ሓድነትና ወትሩ ምስጢር ሓያልነትና

2017-11-26 00:21:27 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2879 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ብዛዕባ’ቲ ሃይማኖታዊ እምነት፡ ቋንቋ፡ ባህልን ጀኦግራፍያዊ ኣሰፋፍራን ዝመሰረቱ ኤርትራዊ ብዙሕነትና ብዙሕ ግዜ ስለ ዝዝረበሉን ዝጸሓፈሉን ንዓኡ ዝምልከት ዝርዝር ምቕራብ ዘድሊ ኣይመስለናን። እንትኾነ ከምቲ “ንዘረባ ዘረባ የምጸኦ፡ ንሓመድ ድጉሪ የውጸኦ” ዝበሃል ንምልዓሉ ዘገድድ ኩነታት ከጋጥም እንከሎ ብዛዕባኡ ምዝራብ ግቡእ እዩ። እዞም ናይ ብዙሕነትና መርኣያ ዝንባለታት ተሳንዮምን ሰጢሞምን ምኻዶምን ዘይምኻዶምን ደረጃ ሓድነትናን ሓያልነትናን ዝውስኑ እዮም። ናይዚኣቶም ስኒት ዋሕስ ሓድነትናን ሓያልነትናን ምዃኑ ንዓና ንኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ረብሓ ስለ ዘይብሎም ሓድነቱ ኣዳኺሞም ክጥቀሙ ንዝደልዩ ወገናት’ውን ካብ ቅድሙ ብሩህ እዩ። ካብዚ ብምንቃል’ዮም ድማ ነቲ ስጥመት ኣዳኺሞም ክብትኑና ዝሃቀኑ’ሞ ሳላ ኤርትራዊ ጽንዓት ክምከቱ ዝጸንሑን ዘለዉን።

ካብዞም መርእያ ብዙሕነትና ከከም መድረኹ ገሊኦም ዝያዳ ጐሊሆም መዛረቢ ዝኾንሉ ኣጋጣምታት ኣሎ። ብፍላይ ፈላለይቲ ነቲ ብቐሊሉ ይባረዓልና ዝብልዎ እዮም ዝያዳ ዘንበድብድዎ። ንኣብነት ሃይማኖታዊ እምነት ንምምዝማዝ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ብዝተፈላለዩ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ብስፍሓት ዘጋጥመ እዩ። ንዓኡ ንምርጓድ ድማ ካልእ ቅጽል’ውን ይውስኽሉ።  ንኣብነት ኣብ ኤርትራ ጉዳይ ሃይማኖታዊ እምነት ክለዓል እንከሎ ምስ ከበሳን መታሕትን ምትሕሓዝ ዝተለምደ እዩ።

ኣብ ኤርትራ ብዛዕባዚ ናይ ብዙሕነት መርኣያና ክለዓል እንከሎ፡ “ክንደይ ካብቲ ህዝቢ ኣበየናይ ከባቢ፡ ባህልን ቋንቋን ይረከብ?” ዝብል ሕቶ ንምምላስ ኣሃዛዊ መጽናዕቲ ከም ዘድሊ ብሩህ ኮይኑ፡ ብፍላይ ንሃይማኖት ኣብ ዝምልከት ግና ኣማኒ ምስልማናን ክርስትናን ማዕረ እዩ ዝብል ሓርፋፍ ግምት ምሃብ ዘጸግም ኣይኮነን። ካብዚ ወጻኢ ነቲ ሚዛናውነት ኣመዛቢልካ ኤርትራ ናይ ሓዲኡ ሃይማኖት እምነት ሃገር ኣምሲልካ ንምቕራብ ዝግበር ፈተነ ብድሕሪኡ ዝተጻወደ ናይ ጥፍኣት መፈንጠርያ ከም ዘለዎ ምግማት ኣየጸግምን። እቶም ከምኡ ዝገብሩ ከኣ ናቶም ኣጀንዳ ዘለዎም እምበር ነቲ ኣብዚሖም ኮነ ኣውሒዶም ዘቕርብዎ ሰዓቢ ሃይማኖት ንምጥቃም ከም ዘይኮነ ቅድሚ ኩሉ ግንዛበ ክረክብ ዝግበኦ እዩ። ምስ’ዚ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ቅዋማዊት ምስ ኮነት እቲ ሕጊ ንኹሉ  ማዕረከም ዝብጸሓ ምእማን ከኣ የድሊ።

ታርኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምልስ ኢልና ክንድህስስ እንከለና ዝተፈላለዩ መግዛእታዊ ሓይልታት ንህዝቢ ኤርትራ ኣዳኺምካ ንምግዛእን ሓድነቱ ንምብታንን ብኹሉ የተፋንኖ እዩ ዝብልዎ ዝንባለታት’ኳ ዝጥቀሙ እንተነበሩ፡ ዝያዳ ቆላሕተኦም ግና ኣብ ሃይማኖታዊ ዝንባለ እዩ ጸኒሑ። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ምስጢር ሓያልነቱ ኣብ ሓድነቱ ምዃኑ ይርዳእ ስለ ዝነበረ ኣይተገረሃሎምን። ሳላቲ ኣብዚ መዳይዚ ዘርኣዮ ጽንዓት ከኣ ኣንጻር ኩሎም ከፋፈልቲ ስዒሩ ሓድነት ኤርትራ ኣውሒሱ ኣብዚ በጺሑ ኣሎ። እቲ ቃልሲ ግና መልክዑን ኣሰላልፍኡን ደኣ ቀይሩ እምበር ጌና ቀጻሊ ኣሎ። ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ዝስለፉ ሓይልታት ነዚ ከፋፋሊ ስልቲ ከም ዝጥቀምሉ ከኣ ርዱእ እዩ። ኤርትራ ግና ኩሉ ዝንባለታት ሓብሒባ ወትሩ ናይ ኩሎም ኤርትራውያን ኮይና ክትቅጽል እያ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ “ሃይማኖት ናይ ግሊ ሃገር ግና ናይ ሓባር” ምዃኖም ካብ ዘለዎ ጽኑዕ እምነት ኣብ ዝሓለፈ 2ይ ጉባአኡ ኣብ ዘጽደቖ መደብ ዕዮኡ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ሰኩልያር ስርዓተ-መንግስቲ ንምህናጽ ኣብ መንጎ ሃይማኖትን መንግስትን ኢድ ምትአትታው ክህሉ ከም ዘይብሉ ይኣምን። ከም መቐጸልታ ናይዚ ድማ ሰዲህኤ ሓያልን ኣዎንታዊ አምንቶኡን ኣብ ሃይማኖታዊ ናጽነት የረጋግጽን፣ ሃይማኖት ኣብ ዉልቀን ሕብረተሰብን ዘለዎ ክብርን ጽልዋን ድማ ይፈልጥን የኽብርን።” ዝብል ዓንቀጽ ኣስፊሩ ኣሎ። እዚ ዓንቀጽ ኣብ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ መንግስትን ሃይማኖትን ዘይተኣታተዉ ምዃኖም ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ዝኾነ ዜጋ ዝመረጾ እምነት ናይ ምኽታል ናጽነት ዘንጸባርቕ እዩ።

ስርዓት ህግደፍ ካብ ዝገልጽዎ ኣሉታዊ ባህርያት ሓደ ኣብ ልዕሊ እምነትን ትካላቱን ዘርእዮ ግህሰት ምዃኑ ብዘይካቲ ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ዝዕዘቦ ዘሎ ምዃኑ፡ ዝተፈላለዩ ኣብዚ ዛዕባ ዝግደሱ ኣካላት’ውን ዘረጋገጽዎ ሓቂ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ከኣ ኣብ ልዕሊ ኩሉ እምነታት ብማዕረ ዝግህስ ምዃኑ እዩ። ካብ ሙፍቲ ንጳጳስ፡ ካብ መስጊድ ንቤተክርስትያን፡ ኮታ ካብ ክስታናይ ንኣስላማይ ዘማርጽ ስርዓት ኣይኮነን። ኤርትራውያን ካብዚ ሓቂ’ዚ ብምንቃል፡ ኣብ ልዕሊ ኣማኒ ሓደ ሃይማኖትን ትካላቱን ዝወርድ ግፍዕን ግህሰትን ኣብ ልዕሊ ኩሎም ከም ዝወረደ ብምእማን ብስሙር ቅልጽም ክቃለስዎ ናይ ግድን እዩ። ካብዚ ወጻኢ እንተኾይዶም ግና ግዳይ ስርዓት ህግደፍን ካለኦት ኣብ ምፍልላይ ዝርብሑ ነጋዶን እዮም ክኾኑ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም፡ ኣብቶም ንሃይማኖትን ካልእ ናይ ብዙሕነት መርኣያን ምስ ህልውና ሃገር ህዝብን ኣዛሚዶም ብግቡእ ከመሓድሩ ዘይበቕዑ ወገናት ዝወርድ ዘሎ ህልቂትን ዕንወትን ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር ዋላ’ኳ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ንከምዚ ዓይነት ውዲታት በጣጢስካ ሓድነትካ ኣጽኒዕካ ኣብ ዓወት ናይ ምብጻሕ ሃብታም ተመኩሮ እንተለዎ፡ ሎሚ እውን ንዝኾነ ክፋፋሊ ሓይሊ ኣፍደገ ከይከፈተ፡ ሓድነቱ ምስጢር ሓያልነቱ ምዃኑ ብምእማን፡ ዓቂብዎ ክቕጽል መተካእታ የብሉን።

Last modified on Sunday, 26 November 2017 01:28