ልኡላውነትና፡ ናይ ምዕዋትና መሰረት’ዩ

2019-08-16 06:31:29 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2509 times

ርእሰ-ዓንቀጽ፡ ሰዲህኤ

ኤርትራዊ ልኡላውነትና፡ ብነዊሕን መሪርን ቃልሲ ዝተረጋገጸ፡ ሰፍ ዘይብል፡ ናይ ህይወትን ንዋትን ዋጋ ዝተኸፍሎ ምዃኑ ኣብ ቅድሚ ኩልና ብሩህ እዩ። እቲ ንልኡላውነትና ቅድሚት ሰሪዕና ከም ብሌን ዓይንና እንሕልወሉ ካልእ ምኽንያት ከኣ መሰረት ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ቃልስናን ምእንታኡ ዝተኸፍለ ዋጋን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ መጻኢ እውን ናይ ኩሉ ዓውትና መሰረትና ንሱ ስለ ዝኾነ እዩ።

ብተረድኦና ጉዳይ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ድሕሪ’ቲ መሪር ናብኡ ዘብጸሐ መስርሕ ኣብ 1991ን 193ን ንድሕሪት ብዘይምለስ ተረጋጊጹስ፡ ህዝብና ናብ ሕድሽ ሃገር ናይ ምህናጽ ምዕራፍ ሰጊሩ እዩ። እንተኾነ ብሰንኪ ናይ ህዝብና ሕድሪ ጠሊሙ፡ ናቱ ዝናን ትምክሕትን ዘቐድም ጉጅለ ኢሳይያስ ህዝብና ኣብ ሓዲሽ፡ ብምረቱን ክብደቱን ካብቲ ምእንቲ ናጽነት ዝተኸፍለ ዋጋ ዘይድሕር፡ ምናልባት እውን ዝመረረ፡ ምዕራፍ ክኣቱ ተገዲዱ። ናይ ሎሚ ቃልስና ኣብታ ብሳላ መስዋእቲ ደቃ፡ ህልውነኣ ዘውሓሰት ልኡላዊት ኤርትራ፡ ልዕልና ሕግን ማዕርነት ደቃን፡ መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን፡ ኮታ ኩሉ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ዜጋታታ ዝኽበረላ ሕገመንግስታዊት ኤርትራ ንምህናጽ ንቃለስ ኣለና። ናብዚ ቃልሲዚ ወፊርና እንዕወት ከኣ ኣብ ዘተኣማምን ፖለቲካዊ ሜዳ ልኡላዊት ሃገር ኤርትራ እንተ ረጊጽና ጥራይ እዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት፡ ንድሕሪት ተመሊሱ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝደናደን ዝንባለታት ክቀላቐል ክንዕዘብ ጸኒሕና። ዘይቅርዑይ ንቕሎ ኣግኣዝያን ናይዚ ምልክት እዩ። በብኹርናዑ ክቀላቐል ዝጸንሐ ንቃልስና ምእንቲ ናጻን ልኡላዊትን ኤርትራን መስዋእቲ ጀጋኑናን ዘራኽስን ዘነውርን ዝንባለታት ክንዕዘብ ጸኒሕና። ድሕሪቲ ዲክታቶር ኢሳይያስ “ብውንኡ ድዩ ወይስ ጥዕና ስኢኑ እዩ” ዘበለ፡ ምስ ብዙሕ ዘይንቡር ኣካላዊ ምዕልባጥን ቀበጥበጥን ኣብ ኣደባባያት ኢትዮጵያ፡ “ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ክልተ ህዝቢ እዮም ዝብሉ ነቲ ታሪኽን ሓቅን ዘይፈልጡ እዮም” ምስ በለ፡ ብዙሓት ንኣእዛኖም ክኣምኑ ኣይከኣሉን። እንተኾነ ከምቲ “ወሓጥዮ እንተበልኩዋስ ትጐስሞ” ዝበሃል፡ “ከምዚ ዝብል ዘለኹ ንቃለ-ዓለም ዘይኮነ ብልበይ እየ” ብዝብል ሓረግ ምስ ኣድመቖ፡ ብዙሓት ተጠማሚቶም ማይሕነ ውሒጥዎም። እንተኾነ ነቲ ዝተባህለ ክቕይርዎ ኣይከኣሉን።  ኢሳይያስ ብዛዕባቲ ኣፉ ደም ክሳብ ዝወጽእ “ስምምዕ ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክትግበር እዩ” ክብሎ ዝጸንሐ ምስ ኣጽቀጠ፡ ጋዜጠኛታቱ ብዛዕባኡ ሓሳቡ ክህብ ምስ ሓተትዎ፡ “ሎሚ ጉዳይ ዶብ ዘልዕሉ ወገናት ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ተበጺሑ ዘሎ ሰላም ክስምሙ/ክዘርጉ ዝደልዩ እዮም” ዝብል ዘደንጹ መልሲ ምስ ሃበ “ኣማን ብኣማን ሰብኣይሲ ጠሊሙ እዩ” ዝበሉ ዘለዉ ኤርትራውያን ብዙሓት እዩ። እንተኾነ እቲ ኩነታት ብጥልመትዚ ዲክታተር ብምግራምን ከንፈርካ ብምርምጣጥን ጠጠው ኣይበለን። እንሀ’ኳ ነቲ ዝጸንሐ ናይ ልውጢ ማዕበል፡ መሊሱ ዘጐሃህር “ይኣክል” ወሊዱ።

ስለዚ ከምቲ “እንተ ክንብርኩት ዘይክንብርኩት ኣብ ማይ ንብጻሕ” ዝበሃል፡ ኣብ ሃገርና ዲሞክራስያውን ሕገመንግስታውን ስርዓት ንክንተክል፡ ጉዳይ ልኡላውነት ኤርትራ ሓጺናዊ መሰረቱ ጸኒዑ ንኽቕጽል ምስቲ ህዝባዊ ስርዓት ናይ ምህናጽ ዕማምና ኣጐዝጒዝና ከነቕልበሉ ናይ ግድን ኮይኑ ኣሎ። ሎሚ ከምቲ “ዝብኢ ብዝጠሓሶ ኣኽላባት’ውን ይኣትዉ” ዝበሃል፡ በቲ ኢሳይያስ ተጠሊዑ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ሰነከልከል ከም ዝበለ ምስ ዝደርጉሖ፥ ብኣኡ ተተባቢዑም፡  “ኢትዮጵያ ኣብ ወድባት ኤርትራ ሓይሊ ባሕሪ ክትምስርት” እያ ዝብል ዕላል ናይ ብዙሓት ኮይኑ ኣሎ። “ኢትዮጵያ ብወገን ኤርትራ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ሕጋዊ መሰል ኣለዋ” እንዳበሉ ዝምድሩን ዝጽሕፉን’ውን ብዙሓት እዮም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብዛዕባ ምንጻፍ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ መስመር ባቡር ምስ ለገስቲ ሃገራት ተፈራሪሞም ዝብል ሓበሬታ ብዓባይቲ ናይ ዓለምና ማዕከናት ዜና ክቃላሕ ሰሚዕና። ኣብዚ ቀረባ ድማ ኣብቲ ነዊሕ ቃልስና ምእንቲ ናጽነት ኣብ ኤርትራ ተዋጊኦም ዝተሳዕሩ ናይ ቀደም ወተሃደራት ኢትዮጵያ ማሕበር መስሪቶምስ ኣብ ኣስመራ አንፈር ቤት ጽሕፈት ከም ዝኸፈቱ፡ ብማዕከናት ዜና ሰሚዕና። ኮታ ኢሳይያስ ንዝኸፈቶ ጥልመት ዘራጉዱ ወስታታት ብዙሓት እዮም። እምበኣር እዚ ኩሉ ተደሚሩ፡ ጉዳይ ልኡላውነት ኤርትራ “ሓንሳብ ተረጋጊጹ እንድዩ” ኢልና እነራጥጠሉ ዘይኮነ፡ ሎሚ እውን ንቑሕን ጥንቁቕን ሓለዋ ከም ዘድልዮ ዘረድእ እዩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ጉባአኡ ክዛዝም እንከሎ ካብ ዝወሰኖም  ኣገደስቲ ውሳነታት ሓደ፡ ጉዳይ ልኡላውነት ኤርትራ ነይሩ። ከምዚ ዝስዕብ ድማ ይብል። ጉዳይ ኤርትራዊ ልኡላውነት መሰረታዊ ጉዳይ ህልውናናን መንነትናን እዩ። ኩሉ ዘርዚርካ ዘይውዳእ ኣብ ኤርትራ በዂሩ ዘሎ መሰላትን ነጻነታትን እውን ኣብ ልኡላውነታ ዘውሐሰት ኤርትራ ጥራይ እዩ ዝረጋገጽ። እቲ ብዓለም-ለኸ ሕግታትን ውዕላትን ዝፍለጥ ናይ መሬት፡ ናይ ባሕርን ናይ ኣየርን ዶባት ኤርትራ ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይቀርብ መግለጺ ሉዓላውነትና ምዃኑ ሰዲህኤ ይኣምን። ካብ ብምብጋስ፡ ብዘይ ኣፍልጦን ፍቓድን ህዝብና ኣብ ኤርትራ ሰፊሮም ዘለዉ ናይ ግዳም ሰራዊታት ካብ ሉኣላዊ መሬት ኤርትራ ብህጹጽ ክወጹ ጕባኤ ይጽውዕ።

ጕባኤ፡ ነቲ ብደም ኣእላፍ ኤርትራውያን ዝተረጋገጸ ሉኣላዊነት ሃገረ ኤርትራ ዝድግፉ ሓይልታት እናኣመጐሰ፣ ነቶም ነዚ ሓቂ ዘይተዋሕጠሎም ጸረ ሰላም ሓይልታት ድማ ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ክምሃሩን ካብ ተዅታዂ ተግባራቶም ክቝጠቡን የጠንቅቕ።”

ስለዚ እቲ መሕብኢ ክጥቀመሉ ንዝጸንሐ ውድብን ግንባርን ከምኡ እውን፡ ስማዊ መዝነት ክህቦም ዝጸንሐ ዕዙማት ባእታታት ጠሊሙ፡ በይኑ ተሪፉ ዘሎ ውልቀ-መላኺ ዲክታተር፡ ገበኑ መሰረታዊ መሰላት ህዝብና ምንፋግ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብመሰረቱ እውን ንኤርትራ ከም ሃገር ኣብ ቀራና መንገዲ ጠጠው ኣቢልዋ ምህላዉ ኣስተብሂልና፡ ሕሳብ ኩለመዳያዊ ቃልስና ንግበር።

Last modified on Friday, 16 August 2019 08:35