መግለጺ ሰዲህኤ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ከባቢና ዝኸይድ ዘሎ ወጥርን ኣሰላልፋ ሓይልታትን

2018-01-08 10:13:35 Written by  መንግስተኣብ ኣስመሮም Published in EPDP Editorial Read 3581 times

ኣህዛብ  ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ንነዊሕ እዋን ግዳይ ሕማቕ ምሕደራ፡ ግዳይ ድርቅን ውግእን ኰይኖም ጸኒሖምን ኣለዉን ኢዮም። ኣብ ዓለም ተሰዲዶም ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያን፡ ሱዳናውያንን ሶማልያውያን ድማ ነዚ ሓቂ’ዚ ዘረጋግጹ ህያው ምስክርነት ኢዮም።

ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ካብ ወራር ጣልያን ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ብውግእን ሳዕቤናቱን እናተሳቐየ ኢዩ ዝነብር ዘሎ። ኤርትራ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 26 ናይ ናጽነት ዓመታት ጥራሕ እኳ ምስ የመን፡ ኢትዮጵያን ጅቡትን ኣብ ውግእ ምእታዋ ኣብ መዛግብ ታሪኽ ሰፊሩ ዝርከብ ሓቂ ኢዩ። ደቡብ ሱዳን እውን ካብ ናጽነት እተጓናጸፈትሉ ዕለት ክሳብ ሕጂ ኣብ ናይ ሕድሕድ ውግእ ኢያ ተሸሚማ ትርከብ።

ሕጂ እውን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝዝንቢ ዘሎ ሓደጋታት ብርሰትን ዕነወትን እምበር ምልክታት ናይ ሰላምን ርግኣትን ብልጽግናን ኣይኰነን።

ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ናይ ስዑዲን ኢራንን ውግእ ብውክልና ኢዩ። ኢራን ንሓይልታት ሖትይን ክትድግፍ ከላ፡ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ድማ ንፕረሲደንት የመን፡ ዓብዱሮቦ መንሱርን ይድግፉ ኣለዉ።

ኤርትራ ድማ፡ ነቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ፡ ኣብ ገማግም ደንካልያ፡ ኣንጻር ሖትይን ዝግልገለሉ ወተሃደራዊ መደበር ኣፍቂዳትሉ ኣላ። ካብኡ ሓሊፉ እውን ኤርትራ ገለ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት ናብ የመን ልኢኻ ኣብ ውግእ ትሳተፍ ምህላዋ ዝዛረቡ ምንጪታት ኣለዉ። በዚ ድማ፡ ኣካል ናይ’ቲ ኣብ ምብራቓዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኰይና ኣላ። ኣምሳያ ናይ’ዚ ኣበርክቶ’ዚ ከኣ፡ ኤርትራ ብሚልዮናት ዝቝጸር ዶላራትን ነዳድን ትረክብን ዕድመ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ከተናውሕን ክኢላ ኣላ።

ግብጺ ከኣ፡ ኣካል ናይ’ቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ወሽመጥ ኢያ። ግብጺ ብምኽንያት ምህናጽ ግድብ ትንሳኤ ኣብ ፈለግ ኒል፡ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ወጥሪ ኣትያ ትርከብ። ሱዳን እውን፡ ካብ ኣብ ፈለግ ኒል ዘለዋ ረብሓን ካብ’ቲ ምስ ግብጺ ዘስሓሕባ ናይ ዶብ ሕቶ (ሓላይብ)፡ ተበጊሳ ኣብ ጐድኒ ኢትዮጵያ ኢያ ደው ኢላ ዘላ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ኣብ  ሱዳን ዝመርሕ ዘሎ ናይ እኽዋን ኣልሙስልሚን (እስላምዊ ሕውነት) ስነሓሳብ ዝኽተል መንግስቲ ሃገራዊ ድሕነት ሱዳን (ኢንቃዝ) በቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ስነ-ሓሳብ መሓዛኡ ዝዀነ ፕረሲደንት ሙርሲ ብፕረሲደንት ዓብዱልፈታሕ ኣልሲሲ እተኻየደ ዕልዋ ሕጉስ ኣይኰነን። ግብጺ እውን፡ ቱርክን ቀጠርን ንኣባላት ኣኽዋን ሙስልሚን ናይ ግብጺ ዑቝባ ምሃበን ሕጕስቲ ኣይኰነትን። ኣንጻር ፕረሲደንት ኣርዱኻን ናይ ቱርኪ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዕልዋ ፈተነ እውን፡ ቱርኪ ንግብጺ ኢድ ኣለዋ ኢላ ትኽሳ ኢያ። ስለዚ፡ ወተሃደራዊ መደበር ቱርኪ ኣብ ሰዋኪን ምህላው ንግብጺ ዘቕስን ኣይክኸውንን ኢዩ።

ስለ’ዚ፡ ኣብ’ቲ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ኣሰላልፋ ናይ ሓይልታት፡ ኤርትራን ግብጽን ኣብ ሓደ ሸነኽ፤ ኢትዮጵያን ሱዳንን ድማ ኣብ’ቲ ካልእ ሸነኽ ኣለዋ። ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ ዓራብ ዓማራት ብጽሖት ክገበር እንከሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ቀጠር ኢዩ በጺሑ። ላዕለዎት ወተሃደራት ግብጺ ናብ ኤርትራ ይመላለሱ ምህላዎም፡ ኣብ መደበር ሳዋ ንተቓወምቲ ውድባት ናይ ጐረባብቲ ሃገራት ዘጠቓለለ ናይ ስልጠና መደባት ንሰራዊት ኤርትራ ክህቡ ምጅማሮምን ካልእ ወተሃደራዊ ሓገዛት ምሃቦምን ምስ ተሰምዐ፡ ሱዳን ብኡ ንብኡ ኣብ ኣውራጃ ከሰላ ናይ ህጹጽ ኵነት ኣዋጅ ምእዋጃን ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ከባቢታታ በሽሓት ዝቝጸር ተወርዋሪ ሰራዊታ ብምልኣኽ ምዕጻዋን እቲ ሓደጋታት ኣብ ኣፍደገ ገዛና በጺሑ ምህላዉ ዝሕብር ምልክት ኢዩ።

ሱዳን ዋላ እኳ ብወግዒ ኣካል ናይ’ቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ እንተዀነት፡ ብግብሪ ግን ምስ ቱርኪ ዘለዋ ዝምድናታት ከተደልድል ኢያ ትርአ ዘላ። እቲ ዝግሃድ ዘሎ ምትእኽኻባትን ምፍልላያትን ሃይማኖታውን ስነ-ሓሳባውን ትሕዝቶ ዘለዎ ውን ኢዩ። ኣብ ውሽጢ እቲ ሱኒ ዝዀነ እስላማዊ ዓለም፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ናይ ውሃብይን ሃይማኖት ተኸታሊት ክትከውን እንከላ፣ ቱርኪ፡ ሱዳንን ቀጠርን ድማ ናይ እኽዋን ኣልሙስልሚን ተኸተልቲ ኢየን። ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ኣብ’ዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ዝኸይድ ዘሎ ቅድድም ናይ ጽልዋታትካ ምስፋሕ፡ ቱርኪ ኣብ ወደብ ሰዋኪን ናይ ሱዳንን ኣብ ሶማልያን ወተሃደራዊ መደበር ክትምስርት ትርአ ኣላ። እዚ ድማ፡ ንሃገራት ዓረብ፡ ናይ ቀደም ዑስማናዊ ንግስነት ናይ ቱርኪ ናብ ባሕሪ ዓረብ ዝዀነ ቀይሕ ባሕሪ ይመጽእ ኣሎ ዝብል ስግኣታት ይፈጥረለን ኣሎ።

ስለ’ዚ፡ ሓደጋታት ናይ ውግእ ኣብ ልዕሊ ክልቲኡ ክፋላት ማለት ምብራቓውን ምዕራባውን ወይ ኣፍሪቃውን እስያውን ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኢዩ ዝዝንቢ ዘሎ። ክልቲኡ’ዚ ዞባ’ዚ ሰላም እንተደኣ ስኢኑ፡ ብቀይሕ ባሕሪ ዝሓለፍ ንግዲ እውን ኣብ ሓደጋ ክኣቱ ኢዩ።

ነዚ ኣብ ዞናና ንርእዮ ዘሎና ምቛም ናይ ምሕዝነታት፡ ምስ’ቲ ሩስያ፡ ቱርክን ኢራን ብሓደ ሸነኽ፡ ኣመሪካን እስራኤልን ድማ ብኻልእ ሸነኽ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘካይድኦ ዘለዋ ውድድራት እንተደኣ ኣጣሚርናዮ፡ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝፍጠር ውሽጣዊ ቅልውላው፡ ናብ ዓቢ ዞናዊ ባርዕ ክሰጋገር ዝኽእለሉ ዕድላት ሰፊሕ ምዃኑ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ይመዝን። ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ንየሩሳሌም ከም ርእሰ-ከተማ ናይ እስራኤል ምፍላጡ፡ ካብ ኵሉ ኵርንዓት ናይ ዓለም ብሓፈሻ፡ ካብ እስላማውን ዓረባውን ዓለምን ድማ ብፍላይ ብርቱዕ ናይ ተቓውሞ ድምጺ ምስዓቡ፡ እቲ ተደጕሉ ዘሎ ሓዊ ንኽባራዕ ክርቢት ጥራሕ ዝጽበ ዘሎ ምዃኑ ኢዩ ዝሕብር።   

ካብ’ዚ ገምጋምን ሚዛንን ብምብጋስ ከኣ፡ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ መንጐአን ዘሎ ግርጭታት ብሰላማዊ ኣገባብ ክፈትሓ፡ ኣብ ሃሃገረን ዝርከብ ናይ ግዳም ሓይልታት ወተሃደራዊ መደበራት ብቕልጡፍ ከውጽኣን ካብ’ዚ ኣብ ረብሓ ናይ ኣህዛብ ዘይተመርኰሰ ምሕዝነታት ክወጻን ንጽውዕ።

ህዝብን ተቓወምቲ ውድባትን ኤርትራ ድማ፡ ካብ ሓጺርን ጸቢብን ኣጠማምታ ወጺኦም፡ ናይ ኤርትራ መጻኢ ብኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ብዞባውያንን ኣህጕራውያንን ሓይልታት እውን ዝጽሎ ምዃኑ ክግንዘቡን ካብ ኣብ መንጐኦም ዘሎ ዘይመሰረታውን ንኣሽቱ ፍልልያትን ንዝዓበዩ ብድሆታት ክጥምቱን ኣርሒቖም ክሓስቡን ከነዘኻኽር ንፈቱ።

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብዙሕ ዕንወትን ህልቂትን የስዕብ ስለዘሎ ብቕልጡፍ ደው ክብልን ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ህዝቢ ዝበጽሓሉ መገዲታት ክፉት ክኸውንን ንጽውዕ።

ርሑስ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና

መንግስተኣብኣስመሮም

ኣቦመንበርሰዲህኤ

8 ጥሪ 2018

Last modified on Friday, 12 January 2018 12:48