ራሕቂ ዘይድርቶ ናይ ሓባር ርኢቶ

2017-12-05 19:28:31 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3375 times

ኣብቲ ነዊሕን መሪርን ቃልስና ምእንቲ ናጽነት፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ  ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ሃሙን ቀልቡን ሓደ ኮይኑ ኣብ ጐኒ’ቲ ፍትሓዊ ቃልሱ ተሰሊፉ። ኣብቲ እዋንቲ ናይቲ ዝነብረሉ ቦታታት ራሕቅን ካልእ ናይ ስምዒታት ፍልልያቱን ብሓደ ከይስጉም ኣይዓንቀፎን። ዋላውን’ቲ ኣብ ትሕቲ መግዛእታዊ ሓይሊ ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ ራሕቅን ጽንኩር ሓለዋን  ካብ ቃልሱ ኣየርሓቖን።

ድሕሪ ናጽነት ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ቃልስን ኣሰላልፋ ሓይልታትን ክወዳደር እንከሎ ዝረቐቐ ቃልሲ ምእንቲ መሰረታዊ መሰላት ተጀሚሩ፡ እነሆ ከኣ ሕጂ’ውን ቀጻሊ ኣሎ። ኣብዚ ዳሕረዋይ ምዕራፍ ቃልሲ ርኢቶታት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክልተ ዝተኸፍለ ነይሩ። ንስርዓት ህግደፍ ዝድግፍን ዝቃወምን። ኣብቲ መጀመርያ ብዙሓት ንኣበርክቶኡ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ጥራይ ኣብ ግምት ኣእትዮም “እዚ ውድብ እንታይ ዘይገበረ” ዝብሉን ዲክታቶር ኢሳይያስ ብጉርሒ ንዝብሎ ሸርሕታት ዝደጋግሙ ደገፍቱ ካብቶም ካብ ንግሁኡ ኣነቓቕላኡ ጠላሕ ዘይበሎም ተቓወምቱ ዝበዝሑ ነይሮም። እንዳወዓለ እንዳሓደራ ግና ሓቀኛ ባህርያት ናይቲ ሕጂ ሃገርን ህዝብን ዘማስን ዘሎ ጉጅለ እንዳተቓለዐ ምስ መጸ ደንበ ደገፍቲ ህግደፍ ክጥምዝሕን ክሽምረርን እንከሎ፡ ደንበ ተቓወምቱ ከኣ እንዳሰሰነ መጺኡ። ብዙሓት ከኣ በቲ ነቲ ጉጅለ ዝድግፍሉ ዝነበሩ ልሳኖም ኣብ ግጉይ መስርዕ ከም ዝነበሩ መስኪሮም ኣንጻሩ ከኣ ተሰሊፎም።

ኣብዚ ኣሰላልፋ እዚ እውን ከባቢ፡ ወጻእን ውሽጢ ሃገርን፡ ዓበይትን ናእሽቱን፡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፡ ኣስላምን ክርስትያንን ከነወዳድር እንከለና፡ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ተቓወምቲ ስርዓት ኮነ ደገፍቲ ስርዓት ንረክብ። እቲ ቁጽሪ ከኣ ይፈላለ። ደገፍቱ ውሑዳት ተቓወምቱ ከኣ ብዙሓት። ብዝሒ ብጽፉፍን ጽኑዕን ውዳበ እንተዘይተሰንዩ ንበይኑ እኹል ናይ ለውጢ ሓይሊ ይኸውን ማለት ከምዘይኮነ ምስትብሃል ዘድልዮ እዩ። ኣብ መስርሕ ብዙሓትን ጥምዙሓትን ናይ ምዃን ዕድል ክፉት ስለ ዝኾነ።

እቲ እንቃለሰሉን ወትሩ ንጽበዮን “ለውጢ ኣብ ኤርትራ” ስለ ዝኾነ፡ “ለውጢ ብመን? ንረብሓመን” መዓስከ?” ዝብሉ ሕቶታት ወርትግ እነዘውትሮም እዮም። ኣብቲ መልስና ከኣ፡ ለውጢ ብተፈጥሮኣዊ ሕልፈት ዲክታቶር ኢሳይያስ፡ ብወተሃደራዊ ዕላዋ፡ ካብ ውሽጢ ብዝግንፍል ህዝባዊ ሓይሊ …. ወዘተ ዝብሉ ሓረጋት ብብዝሒ ምንባብን ምስማዕን  ዝተለምደ ኮይኑ ኣሎ። ርግጽ እዩ ነቲ ናይ ኩሉ ቀንድን መሰረትን ዝኾነ ሓይሊ ህዝቢ ዝትክእ ዓቕሚ የለን። ካብዚ ብምንቃል ኢና ከኣ ለውጢ ካብ ውሽጢ ብህዝቢ ንዝብል ሓረግ ኣበሪኽና እነቃልሖ። እዚ ክንብል እንከለና ግና ካብ ኤርትራ ወጻኢ እውን ብኹለንተናኡ ካብ ርኢቶን ኣተሓሳስባን ናይቲ  ህዝቢ ዘይፍለ ወገን ከም ዘሎ ብምዝንጋዕ ኣይኮነን። እዞም ክልተ ወገናት ከኣ ዶብ ዘይድርቶ ናይ ርኢቶ ሓድነት’ዩ ዘልዎም። ኣብ ሕድሕዶም ኣፍልጦ ክወሃሃቡን ክናበቡን ከኣ ናይ ግድን እዩ። ብኣንጻሩ ለውጢ ካብ ውሽጢ እዩ ክንብል እንከለና፡ ኣብ ማእከልዚ ለውጢ ዝብህግን ብለውጢ ዝረብሕን ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ዘሎ ህዝቢ፡ ምስቲ ጉጅለ ብረብሓን ኣረኣእያን ኢድን ጓንትን ዝኾኑ “ህልውናናን ጥፍኣትናን ብሓንሳብ” ኢሎም ዝተመሓሓሉ ግና ድማ ውሑዳትን ተሰዓርትን ከም ዘለዉ ምዝንጋዕ ኣይግባእን። እቲ ለውጢ ካብ ውሽጢ ዝብል ከኣ ነዚኣቶም ኣይምልከቶምን እዩ ጥራይ ዘይኮነ ተጻረርቱ እዮም።

ሎሚ ብምልኡ ኢልካ ምድምዳም’ኳ ዘጸግም እንተኾነ፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝበዘሐ ለውጢ ዝጽበን ዝብህግን እዩ። እዚ ለውጢ ንብዙሓት ዘርብሕ ካብ ኮነ ምርግጋጹ’ውን ብናይቶም ብዙሓት በሃግቱ ምዃኑ ግቡእ ኣስተብህሎ ክወሃቦ ዝግባእ እዩ። እቲ ዝያዳ ዝምረጽ መንገዲ ለውጢ ተወዲብካ ምቅላስ እዩ። እዚ “ውዳበ ሓይሊ እዩ” ብዝብል ዝተረጋገጸን ኣድማዕነቱ ዘመስከረን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ብውልቅኻ ዝካየድ ናይ ምሁራትን ምኩራትን ውልቃዊ ኣበርክቶ እውን ቀሊል ግምት ዝወሃቦ ኣይኮነን። ምስዚ ኩሉ ግና ኣየናይ ኣገባብ ኣብ ቃልሲ ትመርጽ ብዘየገድስ ሸቶኻ ሓደ ካብ ኮነ ምድግጋፍን ምንባብን ግድን እዩ። ብኣንጻሩ ሽቶኻ ሓደ ክነሱ፡ ኣብ ሕድሕድ ምንቛርን ምንእኣስን መደምደምታኡ ክሳራን መፍቶ ህግደፍ ምዃንን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ “ህግደፍ ከምዚ እዩ ኣደቡ፡ ተቓወምቲ ከኣ ዝገብርዎ የብሎምን” ዝብል ናይ ርሑቕ ተዓዛባይ ምዃን ሓጋዚ ኣይኮነን። ውድባት ኣይነቐፋ ማለት ኣይኮነን። እንታይደኣ እቲ ነቐፈታ፡ እንዳተዓዘብካ ዘይኮነስ፡ እታ እትኽእላ እንዳኣበርከትካ ክኸውን እንከሎ ጥራይ እዩ ሰማዒ እዝኒ ዝረክብ። ካብዚ ሓሊፉ “ንስኻኸ ኣንታይ ገባሪ ኢኻ” ዝብል ናይ ሕድሓድ ሸንኮለል ረብሓ የብሉን። ስለዚ እቶም ሓደ ዓይነት ናይ ለውጢ ኣረኣእያ ዘለና ራሕቂ ኮነ ዶብ ከይደረተና ናይ ሓባር ቃልስና ነስጥም።

Last modified on Tuesday, 05 December 2017 20:31