ካብ ኣሕዋት ሱዳናውያን እንመሃሮ

2019-08-22 07:04:52 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 2319 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ብዛዕባ ሓያልነት ህዝቢ ናይ ሓባር ኣረዳድኣ ኣለና ዝብል እምነት ኣለና። ህዝቢ  ሓያልነቱ ባዕሉ ዘረጋግጾ እምበር ብማንም ዝትኮበሉ ኣይኮነን። ህዝቢ ሓያልነቱ ዘርእየሉ ብዙሕ መንገድታት ኣለዎ። ሃገሩ ምስ ኩሉ፡ ነገራውን መንፈሳውን ጸጋታታን ክብራን፡ ኣብ ሓደጋ ክትወድቕ እንከላ፡ ናይ ምድሓና ሓላፍነት ናይ ህዝቢ ሓያልነት ምዃኑ  ሓደ መርኣያ ሓያልነቱ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ናይዚ መዳይ’ዚ ሓያልነቱ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ሃገሩን ልኡላውነቱን ዘኸፈሎ ዘርዚርካ ዘይውዳእ ዋጋ ኣመስኪርዎ እዩ።

ብዘይካዚ ህዝቢ ልዕልና ሕጊ ዘረጋግጸሉን መሰረታዊ መሰላቱ ዘውሕሰሉን ሕገመንግስቲ ዝመሰረቱ፡ ስርዓተ-ምምሕዳር ክውንን ምብቅዑ እውን ካልእ ሓያልነቱ ተፈቲኑ “ይበል” ዝተባህለሉ መዳይ እዩ። ህዝቢ፡ ናይቲ ብቓልሱ ዝውንኖ ስርዓት ተጠቃሚ ምእንቲ ክኸውን፡ ባዕሉ ዘደይቦን ዘውርዶን ብምርጫ ዝመጽእ “ናተይ” ዝብሎ ተግባሪ መሪሕነት ክውንን ምብቅዑ  ካልእ ናይ ህዝቢ ሓያልነትን ልኡላውነትን መረጋገጺ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ መዳይዚ ብሰንኪ ጥልመት ኢሳይያስ ዝመርሖ ጉሒላ ጉጅለ፡ ጌና ከም ዘይበቐዐ ንኹላትና ብሩህ እዩ። እቲ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ሞትን ሕየትን ቃልሲ ከኣ ኣብዚ መዳይዚ በሪኹ ንክረአ እዩ።

ህዝቢ እዚ መርኣያ ሓያልነቱ ዝኾነ መሰሉ ኣብ ዘይተረጋገጸሉ፡ ኣንጻርቲ ናብዚ ከይበጽሕ ዝዕንቅጾ ዓመጸኛ ሓይሊ ክቃለስ ባህርያዊ እዩ። ህዝቢ መሰሉ ክንፈግ እንከሎ፡ ዋላ እንተጸገሞ፡ ምቹእ ኩነታት ክሳብ ዝፍጠረሉ ደኣ ይጽበ እምበር፡ ተስፋ ቆሪጹ ንናይ መሰል ቃልሱ ንሓዋሩ  የዋድቖ ማለት ዘበት እዩ። ህዝቢ መሰሉ ክትኮቦ ዘይኮነ፡ መንዚዑ ክውንን ናብ ቃልሲ ክነቅል እንከሎ፡ መምስ ኩነታቱ ዝተፈላለየ ኣገባባት ይጥቀም። ንኣብነት ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ንምጭባጥ ኣንጻር መግዛእቲ ዘካየዶ ቃልሲ፡ እቲ ኩነታት ከምኡ ንክመርጽ ዘገድዶ ስለ ዝነበረ በሊሕ ጐነጻዊ (ዕጥቃዊ) ኣገባብ ቃልሲ መሪጹ። ህዝቢ ኣገባብ ቃልሲ ክመርጽ እንከሎ፡ እቲ ቀንዲ ኣብ ግምት ዘእትዎ፡ ወድዓውን በዓል ቤታውን ጥጡሕነት እዩ። ኣገባብ ቃልሲ ክውስን እንከሎ ከኣ ኩነታት ናይቲ መሰሉ ስለ ዝገፈፎ፡ ኣንጻሩ ዝቃለስ ኣካል ክመዝን’ኳ ኣድላይ እንተኾነ ቀንዲ መስሕብ መምዘኒኡ ናቱ ኩለ-መዳያዊ ዓቕሚ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ድኹምን ድልዱል ጐኒ ጸላኢና ጨቋኒ ጉጅለ ኢሳይያስ፡ ናይ ህዝብና ኩነታትን ዘለዎ ድልውነትን፡ በዓል ቤታዊ ዓቕሚ ተቓውሞናን ከባብያውን ኣህጉራውን ኩነታትን ኣብ ግምት ኣእቲና ክንመዝን እንከለና፡ ኣብ ኤርትራ እቲ ተመራጺ ኣገባብ ቃልሲ ኣብ ውሱናት ብረት ዝዓጥቁ ባእታታት ከይተደረት፡ ሓፋሽ ህዝቢ ዘሳትፍ ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ እዩ።  ምርጫ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ   (ሰዲህኤ) ከኣ እዚ እዩ። እዚ ኣገባብ ቃልሲ፡ መሰል ክትኮበልካ ኢድካ ዘርጊሕካ እትጽበየሉ፡ ወይ ጸላኢ ክጽወዓካ ድምጹ እትቋመተሉ፡ ናይ ምምልስላስ እምበር፡ ናይ ምግዳድ ባህሪ ዘየብሉ፡ ፍጹም ናይ ህይወት ዋጋ ዘይክፈለሉ ማለት ኣይኮነን። ኮታ መንዛዒ፡ ህዝቢ ዘሳትፍን ኣብቲ መስርሕ ዘጋጥም ዕንቅፋት ንምእላይን ንምክልኻልን ክቡር ዋጋ ዘኽፍል ኣብ ብዙሕ ተመኩሮታት ተፈቲኑ ዘድመዐ ናይ ለውጢ ኣገባብ እዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ኣስታት ዓሰርተ ዓመታት፡ ናይዚ ኣገባብዚ ውጽኢታውነት ኣብ ብዙሓት ንኩነታትና ክጸልዋ ዝኽእላ ናይ ቀረባ ሃገራት ተመኩሮ ኣርእዩና እዩ። እቲ ኣዝዩ ዝቐረበ ዳርጋ ኣብ ውዑይ መስርሕ ዘሎ ከኣ ናይ መዳውብትና ሱዳን ተመኩሮ እዩ። ገለ ወገናት ተመኩሮ ህዝብታት ኤርትራን ሱዳንን ስለ ዝፈላለ፡ ህዝባዊ ዓመጽ ኣብ ሱዳን ሰሪሑ ማለት ኣብ ኤርትራ ይሰርሕ ማለት ኣይኮነን፡ ዝብል መጐት የምጽኡ እዮም። ኣብቲ ሓቂ ክንመጽእ እንከለና ግና፡ እዚ ኣገባብዚ ኣይኮነንዶ ኣብ መንጎቲ ብብዙሕ ጉዳያት ዝመሳሰል ህዝቢ ኤርትራን ሱዳንን ኣብ ዓለም እውን ዝሰርሕ ብዙሕ መግለጽታት ዘለዎ ፍቱን ናይ ለውጢ ኣገባብ እዩ። ኣብ ዝርዝር ኣተገባብራኡ ግና ከከም ፍሉይ ኩነታትን ተመኩሮን ናይተን ሃገራትን ህዝበንን፡ ንኡሳን ሜላዊ ፍልልያት ከንጸባርቕ ይኽእል። ንኣብነት ተመኩሮ ህዝቢ ኤርትራ ናብ በረኻ ወፊርካ ተዓጢቕካ ኣንጻር ጸላኢ ፊትንፊት ምውጋእ እምበር ህዝባዊ ናዕቢ ወዲብካ ለውጢ ናይ ምምጻእ ተመኩሮ ኣይኮነን ክብሉ ይስምዑ እዮም። እንተኾነ ናይቲ ቃልሲ ባህሪ ክቀያየር እንከሎ፡ እቲ ህዝቢ ዝጥቀሞ ኣገባቡ እውን ክለዋወጥ ናይ ግድን እዩ። እቲ መሰልካ ናይ ምምንዛዕ ኣዝዩ ሃብታም ተመኩሮ ዘለዎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዘይጐነጻዊ ህዝባዊ ማዕበል ክፈጥ ከም ዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን። ግና እዚ ኣገባብዚ ስለ ዝደረፍካዮን ዝመረጽካዮን ጥራይ ዝዕወት ዘይኮነ፡ ካብቲ ጐነጻዊ ኣገባ ብዘይፍለ ምናልባት’ውን ዝኸበደ ሓያል ጻዕሪ፡  ስምረትን ጽንዓትን ናይ ለውጢ ሓይልታት ዘሓትት እዩ።

ስለዚ ካብ ኣሕዋት ሱዳናውያን፡ ነቲ መስርሕ ሓንሳብ ምስ ሓዝካዮ ኣብ ውጽኢት ክሳብ ዝበጽሕ ስንኻ ነኺስካ ናይ ምቕጻሉ ተመኩሮ ክንመሃሮ ዝግበኣና እዩ። ሱዳናውያን ነቲ ክጭቁኖም ዝጸንሐ ፕረሲደንት ዑመር ኣልበሽር ብሓይሊ ኣብ ምውጋድ ከይተደረቱ፡ ድሕሪኡ ዝመጽእ ለውጢ ውሑስን ቀጻልን ምእንቲ ክኸውን፡ ብሓንሳብ ድርብ ዕማም ሒዞም ከዕውቱ ምብቀዖም እውን ካልእ ክንመሃሮ ዝግበና እዩ። ሱዳናውያን ዘተኣማምን መስርሕ ናብ ዲሞክራሲ ንክፈጥሩ፡ ኣብ መንጎ ወተሃደራዊ ክፍልን ሲቪላዊ ማሕበራትን ኣብ ሓጺር ግዜ ተኸኣኢሎምን ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ኣመቓሪሖምን ናይ ሃገሮም ሰላምን ቀጻልነትን ቅድሚት ሰሪዖም ኣብ ስምምዕ ምብጸሖም ከኣ፡ እቲ ዝዓበየ ክንመሃሮ ዝግበና እዩ። ንሕና ኣብ መዳይ ምክእኣልን ዓበይቲ ጉዳያት ምቕዳምን ክሳብ ክንደይ ከም ዘይበቓዕና እንርደኦ እዩ። ካልእ ኣገዳሲ ጉዳይ፡ እዚ ኣብ ሱዳን ዝተራእየ ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ’ው ሰማዒ እዝኒ እንተተረኺቡ፡ ንዓብይ ኣሕመድ ሓላፍነት ዘሰክሞ ተመኩሮ እዩ። ስለዚ ካብ ሱዳናውያን እንመሃሮ፡ ንህዝባዊ ሓያልነት ዝገትኦ ከም ዘየለ እዩ።

Last modified on Thursday, 22 August 2019 10:23