ኣብቲ ጉዳይና ተዕዘብቲዶ ተዋሳእቲ?

2018-01-10 19:39:15 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3413 times

“ሰዲህኤ፡ ነቲ ንሃገርና ካብ ዓለም ነጺሉ ኣንጻር ሃገራዊ ረብሓታትና ዝሰርሕ ዘሎ ግጉይ ፖሊሲታት መላኺ ስርዓት ጨሪሱ ብምሕካኽ፡ ምስ ሃገራት ዓለም፡ ኣውራ ድማ ምስ ጐረባብቲ ህዝብታትን መንግስታትን፡ ኣብ ሓባራዊ ረብሓን ምርድዳእን ዝተሰረተ ፖሊሲ ወጻኢ ዝምድናታት ክኽተል እዩ። ….. ኣብ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሰላምን ቅሳነትን ሓባራዊ ምጣኔ ሃብታዊ ዕብየትን ብምድግጋፍ ክረጋገጽ ምቅላስ።” (ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ ንወጻኢ ዝምድናታት ካብ ዝምልከት ዓንቀጽ ዝተወስደ)

ብዛዕባ’ታ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ኣሻቓሊ ዜና ዘይፍለያ ሃገርና ኤርትራ ሎሚ ዝውረ ዘሎ’ውን ዘደቅስ ኣይኮነን። ጐረቤት ሱዳን “ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዶብ ዓጽያ” ዝብል ወረ ብዝተፈላለዩ ኩርነዓት ይስማዕ ኣሎ። ንመሰረታዊ ትሕዝቶ፡ ተልእኮን ጠንቅን ምዕጻው ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ብዝምልከት ብዝተፈላለዩ ወገናት ሓበሬታታት ይወሃብ ኣሎ። እቶም ወገናት ነቲ ሓበሬታት ከከም ዘለዎም ሕሳባትን ዝንባለታትን ስለ ዝቕምርዎ፡ ኣፍካ መሊእካ “ከምዚ እዩ” ኢልካ ምድምዳም የጽገም። እዚ ድማ መርኣያ ናይቲ ንኤርትራ የመሓድር ኣለኹ ዝብል ኣካል ዘይግሉጽነትን ዘይሓላፍነታውን ባህሪ ዘርኢ እዩ። በቲ ኮነ በዚ ግና እቲ ዜና ንህዝቢ ኤርትራ ከምቲ “ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ” ዝበሃል፡ ንህዝቢ ኤርትራ ተወሳኺ ቁጠባዊ ኮነ ማሕበራዊ ጸቕጥን ቅልውላውን ዘሕድር ዘይቅርዑይ ዜና እዩ።

ንርከበሉ ዘለና ግዜ ዓለማውነት (globalization) ስለ ዝኾነ ሓንቲ ሃገር በይና ተነጺላን ማዕጾኣ ዓጽያን እትነብረሉ ከም ዘይኮነ ርዱእ እዩ። ካብዚ ብምብጋስ ሃገራት በብደረጃኡ ካብ ጐረቤት ጀሚረን ኣብ ርሑቕ ክሳብ ዘለዋ ሃገራት ዝምድና ክገብራ እንከልዋ ቀንዲ ማእከለን ናይ ገዛእ ርእሰን ሃገራዊ ረብሓ ምውሓስ እዩ። ናትካ ሃገራዊ ረብሓ ከተውሕስ እንከለኻ ናይቲ መዛምድኻ ረብሓ እውን ብሚዛናውነቱ ምሕላው ከም ዘድሊ ክሰሓት ዘይግበኦ እዩ። ከምኡ እንተዘይኮይኑ እቲ ዝምድና ቀጻልነት ስለ ዘይህልዎ። ኣብዚ ሃገራዊ ረብሓ ክንብል እንከለና ብዓይኒ ብቑጠባውን ወፍርን ጥራይ ዘይኮነ፡ ቀንዲ ናይ ህዝብኻ ድሕነትን ሰላምን ኣጉሊሕካ ብምቕራብ ምዃኑ ምስትውዓል ዘድልዮ ቁምነገር እዩ። ከም ጉጅለ ህግደፍ ዝኣመሰሉ ስግንጢር ኣካላት ግና ኣብ ዝምድና ማእከሎም እቲ ካብ ጽቡቕ ድሌትን ፈቓድን ህዝቦም ዘይረኸብዎ ኣብ ስልጣን ምቕጻል ብናይ ግዳም ሓይልታት ሓገዝ ምርግጋጽ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሕገመንግስቲ ደጊፍዎ ወይ ህዝቢ ኤርትራ መሪጽዎ ከም ዘይኮነ ስለ ዝፈልጥን ንመጻኢ እውን ናይ ህዝቢ “ይኹነና” ከም ዘይረክብ ስለ ዝፈልጥ ንእስትራተጅያዊ ተደላይነት ሃገርና መዝሚዙ ብናይ ግዳም ኢደበይዛነትዩ ከረጋግጾ ዝሕልን። ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካብ ሱዕድያ ናብ ሕቡራት ዓረብ ኢሚረይት፡ደሓር ከኣ ናብ ግብጽን ዝጻፋዕ ዘሎ ከኣ ምእንቲ እዚ እዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ግና “ኣብዚ ከባቢና ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ይፍጠር ኣሎ’’ ኢሉ ኣይሓበሮን። እዚ ከኣ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብቐጻሊ ከርእዮ ዝጸንሐ ንዕቀት እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ካብ ውግእ ኣንጻር የመን 1995 ጀሚሩ፡ ክሳብዚ ናይ ሎሚ ውዲታት ምስ በዓል ሱዕድያ፡ ኢመረይትን ግብጽን ምእታው ዝመረጸሉ ቀንዲ ምኽንያት ንውሽጣዊ ኤርትራዊ ጸገም ብናይ ግዳም ምስሕሓባት ንምኽዋል እዩ እምበር፡ እቲ ክፍጠር ዝጸንሐን ዘሎን ምስሕሓባት ኣብዚ “እንተ ንምፍልላይ እንተ ንምስምማዕ እቲ ዝመረጽ መንገዲ ዘተን ሕጋዊ ኣገባብን እዩ” ኣብ ዝበሃለሉ መዋእል እንተስ ብልዝብ እንተስ ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ክፍታሕ ዘይክእል ግድል ስለ ዘጋጠሞ ኣይኮነን። እዚ ሰይጣናዊ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብቲ ንህዝቢ ዘርብሕ እዩ ካብ ህዝቢ ዘርሕቕ እምበር፡ ኣብቲ ስልጣኑን ዝናኡን ንምብራኽ ዝኣጉዶ ሓውስ ብህይወት ደቂ’ቲ ፍትሕን ራህዋን ዝብህግ፡ ግና ዘይሰመረሉ ህዝቢ እዩ ዝቋመር። ኣብ ኩሉ’ቲ ኣብ ዕድመ ስልጣኑ ዝተቛመሮ ቁማራት ዝጠፍአ ህይወትን ዝዓነወ ንብረትን፡ ዝተደወነ ምስልን ናይ ኤርትራ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ዓው ኢሉ ዝዛረብ ኤርትራዊ ድምጺ ስለ ዘይሰመዐ ከኣ እነሆ መመሊሱ ይሻድን።

እዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን ነቲ ዓለም ዝፈለጦ ጸረ ህዝቢ ተግባራት ህግደፍ ንደጋግመሉ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ሃገርናን ህዝባን ነሕልፎ ዘለና ህይወት ብኹሉ መልክዑ ብሓደ ቃል “ኣዝዩ ሕማቕ” ኢልካ ዝግለጽ እዩ። እንተኾነ ከምቲ “ነቲ ሕማቕ ዝሓመቐ ኣለዎ” ዝተበሃለ ኩልና ኤርትራውያን ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ’ውን ወሲኽካ ናብ ዝሓሸ ክንመልሶ ዝግበኣና ከቢድ ሓላፍነት ኣብ ቅድሜና እንከሎ፡ ናብቲ ዝሓመቐ ከይንኸይድ ከነስተብህል ይግበኣና። ጉጀለ ህግደፍ ንሃገርና ዝዕድመላ ዘሎ ከም ናይ የመን ናይ ሓያላት መዋግኢ ዓውዲ ናይ ምዃን ሕማቕ ዕድል እዩ። ንሕናኸ? ህዝብናኸ? እንታይ ንጽበ ኣሎና። ስለዚ ከምቲ ኣቦመንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ነዚ ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ጐረባብትናን ዘድበንብን ዘሎ ጥፍኣት ኣመልኪቱ ብ8 ጥሪ 2018 ኣብ ዘውጸኦ መገልጺ “ህዝብን ተቓወምቲ ውድባትን ኤርትራ ድማ፡ ካብ ሓጺርን ጸቢብን ኣጠማምታ ወጺኦም፡ ናይ ኤርትራ መጻኢ ብኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ብዞባውያንን ኣህጕራውያንን ሓይልታት እውን ዝጽሎ ምዃኑ ክግንዘቡን ካብ ኣብ መንጐኦም ዘሎ ዘይመሰረታውን ንኣሽቱ ፍልልያትን ንዝዓበዩ ብድሆታት ክጥምቱን ኣርሒቖም ክሓስቡን ከነዘኻኽር ንፈቱ።” ዝበሎ ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ምድሓን እጃምና ከነበርክት መድረኽ ይጠልበና ኣሎ።

Last modified on Wednesday, 10 January 2018 20:50