ ብዛዕባ ምዃኑ ንኹልና ንጹር እዩ። ኤርትራዊ መንእሰይ መርኣያ ህዝቢ ኤርትራ ብምዃኑ ኩሉቲ ኤርትራ እትውንኖ ብዙሕነት ምስኡ’ውን ኣሎ። መንእሰይና እቲ ቀንዲ መንእሰይ ዘብሎ ፈተና ክሓልፍ ከኣ፡ ብዙሕነቱ ዓቂቡ ሓድነቱ ከደልድል መተካእታ የብሉን። ካብቲ ካብ ዝሐለፈ ተመኩሮ ክመሃረሉ ዝግበኦ ዛዕባታት ከኣ ኣገዳስነት ሓድነት ቀንዲ እዩ። ሓድነቱ ዘይደልደለ መንእሰይ፡ መፍቶ ህግዲፍ ዝኸውን እምበር፡ መተካእታ ዘየብሉ ግደኡ ዝፍጽም ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

Last modified on Friday, 18 September 2020 10:36