ኢሳያስ፡ ክልተ ዓመታት ኣብ ዕንክሊል

2020-07-21 08:21:52 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2305 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 ኣብ መንጎ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ኣብ ኣስመራ ወግዓዊ ርክብ ዝገበርሉ ኣጋጣሚ፡ ናይ ብዙሓት ቀልቢ ስሒቡ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ኣቃሊሐነኦ። ብዙሓት ፖለቲከኛታት ከኣ ክኢላዊ ግምታቶም ሂበምሉ። እቲ ዝወሃብ ዝነበረ ግምታት ከከም ኣፍልጦ ናይቶም ገመቲ ብዛዕባዚ ከባቢ ዝተፈላለየ ነይሩ። ምስዚ ኩሉ ግና ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ክመርሕ’ዩ ዝብል ግምት ናይ ብዙሓት ነይሩ። ናይ ብዙሓት ንመንነት ኢሳያስን ዝበለየ ኣተሓሳስባኡን ብቐረባ እንፈልጥን ኣንጻሩ ክንቃለስ ዝጸናሕናን ኤርትራውያን ግምት ግና ከምናይቶም ነቲ ጉዳይ ካብ ርሑቕ ኣማዕድዮም ዝርእይዎ ኣይነበረን። ምስቲ ድሒሩ ብግብሪ ዝተራእየ ምዕባለ ከኣ ንዲክታተር ኢሳያስ እውን ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ ከም ዝኾኖ ምግማት ጥራሕ ዘይኮነስ ክሳብ ብክልቲኡ መንግስታት “ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምቲ ዝደለናዮ ክኸውን ኣይካኣለን” ክብሉ እውን ተኣሚኖም ኢዮም።

ኢሳያስ ዕድመ ስልጣኑ ኣብ ኤርትራ፡ ንጸገማት ህዝቢ ኣለልዩ ፈቲሑ ብዝድህሰስ ተግባር ዘይኮነ፡ ብናይ ደገደገ ሃተምተም’ዩኡ ከናውሖ ዝደሊ። እንተኾነ እዚ ግልቡጥ ኣተሓሳስባኡ ኣብ ብዙሕ ንውሽጢ ገዲፉ ንደገ ዝጥምት ተመኩሮኡ ፈቲንዎ ከዕውቶ ኣይከኣለን። ካብዚ ዘየዕውት ኣካይዳኡ ክመሃር  ባህሪኡ ስለ ዘይፈቐደሉ ከኣ ይደጋግሞ ኣሎ። ብግብሪ ከኣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩምራ ጸገም ደፊኑ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ሸኾርተት ብምባል ከህደኦ ዝነበሮ ህርፋን ኣይሰርሐን። እዚ ከም ዘይሰርሐ ከኣ ካልእ ዝርዝር ገዲፍካ ኣብቲ ብ7 መስከረም 2018 ዶብ ሰንዓፈ-ዛላንበሳን ክኽፈት እንከሎ፡ እቲ ተዘሪዑ ዝጸንሐ ንኢሳያስ “ፎእ ጨርቅኻ፡ ፎእ ወርቅኻ” ኢሉ ናብ ትግራይ ኣትዩ ናይ ዝተመልሰ ብዝሒ ኤርትራዊ ምዝካር ጥራይ እኹል እዩ። ወዮ ክሃድእ ዝተሓስበ ህዝቢ ካብ ኢሳያስ ናይ ምህዳም ማዕበል መሊሱ ከም ዝገደደ ከኣ ሓላፍ መንገዲ ዘይኮነ፡ ዓለም-ለኻዊ ሰብኣዊ ትካላት እውን ኣብቲ እዋኑ መስኪረንኦ እየን። ኣዚሩ ንዝሓስብ ሓላፍነታዊ መራሒ ከኣ ካብ ህዝቢ ገዲፉካ ምኻድ ዝዓቢ ውድቀትን ምቅላዕን የለን።

ናይ ብዙሓት ደድሕሪቲ ርክብ እንታይ ከም ዝስዕብ ግምት፡ ኣብ ዙርያቲ ቀንዲ መረሓሓቒ  ኮይኑ ዝጸንሐ፡ መዓልቦ ዘይረኸበ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን እዩ ነይሩ። ኢሳይስ ኣብቲ ናይ ኣይውግእ ኣይሰላም ዓመታት “ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ከይምለስ ዝዕንቅፍ ዘሎ እቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ስለ ዘይተተግበረ’ዩ” ይብል ከም ዝነበረ ክከታተልዎ ስለ ዝጸንሑ፡ እቲ ስምምዕ ምስ መጸ  “ጉዳይ ዶብ ተወዲኡ’ሎ ማለትዩ” ዝብል ግምት ነይርዎም። ገለ ወገናት ግና ከሎ ጌና፡ ጭረሖ ኢሳያስ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድ ዘእቱን ዝኸፋፍልን ምንባሩ ኣስተብሂሎም፡ “ምናልባት እቲ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ዶብ ኢሳያስ ብህልኽን ሕነ ምፍዳይን ተሳዒሩ መልክዑ ቀይርዎ ከይከውን” ዝብል ግምት ነይርዎም። ኢሳያስ  ካብ ቅድም’ውን ንጉዳይ ዶብ ብልቡ ዘይኣምነሉ ክነሱ፡ መፈከሪ ክገብሮ ጸኒሑ ከይከውን ዝብል ግምት ዝነበሮ’ውን ነይርዎም።

እቲ ግምታት ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይነበረን። ኢሳያስ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ “ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዮም ዝብሉ ነቲ ሓቅን ታሪኽን ዘይፈልጡ እዮም፡ ብስምዒት ዘይኮነ ብልበይ እየ ዶ/ር ኣብይ እዩ ዝመርሓና ዝብል ዘለኹ” ዝብል ዝርከቦ፡ ንብዙሓት ኣእዛኖም ምእማን ዘጸገሞም መደረታት ኣስሚዑ። ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ከኣ ከም ሓደ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክመልሳ ዝመጸ ጀግና፡ ምስ’ቶም ፈደረሽን ኣፍሪሶም ባንዴራኣ ኣውሪዶም ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝሓወስዋ ኤርትራውያን  እንዳመሳሰሉ ኣዕዚዞም ንኢደምዎ። ከም ግነዖ ከኣ ኣግማል፡ ኣፍራስ፡ ዋልታ፡ ኲናት፡ ጋብን  ኪሎታት ቡንን ኣበርኪተሙሉ። ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ኢትዮጵያውያን ናይ ባህልን ሃይማኖትን መራሕቲ ከኣ ተደቢሩ ተመሪቑ። ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ከኣ “ለካስ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕራ ስኢና ዝጸንሐት ብሰንክ’ቶም ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣፍልጦ ዝሃቡ ኢትዮጵያውያን እምበር ብኢሳያስ ኣይኮነትን ከይዳ ጸኒሓ” ክብሉ ተሰሚዖም። ብሰንኪዚ ናይ ኢሳያስ ተንበርካኺ ቃል ከኣ ናይ ብዙሓት ብሄራት ኢትዮጵያ ሕቶ መሰል ርእሰ-ውሳነ ከም ነውሪ ክውሰድ ጀሚሩ። እዚ ኩሉ ንኤርትራዊ ልኡላውነት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ስምዒታት ክገማዳሕ እንከሎ፡ ብዘይካ ርዒምካዮ ምጽቃጥ ብመንግስቲ ኤርትራ ኮነ  ኢትዮጵያ መእረምታን መብርህን ክህብ ዝደፈረ ኣይነበረን ክሳብ ሎሚ’ውን የለን።

ሰዲህኤ ግና ብዘይካቲ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ከቕርቦ ዝጸንሐ ስምዕታታት ብ12 ጥቅምቲ 2019 ኣብ ዘውጸኦ ናይ ፈጻሚ ሽማግለኡ መግለጺ “ጉጅለ ህግዲፍ ዝኽተሎ ዘሎ  ክብርን ልዑላውነትን ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ንህዝቢ ኤርትራ ዘዋርድን ዘንዕቕን ኣካይዳ ዳህሲሱ ዘለዎ ተቓውሞን ቁጠዐን መዚኑ። ኣብ ርእሲዚ፡ ምስ ኩሎም ኤርትራዊ ሰልፍታትን ውድባትን ብሓባር ኮይንካ ኣዕናዊ ኣካይዳ ናይቲ ጉጅለ፡ ዝምከተሉ ኣገባብ ርእዩ።” ብዝብል ዘፈሮ ምጥቃ ይከኣል

ኢሳያስ በዚ ብዘይካ ንኤርትራዊ ልኡላውነት ኣብ ሓደጋ ምውዳቕ፡ ካልእ ምስጢሩ ዘይፍለጥ ስምምዕ ኣቢሉ ክዓብጦ ዝፈተኖ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ጉዳይ ከም ዘይተዓወተሉ ተራእዩ እዩ። ብኣንጻሩ ዘይተጸበዮ ሳዕቤን ከም ዘምጸኣሉ ምስ ገመተ፡ ነቲ ብወገን ሰንዓፈ-ዛላንበሳ፡ እንዳገርግስ-ራማን ኦሞሓጀር-ሑመራን ዝነበረ ኣፍደገታት ረጊጥዎ። እቲ ብዝተሓተ ኣውንታ ዝረአ ዝነበረ፡ ናይ ተፈላልዮም ዝጸንሑ ኣዝማድ ምርኻብን ካብን ናብን ኤርትራን ትግራይን ክንቀሳቐስ ጀሚሩ ዝነበረ መሰረታዊ ነገራትን ከኣ ተቛረጸ። እዚ ብኢሳያስ ዝተወስደ በይነኣዊ ምዕጻው ናይቲ ዶባት፡ እቲ ርክብ ክጅመር እንከሎ’ውን ብዘይካ ናይ ሓጺር ግዜ፡ እሞ ዘይተዓወተ ተልእኮ፡ ኣርሑቑ ዝጥምትን ናይ ህዝብታት ቀጻሊ ረብሓ ኣብ ግምት ዘየእተወን ምንባሩ ዘረጋገጸ ነይሩ። ኢሳያስን ድ/ር ኣብይን ከም ክልተ መራሕቲ ካብ ዝተፈላለዩ ናይቲ ድራማ ናይ ድሕሪ መጋረጃ ደረስትን ስትራተጅካውያን ተጠቀምትን ኣዋርቕን መዳልያታትን ተቐቢለምሉ። እዚ ናይ ኣደባባይ ኮይኑ ናይ ውሻጠ ሕርጓቶ ከም ዝነበሮ ከኣ ካብቲ ክምስምሶም ምርዳእ ይከኣል። ብፍላይ ንኣቶ ኢሳያስ  እቲ ካብ ቀደሙ እውን ኣስናን ዘይነበሮ ማዕቀብ ተላዒልሉ። ዶ/ር ኣብይ ከኣ እቲ ደሓር ብዙሕ ዘዛረበ ናይ ሰላም ኖበል ስልማት ተቐቢልሉ።

በዚ ክልተ ዓመቱ ኣሕሊፉ ዘሎ ሕጂኳ ዳርጋ ካብ ምምልላስ ሓሊፉ፡ ዝረኤ ውጽኢትስ ትረፍ፡ መዛረቢ ኣብዘይኮነሉ ደረጃ በጺሑ ዘሎ ዝመስል ዝምድና፡ እቲ ደላይ ሰላም ክልቲኡ ህዝብታት  ኣይተጠቕመን። እቲ በዚ ስምምዕ ኣቢልካ ክሃድእ ዝተደልየ ፖለቲካዊ ቅልውላዋት ኣብ ክልቲኡ ወገን እንዳ ሓደረ ናብ ዝላዓለ ጥርዚ ኣሉታ  ይዓርግ ኣሎ። እቲ ብዙሓት ወገናት፡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ዝነበረ ሎሚ ግና ኣቕጣጫኡ ኣጥፊኡ ዘሎ ለውጢ  ናብ ኤርትራ ጽልዋ ከሕድርዩ ዝብል ዝነበረ ግምት፡ ግምት ጥራይ ኮይኑ እዩ ተሪፉ። ብኣንጻሩ እቲ መበቆል ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ወጽዓ ዝኾነ ዲክታቶርያዊ ፖሊሲታት፡ ብውሱን ደረጃ ናብ ኢትዮጵያ ዝዘሩቕ ዘሎ እዩ ዝመስል። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ነዓና ዘገንዝበና ከኣ፡ ኢሳያስ ናቱ መንገዲ ጥልመት ካብ መረጸ፡ ጉዳይ ልኡላውነት ሃገርናን መጻኢ ዕድል ህዝብናን ብኣና በቶም ንለውጢ ንቃለስ ዘለናን ህዝብናን ዝውሰን ምዃኑ እዩ።

Last modified on Wednesday, 22 July 2020 09:18