ኣብ ኢድካ ዘሎ ጸንቂቕካ ናይ ምጥቃም ዓቕሚ

2016-10-17 07:54:58 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3352 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰህኤ

“ኣብ ኢድካ ዘሎ ቀሊል” ዝብል ኣበሃህላ ኣብ ኤርትራዊ ልሙድ እዩ። እዚ ድማ “ናተይ እትብሎ ጸጋ ዘይምስትንዓቕ” ዝብል መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እዩ። ናትካ ገዲፍካ ናብ ናይ ካለኦት ዓቕሚ ምምዕዳው ሓደገኛ ምዃኑ ንምስትብሃል ድማ “ካብ ሰብ ዝደሊ ከም ሳእኒ ይበሊ” ንብል ኢና። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ዝምዕደና ኣብ ኢድካ ዘሎ ዓቕሚ ኣብ ክንዲ ተቖንጢጥካ ብውሕልነት ምጥቃም ናብ ኢድ ካለኦት ምምዕዳው ዘይቅቡል ምዃኑ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ዝኾነ ስጉምቲ ክትወስድ እንከለኻ ካብ ነብስኻ ምጅማር ሃናጺ ምዃኑ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ’ውን ኣለዎ።

ኣብዚ ዘለናዮ ሃለዋት ኤርትራዊ ናይ ተቓውሞ ሓይሊ ኣብቲ ዝብህጎ ሸቶ ንምብጻሕ ዓቕሚ ከም ዝሓጽሮን ናይ ካለኦት ደገፍ ከም ዘድልዮን ዘማትእ ኣይኮነን። እዚ ናይ ዓቕሚ ውሱንነት ከጋጥመካ እንከሎ፡ ናይ ካለኦት ወገናት ደገፍ ምጽባይ ኣባና ኣብ ውሱን ዓቕሚ ዘለና ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ካለኦት ብዓቕሞም ዝንየቱ ወገናት እውን ዘረአ እዩ። ናይ ሓቢርካ ምዕባይን ምዕዋትን እምበር ናይ ድኽመት መለክዒ’ውን ኣይኮነን። ክትሕገዝ እንከለኻ ግና ከምቲ “ብዕራይሲ ዝበልዖ ሳዕሪ እምበር ዝጽበዮ ገደል ኣይርእን’ዩ” ዝበሃል ሃንደፍ ኢልካ ዝውሰድ ዘይኮነስ፡ ናይ ነዊሕ መጻኢ ግዜ ሳዕቤኑ ምስትውዓል ኣገዳሲ እዩ። ካብ ክልተ ጫፋት ማለት፡ በቲ ሓደ ወገን ብጉልባብ “ነብስኻ ምኽኣል” ገዛኻ ዓጺኻ በይንኻ ሙማት በቲ ካልእ ወገን ድማ ዝርካቡ ንናትካ ዓቕሚ ዋላ ውሱን ይኹን ዘንጊዕካ ኢድ ካለት ምጽባይ ከነወግዶም ዝግበና ሓደጋታት እዮም።

ናብቲ ኣንቂድናዮ ዘለና ዛዕባ ንመለስ፡ ሓገዝ ንምርካብ ጥራይ ዘይኮነ ዝኾነ ስጉምቲ ክንወስድ እንከለና ቅድሚ ኩሉ ካብ ዓቕምና ክንብገስ ናይ ግድን እዩ። ብመንጽር እዚ ናይ ተቓውሞና ቀንዲ ጸገም ካብ ደለይቲ ፍትሒ ወገናት ተቐባልነትን ሓገዝን ዘይምርካብ ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ጸገምናስ ኣብ ኢድና ዘሎ፡ ኩለመዳያዊ ዓቕሚ ጸንቂቕና ክንጥቀመሉ ዘይምኽኣልና እዩ። ንኣብነት ፍልልያትና ኣመሓዲርና  ኣብቲ ዘሰማመዓና ብሓባር ተተይ ክንብል ዘኽእል ዓቕሚ የብልናን ማለት ኣይኮነን። ስለዚ ኣብዚ ጸገምና ነዚ ውሱን ዓቕምና ብግቡእ ከነዋድዶ ዘይምኽእልና እዩ። ነዚ መሰረታዊ ግቡእና’ዚ ክንትግብር እንተንኽእል ከኣ እቲ ንጽበዮ ገዚፍ ዓቕሚ ክንረኽቦ መቐለለልና። ዝርካቡ ዓቕምና ኣብ መዓላ ከነውዕልን ከነመሓድር ኣብ ዘይከኣልናሉ፡ ናይ ካለኦት ዓቕሚ ክንረክብ ኢና ማለት ግና ዘበት እዩ። ኣብዚ እዋንዚ በብኹርናዑ ንሓይልታት ደንበ ተቓውሞና ኣብ ዝምልከት “ ኣብ ሓደ ጽላል ተትጥርነፉስ ንዓኡ መሓገዝና ሕጂ ግና ንመነኹም ክንሕግዝ። ንሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ሓገዝን ኣፍልጦን ተለገስናስ ንበይኑ እንታይ እዩ ኣድማዕነቱ?” ብዝብል ዝስምዑ ድምጽታት ከኣ ኣብነት እዮም።

ከተግብር ዝኽእል ዓቕምን ኩነታትን ከየጥረኻ ጸጽቡቑ ምትምናይ መወዳእትኡ ሕልሚ እዩ። ኣብ ዝኾነ መድረኽ ብዛዕባ ዝኾነ ዛዕባ ክንውስን እንከለና ብዛዕባ ግብራውነት ናይቲ ውሳነና ክንጭነቕ ይግበኣና። ውሳነ ክውሰን እንከሎ ኣብ ግምት ክኣትዉ ካብ ዝግበኦም ረቛሕታት፡ እቲ ውሳነ ዝትግበረሉ ሃዋህው፡ ናይቲ ነቲ ውሳነ ከተግብር ዝግበኦ ኣካል ቅሩብነትን ዓቕምን ብኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። ብዛዕባ ኣተገባብራኡ ዝኾነ ዓቕምን ግንዛበን ዘይብልካ ክንስኻ፡ ውሳነ ምውሳን ግና መደምደምታኡ “ብር ተበልካስ ሕልሚ” እዩ ዝኸውን። ምናልባት ኣተገባብረኦም ብዘይምግንዛብ ዝወሰንካዮም ውሳነታት ብሃቦ ተረከቦ ሳሕቲ ዝዕወትሉ ኣጋጣሚ ይፍጠር ይኸውን። እዚ ግና ውሕስነት ስለ ዘየብሉ ዝተባባዕ ኣካይዳ ኣይኮነን። ኣብ ኢድካ ኣብ ዘየለ ዓቕሚ ተኣማሚንካ ምትላምን ምውሳንን ከኣ ከምኡ ተመራጺ ኣይኮነን። ስለዚ ክንእምምን ክንውስንን እንከለና ምስ ናይ ምትግባር ዓቕምና ከነገናዝብ ግድን እዩ። ካብ ዘይትግበር ገዚፍ ትልምን ውሳነን፡ ውሱን ግና ዝትግበር ተመራጺ እዩ። “ሳእንኻ ማዕረ እግርኻ ከም ዝበሃል። እዚ ጉዳይ ኣብዚ ኣጋጣሚ ምስ ፖለቲካዊ ህይወት ነዛምዶ ኣለና እምበር፡ ንኹሉ ህይወትና ዝጸልው እዩ።

ዓቕሚ ብደረጃ ህያብ ዝምጠወልካ ዘይኮነ ብጻዕርኻ እተጥርዮ እዩ። ብትምህርቲ ኮነ ብተመኩሮ ክፍጠር ይኽእል። ዓቕሚ ምፍጣር ቀሊል ኣይኮነን። ዝያዳ ከቢድ ብደሆ ግና ዝፈጠርካዮ ዓቕሚ ኣብ መዓላ ከተውዕሎ ምብቃዕ እዩ። ኣብ ደንበ ተቓውሞና ኩሉ ኣብ መጻኢት ኤርትራ  ፍትሒ፡ ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ልምዓትን ምኽባር ኩሉ መሰላትን ዝብህግ ናይዚ ናይ ለውጢ ደንበ ዓቕሚ ምዃኑ ናይ ግድን እዩ። ብመንጽር እዚ ዓቕሚ ደለይቲ ለውጢ ካብ ዓቕሚ ጉጅለ ህግደፍ ከም ዝዛይድ ብሩህ እዩ። እዚ ናይ ዓቕሚ ብልጫ ብናይ ኣብ ግብሪ ኣወዓዕላ ብልጫ እንተዘይተሰንዩ ግና ፋይዳ የብሉን። ብውሱን ግና  ተበላሓቲ ኣተገባብራ ዘለዎ ዓቕሚ ክብለጽ ከኣ ውሁብ እዩ። ተበላሓቲ ኣፈጻጽማ ክንብል እንከለና፡ ከምዚ ናይ ህግደፍ እንዳፈራራሕካን “ኣነ ዝበልኩኻ ጥራይ ስማዕ” እንዳበልካን ዘይኮነስ፡ ኣብ ናይቶም ኣብ ለውጢ ዝረብሓኦም ተዋሳእቲ ድሌትን ቅሩብነትን ዝተሰረተ ዘተኣማምን ዓቕሚ ክትፈጥር ብምብቃዕ ዝህነጽ ዓቕሚ እዩ።

Last modified on Monday, 17 October 2016 10:00